ጥንታዊ ዘመናዊ ሰብ ካብ ኣፍሪቃ ወጻኢ ተረኺቡ

ምንጪ ስእሊ, Katerina Harvati, Eberhard Karls Uni Tüb
ዝጠንተወ ዓሌት ዘመናዊ ሰብ ካብ ኣፍሪቃ ወጻኢ ከም ዝረኸቡ ተመራመርቲ ገሊጾም።
እቲ ኣብ ግሪኽ ተቐቢሩ ዝተረኽበ ሽኽና 210,000 ዓመት ዝገበረ ምዃኑ ኢዩ ዝንገረሉ ዘሎ።
እዚ ኣደናቒ ርኽበት፡ ነቲ ኣብ ሕጂ ዘለዉ ሰባት ገለ ኣሰር ዲኤንኤ ዘይገደፈ፡ ጥንታዊ ፍልሰት ሰባት ካብ ኣፍሪቃ ተወሳኺ መርትዕዖ ክህልዎ ገይርዎ ኣሎ።
እቲ ርኸበት ኣብ ጆረናል ነቸር ኢዩ ተሓቲሙ ተዘርጊሑ።
ተመራመርቲ ኣብ ሰብዓታት ኣብ በዓቲ ኣፒዲማ ግሪኽ ክልተ ኣገዳሲ ቅሪት /ኣሰር ህይወት/ ከም ዝረኸቡ ይፍለጥ።
እቲ ሓደ ኣዝዩ ዝተበላሸወ ክኸውን ከሎ እቲ ካልኣይ ድማ ዘይምሉእ'ዩ ነይሩ። ይኹን እምበር ብሓገዝ ቴክኖሎጂ ኮምፒዩተር እቲ ሓቝፍዎ ዘሎ ምስጢር ክብርበር ተኻኢሉ ኢዩ።
እቲ ሓደ ሽኽና ንኒያንደርታል ዝመስል ኮይኑ እቲ ካልኣይ ግና ክብብ ዝበለ ሽክና ዘለዎ ኮይኑ ንዘመናዊ ሰብ ይመሳሰል። እቲ ንኒያንደርታል ዝመስል ድማ ዝነኣሰ ዕድመ ኣለዎ።
ፕሮፈሰር ክሪስ ስትሪንገር ካብ 'ሎንደን ናቹራል ሂስትሪ ሙዩዚየም' ብዛዕባ'ዚ ከረድእ ከሎ፡ "ብመሰረት እዚ ርኸበት፡ ቅድሚ 210,000 ዓመታት ኣቢሉ ኣብ ግሪኽ ጉጅለታት ዘመናዊ ሰብ ይነብሩ ነይሮም እዮም፡ ድሕሪ ግና ብንኒያንደርታል ተተኪኦም፤ እዚኣቶም ድማ ናይ 170,000 ዕድመ ዘለዎም እዮም።

ሎሚ ካብ ኣፍሪቃ ወጻኢ ብህይወት ዘለዉ ሰባት፡ ወለድኦም ናብቶም ቅድሚ 60,000 ዓመት ካብታ ኣህጉር ዝፈለሱ ኣባሓጎታት እዮም ዘተኣሳስርዎ።
ይኹን እምበር እዚ እዩ እቲ ቀዳማይ ፍልሰት ዘመናዊ ሰብ (ሆሞ ሳፒይንስ) ኢልካ ምዝራብ ኣይካኣልን። ምኽንያቱ ኣብ እስራኤል ኣብ ተስዓታት ዝተረኽበ ኣሰር ህይወት ሆሞ ሳፒይንስ ካብ 90,000 ክሳብ 125,000 ዕድመ ዘለዎ እዩ።
እዚ ርኽበት፡ ናትና ዓሌት ወድሰብ ካብቲ እንሓስቦ ቅድም ኢሉ፡ ካብ ኣፍሪቃ ወጻኢ ኣብ ካልእ ከባቢታት ውን ይነብሩ ምንባሮም ዘአንፈተ ምዃኑ እቶም ተመራመርቲ ይገልጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት ውን፡ ኣብ ቻይና ዝተረኽበ ኣሰር ህይወት 80000 ክሳብ 120000 ዕድመ ዘለዎ እዩ።
ገለ መጽናዕትታት ዲኤንኤ፡ ምትሕውዋስ ዘርኢ ኣፍሪቃዊ ሰብን ኒያንደርታልስን ከም ዝነበረ ምልክት ሂቡ ኢዩ። ኣብ ናይ ኒያንደርታልስን ዓሌት ዘለዎም ጀርመናውያን ኣብ ዝተገብረ ምርምር፡ ቅድሚ 219000 - 460000 ዓመታት ገለ ምትሕንፋጽ ናይ ዘርኢ ከም ዝነበረ መርትዖ ተረኺቡ ኢዩ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
