ክልል ሶማሌ ፡ 'ኣብ ጅግጅጋ ጎንጺ ዘለዓዓሉ ናብ ሕጊ ይቐርቡ ኣለው'

Published

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ከተማ ጅግጅጋ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ካልኦት [ሶማሊ ዘይኮኑ] ብሄረሰባት ጉድኣት በጺሑ ዝነበረ እንትኸውን፡ ተሓተትቲ እናተሃደኑ ናብ ሕጊ ክቐርቡ ከምዝተገብረ ምክትል ፕረዚደንት እቲ ክልል ሙስጠፌ ሙሓመድ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ንሱ ወሲኹ ከምዝበሎ፡ ሕዚ'ውን ተሓተትቲ ኣብ ቀይዲ ናይ ምውዓል ስጉምቲ ይቕጽል እዩ ዘሎ። በቲ ተግባር ጉድኣት ዝበጽሖም ድማ ብዝተኽኣለ መጠን ድጋፍ እናተገበረሎም ከምዝርከብ እቲ ምክትል ፕረዚደንት ተዛሪቡ።

"ቀንዲ ትኹረትና፡ ከምዚ ዝኣመሰሉ ጥቕዓታት ኣብ መጻኢ ከይድገሙ ምክልኻል እዩ። ዝኾነ ሰብ ናይ ዝኾነ እምነት ተኸታሊ ኾይኑ ኣብዚ ብናጽነት ክነብር ክኽእል ኣለዎ" ኢሉ።

ኣብቲ እዋን ኣጋጢሙ ብዝነበረ ጎንጺ ኣብ ገለ ኣብያተ እምነት ጉድኣት በጺሑ ነይሩ እዩ።

ብፍላይ ኣብቲ ከባቢ እትርከብ ቤተክርስትያን ኪዳነ ምህረት ተቓጺላ ነይራ።

ሕድሳት ናይታ ቤተክርስትያን ዝተዛዘመ ኾይኑ፡ ትማሊ ከምዝተመረቐት ተገሊጹ።

እታ ቤተክርስትያን፡ መንግስቲ ክልል ሶማልን ካልኦትን ብዝገበርዎ ሓገዝ እያ ተሓዲሳ።

ርክብ ህዝብታት ኦሮሞን ሶማልን

ምሕዝነት ህዝብታት ሶማልን ኦሮሞን ንምጥንኻር ዝዓለመ መድረኽ፤ ኣብ ጅግጅጋ ተኻይዱ። ኣብቲ ሰንበት ንጉሆ ዝጀመረ መድረኽ፡ መራሕቲ ክልቲአን ክልላት ተረኺቦም።

ኣብቲ መድረኽ፡ ፕረዚደንት ክልል ሶማል ሙስጠፌ ሙሓመድ ክልቲኡ ህዝቢ፡ ብቋንቋ፣ ባህልን ሃይማኖትን ኣዝዩ ዝተኣሳሰረ እዩ ኢሉ።

ህዝብታት ኦሮሞን ሶማልን ንብዙሕ እዋናት ምስ መግሃጫ ብዝዛመድ ናብ ጎንጺ ይኣትዉ እኳ እንተነበሩ፤ ኣብ ቀረባ እዋናት ግን መልክዕ ናይቲ ጎንጺ እናተቐየረ ከምዝመጸ ተዛሪቡ።

እተን ጎረባብቲ ክልላት ልዕሊ 1400 ኪ.ሜትር ዝንውሓቱ ዶብ ከምዘለወን ዝገለጸ እቲ ፕሬዝደንት፡ ምስ መግሃጫን ሕቶ ይግበኣኒ መሬትን ዝዛመዱ ጸገማት ብሽማግለታት ዓዲ ክፍትሑ ደኣ ኣለዎም'ምበር፡ ካልእ መልክዕ ክሕዙ ኣይግበኦምን ኢሉ።

"ብጸላኢ እናተመራሕና ናብ ዘየድሊ ጎንጺ ኣይንኣቱን" ኢሉ።

ምክትል ፕረዚደንት ክልል ኦሮሚያ፡ ኣይተ ሽመልስ አብዲሳ ብወገኑ፡ ክልቲኦም ህዝብታት ንዘመናት ዝጸንሐ ርክብ ከምዘለዎም ተዛሪቡ።

"ኦሮሞ እንትጽግሞ ኣብ ሶማል እዩ ዘዕቁብ ነይሩ። ነዚ ምሕዝነት ናብ ክብ ዝበለ ደረጃ ከብጸሖ ዘለዎ ድማ እዚ ወለዶ እዩ" ኢሉ።

ንሱ ብተወሳኺ "ህዝቢ ምስ ህዝቢ ክጋጮ ኣይክእልን፤ ውልቀሰባት ግን ክጻልኡ ይኽእሉ። ኣብ መንጎ ጎረባብቲ ጎንጺ ክፍጠር ይኽእል እዩ፤ ኦሮሞን ሶማልን ግን ክጋጮ ኣይክእልን" ኢሉ።

እቲ ብዙሕ ደም ከፋስስ ዝጸንሐ ጎንጺ ዶብ፡ ካብ መራሕቲ ዝነቐለ ከምዝነበረ እዩ ዝዛረብ።