እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣመሪካ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ህጹጽ ናይ ሓደጋ እዋን ይእውጅ
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ዶብ ሃገሩን ሜክሲኮን ህጹጽ እዋን ሓደጋ ከም ዝእውጅ ኣፍሊጡ።
ንሱ ሎሚ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ብባይቶ እታ ሃገር ክጸድቕ ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ ዓመታዊ ባጀት እታ ሃገር ፌርማኡ ከም ዘስፍረሉ ድሕሪ ምሕባር፡ ኣብ ሓደ እዋን ነቲ ኣዋጅ'ውን ብወግዒ ክፍርመሉ ምዃኑ ተዛሪቡ።
"ሃገራዊ ህጹጽ ናይ ሓደጋ እዋን ክእውጅ'የ። ቅድሚ ሕጂ ካልኦት ፕረዚደንታት ንዘይጠቅም ጉዳያት ይእውጅዎ ነይሮም'ዮም። እዚ ግን ብዛዕባ ሃገርና ብኣሰጋገርቲ ሰባትን ዕጸ-ፋርስን፡ ኩሎም ዓይነት ገበነኛታትን ምውራራ ኢና ንዛረብ ዘለና" ኢሉ።
ባይቶ እታ ሃገር፡ ማለት ኮንግረስ፡ ነቲ ልዕሊ 3000 ኪሎ ሜትር ዝንውሓቱ ዶብ ብመንደቕ ንምሕጻር ዘኽእሎ 5.7 ቢልዮን ዶላር ባጀት ከጽድቐሉ ብዘይምኽኣሉ ነቲ ኣዋጅ ዝእውጅ ዘሎ።
እቲ መንደቕ ኣብ ስልጣን ንምምጻእ ኣብ ዝገብሮ ዝነበረ ጎስጓስ ካብ ዝተመባጻዓሎም ቀንዲ ዱዳያት'ዩ።
ንሰልፊ ደሞክራሲ ዝውክሉ ኣባላት ባይቶን ሰነትን እቲ ውሳነ፡ "ኣብ ኣእምሮ እቲ ፕረዚደንት ዝተፈጥረ ህጹጽ ናይ ሓደጋ እዋን'ዩ" ክብሉ ነቲ ኣዋጅ ዘለዎም ሓያል ተቓውሞ ይገልጹ ኣለዉ።
ብሰንኪ በቲ ጉዳይ ኣብ መንጎ ኮንግረስን እቲ ፕረዚደንት ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ እቲ ዝነውሐ ምዕጻው መንግስቲ ኣስዒቡ ምንባሩ ይዝከር።
ገለ ካብቲ ንሱ ዝመርሖ ሰልፊ ሪፓብሊካን ዝኾኑ ኣባላት ኮንግረስ'ውን እቲ ኣዋጅ ኣይተዋሕጠሎምን።
ነቲ ኣዋጅ ብምእዋጅ፡ ካብቲ ኣካል ናይቲ ዝጸድቕ ወታሃደራዊ ባጀት እታ ሃገርን ካልኦት ተመሳሰልቲ ፕሮጅክታትን ገንዘብ ብምእላይ፡ ነቲ መንደቕ ክሃንጾ ክፍትን'ዩ።
እንተኾነ ግን፡ ከምቲ ንሱ ዝበሎ፡ እቲ ውሳነ ኣብ ግብሪ ከይወዓለ እንከሎበቶም ዝቃውምዎ ዘለዉ ወገናት ናብ ቤት ፍርዲ ከምርሕ ትጽቢት ይግበር። እዚ ማለት ድማ፡ እቲ ውሳነ ከይተተግበረ ንነዊሕ እዋን ክጸንሕ ተኽእሎ ኣሎ።
ህጹጽ እዋን ሓደጋ (ናሽናል ኢመርጀንሲ) ኣብ ግዚ ቅልውላዉ ዝውሰድ ኮይኑ፡ እቲ ፕረዚደንት ወይ ፈጻሚ ኣካል ንህጹጻት ጉዳያት ቅልጡፍ ግብረመልሲ ክህብ ዘኽእል ስልጣን'ዩ።
እንተኾነ ግና፡ እቲ ኣብ ዶብ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት፡ ሰባዊ ድኣ'ምበር፡ ንህጹጽ እዋን ሓደጋ ዝበቅ ከም ዘይኮነ ዝበዝሑ ኪኢላት ኢሚግሬሽን ዝሰማምዕሉ ጉዳይ'ዩ።
ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ካብ ላቲን ኣመሪካ ዝወሓዙ ስደተኛታት ናብ ኣሜሪካ ንምእታው ኣብቲ ዶብ ተዓጊቶም ከም ዘለዉ ይፍለጥ። ፕረዚደንት ትራምፕ እቶም ስደተኛታት ንሃገሩ "ክወሩ" ዝመጹ ዘለዉ "ዓመጽትን፡ ገበነኛታትን" ብምባል ክገልጾም ይስማዕ'ዩ።