ኣባላት ባይቶ እንግሊዝ ሚንስተር ጥምየት ክሽየመሎም ሓቲቶም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
Published
ሓያሎ ኣባላት ባይቶ እንግሊዝ፡ ኣብታ ሃገር እናገደደ ብዝመፅእ ዘሎ ሕጽረት መግቢ ኣብ ጉዳይ ህፃናት ዘተኩር ሚኒስተር ንክጣየስ ጠሊቦም።
ኮሚቴ ኦዲት ጉዳያት ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ እንግሊዝ ከምዝገለፆ፡ 19 ሚእታዊት ዝኾኑ ትሕቲ 15 ዓመት ዝዕድሚኦም ኢንግሊዛውያን ህፃናት ምግቢ ንምዕዳግ ምስዝፅገሙ ስድራ እዮም ዝነብሩ።
እዚ ኣሃዝ ኣብ ኣውሮጳ እቲ ዝዓበየ እዩ።
ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ዝርከቡ ሚኒስትራት ነዚ ፀገም ንምፍላይን መፍትሒ ንምሃብን ከም ዘይኸኣሉ ድማ እቲ ኮሚቴ ሓቢሩ።
መንግስቲ እንግሊዝ ግና፡ ስራሕ ምስ ዘይብሎም ስድራ ናይ ዝነብሩ ቁፅሪ ህፃናት ምስ ካልእ ግዜ እንትነፃፀር ዝተሓተ ከምዝኾነ እዩ ዝካታዕ።
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝተመጠጠኑን ብሚዛናዊ ዋጋ ዝርከቡ ዓይነታት ምግቢ ክረኽቡ ዘይኽእሉ ቁፅሪ ዜጋታት ብዘሰክፍ መልክዑ እናዛየደ ከምዝመፅአ ዝገለፁ እቶም ኣባላት ባይቶ፤
ስራሕ ኣልቦ ዜጋታት እታ ሃገርን ህፃናትን ድማ ቀንዲ ግዳያት ምዃኖም ሓቢሮም።
ስለዝኾነ ድማ ጥምየትን ሕፅረት ምግብን ዝከታተል ሚኒስትር ብህፁፅ ንክጣየሽ ኣገንዚቦም።
እዚ ዝጣየሽ ሚኒስትር ድማ፡ መንቀልታት ጥምየትን ሕፅረት ምግብን፣ ዘስዕቦ ጉድኣትን ኣብ መፍትሕታትን ኣድሂቡ ክሰርሕ ይግባእ ኢሎም።








![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
