እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ተሬዛ መይ፡ ኣብ ጉባኤ ሰልፈን ዘስምዕኦ መደረ ኣዘራራቢ ኮይኑ'ሎ
ኣብ ሃገረንን ሰልፈንን ዘለወን ሰልጣን ንምጥንኻር ዝዓለመ መደረ ቀዳማይቲ ሚንስተር እንግሊዝ ቴረዛ መይ፡ ኣብ ጉዳይ ኣመራርሐአን ሕቶታት ኣልዒሉ።
ዘረብአን ብሰዓል፣ ብመላገጺ ሰብን፡ ኣብ መድረኽ ካብ ዝተጠቀዐ ፅሑፍ ተሸራሪፎም ብዝወደቑ ፊደላትን ዝተኾላለፈ'ዩ ነይሩ።
ጋዜጣታት እንግሊዝ ኣብ ቀዳማይ ገፀን ኣብ ዘውፅአኦ ዜና 'ንመፃኢኤን ኣብ ሕቶ ዘእተወ ምብህራር' ክብላ ነቲ ኩነታት ገሊፀንኦ።
ብሰዓል ተሸጊረን ዝነበራ ቴረዛ መይ፡ ብተደጋጋሚ ዘረብአን ከቋርፃን ማይ ክሰትያን ተገዲደን። ሓንሳብ ግን ፈጺመን ስለዝተለኽታ ሓደ ሰብ ካብ መድረኽ ፈውሲ ሕርኽርኽ ጎረሮ ዝምጸ ሎዛነጂስ ከረሜለ ሂቡወን።
ስዒቡ'ውን ስሙይ እንግሊዛዊ ቀያዓይ ሳይመን ብሮድኪን፡ ናብቲ ዝዛረባሉ መድረኽ ተፀጊዑ ቅጥዒ P45 (ፒ45- ሰነድ ሰራሕ ቅጥዒ) ሂብወን።
ከም ፖለቲካዊ መቐናቕንተን ዝውሰዱ ቦሪስ ጆንስን (ሚንስትር ወፃኢ ጉዳያት እንግሊዝ) ሃበን ከምዝበልዎ እናተዛረበ'ዩ ኣረኪብወን። ናብኦም ተመሊሱ ድማ መልእኽቶም ከምዘብፅሐ እናቐይዐ ተዛሪብዎም።
እቲ ናይ መወዳእታ ሰንከልከል ድማ መሪሕ ሓሳብ እቲ ጉባኤ ኮይኑ ኣብ ዝተጠቀዐ ፅሑፍ ዘጋጠመ ኩነታት እዩ።
ንኹሉ እትኸውን ሃገር ምህናፅ (Building a country that works for everyone) ክብል ተፃሒፉ ብድሕሪኤን ኣብ መንደቕ ዝተጠቀዐ ፅሑፍ ክልተ ፊደላቱ ተፈልየን ወዲቐን። 'for' ካብ ዝብል 'f' ከምኡ ድማ 'everyone' ካብ ዝብል 'e' ተነፂለን ወዲቐን።
ደገፍተን፡ ኣብ ቃንዛ ኮይነን እውን "ጥንካርአንን ቆራፅነተንን" ኣርእየን ክብሉ ኣብ ጎነን ምህላዎም ኣረጋጊፆም።
ንሓደ ኣባል ዓቃባዊ ሰልፈን ሓዊሱ ካልኦት ኣብ ዝሃብዎ ሓሳብ ግን ኣመራርሐአን ኣብ ስግኣት ምህላው ገሊፆም።
ምኽትል ኣቦ መንበር እቲ ሰልፊ ዝነበሩ ሎርድ ኣሽክሮፍት፡ እቲ ጉባኤ ንዓቃባዊ ሰልፊ ንቕድሚት ከሰጉሙ ኣብ ዝኽእሉ ነገራት ከድህብ ከምዝነበሮ ሓቢሮም።
ኣብ ጉዳይ ቀፃልነት ስልጣን ቴረዛ መይ ብርክት ዝበሉ ሕቶታት እናተልዓሉ እዮም።