ጉዕዞ ኣየር ካብ 2 ክሳብ 3 ሚእታዊት ናይ ዓለማዊ ብክላ ጋዝ ከም ዝሽፍን ይግለጽ

ምንጪ ስእሊ, Eviation
ኣብ ምስራሕ ነፈርቲ ዝነጥፋ ትካላት ብኤለክትሪክ ዝሰርሓ ነፈርቲ ብምስራሕ ነቲ ንሳተን`ውን ኢድ ዝሕውሳሉ ኣብ ጽላት ኢንዱስሪኤን እንዳገደደ ዝመጽእ ዘሎ ብከላ ጋዝ ሓምላይ ገዛ ንምብዳህ ሓይለን ኣተኣኻኺበን ተበጊሰን ኣለዋ።
እዚ ግን ነቲ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ድሌት ጉዕዞ ብነፋሪት ከመዓራርዮ ይኽእል`ዶ ይኸውን?
ኣብ`ቲ ኣብ`ዚ ሰሙን`ዚ ኣብ ፓሪስ ዝተገብረ ምርኢት ነፈርቲ፡ እታ ናይ ፈለማ ምሉእ ብምሉእ ብኤለክትሪክ እትሰርሕ ናይ ገያሾ ነፋሪት ተራእያ። ዋላ`ኳ ብመልክዕ ምስሊ ውቕሮ [ሞዴል] ጥራይ እንተነበረ።
እታ ኤቬሽን ዝተባህለት ነቲ ሞደል ዘቕረበት እስራኤላዊት ትካል፡ እታ ኣሊስ ተባሂላ እተሰምየት ነፋሪት ትሽዓተ ሰባት ኣሳፊራ ኣብ 3,000 ሜትሮ ብራኸ እንበረረት ንሓደ ሽሕን ኣርብዓን ኪሎሜተር ክትጓዓዝ ትኽእል፡ ኣብ 2022 ኣብ ጥቕሚ ክትውዕል ድማ ትጽቢት ይግበረላ።
ኣሊስ ዘይንቡር መልክዕ`ዩ ዘለዋ፡ ማለት ሰለስተ ንድሕሪት ዝጥምቱ ደፋእቲ መሓንበቢታት [ፕሮፐለርስ]፣ ሓደ ብድሕሪት ክልተ ድማ ስሕበት ዝቃወሙ ብኣንጻር ዝዞሩ ኣብ ጫፍ ናይ ክንፍታታ ኣለዉዋ። ኣብ ምብጋስ ዝሕግዛ ሓደ ታሕተዋይ ጸፊሕ ክንፊ`ውን ኣለዋ።
"እዛ ነፋሪት ከምዚ ዓይነት ኣቓውማ ዝሓዘትሉ ምኽንያት ብኤለክትሪክ እትሰርሕ ስለዝኾነት እምበር ጽብቕቲ ነፋሪት ክንሰርሕ ስለዝደለና ኣይኮነን" ይብል ሓላፊ ኤቬሽን ኦመር ባር-ዮሃይ።
"ኣብ ሕምባበኻ ተመርኲስካ ኢኻ ነፋሪት ኣትሰርሕ። ብኤለክትሪክ እትሰርሕ ነፋሪት ማለት ድማ ፎከስቲ ሞተረታት ኣለዉኻ ማለት`ዩ። እዚ ኸኣ ነቲ ናይ ቅዲ ቦታ ክንከፍቶ ይሕግዘና" ይብል ንሱ።ኤቬሽን ነታ ነፋሪት ንኽትሰርሕ ድሮ ፈላሞት ትእዛዛት ተቐቢላ`ላ። እታ 90 ነፈርቲ እተዋፍር ዞባዊት መገዲ ኣየር ኣሜሪካ ኬፕ ኣየር "ልዕሊ ዓሰርተ" ነፈርቲ ክትገዝእ ተሰማሚዓ`ላ።
እቲ ትካል ኤለክትሪካዊ ሞተረታት ናይ ጀርመናዊ ትካል ሲሜንስን ማግኒ`ኤክስ ክጥቀም`ዩ። ኣብ ዓመት ንትሕቲ 500 ማይልስ ርሕቀት ዘለዎ በረራ ክልተ ቢሊዮን ቲኬታት ስለዝሽየጥ፡ መጻኢ ናይ`ቲ መኽሰባት ናይ ብኤለክትሪክ ዝሰርሓ ነፈርቲ ገያሾ ብሩህ`ዩ፡ ኢሉ ኣካያዲ ስራሕ ማግኒ-ኤክስ ሮይ ጋንዛርስኪ።
ወሳኒ ብዝኾነ መገዲ፡ ኤለክትሪክ ካብ`ቲ ልሙድ ምጥቃም ነዳዲ ኣዝዩ ይሓስር።
ሓንቲ ንእሽቶ ቱርቦ-ፕሮፕ ሴስና ካራቫን ብመገዲ ልሙድ ምጥቃም ነዳዲ ናይ 100 ማይልስ በረራ ንምሽፋን 400 ዶላር ትውድእ ይብል ጋንዛርስኪ። ብኤለክትሪክ ግን "ካብ 8 ክሳብ 12 ዶላር ጥራይ ትውድእ። እዚ ማለት ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ በረራ ኣዝዩ ትሑት ዋጋ ማለት`ዩ" ኢሉ ንሱ።
"ትካልና ኣብ ድሕነት ኣከባቢ ዝነጥፍ ትካል ኣይኮነን። ብኤለክትሪክ ዝንቀሳቐሳ ነፈርቲ ምስራሕና ኣብ ረብሓ ዝተመርኮሰ`ዩ" ድማ ይብል።
ማግኒ-ኤክስ ነተን ብነዳዲ ዝሰርሓ ነፈረቲ ብኤለክትሪክ ከምዝሰርሓ ጌርካ ንምስንዐን ምስ`ቲ ኣብ ቫንኮቨር ዝመደበሩ ሃርበር ኣየር ሓቢሩ ይሰርሕ ኣሎ። ንማእከላይ ርሕቀት በረራ፡ ማለት ኣስታት 1,500 ኪሎሜተር ዝምልከት ድማ እቲ መጻኢ ምኽኒያታዊ ብዝኾነ መገዲ ብሩህ`ዩ።
ዘይከም ኣሊስ፡ እተን ነዚ ርሕቀት`ዚ ዒላማ ገይረን ዝሰርሓ ነፈርቲ ነቲ ልሙድ ናይ ነዳዲን ሓይሊ ኤለክትሪክን ሓዊሰን ክሰርሓ`የን። እዚ ድማ ኣብ ወሳኒ እዋን ምብጋስን ምዕላብን ካብ ምጥቃም ነዳዲ ናብ ምጥቃም ኤለክትሪክ ብምቕያር ዓቢ ምቕናስ ብከላ ካርቦንዳይኦክሳይድ ክገብራ`የን።
ሓያሎ ናይ መርኣያ ፕሮጀክትታት ድማ ፍረ ክህቡ ተቓሪቦም ኣለዉ።

ምንጪ ስእሊ, Airbus
ንኣብነት፡ ሮልስ ሮይስ፣ ኤርባስን ሲሜንስን ነቲ ክልተ ሜጋዎት ሓይሊዝህልዎ ኣብ ልዕሊ BAE 146 ነፋሪት ዝስቀል E-Fan X ፕሮግራም ይሰርሑ ኣለዉ። እዛ ነፋሪት`ዚኣ ኣብ 2021 ክትበርር ትጽቢት ይግበረላ።
"ኣብዚ ዝሳተፍ ገዚፍ መጠን ሓይሊ ኣሎ። እቲ ምህንድስና ፍጹም ኣንፊ ጥርዚ`ዩ፡ ወፍርና ኣብ ኤለክትሪካዊ ሓይሊ ድማ ብፍጥነት ይዓቢ`ሎ" ይብል ሓላፊ ክፍሊ ቴክኖሎጂ ናይ ሮልስ ሮይስ ፖወል ስተይን።
እቲ ንሰራሒ ሞተረ ፕራትን ዊትኒን ዘጠቓልል ዩናይትድ ቴክኖሎጊስ`ውን ኣብ`ቲ ፕሮጀክት 804 ዝበሃል ስርሑ ተጸሚዱ ይርከብ።
እታ ነፋሪት ብውሑዱ 30 ሚእታዊ ነዳዲ ንምቑጣብ ክትሕግዝ`ያ ይብል`ቲ ትካል። ኣብ 2022 ክትበርር ድማ ትጽቢት ይግበረላ፡ እተን ነፈርቲ መፋርቕ 2020ታት ድማ ንዞባውያን መገዲ ኣየራት ክሽየጣ ድማ ግምት ተዋሂብወን ኣሎ።
ዙናም ኣይሮ ድማ ብኣሜሪካዊ ሰራሕ ነፈርቲ ቦይንግ ተደጊፉ፡ ብማይ ዝሰርሕ ሞተር ናይ ፈረንሳዊ ትካል ሳፍራን ተጠቒሙ ሓንፈጽ/ድቓላ ነፋሪት ንምስራሕ ይሸባሸብ ኣሎ። እቲ ብትሑት ዋጋ ኣየር ቲኬት ዝሰርሕ ኢዚ ጀት`ውን ኣብ 2027 ብኤለክትሪክ ዝሰርሓ ነፈርቲ ንምጥቃም ምስ ትካል ራይት ኤለክትሪክ ሓቢሩ ይሰርሕ ኣሎ።
እዚ መደብ`ዚ ኣብ ናይ ኤውሮጳ ዝጸዓቐ መስመር ለንደን-ኣምስተርዳም ዝኣመሰሉ ሓጸርቲ መገሻታት ዝዓለመ ክኸውን ይኽእል`ዩ።
"ብኤለክትሪክ ብዝሰርሓ ነፈርቲ ምብራር ክዉን እናኾነ ይመጽእ ኣሎ፡ መጻኢ ኣብ ነዳዲ ጥራይ ዘይምርኮስ በረራታት ድማ ይረኣየና`ሎ" ይብል ኣካያዲ ኢዚ ጀት ዮሃን ላንድግረን።
እቲ ዩ ቢ ኤስ ዝተባህለ ናይ ወፍሪ ባንኪ ድማ ጽላት ስነ-በረራ ንዞባዊ ደረጃ ቀልጢፉ ናብ'ሓንፈጽን ኤለክትሪክ ነፈርትን ከምዝቕየር ብምንባይ ነቲ መግለጺ ናይ ዮሃን ላንድግረን ይድግፍ። ኣብ መንጎ 2028ን 2040 ኣብ ዘሎ እዋን 550 ሓናፍጽ ነፈርቲ ንምዕዳግ ጠለብ ክቐርብ`ዩ ኢሉ ድማ ግምቱ ሂቡ`ሎ።
መጻኢ ዕድል ብኤለክትሪክ ዝሰርሓ ንነዊሕ ጉዕዞ ዝገሻ ነፈርቲ ግን ብሩህ ኣይኮነን።
ኤለክትሪካዊ ሞተረታት፣ ጀነረይተራት፣ መከፋፈልትን መቆጻጸርን ጸዓትን ብቕልጡፍ ማዕቢሎም`ኳ እንተሃለዉ፡ ቴክኖሎጂ ባትሪ ግን ኣይግድን።
ዋላ ዓቢ ምዕባለ ኤክኖሎጂ ባትሪ`ውን እንተሃለወ፡ ንኣብነት ካብ 30 ዕጽፊ ንላዕሊ ናይ`ዚ ሕጂ ዘሎ ብቕዓት፡ ሓደ ሕምሲት ርሕቀት ናይ ሓንቲ ፍርቂ መጠን ጽዕነታ ዝጸዓነት ኤርባስ A320 ነፋሪት ጥራይ`ዩ ክሽፍን ዝኽእል፡ ይብል ሓላፊ ክፍሊ ቴክኖሎጂ ኤርባስ ግራዚያ ቪታዲኒ።
"ኣብ ምዕቋር ጸዓት ሓደ ሓድሽ/ፍሉይ ዝኾነ ኩትሞ እንተዘይሃልዩ፡ ኣቐዲምካ ክትርእዮ ኣብ እትኽእል ናይ ጊዜ መቓን ኣብ ሃይድሮካርቦን ኢና ክንምርኮስ" ይብል ሓላፊ ክፍሊ ቴክኖሎጂ ናይ ዩናይትድ ቴክኖሎጂስ ፖወል ኤረሜንኮ።
እቲ ዝዓበየ ጸገም፡ እቲ 80 ሚእታዊ ብጽላት ስነ-በረራ ዝመጽእ ብከላ በተን ንልዕሊ 1,500 ኪሎሜተር ዝጓዓዛ ናይ ገያሾ ነፈር`ዩ ዝፍጸም። እዚ ድማ ዝኾነት ብኤለክትሪክ እትሰርሕ ነፋሪት ክትሽፍኖ ዘይትኽእል ርሕቀት`ዩ።
ኮይኑ ግን፡ ዓባይ ብሪጣኒያ ኣብ 2050 ብከላ ካርቦን ናብ ዜሮ ምውራድ ንዝብል ሸቶ ተቐቢላ ንምትግባር ፈላሚት ኣባል ሃገራት ጉጅለ ሸውዓተ [G7] ኮይና`ላ። እዚ ድማ ነቲ ኣብ`ዚ ዓመት`ዚ 4.3 ቢሊዮን ኣየር ትኬት ዝሸጠን ኣብ 2037 ድማ 8 ቢሊዮን ቲኬታት ክሸይጥ ትጽቢት ዝግበረሉ ዋኒን መገዲ ኣየራት ዓቢ ብድሆ ክኾኖ`ዩ። ተቖጻጸርቲ`ውን ዓቢ ጸቕጢ ይገብሩ ኣለዉ።
ትካል ድሕነት ስነ-በረራ ኤውሮጳ`ውን ነፈርቲ ብመጠን ዘስዕበኦ ብከላ ክምድበን ምዃኑ ከፍልጥ እንከሎ፡ ኖርወይን ሽወደንን ድማ ካብ 2040 ንንዮው፡ ኣብ ክሊ ኣየራተን ዝበራ ናይ ሓጺር ጉዕዞ ነፈርቲ ብኤለክትሪክ ጥራይ ዝሰርሓ ጥራይ ክኾና ከምዘለወን ዓሊመን ኣለዋ።
እሞ ብስነ-መጎታዊ ኣረኣእያ፡ እቲ መፍትሒ ናይ ነዊሕ ርሕቀት ነፈርቲ ማእላይ`ዶ ይኸውን?
እዚ ግን ብርኡይ ምኽንያት ንመጻኢ ናይ`ቲ ጽላት ሰሓቢ/ማራኺ ኣይኮነን። ምጋሽ ደው እንተዳኣ ኣቢልና፡ ዓለምና "ኣብ ጸልማት" ክትኣቱ`ያ ድማ ይብል ፖወል ስተይን ናይ ሮልስ ሮይስ።
ደቂ ሰባት ካብ`ዚ "ብሰላም ሓቢርካ ምንባር ካብ ምጋሽን ሓድሕድ ምርድዳእን ዝምንጭወሉ" ዓለማዊ ቁጠባ እንተ`ደኣ ወጺእና ብዙሕ ከሻቕለኒ`ዩ፡ ምክንያቱ እዚ እቲ ደቂ ሰባት ክኽተልዎ ዘለዎም መገዲ ኣይመስለንን" ድማ ይብል።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
