ቬንዙዌላ፡ ኩዋን ጓይዶ፡ ኣንጻር መንግስቲ ናዕቢ ኪግበር ጸዊዑ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እቲ ኣብ ወርሒ ጥሪ ዝተወለዐ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ዝይዳ ብምጉህሃሩ ስጋብ ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ምክያድ በጺሑ።
እንተኾነ፡ ፕሬዚደንት ኒኮላስ ኣብቲ ዕልዋ ኢድ ዝነበሮም ሰባት ክቕጽዑ ከምዝኾኑ ከፍልጥ ከሎ፡ መራሒ ተቓዋሚ ኩዋን ጓይዶ ድማ እቲ ዝተጀመረ ትቓውሞ ዝያዳ ክዓብን ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛታት ክጽንበርዎን ጸዊዑ።
እዚ ኣብታ ሃገር ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ዘሻቐሎም መራሕቲ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኤውሮጳን እቲ ኩነታት ካብ ምቁጽጻር ወጻኢ ከይከውንን ሂወት ሰላማውያን ሰባት ከይጠፍእን ክልቲኡ ወገናት ነብሶም ኪገትኡ ጸዊዕም።
መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ቬኔዝዌላ ኩዋን ጓይዶ ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕሬዚደንት ኒኮላስ ማዱሮ ካብ ስልጣኑ ንኽወርድ ዝካየድ ዘሎ ቀጻሊ ኣድማታት ዝያዳ ንኽጉሃሃር ጸዊዑ።
ኩዋን ጓይዶ፡ መታን እቲ ናይ ስራሕ ደው ምባል ስጉምቲ ናብ ምሉእ ኣድማ ክሰጋገር ንሰራሕተኛታት መንግስቲ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዝካየድ ናይ ስራሕ ደው ምባል ኣድማ ክካፈሉ ተማሕጺንዎም።
ብሮቡዕ ኣብ ርእሰ ከተማ ካራካስ ኣብ መንጎ ተቓወምትን ናይ ጸጥታ ሓይልታትን ኣብ ዝተኻየደ ግጭት ሓንቲ ሰበይቲ ከም ዝተቐትለት ተገሊጹ።
ፕሬዚደንት ማዱሮ ነቲ ካብ ሃገሩ ክሃድም ይዳሎ ኣሎ ዝብል ዘረባ ነጺግዎ። ነታ ኣብ ሃገሩ ዕልዋ መንግስቲ ክካየድ ትጽዕት ትገብር ዘላ ኣሜሪካ ድማ ወቒሱ።
ነቶም ኣብቲ ምንቅስቓስ ኢድ ዘለዎም ድማ ክቕጽዑ ምዃኖም ገሊጹ። ብሰንኪ'ቲ ኣብ ቬኔዙላ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው፡ ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ሩስያን ዝነበረ ወጥሪ ይዓቢ ከምዘሎ ተገሊጹ።
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ፡ ማይክ ፖምፔዮ፡ ነቲ ኣብ ቬኔዝዌላ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ንምፍታሕ ኣሜሪካ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክትወስድ ከም እትኽእል ድሕሪ ምግላጽ፡ ነቲ ሩስያን ኩባን ንስርዓት ማዱሮ ሓገዝ ብምሃብ ኣብታ ሃገር ሕንፍሽፍሽ ብምፍጣሮም ድማ ወቒሱ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጅዬ ላቭሮቭ ብወገኑ ናይ ኣሜሪካ ጽልዋ ኣብ ቬኔዝዌላ ኣዕናውን ኣህጉራዊ ሕጊ ዝጥሕስን ከምዝኾነ ንማይክ ፖምፔዮ ነጊርዎ።
ኩዋን ጓይዶ፡ ዝሓለፈ ጥሪ ኢዩ ንነብሱ ከም ግዝያዊ መራሒ ቬኔዝዌላ ዝኣወጀ፡ ብድሕሪኡ ድማ ልዕሊ 50 ሃገራት፡ ኣሜሪካ ዓዲ እንግሊዝን ብርክት ዝበላ ሃገራት ላቲን ኣሜሪካን ከም መራሒ ሃገር ተቐቢለንኦ።
እንተኾነ እቲ ብመንግስቲ ሩስያን ቻይናን ላዕለዎት መራሕቲ ሰራዊት እታ ሃገርን ዝድገፍ ፕሬዚደንት ኒኮላስ ማዱሮ ግና ካብ ስልጣኑ ከም ዘይወርድ ኣቕቢጹ።

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty Images
ናይ ኩዋን ጓይዶ ናይ መወዳእታ ምንቅስቓስ ክሳብ ከንደይ ኣገዳሲ'ዩ?
ብቐጻሊ ብቛንቋ ስጳኛ ኣብ ዝገብሮ 'ትዊት'፡ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ "ስርሒት ሓርነት" ተጀሚሩ ኣሎ፡ ሕጂ ተሪፉ ዘሎ ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛታት ኣብቲ ስርሒት ምክፋል ጥራይ ኢዩ ኢሉ ኩዋን ጓይዶ።
እቶም ተቓውሞ ዘስምዑ ዘለው ህዝቢ ክሳብ ማዱሮ ካብ ስልጣኑ ዝወርድ ድማ ካብቲ ተቓውምኦም ዘስምዕሉ ጽርግያታት ከየልግሱ ተማሕጺንዎም።
ኩዋን ጓይዶ ነቲ መንግስታዊ ጽላታት ንምኽሳብ ንሰሙናት ፈቲኑ፡ እንተኾነ ናታቶም ደገፍ ክረክብ ግና ኣዝዩ ከጸግሞ ከም ዝኾነ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኣብ ኣሜሪካ ካንዴስ ፒየት ገሊጹ።
ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣብቲ መንግስቲ ዝጸውዖ ኣኼባታት እንተዘይተኻፊሎም ካብ ስርሖም ክስጎጉ ከምዝኾኑ ንዓመታት ክሕበሩ ከም ዝጸንሑ ካንዴስ ፒየት ገሊጹ።
ሕጂ፡ ኩዋን ጉያዶ ነቶም ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛታት ክኸስቦም እንተድኣ ክኢሉ፡ ዓቢ ዓወት ኣንጻር ፕሬዚደንት ማዱሮ ክኾነሉ'ዩ ክብል ካንደስ ፒየት ገሊጹ።
ትማሊ ሮቡዕ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ካራካስ ደገፍትን ተቓወምቲ መንግስትን ዓበይቲ ሰላማዊ ሰልፍታት ኣካይዶም። ዳሕራይ ግና፡ ኣብ መንጎ ኣባላት ጸጥታን ተቓወምትን ኣብ ዝተኻየደ ግጭት ሓንቲ ጓል 27 ዓመት ከም ዝተቐትለት ሓደ ዘይመንግስታዊ ውድብ ገሊጹ።
ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ብኸመይ ተጋሂዱ?
ብሰሉስ፡ ኩዋን ጓይዶ ምስ ገለ ወተሃደራዊ ክዳን ዝለበሱ ሰባት ከሎ ዘርኢ ቪድዮ ድሕሪ ምዝርግሑ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ካራካስ ናይ ገለ "ተባዓት ኣባላት ሰራዊት" ደገፍ ከምዘለዎ ገሊጹ።
ኩዋን ጓይዶ ኣብቲ ዝዘርግሖ ቪድዮ ቬኔዝዌላውያን ምስቶም ኣብ ጽርግያታት ተቓውምኦም ዘስምዑ ዘለው የሕዋቶም ክጽንበሩ ተማሕጺኑ።
ኣብቲ ቪድዮ ምስ ሓደ ካብ 2014 ካብ ገዝኡ ከይወጽእ ተኣጊዱ ዝነበረ፡ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ፡ ሌፖልዶ ሎፐዝ፡ ብሓባር ከለው የርኢ።
መንግስቲ ስጳኛ፡ ሌፖልዶ ሎፔዝ ምስ ስድራቤቱ ኣብቲ ኣብ ካራካስ ዝርከብ ኤምባሲኦም ተዓቚቡ ከምዘሎ ገሊጻ፡ ፖለቲካዊ ዕቑባ ግና ኣይሓተትን ኢላ።
ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ እንታይ ኢሉ?
ዋና ጽሓፊ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣንቶንዮ ጉተሬስ ክልቲኦም ወገናት ህውከትን ምልዕዓልን ከወግዱ ክጽውዕ ከሎ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ድማ ክልቲኦም ወገናት ህይወት ሰብ ከይጠፍእን እቲ ወጥሪ ካይዓርግን ኩሉ ዘድሊ ምቁጽጻር ኪገብሩ ድማ ጸዊዖም።
ኣሜሪካ ግና ኩሉ ንኩዋን ጓይዶ ዘለዋ ደገፍ ደጊማ ኣረጋጊጻ።
እተን ጌና ንመንግስቲ ማዱሮ ዝድግፋ ሃገራት ቦሊቪያን ኩባን ድማ ነቲ ኩዋን ጓይዶ ከካይዶ ዝፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ኮኒነን።
በንጻሩ፡ መንግስቲ ሚክሲኮ በቲ ኣብቲ ሃገር ዘሎ ናዕቢ ዝተሰመዓ ሻቕሎት ክትገልጽ ከላ፡ ፕሬዚደንት ኮሎምቢያ ኢቫን ዱኬ ድማ ሰራዊት ቬኔዙላ ኣንጻር ፕሬዚደንት ማዱሮ ደው ክብሉን ምስ ህዝቢ ክውግኑን ተማሕጺኑ።
ናይ ሊማ ጉጅለ ዝብሃል ማሕበር ሃገራት ላቲን ኣሜሪካ ንጽባሕ ዓርቢ ህጹጽ ኣኼባ ጸዊዑ ኣሎ።




![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

