እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ክልተ ጸዓዱ ብቕትለት ሓደ ጸሊም ቆልዓ ገበነኛታት ኮይኖም
Published
ቤትፍርዲ ደቡብ ኣፍሪቃ ክልተ ጸዓዱ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ሓረስቶት ንሓደ ወዲ 16 ዓመት ጸሊም ብምቕታሎም ገበነኛታት ኮይኖም ረኺብዎም። ንሳቶም ነቲ ማትሎሆሞላ ሞሾው ዝተብሃለ ቆልዓ ኣብ 2017 ኢዮም ቀቲለምዎ።
እቶም ሓረስቶት፡ እቲ ቆልዓ ሱፍ ክሰርቕ ምስ ሓዝዎ ናብ መኪና ብምጽዓን፡ እታ መኪና ብፍጥነት እናኸደት ብድሕሪት ኣጽዲፈምዎ ኢዮም ዝብል እምነት ከም ዘለዎ ዳኛ ሮናልድ ሄድሪክሰ ተዛሪቡ።
እቶም ሓረስቶት ግና እቲ ቆልዓ ከም ዝዘለለ ይገለጹ።
ወሃቢ ቃል ተቓዋሚ ሰልፊ ኢኤፍኤፍ ነቲ ውሳነ ሓነጎፋይ ኢሉ ተቐቢልዎ ኣሎ።
"ሓቂ ከም ዝወጸ ንኣምን። እዚ ውሳነ ኣብ ስርዓተ ፍትሒ ደቡብ ኣፍሪቃ ንዘሎ ተኣማንነት ዝድርዕ እዩ" ክብል እቲ ወሃቢ ቃል ንመራከቢ ብዙሃን እታ ሃገር ተዛሪቡ።
እቶም ክልተ ሰባት ሎሚ ብይን ክወሃቦም ትጽቢት ይግበር።