እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፕረዚደንት ትራምፕ ንመህነጺ መንደቕ ዶብ ኣሜሪካ-ሜክሲኮ ገንዘብ ጠሊቡ
ብሰንኪ'ቲ ፕረዚደንት ትራምፕ ክሃንጾ ዝተመባጽዖ መንደቕ፡ ክልቲኤን ስልፍታት ኣሜሪካ - ሪፓብሊካንን ዴሞክራትን ኣብ ምትፍናን ይርከባ። ከም ሳዕቤን ናይዚ ምትፍናን ድማ ርብዒ መንግስታዊ ትካላት ኣሜሪካ ተዓጽየን ይርከባ።.
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ኣብ ኣሜሪካ 'እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ሰብኣውን ጸጥታውን ቅልውላው ደው ንምባል' ንነዊሕ እዋን ንኽትግብሮ ክመባጽዖ ዝጸንሐ ናይ ኣሜሪካ-ሜክሲኮ መንደቕ መህነጺ ዝኸውን ገንዘብ ካብ መንግስቲ ጠሊቡ ኣሎ።
እንተኾነ፡ ኣብቲ ንፈለማ እዋን ካብ ቤት ጽሕፈቱ ንምሉእ ሃገር ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ሚስተር ትራምፕ ንሃገራዊ ባይቶ ብምጉሳይ ሃገራዊ ኣገዳስነትን ህጹጽነትን ምህናጽ ናይቲ መከላኸሊ መንደቕ ኣይኣወጀን።
መራሕቲ ሰልፊ ዴሞክራት ኣብ ቴሌቪዥን ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ንህዝቢ ኣሜሪካ ጅሆ ብምሓዙ ወንጂሎሞ።
ክልቲኦም ወገናት፡ ሰልፊ ሪፓብሊካንን ዴሞክራትን ነቲ ን18 መዓልታት ዝተዓጽወ መንግስታዊ ትካላት ብምምዝማዝ ንረብሕኦም ክጥቀምሉ ይፍትኑ ከምዘለው ይግለጽ።
እቲ ፕረዚደንት ሰልፊ ሪፓብሊካን ዝኾነ ዶናልድ ትራምፕ፡ ነቲ ኣብ እዋን ምርጫ ክሃንጾ ዝተመባጽዖ መንደቕ ንምህናጽ ኣስታት 5.7 ቢልዮን ዶላር የድልዮ።
እንተኾነ ኣባላት ሰልፊ ዴሞክራት፡ ነቲ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝጠልቦ ዘሎ ገንዘብ ንኸይውሃቦ ኣትሪሮም ይቃወሙ ኣለው። ኣብዚ እዋን፡ ሰልፊ ዴሞክራት እታ ዝበዝሐ መናብር ዘለዋ ሰልፊ ኢያ።
እቲ ኣብዚ እዋን ዝርአ ዘሎ ምዕጻው መንግስታዊ ትካላት፡ ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ እቲ ካልኣይ ዝነውሐ ክኸውን ከሎ፡ ብሰንኪ'ዚ ድማ ኣማኢት ኣሽሓት ኣሜሪካውያን ሰራሕተኛታት ደሞዞም ኣይወሰዱን ኣለው።
ፕሬዚደንት ትራምፕ እንታይ ኢሉ?
ብሰሉስ፡ ብቀጥታ ኣብ ተሌቪዥን ንሸሞንተ ደቓይቕ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ብሰንኪ ኣባላት ሰልፊ ዴሞክራት'የን ትካላት ፌዴራላዊ መንግስቲ ተዓጽየን ዘለዋ ኢሉ።
እቲ ኣብ ዶባት ዘሎ ኩነታት "ሰብኣዊ ቅልውላውን፡ ቅልውላው ልብን መንፈስን ኢዩ" ኢሉ ሚስተር ትራምፕ።
እቲ ጌና ብወግዒ ዳግም ዘይተመሓየሸ ናይ ሰሜን ኣሜሪካ ናይ ንግዲ ስምምዕ ነቲ መንደቕ ንምህናጽ ክምውሎ ኢዩ ኢሉ። እዚ ግና ኣብ ዝሓለፈ፡ ክኢላታት ስነ-ቁጠባ ተቓዊሞሞ ኢዮም።
ኣብዝሓለፈ እዋን ኣባላት ሰልፊ ዴሞክራት ምህናጽ ናይቲ መንደቕ ይድግፉ ከም ዝነበሩ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣዘኻኺሩ።
ኣብ 2006፡ ኣባል ሴኔት፡ ቹክ ሹመር፡ ባራክ ኦባማ፡ ሂለሪ ክሊንተንን ጆ ባይደንን ምህናጽ ናይ 1,120 ኪሎ ሜትር መከላኸሊ መንደቕ ደጊፎም ነይሮም።
ኣብቲ ዝገበሮ መደረ፡ ናይቶም ብዘይሕጋውያን ስደተኛታት ብኣረሜናዊ ኣገባብ ዝተቐትሉ ኣሜሪካውያን ዜጋታት ከም ኣብነት ድሕሪ ምቕራብ፡ "ባይቶ ስጉምቲ ስጋብ ዝወስድ'ከ ክንደይ ኣሜሪካውያን ክቕተሉ ኢዮም?" ክብል ሓቲቱ።
ኣባላት ሰልፊ ዴሞክራት`ከ እንታይ መሊሾም?
ኣፈኛ ባይቶ ናንሲ ፔሎሲን ሴነተር ቹክ ሹመርን ሚስተር ትራምፕ ነቲ ምዕጻው መንግስታዊ ትካላት ፍታሕ ክህበሉ ጠሊቦም።
እቶም ኣብ ዶባት ዘለው ቆልዓ ሰበይቲ "ናይ ጸጥታ ስጋት ኣይኮኑን፡ በንጻሩ ሰብኣዊ ብድሆ ኢዮም" ኢላ ኣፈኛ ባይቶ፡ ወይዘሮ ናንሲ ፔሎሶኒ።
"እቲ ሓቂ ፕረዚደንት ትራምፕ ንህዝቢ ኣሜሪካ ከም ጅሆ ምሓዝን ምብራኽ ቅልውላዋትን ደው ከብሎን፡ ኩለን ዝተዓጽዋ መንግስታዊ ትካላትን ድማ ክኽፈታን" ሓንቲ ኣባል ባይቶ ግዝኣት ካሊፎርኒያ ጠሊባ።
ኣብ ዶባት ዘሎ ክውንነት እንታይ ይመስል?
ዋላ'ኳ ክልቲኤን ሰልፍታት ኣድላይነት ጸጥታ ኣብቲ ዶባት ክህሉ ይሰማምዓ ድኣ'ምበር፡ ገለ ድማ ፕረዚደንት ትራምፕ ነቲ ሽግር ኣዝዩ ብምግናኑ ይነቕፍዎ።
እቲ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝግበር ምስጋር ዶባት ካብቲ ኣብ 2000 ዓመተ ምህረት ዝነበረ 1.6 ሚልዮን፡ ዓሚ ናብ 400,000 ወሪዱ።
ገለ መጽናዕትታት ዘካየዱ ሰባት ከምዝብልዎ፡ ካብቶም ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ዝፍጽምዎ ገበናት ናይቶም ደቀባት ኣሜሪካውያን ዝፍጽምዎ ገበናት ይዓቢ ኢሎም።
ፕሬዚደንት ትራምፕ ክንደይ ዝእክል ደገፍ ኣለዎ?
ዋላ'ኳ ፕረዚደንት ትራምፕ ደገፍ ኣባልት ሰልፉ እንተሃለዎ፡ ትማል ሰሉስ ግና ኣባል ሰልፉ ዝኾነት ሴኔተር ሊዛ ካብ ግዝኣት ኣላስካ፡ ምስ ኣባላት ሰልፊ ዴሞክራት ብምውጋን ቅድሚ ምህናጽ ናይቲ መንደቕ፡ እተን ተዓጽየን ዘለዋ መንግስታዊ ትካላት ክኽፈታ ጸዊዓ። ካልኦት ኣባላት ሰልፊ ሪፓብሊካን ዝኾና ሴኔተራት'ውን ዝሓለፈ ሰሙን ተመሳሳሊ ምሕጽንታ ኣቕሪበን ነይረን።
ዳርጋ 51 ሚኢታዊት ዝኮኑ ኣሜሪካውያን ከም ጠንቂ ምዕጻው መንግስታዊ ትካላት ንፕሬዚደንት ትራምፕ ይወቕስዎ።
ምእዋጅ ህጹጽ ግዜ ንታይ ክፍይድ ይኽእል?
ዋላ'ኳ ፕረዚደንት ትራምፕ ብሰሉስ ምሸት ህጹጹ ኣዋጅ ኣይአውጅ `ምበር፡ ገለ ተንተንቲ ከም ዝብልዎ ቅድሚ እቲ ዘሎ ናይ ዘይምርድዳእ ኩነታት ምፍትሑ ነቲ ኣዋጅ ክእውጅ ተኽእሎታት ከምዘሎ ይገልጹ።
እቲ ዘሎ ፖለቲካዊ ምትፍናን፡ ካብ ባጀት ናይ ሰራዊት ብምጥቃም ነቲ ንዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ክሃንጾ ዘይከኣለ መንደቕ ንኽሃንጾ ተኽእሎ ክረክብ ይኽእል ይብሃል።
እንተኾነ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ነቲ ሕገመንግስታዊ ስልጣን ባይቶ ብምምንጣሉ ክኽሰስ ኢዩ። እቲ ክወስዶ ዝኾነ ስጉምቲ ድማ ነታ ሃገር ኣብ ክትወጾ ዝይትኽእል ዓዘቅቲ ናይ ሕጋዊ ብድሆታት ክትሽመም ኢያ።