ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ፡ ትራምፕ ንሓጹር ዘድልዮ ገንዘብ ክጥቀም ኣፍቂዱ

ናይ ዶብ ሓጹር

ምንጪ ስእሊ, EPA

Published
ንባብ: 1 ደቓይቕ

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ንገለ ክፋል ደቡባዊ ዶብ ንምሕጻር ዘድልዮ 2.5 ቢልዮን ዶላር ካብ ባጀት ፔንታጎን [ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ኣሜሪካ] ክጥቀም ከም ዝኽእል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ ኣፍሊጡ።

እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፡ ነቲ ኣቐዲሙ ብፈደራል ዳኛ ግዝኣት ካሊፎርንያ ዝሓለፈ ብይን፡ ትራምፕ ነቲ ገንዘብ ኣብቲ ሓጹር ከየውዕሎ ዝኽልክል ውሳነ፡ ሓሙሽተ ብኣርባዕተ ድምጺ እዩ ኣጊድዎ።

እቲ ንኣሜሪካን ሜክሲኮን ዝፈላልይ ሓጹር፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ እዋን ምርጫ 2016 ቀንዲ ዝጉስጉሰሉ ዝነበረ ዛዕባ እዩ።

ሰልፊ ደሞክራትስ ግና ነዚ ኣትሪሮም እዮም ዝቃወምዎ።

ብመሰርት እዚ ውሳነ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፡ እቲ ገንዘብ ኣብ ግዝኣታት ካሊፎርንያ፡ ኣሪዞናን ኒው መክሲኮን ነቲ ምስ መክሲኮ ዘዳውብ መስመራት ንምሕጻር ክውዕል እዩ።

ቤት ፍርዲ ካሊፎርንያ ግና፡ ባይቶ ኣሜሪካ ነቲ ገንዘብ ንሓጹር ኢሉ ኣየጽደቖን ብምባል እዩ ክቃወም ጸኒሑ።

ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ነቲ ውሳነ ኣመልኪቱ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝጸሓፎ ጽሑፍ "ዓቢይ ዓወት" ክብል ገሊጽዎ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

ካብ ሆንዱራስን ኤል ሳልቫዶርን ተበጊሶም ብጓቴማላ ዝሓልፉ ስደተኛታት ናብ ኣሜሪካ ቅድሚ ምቕጻሎም ኣብ ጓቴማላ ዑቕባ ክሓትቱ ዝገብር ስምምዕ ብዓርቢ፡ ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ጓቴማላን ተኸቲሙ ኣሎ።

ወሃቢት ቃል ባይቶ ኣሜረካ ናንሲ ፔሎሲ "እዚ ናይ ሎሚ ምሸት ውሳነ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ፡ ዶናልድ ትራምፕ ካብ ሰራዊት ገንዘብ ክሰርቕን፡ ጥቅሚ ኣብ ዘይብሉ ብባይቶ ኣብ ዝተነጽገ ሓጹር፡ ንብላሽ፡ ከውዕሎ ዘፍቅድ'ዩ። ኣቦታትና ብህዝቢ ዝምራሕ ደሞክራሲ እምበር ሞናርክነት (ንግስና) ኣይነደፉን" ኢላ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ፈለማ ናይዚ ዓመት፡ ንሃገራዊ ድሕነት፡ ነቲ ሓጹር ንምስራሕ 6.7 ቢልዮን ዶላር ከም ዘድልዮ ብምግላጽ ናይ ሕጹጽ ግዜ ኣዊጁ እዩ። እቲ ኣሃዝ ግና ካብቲ ነቲ 3,200ኪሜ ሓጹር ንምህናጽ ዘድሊ ኣብ ፈለማ ዝተገመተ 23 ቢልዮን ዶላር፡ ኣዝዩ ዝተሓተ እዩ።