ባይቶ ኣሜሪካ፡ ትራምፕ መንደቕ ንምህናጽ ዝኣወጆ ናይ ህጹጽ ግዜ ኣዋጅ ንምስራዝ ኣድሚጹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ባይቶ ኣሜሪካ ነቲ ፕሬዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዶብ ኣሜሪካ ምስ ሜክሲኮ መንደቕ ንምህናጽ ዝኣወጆ ናይ ህጹጽ ግዜ ኣዋጅ ንምስራዝ ኣድሚጹ።
ነቲ ናይ ፕሬዚደንት ትራምፕ ኣዋጅ ንምዕላው ናብቲ ሰልፊ ሪፓብሊካን [ናይ ትራምፕ ሰልፊ] ዝቆጻጸሮ ባይቶ ሴኔት [ላዕለዋይ ሓጋጊ ባይቶ] ተመሪሑ ኣሎ።
ገለ ዓቃባውያን ኣባላት እቲ ባይቶ ድማ ምስ ሰልፊ ዴሞክራት ብምውጋን ኣንጻር'ቲ ኣዋጅ ከነድምጽ ኢና ኢሎም።
ፕሬዚደንት ትራምፕ፡ ባይቶ ኣሜሪካ [ኮንግረስ] ነቲ መንደቕ መህነጺ ባጀት ምስከልእዎ ኢዩ ነቲ ናይ ህጹጽ ግዜ ኣዋጅ ኣዊጁ።
ሕጂ ድማ ነቲ ነቲ እማመ በቲ ናይ ቀውፊ ስልጣኑ [veto power] ተጠቒሙ ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ኢየ ይብል ኣሎ።
እቲ ብሰልፊ ዴሞክራት ዝዕብለል ባይቶ፡ ነቲ ኣንጻር'ቲ ኣዋጅ ዝቐረበ እማመ 245-182 ድምጺ ኢዩ ኣጽዲቕዎ።
ዓሰርተ ሰለስተ ኣባላት ሰልፊ ሪፓብሊካን ነቲ ናይ ትራምፕ ህጹጽ ግዜ ኣውጅ ብምንጻግ ምስ ሰልፊ ዴሞክራት ወጊኖም። እዚ ድማ ክልቲኡ ባይቶ ነቲ ናይ ፕሬዚደንት ናይ ቀውፊ ድምጺ ንምዕላው ዘድልዮ ናይ ክልተ ሲሶ ድምጺ ክረከብ ከምዘይክእል ኢዩ ዘርእየና።
እቶም ሓገግቲ ኣካላት ነቲ ናይ ፕሬዚደንት ውሳነ ንምንጻግ ገለ ሕጋዊ ዓንቀጻት እቲ ቅዋም ይጥቀሙ ኣለው። እንተኾነ ክልቲኡ ባይቶ ኣብ ውሽጢ 18 መዓልታት ኣንጻር እቲ ናይ ፕሬዚደንት ውሳነ ብሓባር ከድምጹ ኣለዎም።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ፕሬዚደንት ትራምፕ ብ15 ለካቲት ነቲ ናይ ባይቶ ውሳነ ጎስዩ ብምሕላፍ ነቲ መንደቕ ካብ ናይ ሰራዊት ባጀት ብምጥቃም ክሃንጾ ወሲኑ። ነቲ ኣብ ዶብ ዘሎ ኩነታት ድማ ኣሰካፊ ኢዩ ኢልዎ።
እንተኾነ ኣባላት ሰልፊ ዴሞክራት እቲ ኣዋጅ ቅዋም ኣይተኸተለን፡ ዳሕራይ ድማ ፕሬዚደንት ትራምፕ ነቲ ኣዋጅ ንምጽዳቕ ዝፈብረኾ ናይ ዶብ ጉዳይ ኢዩ ኢሎሞ።
ብሰኑይ ኣፈኛ ባይቶ ናንሲ ፔሎሲ፡ እዚ ሕጂ ዘሎ ኩነታት ናይ ዶብ ጉዳይ ኣይኮነን። እዚ ብዛዕባ ቅዋም ሃገር ኢዩ፡ እዚ ፖለቲካ ኣይኮነን። እዚ ብዛዕባ ሽርክነት ኣይኮነን። እዚ ብዛዕባ ሃገራውነት እዩ።
ርግጽ ኣብቲ ዶብ ሽግር ኣሎ፡ እንተኾነ ክሳብ ምእዋጅ ህጹጽ ገዜ ዘብጽሕ ኣይኮነን ኢሎም ገለ ኣባላት ባይቶ።
ነዚ ትራምፕ ክህነጽ ዝደልዮ ዘሎ መንደቕ መህነጺ 8 ቢልዮን ዶላር ኢዩ ሓቲቱ፡ እንተኾነ ባይቶ 1.375 ቢልዮን ዶላር እዮም ነቲ ሓጹር መስርሒ ፈቒዶም ዘለው።
ኣባላት ሰልፊ ዴሞክራት ብገለ ኣባላት ሰልፊ ሪፓብሊካን ተደጊፎም ነቲ ናይ ፕሬዚደንት ትራምፕ ውሳነ ይቃወምዎ ኣለው። ፕሬዚደንት ትራምፕ ድማ ናይ ቅውፊ ስልጣኑ ከርኢ ይደናደን ኣሎ።
ብዝኾነ፡ ባይቶ ኣብ ውሽጢ 18 መዓልታት ከድምጹ ኣለዎም።




![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

