ዋንጫ ኣፍሪቃ፡ ኣሽሓት ኣልጀርያውያን ናብ ጎደናታት ብምውጻእ ሓጎሶም ገሊጾም

ድባብ ዓወት ኣልጀርያውያን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ደገፍቲ ሃገራዊት ጋንታ ኣልጀርያ ዋንጫ ንዘምጽኡ ተጻወትትን ኣባላትን ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ጀሚሩ ድሙቕ ኣቀባብላ ገይሮምሎም
Published

ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣልጀርያውያን፡ ነታ ዋንጫ ኣፍሪቃ ዓቲራ፡ ትማሊ ቀዳም ናብ ኣልጀርያ ዝተመለሰት ሃገራዊት ጋንትኦም ኣብ ከተማ ኣልጀርስ ድሙቕ ኣቀባብላ ገይሮምላ።

እታ ሃገራዊት ጋንታ ብዓርቢ ኣብ ዝተኻየደ ግጥም ፍጻመ ዋንጫ ኣፍሪቃ፡ ንሰኔጋል 1 ብ 0 ብምስዓር'ያ ነታ ዋንጫ ወሲዳ።

ንእንግሊዛዊት ጋንታ ማንቸስተር ሲቲ ዝጻወት ሪያድ ማህሬዝ ዝርከባ ሃገራዊት ጋንታ ኣልጀርያ፡ ብቀዳማይ ሚንስትር ኑረዲን በዶይ'ውን ኣቀባብላ ተገይሩላ'ዩ።

ንተጻወትቲን ኣባላትን ዝሓዘት ኣውቶብስ ብስእሊ ክልተ ከዋኽብቲ ዝወቀበት ኮይና፡ እዚ ከኣ እታ ሃገራዊት ጋንታ ክልተ ግዜ ንዝወሰደተን ዋንጫ ኣፍሪቃ ከም ዘርእይ ተገሊጹ።

"እቲ ዓወት ኣብታ ሃገር ሓድሽ ህይወት ዝዘርእ እዩ" ክብል ናይታ ሃገር ፕረዚደንት ፌደሬሸን ኩዕሶ እግሪ ከይረዲን ዘቺ ተዛሪቡ።

ገለ ካብ ስእልታት'ቲ ኣቀባብላ

ኢስላም ስሊማኒ፣ ረይስ ቦልሂን ሪያስ ማህሬዝን ነታ ዋንጫ ሒዞም

ምንጪ ስእሊ, Riyad Mahrez Instagram

መግለጺ ስእሊ, ኢስላም ስሊማኒ፣ ረይስ ቦልሂን ሪያስ ማህሬዝን ነታ ዋንጫ ሒዞም
ድባብ ኣቀባብላ ሃገራዊት ጋንታ ኣልጀርያ ኣብ ከተማ ኣልጀርስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ዝጀመረ ኣቀባብላ ሃገራዊት ጋንታ ኣልጀርያ ኣብ ከተማ ኣልጀርስ
ኣብቲ ኣቀባብላ ናብ ጎደናታት ካብ ዝወጽኡ ኣልጀርያውያን ብተወሳኺ ኣብ ህንጻታት ኮይኖም ሓጎሶም ዝገልጹ'ውን ነይሮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብቲ ኣቀባብላ ናብ ጎደናታት ካብ ዝወጽኡ ኣልጀርያውያን ብተወሳኺ ኣብ ህንጻታት ኮይኖም ሓጎሶም ዝገልጹ'ውን ነይሮም
ብኽልተ ሃገራዊ ቋንቋታት ኣልጀርያ [ዓረብኛን ኣማዝይን] ኣብታ ኣውቶብስ ዝተጽሓፈ መልእኽቲ 'ተሓቢንናልኩም' ዝብል ትርጉም ነይርዎም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ብኽልተ ሃገራዊ ቋንቋታት ኣልጀርያ [ዓረብኛን ኣማዝይን] ኣብታ ኣውቶብስ ዝተጽሓፈ መልእኽቲ 'ተሓቢንናልኩም' ዝብል ትርጉም ነይርዎም
Algeria victory parade

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሃገራዊት ጋንታ ኣልጀርያ ኣብ ታሪኻ ንኻልኣይ ግዜ ዋንጫ ኣፍሪቃ ተዓዊታ
ድባብ ዓወት ዋንጫ ኣፍሪቃ ኣልጀርያውያን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣልጀርያውያን ሓጎሶም ብዝተፈላለዩ መገዲታት ገሊጾም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images