ማንቸስተር ምስ ሊቨርፑል፡ መን ኮን ይዕወት?

Published

ማንቸስተር ናብ ሜዳ ሊቨርፑል ኣንፊልድ፡ ተጓዒዞም ኣብ ዝገበርዎ ክልተ ግጥማት ኣይሰለጦምን። ሰንበት ኣብ ዝገብርዎ ግጥም'ከ፡ ነዚ ይቕይርዎ'ዶ ይኾኑ?

ኣብዚ ግጥም ኣሰልጣኒ ማንቸስተር ሆዜ ሞሪኖ፡ ፍልይ ዝበለ ኣጸዋውታ ዘርእየና ኣይመስለንን ይብል ተንታኒ ኩዕሶ እግሪ ቢቢሲ፡ ማርክ ላውረንሰን። ተጻወትቲ ሊቨረፑል ድማ ነዚ መዝሚዞም፡ ሸቶ ንምቑጻር ክጽዕሩ ምዃኖም ገሊጹ ኣሎ።

ቀዳም

ማንቸስተር ሲቲ ምስ ኤቨርተን

ተጻወትቲ ማንቸስተር ሲቲ ረቡዕ ኣብ ግጥም ቻምፕዮና ንሆፈኒየም ብምስዓሮም፡ ክዳኸሙ ይኽእሉ ኢዮም፤ እንተኾነ ግን ምዕዋት ኣይከብዶምን ኢዩ ይብል ላውሮ።

ኤቨርተን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ዋትፎርድ ማዕረ ምፍልላዮም፡ ጸቕጢ ከይገበረሎም ኣይክተርፍን ኢዩ፤ እንተኾነ ግን ኤቨርተን ንዓበይቲ ጋንታታት ብቐሊሉ ኢዶም ኣይህቡን ኢዮም።

ናይ ደብራይን ኣጉዌሮን መጉዳእቲ ንሲቲ ጸቕጢ ዝፈጥረሎም'ኳ እንተኾነ፡ ናይ ስተርሊንግን ሳኔን ኣብ ደሓን ኩነታት ምህላው ድማ ጽቡቕ ኩነት ክፈጥረሎም ይኽእል ኢዩ ብምባል፤ ሲቲ 2 ብ 0 ከም ዝዕወቱ ይግምት ላውሮ።

ክሪስታል ፓላስ ምስ ሌስተር

ፓላስ ክሳብ ሕጂ መሳጢ ምንቅስቓስ ኣይገበረትን፤ ኣብ ሰሌዳ ተርታ ፕረሚየር ሊግ መበል 16 ስፍራ ብምህላዋ ድማ፡ ዝያዳ ጸቕጢ ፈጢሩላ ኣሎ።

ሌስተር ብወገና፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ብቶተንሃም ምስዓራ ኣብ ከቢድ ኩነታት'ያ ዘላ፤ ስለዚ ላውሮ 1 ብ 1 ከም ዝፈላለያ ግምቱ ሂቡ ኣሎ።

ሃደርስፊልድ ምስ ኒውካስል

ኒውካስል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ብዎልቭስ ምስዓሮም፡ ዘተሓሳስብ ኢዩ፤ ሃደርስፊልድ'ውን ኣብ መወዳእታ ደቓይቕ ብዝተመዝገቦም ሽቶ ብኣርሰናል ተሳዒሮም ኢዮም ብምባል ኒውካስል 2 ብ 0 ክዕወቱ ኢዮም ኢሉ።

ቶተንሃም ምስ በርንለይ

ቶተንሃም ኣብ ፕረሚየር ሊግ ንለይስተር ብምስዓሮም ኣብ ቻምፕዮንስ ሊግ ድማ ምስ ባርሴሎና ማዕረ ብምፍልላዮም ዕውት ሰሙን ኢዮም ኣሕሊፎም። እዚ ጸወታ ንቶተንሃም ቀሊል ከም ዝኸውን ብምእማት 2 ብ 0 ክዕወቱ ምዃኖም ላውሮ ይግምት።

ዋትፎርድ ምስ ካርዲፍ

ካርዲፍ ኣብ ሜድኣ ዘካየደቶ ኣርባዕተ ጸወታታት ክትዕወተሉ ከላ፡ ካብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ጸወታታት ዘዋህለለቶ፡ ሓደ ነጥቢ ጥራይ ኢዩ። ዋትፎርድ ድማ ኣብ ሽዱሽተ ጸወታታት ክትዕወት ኣየከኣለትን፤ ግምት ላውሮ 2 ብ 0 ኢዩ።

ዎልቭስ ምስ ቦርንማውዝ

ዎልቭስ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ልዕሊ ኒውካስል ዝረኸብዎ ዓወት፡ ኣበራቢርዎም ኣሎ ብምባል ንቦርንማውዝ 2 ብ 1 ክዕወቱ ኢዮም ይብል።

ፉልሃም ምስ ዌስትሃም

ፉልሃም ኣዝዩ ኣብ ዝተዳኸመ ኩነት መስመር ምክልኻል እኳ እንተላ፡ ብዌስትሃም ብቐሊሉ ኣይክትሰዓርን ኢያ ብምባል፤ 2 ብ 1 ከም ትዕወት ገሚቱ።

ሰንበት

ብራይተን ምስ ቼልሲ

ብራይተን ኣብ ሜድኣ ካብ ዘካየደቶ ሸውዓተ ጸወታታት ኣብ ሓደ ጥራይ ክትሰዓር ከላ፡ እዚ ምስ ቸልሲ ዘለወዋ ግና ከምኡ ኣይክኸውንን ዝበለ ላውሮ፡ 2 ብ 0 ክትሰዓር ምዃነና ይገልጽ።

ሳውዝሃምፕተን ምስ አርሰናል

ሓድሽ ኣሰልጣኒ ሳውዝሃምፕተን ራልፍ ሃሴኑት ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ካርዲፍ ኣብ ዝነበሮ ፈላሚ ግጥም ተሳዒሩ'ዩ። እዚ ካልኣይ ጸወታ'ውን ከምኡ'ዩ ክኸውን ብምባል፡ ዓወት ናይ ኣርሰናል ምዃኑ ላውሮ ይገልጽ፤ እቲ ውጽኢት 0 ብ 1 ክኸውን ኢዩ።

ሊቨርፑል ምስ ማንቸስተር ዩናይትድ

ሊቨርፑል ከምቲ ዝኸድዎ ዘለው ኣካይዳ፡ ሕጂ'ውን ከም ዝሰልጦም ብዙሓት ግምት ሂቦም ኣለው። እነተኾነ ግን፡ ምስ ኣንፊልድ ኣብ ዝተራኸብሉ ናይ መወዳእታ ጸወትኦም፡ እቲ ልሙድ ምንቅስቓስ ከርእዩ ኣይከኣሉን።

ማንቸስተር ድማ ምስ ዝሓሸት ጋንታ ኣብ ዝጋጠሙሉ፡ ጽቡቕ ውጽኢት ናይ ምምዝጋብ ልምዲ ኣለዎም። ስለዚ 1 ብ 1 ክፈላለያ ኢየን ክብል ላውሮ ግምቱ ኣቐሚጡ ኣሎ።