ዲ.ሪ.ኮንጎ፡ ውፅኢት ፕረዚደንታዊ መረጻ ተደናጉዩ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ሰንበት ዝተኻየደ መረፃ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ብምድንጓዩ ጓሂ ፈጢሩ።
ኣብ ገለ ከባብታት ነዚ ምድጓይ ምኽንያት ዝኾነ፡ እቲ ንፈለማ እዋን ኣብ ጥቕሚ ዝወዓለ ብኮምፒተር ዝተሓገዘ ማቺን ምብልሻዩ ስዒቡ'ዩ ተባሂሉ።
እዚ መረፃ፡ ዲሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ብ1960ታት ናፅነታ ካብ እትጎናፀፍ ጀሚሩ ንፈለማ እዋን ሰላማዊ ስግግር ስልጣን ከምፅእ ተስፋ ዝግበረሉ'ዩ ። ሰንበት ዝተጀመረ ድምፂ ምሃብ፤ መሊኡ ተወዲኡ እዩ።
ፕረዚደንት ጆሴፍ ካቢላ ን17 ዓመታት ኣብ ስልጣን ድሕሪ ምፅንሑ ብገዛ ርቃዱ ካብ ስልጣን ክለቕቕ ኢዩ።
ውፅኢት እቲ መረፃ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ዕላዊ ክኸውን እዩ ተባሂሉ።
እቲ መረፃ ቅድሚ ክልተ ዓመት ክካየድ ዝነበሮ'ኳ እንተኾነ፡ ብሰንኪ ዋሕዲ ቁሳቑስን መሳርሕታትን ብተደጋገሚ ክሰጋገር ከም ዝፀንሐ ሓለፍቲ ይዛረቡ።
1.2 ሚልዮን መረፅቲ ከይሳተፉ ዝብል ዝተመሓላለፈ ውሳኔ ስዒቡ፡ ቅድመ ኵነት እቲ መረፃ ብሐያሎ ናዕቢን ዕግርግርን ዝግለፅ ነይሩ። ብሓፈሻ ቁፅሪ በዝሒ ኮንጎ 81 ሚልዮን ዝፅጋዕ እንትኸውን፡ ኣስታት ፍርቂ ማለት ውን 40 ሚልዮን ህዝቢ ድምፁ ክህብ ተባሂሉ ይእመነሉ።
እቲ መረፃ ሰዓት 11 ብወግዒ እንተተዓፀወ'ኳ፡ ኣብ ገለ ከባብታት መስርዕ ዝሓዘ መራጺ ስለዝነበረ ድምፁ ክህብ ተፈቂድሉ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
እቲ መዓልቲ መረጻ ከመይ ሓሊፉ?
ብሰንኪ ሓያል ዝናብ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ኪንሻሻ ደንጒዩ እዩ ተጀሚሩ።
ኣብ ገለ ከባብታት ድማ፡ በቲ ንፈለማ እዋን ኣብ ረብሓ ዝወዓለ ማቺን ምብልሻው ምኽንያት ደንጒዩ ክጅምር ክኢኡ።
በዚ ዝተበገሰ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ገለ ጓሂ ፈጢሩ ነይሩ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
