ፕረዚደንት ፈረንሳይ ማክሮን፡ መራሕቲ ዓለም 'ብሄራውነት' ክነጽጉ ተማሕጺኑ

ማክሮን መደረ እናስምዐ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ማክሮን፡ መራሕቲ "ምእንቲ ሰላም ክቃለሱ" ጸዊዑ
Published

ፕረሲደንት ፈረንሳ [ፈረንሳይ]፡ ኢማኑኤል ማክሮን ነቲ ኣርሚስቲስ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዓመታዊ ጽምብል ምብቃዕ ቀዳማይ ኲናት ዓለም ንምጽምባል ኣብ ሃገሩ ዝተረኽቡ መራሕቲ ዓለም፡ ብሄራዊነት ከወግዱ ተማሕጺንዎም።

ፕረሲደንት ዶላንድ ትራምፕን ፕረሲደንት ቭላድሚር ፑቲንን ዝርከብዎም መራሕቲ ዓለም ኣብ ዝተረኽብሉ፡ ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝተገብረ ጽምብል ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ብሄራዊነት `ጥልመት ንሓርበኝነት` እያ ኢሉ።

"ጥቕሚ ካልኦት ብዘየገድስ ጥቕምና ጥራይ ነቐድም ምባል፡ ሓንቲ ሃገር ንዘለዋ ዝለዓለ ክብርታት፡ ስነ-ምግባር፡ ምድምሳስ ማለት`ዩ" ክብል ወሲኹ ተዛሪቡ።

ነቲ መዓልቲ ንምኽባር፡ ኣብ መላእ ዓለም ጽምብላት ይካየዱ ኣለዉ።

ካብ 1914 ክሳብ 1918 ኣብ ዝተካየደ ቀዳማይ ኲናት ዓለም 9.7 ሚሊዮን ወትሃደራትን 10 ሚሊዮን ሰላማውያን ሰባትን ተቐቲሎም።

ኣብቲ ኣብ ፈረንሳ ዝተኻየደ ጽምብል፡ ብዙሓት መራሕቲ ክልተኣዊ ዝርርባት ገይሮም፡ ፕረሲደንት ፑቲን ድማ ምስ ፕረሲደንት ትራምፕ ሓጺር ዘተ ከምዝገበረን ዘትኦም ድማ ጽቡቕ ከምዝነበርን ንጋዜጠኛታት ገሊጹ።

እንተኾነ ግን ፈረንሳውያን ኣዳላውቲ መደብ፡ ፕረሲደንት ትራምፕን ፕረሲደንት ፑቲንን ጎን ንጎኒ ኮፍ ንኸይብሉ ምእንቲ፡ ኣብ ውዱእ ሰዓት ናይ ኣቀማምጣ ለውጢ ገይሮም ክብላ ማዕከናት ዜና ሩስያ ጸብጺበን።

ኣብ ፓሪስ እንታይ`ዩ ኣጋጢሙ?

ፕረሲደንት ማክሮንን ዕዱማትን፡ ናብ`ቲ 'ጋህሲ ዘይተፈልጠ ወተሃደር' ተባሂሉ ዝፍለጥ መካነ-መቓብር ሓቢሮም ተጓዒዞም። ፕረሲደንት ማክሮን ድማ ኣስታት 20 ደቓይቕ ኣብ ዝወሰደ መደርኡ፡ መራሕቲ ዓለም ንሰላም ክቃለሱ ተማሕጺኑ።

"ካብ ዝኣተኻዮም ውዕላት ብምስሓብን ብዓመጽን ብዕብለላን ነዚ ተስፋ`ዚ ምጽልማት ጌጋ`ዩ፡ መጻእቲ ወለዶታት ድማ ብሓላፍነት ክሓቱና`ዮም" ኢሉ።

እቲ ጽምብል በቲ ንምብቃዕ ተጻባእነት ዘበሰረ ሰዓት 11 ናይ 11 ሕዳር 1918 ዝተነፍሐ ታቱላ ብምንፋሕ ተዛዚሙ።

ሰንበት ድሕሪ ቀትሪ ድማ ፕረሲደንት ማክሮንን መራሒት ጀርመን ኣንገላ መርከልን ኣብ`ቲ ፕረሲደንት ፑቲንን ፕረሲደንት ጣዪብ ኤርዶዋን ናይ ቱርኪን ዝተረኽብሉ ዋዕላ ሰላም ፓሪስ ተሳቲፎም።

`ዕሙት` ብሄራዊነት ኣብ ኤውሮጳን ካልእ ክፍሊ ናይ ዓለምናን ህቡብነት ይረክብ ከምዘሎ መርከል ኣጠንቂቓ።

ትራምፕ ኣብ`ቲ ዋዕላ ሰላም ኣይተሳተፈን። እቲ ጽምብል ምስ ተወድአ ብኡ ንብኡ`ዩ ናብ ዓዱ ተመሊሱ። ኣቐድም ኣቢሉ ግን ኣብ ሳረስነስ፡ ምዕራባዊ ፓሪስ ዝርከብ መካነ-መቓብር በጺሑ ነይሩ። ናብኡ ዝኸድኩ ነቶም ኣብ`ቲ ውግእ ዝሞቱ `ተባዓት ኣሜሪካውያን ኣኽብሮተይ ንምግላጽ`ዩ` ድማ ኢሉ።

ብቐዳም ድማ ኣብ ሓደ ካልእ መካነ-መቓብር ናይ ምብጻሕ መደቡ ብምኽንያት ሕማቕ ኩነታት ኣየር ብምስራዙ ክትዕ ኣልዒሉ።

ድምጸን ዘስምዓ ደቂ ኣንስትዮ ተኣሲረን

ምንጪ ስእሊ, AFP

ብሰንበት እቶም መራሕቲ ዓለም ቅድሚ ምእካቦም፡ ሓንቲ ላዕለዋይ ክፋል ኣካላ ዕርቃና ዝወጸት፡ `ስኑዕ/መታለሊ ኣተዓራቒ` ዝብል ጽሑፍ ኣብ ኣፍልባ ዝተጻሕፋ ተቓዋሚት፡ ብፖሊስ ቅድሚ ምትሓዛ፡ ሒደት ሜትሮታት ካብ`ተን ዓጀብቲ መካይን ናይ ትራምፕ ርሒቓ፡ ተቓውሞኣ ኣስሚዓ።

ኣስታት 50 ዝኾኑ ተቓወምቲ ጉጅለታት ድማ ኣንጻር ምብጻህ ትራምፕ ኣብ ፓሪስ ናይ ተቓውሞ መደብ ኣለዎም።

ኣብ ካልእ ክፋል ዓለም`ከ እንታ ዓይነት ጽምብላት ተኻይዶም?

ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ካምበራ ኣብ ዝርከብ ሃገራዊ መዘክር ውግእ፡ ጽምብል ተኻይዱ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራሊያ፡ ስኮት ሞሪሰን ኣብዘስምዖ መደረ "ኣብ እዋንና ንዘጋጥሙና ተለዋወጥቲ ተጓንፎታት ንምብዳህ፡ ካብ ሕሉፍ ክንመሃር ይግበኣና" ኢሉ።

ኣብ ካነበራ ኣውስትራልያ ዝተገብረ ጽምብል፡ ዝኽሪ ምዝዛም ቀዳማይ ኲናት ዓለም 11 ሕዳር 2018

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ካነበራ ኣውስትራልያ ዝተገብረ ጽምብል፡ ዝኽሪ ምዝዛም ቀዳማይ ኲናት ዓለም

ኣብ ህንዲ ድማ ነቶም ኣብ እዋን`ቲ ውግእ ኣብ ካልእ ክፍለ-ዓለማት ከይዶም ዝሞቱ 74,000 ህንዳውያን ወተሃደራት ንምዝካር ዝኽርታት ተገይሮም።

"ህንዲ ኣብ`ቲ ውግእ ብቐጥታ ኣይተሳተፈትን፡ ወተሃደራትና ግን ንሰላም ክብሉ ኣብ ምሉእ ዓለም ከይዶም ተዋጊኦም" ኢሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ናሬንድራ ሞዲ ብሰንበት ብመንገዲ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ።

ኣብ ብሪጣኒያ [እንግሊዝ] ድማ ምብቃዕ ናይ`ቲ ውግእ ንምጽምባል ሓያሎ ተኸታተልቲ መደባት ይካየዱ ኣለዉ። ንፈለማ እዋን ድማ ብድምጺ ህዝቢ ዝተሓርዩ ሰባት ኣብ`ቲ ኣብ ማእከላይ ለንደን ዝርከብ 'ዋይትሆል' ዝበሃል ሃገራዊ ቤተ-መዘክር ተረኺቦም ነቶም ሂወቶም ዝኸፈሉ ኣኽብሮቶም ገሊጾም።