ሕሱም መንገዲ ጥምየት ኮንጋውያን

መግለጺ ቪድዮ, ሕሱም መንገዲ ጥምየት ኮንጋውያን
Published

ኣስታት ፍርቂ ሚልየን ህፃናት ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ፡ ኣብ ሕሱም ጥምየት ይርከቡ። ኣብ ሞንጎ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ዕጡቓትን መንግስትን ብዝካየድ ዘሎ ሕድሕድ ኲናት ስዒቡ ዝተፈጠረ ጥምየት፡ ኣእላፍ ስድራታት እናተመዛበሉ እዮም። ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብታ ሃገር ዘሎ ቅልውላው ህፁፅ ሓገዝ ከምዘድልዮ ፀዊዑ እዩ። ኣብ የመንን ሶርያን እውን ከምኡ።