ቅልውላው ሱዳን፡ ተጀሚሩ ዝነበረ ዝርርብ ኣብ ዝተቛረጸሉ ሓደ ተቓዋሚ ሰልፈኛ ተቐቲሉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሓደ ሱዳናዊ ተቓዋሚ ብኣባላት እቲ ብጣዕሚ ዝፍራሕ 'ተወርዋሪ ናይ ሓገዝ ሓይሊ' ('ራፒድ ሳፖርት ፎርስ') ብዝተተኮሰ ጥይት ከም ዝተቐተለ ንተቓወምቲ ዝድግፉ ሓካይም ሓቢሮም።
ንሶም ከም ዝሓርዎ፡ እቲ ተቓዋሚ ሰልፈኛ፡ ኣንጻር ዕጡቓት 'ራፒድ ሳፖርት ፎርስ' ተቓውሞ ንምስማዕ ኣብ ዝተጀመረ ሰልፊ'ዩ በቶም ዕጡቓት ጉጅለ ካብ ዝተተኮሰ ጥይት ርእሱ ከም ዝተወቐዐ ተዛሪቦም።
እቲ ተወርዋሪ ናይ ሓገዝ ሓይሊ ይኹን ቤት ምኽሪ ወተሃደራዊ መንግስቲ ሱዳን ብዛዕባ'ዚ ርእይቶ ካብ ምሃብ ስቕታ መሪጾም ኣለዉ።
ኣብ ሞንጎ ሲቪላትን ወተሃደራዊ ሓይልን ስልጣን ምርቅቃሕ ዝተጀመረ ዝርርብ ኣብ ዝተደናጎየሉ እዋን'ዩ እቲ ሰብ ተቐቲሉ ዘሎ።
ሴናር ኣብ ዝተበሃለት ደቡብ-ምብራቓዊት ግዝኣት ዝርከቡ ዕጡቓት 'ተወርዋሪ ናይ ሓገዝ ሓይሊ' ካብቲ ቦታ ንኽወጽኡ ዝጽውዕ ሰልፊ ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን እቲ ተቓዋሚ ሰልፈኛ ከም ዝተቐትለ ይግለጽ።
"ኣባላት እቲ ተወርዋሪ ሓይሊ ናብቲ ቦታ ብምምጻእ ንላዕሊ ክትኩሱ ጀሚሮም፤ ጸኒሖም ግን ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ተኹሲ ከፊቶም። ነቲ ሰብ ብምቕታል ከኣ ንብዙሓት ኣቑሲሎም" ክብል ሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ውልቀ-ሰብ ንኤኤፍፒ ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ዝሓለፈ ቀዳም፡ ኣብ ጎደናታት ካርቱም ሰልፊ ዘካየዱ ኣሽሓት ሱዳናውያን፡ ንግዳያት በቲ ብ 3 ሰነ 2019 ዝተፈጸመ ጅምላዊ ቅትለት ፍትሒ ክወሃብ ጸዊዖም።
ሽዑ ዕጡቓት ናይቲ ተወርዋሪ ሓይሊ፡ ነቶም ተቓውሞ ንምስማዕ ኣብ ጎደና ወጺኦም ዝቐነዩ ሰልፈኛታት ንምብታን ብዝኸፈትዎ መጥቃዕቲ ብዉሑድ 128 ሰባት ከም ዝተቐተሉ ይግለጽ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
