ዋንጫ ኣፍሪቃ፡ ኣሽሓት ኣልጀርያውያን ናብ ጎደናታት ብምውጻእ ሓጎሶም ገሊጾም

Published

ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣልጀርያውያን፡ ነታ ዋንጫ ኣፍሪቃ ዓቲራ፡ ትማሊ ቀዳም ናብ ኣልጀርያ ዝተመለሰት ሃገራዊት ጋንትኦም ኣብ ከተማ ኣልጀርስ ድሙቕ ኣቀባብላ ገይሮምላ።

እታ ሃገራዊት ጋንታ ብዓርቢ ኣብ ዝተኻየደ ግጥም ፍጻመ ዋንጫ ኣፍሪቃ፡ ንሰኔጋል 1 ብ 0 ብምስዓር'ያ ነታ ዋንጫ ወሲዳ።

ንእንግሊዛዊት ጋንታ ማንቸስተር ሲቲ ዝጻወት ሪያድ ማህሬዝ ዝርከባ ሃገራዊት ጋንታ ኣልጀርያ፡ ብቀዳማይ ሚንስትር ኑረዲን በዶይ'ውን ኣቀባብላ ተገይሩላ'ዩ።

ንተጻወትቲን ኣባላትን ዝሓዘት ኣውቶብስ ብስእሊ ክልተ ከዋኽብቲ ዝወቀበት ኮይና፡ እዚ ከኣ እታ ሃገራዊት ጋንታ ክልተ ግዜ ንዝወሰደተን ዋንጫ ኣፍሪቃ ከም ዘርእይ ተገሊጹ።

"እቲ ዓወት ኣብታ ሃገር ሓድሽ ህይወት ዝዘርእ እዩ" ክብል ናይታ ሃገር ፕረዚደንት ፌደሬሸን ኩዕሶ እግሪ ከይረዲን ዘቺ ተዛሪቡ።

ገለ ካብ ስእልታት'ቲ ኣቀባብላ