እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ደቡብ ካሊፎርንያ 6.4 ሬክተር ስኬል ዝልካዕ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣጋጢሙ
ደቡብ ካሊፎርኒያ ኣብ 20 ዓመታት ተራእዩ ዘይፈልጥ ከቢድ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣጋጢምዋ፤ ድሕሪ እቲ ርዕደ መሬት፡ ባርዕ ሓዊን ከቢድ ማህሰይትን ወሪዱ።
ማእከል ናይዚ 6.4 ሬክተር ስኬል ዝልካዕ ምንቅጥቃጥ መሬት፡ ኣብ ጥቓ ከተማ ሪጅክረስት እዩ። ከተማ ሪጅክረስት ካብ ሎስ ኣናጀለስ 240 ኪሎሜትር ርሒቓ እያ ትርከብ።
ሰራሕተኛታት ምጥፋእ ባርዕ፡ ኣብታ ከተማን ኣብ ጥቓ እታ ከተማን ንዘጋጠመ ባርዕ የጥፍኡ ከምኡ ድማ ሕክምናዊ ሓገዛት ይህቡ ነይሮም።
እዚ ኣብ መዓልቲ ናፃነት ኣመሪካ ዘጋጠመ ርዕደ መሬት፡ ኣብ ምድረበዳ ሞሃቪ ዝነበሩ ሰባት ናብ ገማግም ፓሲፊክ ንክሃድሙ ኣገዲድዎም እዩ።
ጂኦፊዚስት ፕሮፌሰር ጆን ረንድል፡ እቲ ምንቅጥቓጥ መሬት ኣብ ከተማ ሪጅክረስት ከቢድ ማህሰይቲ ከምዘውረደ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
እቲ ምንቅጥቓጥ መሬት፡ ብዙሕ ህዝቢ ኣብ ዘይነብረሉ ከባብታት ምግጣሙ ዕድል ምዃኑ እውን ወሲኾም ሓቢሮም።
"ንከየብቅዕ ይኽእል እዩ"
ነቲ ርዕደ መሬት ስዒቡ ብዘጋጠመ ባርዕ ብርክት ዝበሉ ህንፃታት ዝተቓፀሉ ክኸውን ከሎ፡ ሰራሕተኛታት ምክልኻል ባርዕ ሓዊ ድማ ነዚ ንምቁፅፃር ኣብቲ ቦታ ከምዝተዋፈሩ ወሃቢ ቃል ምምሕዳር ካሊፎርኒያ ብራድ ኣለክሳንደር ገሊፆም።
"ንከየብቅዕ ይኽእል እዩ። ኣብቲ ግዝኣት ካልእ ተወሳኺ ምንቅጥቓጥ መሬት እውን ከጋጥም ይኽእል እዩ" ክብሉ ድማ ኣጠንቂቖም።
ከንቲባ እታ ከተማ ፐጊ ብሪደን፡ ኣብታ ከተማ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ከምዝተኣወጀ፡ ንሲኤንኤን ገሊፆም።
በቲ ሓደጋ ዝዓነዉ ህንፃታትን መስመራት ነዳድን ከምዘለዉ ዝተዛረቡ ፐጊ፡ በቶም ፍርስራሳት ዝተፀቐጡ ገለ ሰባት ከምዝነበሩ እውን ሓቢሮም።
እዚ ከቢድ ምንቅጥቓት መሬት እንተጋጥም ኣብ መሕፀቢ ክፍሊ ዝነበረ ስቴፈን፡ ገዝኡ ክንቅጥቀጥ ከሎ ዝፈጠረሉ ስምዒትን ኣጋጣምን ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
"ሙሉእ እቲ ገዛ ክንቅጥቀጥ ከሎ ጎይዪና ናብ ፅርግያ ወፂእና፤ ን 10 ክሳብ 15 ካልኢት እዩ ጸኒሑ፤ ኣዚና ፈሪሕና ነይርና" ኢሉ።
"ሕዚ እውን ካልእ ምንቅጥቓጥ መሬት ከጋጥም ስለዝኽእል ተዳሊና ኢና ዘለና። ኣቑሑትና ናብ ባይታ ኣውሪድና፣ እንጥቀመሎም ናይ ጋዝ ናውቲ እውን ኣጠፋፊእና ኢና። ሎሚ ኣብ ደገ ኢና ክንሓድር" ክብል ስግኣቱ ገሊፁ።
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ እቲ ኩነታት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓለ ብመገዲ ትዊተር ገሊፆም።