እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዋንጫ ኣፍሪቃ 2019፡ ካብ ግጥማት ፍርቂ ፍጻመ፡ እንታይ ክንጽበ?
ሰኔጋል ምስ ቱኒዝያ ሰዓት 7፡00 ከምኡ'ውን ኣልጀሪያ ምስ ናይጀሪያ ሰዓት 10፡00 ምሸት ኣብ ከተማ ካይሮ ካብ ክልተ ዝተፈላለዩ ስታድየማት ክፋጠጣ እየን።
ናይጀሪያ ነዛ ዋንጫ ልዕሊ ሓደ ግዜ ተዓዊታትላ ኣላ።
ኣጥቃዓይ ናይጀሪያ ኣሌክስ ኢዎቢ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ዕላል "ኣርባዕቴና ብሉጻት ተጻወትቲ ስለ ዘለዉና፡ ናይ ምዕዋት ዕድል ኣሎና" ይብል።
ከዋኽብቲ ፕሪምየር ሊግ ኣብ ምርኢት
ሰኔጋላዊ ኣጥቃዓይ ሳድዮ ማነ እቲ ዝለዓለ ተጻዋታይ ፕሪምየር ሊግ ኣብዚ ውድድር ኢዩ።
ንሱ ነታ ምስ ሊቨርፑል ዝተዓወታ መዳልያ ጎባልል ክለባት ኣውሮጳ ምስ ኣናብስ ተረንጋ ብዋንጫ ኣፍሪቃ ከም ዝላወጣ ተዛሪቡ ነይሩ።
ማነ ብሰለስተ ሸቶታት ምስ ኣልጀርያዊ ኣዳም ኦዉናስ፡ ናይጀሪያዊ ኦዲየን ኢሃሎ ከምኡ ውን ኣጥቃዓይ ኮንጎ ሲድሪክ ባካምቡ ብምዃን ነቲ ውድድር ብሸቶ ይመርሖ ኣሎ።
ኣከፋፋሊ ኤቨርተን ኢድሪሳ ጉየን ተኸላኻሊ ናፖሊ ካሊዶ ኮሊባሊን ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ሰኔጋል ተሓቒፎም ካብ ዘለዉ ኢዮም።
ጋንታ ቱኒዝያ፡ ንናይ ቅድም ኣከፋፋሊ ሰንደርላንድ ዋሃቢ ክሃዝሪን፡ ሓያላት ኣከፋፈልቲ ፈርጃኒ ሳሲን ዮዉሰፍ ምሳኪኒን ሓቒፋ ትርከብ።
ኮኾብ ኣልጀሪያ ናይ ክንፊ ተጻዋታይ ማንቸስተር ሲቲ ራያድ ማህረዝ ኢዩ።
ኣጥቃዓይ ናፖሊ ኡናስን፡ ኣብ ዌስትሃም ዝነበረ ሕጂ ኣብ ጋላታሳራይ ዘሎ ናይ ክንፊ ተጻዋታይ ሶፊያነ ፈጎሊን ገለ ካብ ኣባላት እታ ጋንታ ኢዮም።
ኣጥቃዓይ ኣርሰናል ኣሌክስ ኢዎቢ ሓደ ካብ ወሰንቲ ተጻወቲ ናይጀሪያ ኢዩ። ምስኡ ኣብታ ጋንታ ዘለዉ ኣከፋፋሊ ሌስተር ዊልፍረድን ኣጥቃዓይ ዋትፎርድ ነበር ኦዲዮን ኢጋሎን መንእሰይ ተጻዋታይ ቪላሪያል ሳሙኤል ቹክወዚን ይርከብዎም።
ዘይተለምደ ዓወት
እተን ሰለስተ ዕውታት ናይዚ ውድድር ግብጺ፡ ካሜሩንን ጋናን ካብ ብሉጻት 16 ክሓልፋ ብዘይ ምኽኣለን ተገሊፍን ኢየን።
እታ ኣብ ዋንጫ ዓለም ርብዒ ፍጻሜ ዝበጽሐት ሰኔጋል ንዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣይተዓወተትላን። ኣብ 2002 ንፍጻሜ በጺሓ ብካሜሮን ብፍጹም ቅላዕ ተረቲዓ።
ቱኒዝያ ኣብ 2004፡ ኣልጀሪያ ድማ ኣብ 1990 ነዚ ውድድር ሓሓደ ግዜ ተዓዊተናሉ ኣለዋ።
ውድድር ፍጻሜ ኣብ ካይሮ ኢንተርናሽናል ስታድዮም ዓርቢ ኢዩ ክካየድ። ናይ ደረጃ ድማ ክልተ መዓልቲ ኣቐዲሙ ክካየድ ኢዩ።
መን ትዕወት?
ሰኔጋል እታ ናይ ምዕዋት ልዑል ተኽእሎ ዘለዋ ኮይና፡ ብድሕሪኣ ድማ ኣልጀሪያ።
ኣልጀሪያ ኣብ ናይ ምድብ ጸወታ ኩሉ ውድራት ስዒራ ኢያ ዋላ ንሰኔጋል 1-0 ስዒራታ። ኣብ ብሉጻት 16 ንጊኒ 3-0 ምስ ሰዓረታ፡ ናብ ፍርቂ ፍጻሜ ንምሕላፍ ንኣይቮሪኮስት ብፍጹም ቅላዕ ረቲዓታ።
ኣብ ናይ ምድብ ጸወታታት ሰኔጋል ንወኻሩ ምድረበዳ ተኸቲላ ካልኣይቲ ኢያ ወዲኣ።
ናይጀሪያ ኣብ ምድባ ድሕሪ ማዳጋስካር ወዲኣ ኣብ ዝሰዓበ ጸወታ ናይ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ግና ንካሜሩንን ደቡብ ኣፍሪቃን ስዒራ ሓሊፋ።
ቱኒዝያ ኣብ ምድባ ሰለስተ ግዜ ኢያ ማዕረ ተፈላልያ። ንጋና ድማ ብፍጹም ቅላዕ ረቲዓታ።