ውሕሃ፡ ጠንቂ ሞት ሞርሲ ብነጻ ኣካል ክምርመር ጸዊዑ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ጠንቂ ሞት ፕረዚደንት ግብጺ ነበር ሞሓመድ ሞርሲ ብነጻ ኣካል መርመራ ክካየደሉ ጸዊዑ።
ወዲ 67 ዓመት ፕረዚደንተ ግብጺ ነበር ሞሓመድ ሞርሲ ብሰኑይ ናብ ቤተ ፍርዲ ኣብ ዝቐረበሉ ዘልሓጥ ኢሉ ወዲቑ ሂወቱ ከም ዝሓለፈት ይዝከር።
ሞርሲ፡ ቀዳማይ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተመረጸ መራሒ ግብጺ ኮይኑ፡ ኣብ 2013 ብወተሃደራዊ ሓይሊ ካብ ስልጣን ምስ ተኣለየ ክሳብ ዕለተ ሞቱ ኣብ ቀይዲ'ዩ ጸኒሑ።
ስድራ ቤቱ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝነበረሉ ኣብ ኣተሓሓዝኡ ዝነበሮም ስክፍታ ብተደጋጋሚ ናብ ሰብ መዚ ይጠርዑ ኔይሮም'ዮም፡ ድሕሪ ሞቱ'ውን እነተኾነ ኣብ መቦቆል ዓዱ ንክቐብሩዎ ዘቕረብዎ ሕቶ ብመንግስቲ ግብጺ ተቐባልነት ከም ዘይረኸበ'ዮም ዝሕብሩ።
ፕረዚደንት ግብጺ ነበር ሞሓመድ ሞርሲ፡ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ሓለዋ፡ ብሰሉስ ኣብ ምብራቓዊ ካይሮ'ዩ ተቐቢሩ።
ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ግብጺ፡ ሩፐርት ኮልቪሊን፡ ጠንቂ ሞት ሞርሲን ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንከሎ ዝግበረሉ ዝነበረ ኣተሓሕዛን ነጻ ብዝኾነ ኣካል ክምርመር፡ ናብ መንግስቲ ግብጺ ጻውዒቱ ኣቕሪቡ'ሎ።
"ጉዳይ ሞርሲ ኣዛራራቢ'ዩ ኮይኑ ዘሎ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝነበረሉ፡ ቀረብ መድሃኒታት፡ ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ዓመታት ምስ ቤተ ሰቡን ጠበቕኡን ንኽራኸብ ዝተፈቐደሉ ግዜ ዝብሉ ምጽራይ የድልዮም'ዩ" ኢሉ።

![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

