ምቁራጽ ተዂሲ እሰራኤልን ሓማስን ብክልተ መዓልቲ ክናዋሕ ምዃኑ ቐጠር ኣፍሊጣ

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ነታንያሁ ነቲ ስምምዕ ንምንዋሕ ድሉው ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ። ኮይኑ ግና እቲ ውዕል ምስ ኣብቀዐ ሓማስ ንምጥፋእ መጥቃዕቱ ከምዝቕጽል ተዛሪቡ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ወዲ ላዕለዋይ መራሒ ሓዊሱ ሓሙሽተ ኣባላት ሕዝቦላህ ብደብዳብ እስራኤል ከምዝተቐተሉ እቲ ጉጅለ ኣፍሊጡ

    ካርታ ማእከላይ ምብራቕ

    እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ኣብ እትርከብ ቤት ያሆን ብዝፈጸመቶ ደብዳብ ነፈርቲ ሓሙሽተ ኣባላቱ ከምዝተቐተሉ ብኢራን ዝድገፍ እስላማዊ ጉጅለ ሽዓ ሕዝቦላህ ኣፍሊጡ።

    ዓባስ ራዓድ ዝተባህለ ወዲ ላዕለዋይ መራሒ ሕዝቦላህን ሊባኖሳዊ ሓጋግን መሓመድ ራዓድ ካብቶም ዝሞቱ ከምዝኾነ እቲ ጉጅለ ሓቢሩ።

    ወኪል ዜና ሮይተርስ ከምዝሓበሮ ኣብ ዶብ እስራኤልን ሊባኖስን ሓድሽ ጎንጺ ካብ ዝጅመር ንደሓር 85 ዕጡቓት ሕዝቦላህ ተቐቲሎም ኣለዉ።

    ሰራዊት እስራኤል ረቡዕ ኣጋ ምሸት “ትሕተ ቅርጺ ግብረሽበራውያን” ከምኡ እውን ናብ እስራኤልን ሰራዊታን ሮኬት ክትኩሱ ዝፍትኑ “ዋህዮታት ግበረሽበራን” ክብል ኣብ ልዕሊ ዝገለጾም ብዙሓት ዒላማታት ሕዝቦላህ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመ ገሊጹ።

    ሕዝቦላህ ኣብ ሊባኖስ እቲ ዝዓበየ ፖለቲካውን ወታሃደራውን ሓይሊ እዩ። እቲ ጉጅለ ብኣመሪካ፣ ዩናይትድ ኪንግደምን ሊግ ዓረብን ግብረሽበራዊ ተባሂሉ ተበይኑ።

  2. ኣመሪካ ካብ የመን ዝተወንጨፋ ሓያለ ድሮናት ከምዘውደቐት ሓቢራ

    ኣብ ማእከል ቀይሕ ባሕሪ ኮለላ ኣብ ምክያድ እትርከብ ናይ ውግእ መርከብ ኣመሪካ፡ ሑቲ ዝወንጨፍወን ሓያለ ድሮናት ከምዘውደቐት ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ሎሚ ሓሙስ ኤክስ [ትዊተር ነበር] ኣፍሊጡ።

    ኣብቲ መግለጺ “ኣብ ልዕሊ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ እታ መርከብ ይኹን ኣብ ልዕሊ እታ መርከብ ዝኾነ ዘጋጠመ ሓደጋ የለን” ይብል።

    ኣብ የመን ኣንጻር እቲ ብስዑድያ ዝድገፍ ማእከላይ መንግስቲ የመን ዕጥቓዊ ቃልሲ ዘካይዱ ዘለዉ ብኢራን ዝድገፉ ሑቲ ንነብሶም ‘ኣክሲስ ኦፍ ረዚስታንስ’ ኢሎም’ዮም ዝጽውዑ፡ ሓማስን ኣብ ሊባኖስ ዝንቀሳቐሱ ሒዝቦላህ’ውን ኣካል ናይቲ ‘ኣክሲስ ኦፍ ረዚስታንስ’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ምንቅስቓስ’ዮም።

    እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ምክልኻል እስራኤል ኣብ ቓዛ ኣብ 300 ዒላማታት ናይ ሓማስ'ዮም ዝበሎም ቦታታት ደብዳብ ከምዘካየደ ሎሚ ረፋድ ገሊጹ።

    እቲ ምክልኻል ሎሚ ኣብ ኤክስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ "ማእከላት እዚ፤ ትሕቲ መሬት ዝርከቡ ገለርያታት፤ መኽዘን ኣጽዋራትን ጸረ ታንኪ መዳፍዕ ዝውንጨፈሉን" ናይ ሓማስ ከምዘጥቐዐ ይሕብር።

    ሰራዊት እስራኤል ኣብ ዶባት ቓዛ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

  3. ምፍናው ብሓማስ ጅሆ ዝተታሓዙ ጽባሕ ንግሆ ክጅምር ከምዝኽእል ኣሜሪካ ገሊጻ

    ውሃቢ ቃል ዋይት ሃውስ፡ እቶም ብሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ካብ ጽባሕ ንግሆ ጀሚሮም ነጻ ክልቀቁ ተስፋ ከምዘሎን እቲ ኣብ ሞንጎ ሓማስን እስራኤልን ዝተበጽሐ ስምምዕ’ውን ኣብ ቦትኡ ከምዘሎን ገሊጹ።

    እቲ እስራኤል ንኣርባዕተ መዓልታት ቶኵሲ ከተቋርጽ ሓማስ ከኣ 50 ካብቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ነጻ ክፍኑ ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ እስራኤል ካብ ሎሚ ረፋድ ሰዓት ዓሰርተ ጀሚራ ቶኵሲ ከተቋርጽ ምዃና’ዩ ተገሊጹ ዘሎ።

    ውሃቢት ቃል ሃገራዊ ጸጥታ ኣመሪካ ኣድሪን ዋትሶን “እቲ ስምምዕ ኣብ ቦትኡ’ዩ ዘሎ ከም ስምምዕ ኮይኑ ከኣ ክቅጽል’ዩ፡ ክልቲኦም ወገናት ነታ ናይ መጀመርታ ተፈጻምተነት እቲ ስምምዕ ንኸተግብሩ ናይ መወዳእታ ሎጂስቲካዊ ዝርዝራትቶም ነዲፎም ኣለዉ” ኢላ።

    ንሳ ብምስዓብ “ቀንዲ ዕላማና እቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ብሰላምን ብድሑን ኣገባብን ናብ ገዝኦም ንኽምለሱ’ዩ፡ እዚ ከኣ ይስርሓሉ ኣሎ ተስፋን ንገብር ጽባሕ ንግሆ ናብ ተግባር ክስገር” ኢላ።

    ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ እስራኤል ዛቺ ሃንግቢ ትማሊ ምሸት፡ ቅድሚ ዓርቢ እቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ነጻ ከምዘይወጽኡ ተዛሪቡ ነይሩ’ዩ።

    ካን ዝተብሃለት ማዕከን ዜና እስራኤል ንሰብ መዚ እስራኤል ከም ምንጪ ብምጥቓስ፡ እቲ ምኽንያት ምድንጓያት ተግባራውነት እቲ ስምምዕ ወከልቲ ሓማስን ኣሻማጋሊት ቐጠርን ስለዘይፈረምሉ ከምዝተፈጠረ ገሊጻ።

  4. ክሳብ ሕጂ ኣብ ምንታይ ተበጺሑ ኣሎ?

    ኣብ ቓዛ ሎሚ ረፋድ ዝተራኣየ ብደብዳብ ዝሰዓበ ትኪ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ስምምዕ ምፍታሕ ጅሆ ዝተታሓዙ፡ እስራኤልን ሓማስን ብዙሕ ትጽቢት ዘይተገበረሉ ምልውዋጥ እሱራት ክገብራ፡ እስራኤል ከኣ ካብ ሎሚ ሰዓት 10 ናይ ንግሆ ጀሚራ ንኣርባዕተ መዓልታት ምቁራጽ ቶኵሲ ክትገብር ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ሓማስ ይሕብር፡ እንተኾነ ብወገን እስራኤል ካብዚ ስምምዕ ምድሕርሓር ይርአ ከምዘሎ ቢቢሲ ክርዳእ ክኢሉ ኣሎ።

    ላዕለዋት ኣማካሪ ጸጥታ እስራኤል ቅድሚ ዓርቢ ካብቶም ብሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ዝፍታሕ የለን ምባሉ ነቲ ስምምዕ ኣብ ምልክት ሕቶ ኣእትይዎ ይርከብ።

    ዝስዕቡ ዘለዉ ነቐፌታታት፡ ስድራ ናይቶም ብሓማስ ዝተጨወዩ ንመንግስቲ እስራኤል እቶም ጅሆ ዝተታሓዙ ንኹሎም ብቅልጡፍ ከፍትሖም ኣብ ምምሕጻን’ዮም ዝርከቡ፡ እንተኾነ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ምክትታል ፍሊስጤማውያን ስደተኛታት፡ እኹል ረድኤት ናብ ቓዛ ንኽኣቱ ኣርባዕተ መዓልቲ ብፍጹም እኹል ከምዘይኮነ’ዩ ዝሕብር።

    ቅልውላው ረድኤት፡ ረድኤት ዝጽዓና መካይን ካብቲ ንግብጺ ምስ ቓዛ ዘራኽብ መስመር ዶባ ራፋሕ ነቲ ምቁራጽ ቶኵሲ ምስ ጀመረ ናብ ቓዛ ንምእታው ተሰሪዐን ይጽብያ ኣለዋ፡ ላዕለዋይ ሓላፊ ዩኒሴፍ ኣብ ቓዛ ብወገኑ ህጻንት ብሰንኪ ክቱር ጥምየት ኣብ ኣፍ ዓጸቦ ከምዝርከቡ ገሊጹ።

    ውግእ ይቅጽል ኣሎ፡ ኣብ ባይታ እስራኤል ኣብ ቓዛ ክሳብ ሕጂ ናይ ኣየርን ናይ ኣጋርን መጥቓዕትታት ኣብ ምክያድ’ያ እትርከብ። ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁ ኣብ ልዕሊ ሓማስ “ፍጹም ዝኾነ ዓወት ከነመዝገብ ኢና” እዩ ዝብል ዘሎለ፤ ሚኒስተር ምክልካል እስራኤል ዮቭ ጋላንት ብወገኑ፡ እስራኤል ንሓማስ “ዘገም እናበለት ግን ከኣ ብርግጽ” መሓውሩ ትበታትኾ ከምዘላ ገሊጹ።

  5. ኣብ ቓዛ ልዕሊ 50 ኣባላት ሓንቲ ስድራ ተቐቲሎም ተባሂሉ

    ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ጀባልያ ዝተፈጸመ ደብዳብ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ሰብ መዚ ፍሊስጤም ኣብ ቓዛ ልዕሊ 50 ኣባላት ሓንቲ ስድራ ከምዝተቐተሉ ሓቢሮም።

    ዓለም ብስምምዕ ሓማስን እስራኤልን ኣብ እትዛረበሉ ዘላ ትማሊ እስራኤል ኣብ ቓዛ ብዝፈጸመቶ ናይ ኣየር ደብዳብ ዓሰርታታት ሰለማውያን ሰባት ከምዝተቐተሉ ዋፋ ዝተብሃለት ናይ እስራኤል ማዕከን ዜና ኣቓሊሓ።

    ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ መሪሕነት ፍሊስጤም ሪኣድ ኣል ማሊኪ ካብቶም ትማሊ ረቡዕ ኣብ ሰሜን ቓዛ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ጃባልያ ብደብዳብ ነፋሪት ዝተቐተሉ፤ እቶም 52 ኣባላት ሓንቲ ስድራ ከምዝኾኑ ገሊጹ።

    እቲ ሚኒስተር ናብ ለንዶን ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ምብጻሕ፡ “ሎሚ ንግሆ ጥራይ ኣብ መዓስከር ጃባልያ ካብ ዝተቐተሉ እቶም 52 ኣባላት ስድራ ቓዲፋ’ዮም፡ ብምልኦም’ዮም ጸኒቶም” ኢሉ።

    ንሱ ብምስዓብ “ናይ ኩሎም እቶም 52 ኣባላት ሓንቲ ስድራ ዝርዝር ኣስማቶም ኣለኒ፡ ካብ ኣቦሓጎ ጀሚርካ ክሳብ ደቂ ደቆም ብምልኦም’ዮም ጸኒቶም” ኢሉ።

    ቢቢሲ ነዚ ሓበሬታ’ዚ ብዘይሻራዊ ኣካል ከረጋግጾ ኣይክኣለን፡ እንተኾነ መሪሕነት ፍሊስጤም መደበሩ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ኮይኑ፡ ካብ መርገጺታትን ዕላማን ሓማስ ፈጺሙ ዝተፈለየ’ዩ።

  6. እስራኤል ንክፍትሑ ዝጠቐሰቶም ፍልስጤማውያን እሱራት መን'ዮም? ክንደይ እሱራትከ ኣለው?

  7. ጽባሕ ካብ ረፋድ ሰዓት 10፡00 ጀሚሩ ኣብ ቓዛ ተኹሲ ደው ክብል'ዩ

    ብመሰረት እቲ ኣብ ሞንጐ እስራኤልን ሓማስን ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ እቲ ንኣርባዕተ መዓልታት ዝጸንሕ ተኹሲ ደው ምባል ጽባሕ ሓሙስ ኣብ ሰዓታት ንጉሆ ክጅምር ምዃኑ ሓማስ ኣፍሊጡ።

    ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ምክልኻል እስራኤል፡ እቲ ተኹሲ “ጽባሕ (ሓሙስ) ኣብ ዝዀነ ሰዓት” ክሃድእ ከም ዝጅምር ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

    ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ኤሊ ኮሀን ብወገኑ፡ እስራኤል ንፈለማ እዋን ነጻ ዝወጽኡ ጅሆ ተታሒዞም ዝጸንሑ ሰባት ጽባሕ ሓሙስ ክትቕበል እያ ኢሉ።

    ቢቢሲ’ውን እቲ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ክካየድ ዝጸንሐ ውግእ ንኣርባዕተ መዓልታት ደው ንምባል ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ካብ ጽባሕ ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ክውዕል ምዃኑ ካብ ምንጪታቱ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

    እቲ ተኹሲ ደው ምባል ግብራዊ ምስ ኰነ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ድማ 50 ካብቶም ብሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ዘለው ሰባት ኣብ ቀዳማይ ዙር ክትፍሑ ትጽቢት ይግበር።

    እቲ ተኹሲ ደው ምባል ድማ፡ ካብ ሓሙስ ረፋድ ሰዓት 10፡00 (4፡00 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ) ክጅመር ትጽቢት ይግበር።

    ናይዚ ምኽንያት ድማ፡ ሓማስ ነቶም ጅሆ ዝተትሓዙ ሰባት ቅድሚ ምፍታሑ “ሒደት ሰዓታት” ከም ዘድልዮ ብምሕታቱ እዩ።

  8. ኲናት እስራኤል-ሓማስ ከብቅዕ ተስፋ ዝገብሩ ዘለው መራሕቲ

    ኣንቶኒዮ ጉተረስ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    እስራኤልን ሓማስን ንግዚኡ ውግእ ደው ንምባል ዝበጽሑዎ ስምምዕ ብኣቈጻጽራ ሰዓት እታ ሃገር ጽባሕ ንጕሆ ክጅምር ምዃኑ ጸብጻባት ይገልጹ ኣለው።

    ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ እቲ ግዝያዊ ምቁራጽ ተጻብኦ ብምቕባል፡ “እዚ ግን ስቓይ ስቪላውያን ንከብቅዕ እኹል ኣይኰነን” ኢሉ።

    ስለዝዀነ ድማ፡ እቶም ዝተረፉ ጅሆ ተታሒዞም ዘለው ሰባት ንምፍታሕ ዝግበር ጻዕሪ ክቕጽል ከም ዘለዎን ኣብ ቓዛ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክግበርን ጸዊዑ።

    ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረስ ብወገኑ፡ እቲ ሕጂ ዝተበጽሐ ስምምዕ “ኣብ ቅኑዕ ኣንፈት ዘሎ ኣገዳሲ ስጉሚ’ዩ፤ ግን ድማ ተወሳኺ ክስራሕ ኣለዎ” ይብል።

    ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ድማ፡ እቲ ስምምዕ እቲ ኲናት መሊኡ ከብቅዕ ኣብ ምግባር ክሕግዝን “ኣብ ፍታሕ ክልተ-ሃገራት ናብ ዝተሞርኰሰ መስርሕ ፍትሓውን ዘላቕን ሰላም ክወስድን” ተስፋ ከም ዝገብር ኣመልኪቱ።

    ብኻልእ ወገን፡ ናይ ዮርዳኖስ ንጉስ ዓብዱላህ፡ “እስራኤል ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ትፍጽሞ ዘላ መጥቃዕቲ” ኣብ ዘብቅዓሉ ምስ ፕሬዝደንት ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ ንምዝርራብ ናብ ግብጺ የምርሕ ኣሎ።

  9. ሓማስ፡ ብዛዕባ እቲ ስምምዕ እንታይ ኢሉ?

    ቓዛ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ሓማስን እስራኤልን፡ ንዝቕጽሉ ኣርባዕተ መዓልታት ውግእ ደው ንምባል ዝበጽሑዎ ስምምዕ፡ ሓማስ 50 ጅሆ ዝሓዞም ሰባት ክፈትሕን ሰብኣዊ ቀረባት ናብ ቓዛ ክኣቱን ዘፍቅድ ከም ዝዀነ ይግለጽ ኣሎ።

    ሓማስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ምቁራጽ ብግብሪ ኣብ ባይታ እንታይ ክመስል ከም ዝኽእል ዘአንፍት መግለጺ ኣውጺኡ ኣሎ።

    መጀመርታ፡ ኣብ ደቡብ ቓዛ እስራኤልን ብሰብ ኣልቦ ነፈርትን ኣየርን ትወስዶ ዘላ ምንቅስቓሳት ንኣርባዕተ መዓልታት ደው ትጽቢት ከም ዝግበር ይሕብር።

    እዚ ግን፡ ኣብ ሰሜን ቓዛ መዓልታዊ ብኣቈጻጽራ ሰዓት እታ ሃገር ካብ 10፡00 ክሳብ 16፡00 ጥራይ ተግባራዊ ከም ዝኸውን ገሊጹ።

    ኣብዚ ግዜ ወተሃደራትን ታንክታትን እስራኤል ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ቓዛ አኣብ ዘለውዎ ጠጠው ክብሉ ከምኡ’ውን ሓይልታት እስራኤል ንዝዀነ ሰብ ከየጥቅዑ ወይ ከይኣስሩ ትጽቢት ከም ዝግበር እቲ መግለጺ የመልክት።

    ብተወሳኺ፡ እቲ ስምምዕ ኣብ ነፍሲ ወከፍ እተን ኣርባዕተ መዓልታት 200 ረድኤት ዝጽዓና መካይን፣ ኣርባዕተ ቦጥ ነዳዲ፣ ኣርባዕተ ጋዝ ዝጽዓና መካይን ናብ ቓዛ ክኣትዋ የፍቅድ።

  10. መራሕቲ ዓለም ንስምምዕ እስራኤልን ሓማስን ይንእዱ

    ፕሬዝደንት ራማፎሳ

    ምንጪ ስእሊ, ANC

    ጐንጺ እስራኤል-ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ካብ ዝውላዕ ንድሓር፡ኣብ ሞንጐ ክልቲኦም ወገናት ንፈለማ እዋን ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ምኽኣሉ ልዑል ተስፋ ፈጢሩ ይርከብ።

    እስራኤል ንኣርባዕተ መዓልታት ተኹሲ ጠጠው ከተብል ክትሰማማዕ እንከላ፡ሓማስ ጅሆ ካብ ዝሓዞም ልዕሊ 200 ሰባት እቶም 50 ክፈትሕ ተሰማሚዑ ኣሎ።

    ፕሬዝደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ስሪል ራማፎሳ’ውን፡ እቲ ንኣርባዕተ መዓልታት ዝተበጽሐ ምቁራጽ ጐንጺ ንኢዱ።

    እቲ ምቁራጽ ዝጅምረሉ፡ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ወግዓዊ ክኸውን ትጽቢት ይግበር። ቢቢሲ ካብ ምንጪታቱ ዝረኸቦም ሓበሬታታት ግን፡ ጽባሕ ሰዓት 10፡00 ናይ ንጉሆ ክጅመር ምዃኑ የመልክቱ።

    ራማፎሳ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ንሰላም፣ ፍትሕን ኣብ ኩሉ ሸነኻት ዓለም ሕጊ ዓለምለኻዊ ሕግን ጠጠው ከም እትብል ኣባል ማሕበረሰብ ዓለም፡ እቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ተቐቢላቶ ኣላ። ዕውትነት እቲ ምቁራጽ ድማ እቲ ዝካየድ ዘሎ ጐንጺ ጠጠው ንምባል ዝግበሩ ጻዕሪታት ከጠናኽር ተስፋ ይገብር” ኢሉ።

    ብኤኤንሲ ዝምራሕ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ንነዊሕ ዓመታት ደጋፊ ጉዳይ ፍልስጤም ኰይኑ መጺኡ’ዩ።

    ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበን ክሳብ መፋርቕ ሕዳር ብሰንኪ እቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ስርሒት፡ ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ሚኒስትር ቤንጃሚን ኔታንያሁ ትእዛዝ ማእሰርቲ ከውጽእ ከም ዝጠለበት ይዝከር።

    ደቡብ ኣፍሪቃ፡ እስራኤል ኣብ ቓዛ ገበናት ኲናት ፈጺማ’ያ ብምባል ትኸስስ።

    ቀዳማይ ሚኒስትር ኳታር እቲ ስምምዕ ንክብጻሕ ክጸርሕ ጸኒሑ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    እዚ ስምምዕ ክብጻሕ ካብ ሞንጐ ዝሸምገሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ቐጠር ሸኽ መሓመድ ቢን ዓብዱ ራሕማን ቢን ጃሲም ኣልታኒ፡እዚ እቲ ኲናት ንከብቅዕ ባይታ ከጣጥሕ’ዩ ዝብል ተስፋ ከም ዘለዎ ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ።

    ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ዴቪድ ካሜሩን ብወገኑ፡እቲ ስምምዕ እቶም ጅሆ ዝተትሓዙ ንምፍታሕን ኣብ ቓዛ ሰብኣዊ ሩፍታ ንምምጻእን “ኣገዳሲ ስጕሚ” ከም ዝዀነ ክገልጽ እንከሎ፡ፕሬዝደንት ፈረንሳ ኢ ማኑኤል ማክሮን ድማ ኩሎም ጅሆ ዝተትሓዙ ሰባት ንምፍታሕ “ዘይተሓለለ” ስራሕ የድሊ ኢሉ።

    እዚ ስምምዕ፡መራሒ ፍልስጤም መሓሙድ ዓባስ፣ ኣሜሪካ፣ ዮርዳኖስ፣ ሩስያ፣ ቻይና፣ ግብጺ፣ ፈረንሳን ጀርመንን ከምኡ’ውን ሕብረት ኤውሮጳ ተቐቢሎምዎ ኣለው።

    ሓማስ፡ ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ልዕሊ 200 ሰባት ጅሆ ሒዙ ክወስድ እንከሎ፡ ኣስታት 1200 ሰባት ከም ዝሞቱ ይፍለጥ።እስራኤል ድሕሪ’ቲ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓማስ፡ ነብሰ ምክልኻል ትገብር ከም ዘላ ትምጉት።

    ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ብወገኑ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ መጥቃዕቲ ግብረ መልሲ ምውሳድ ካብ እትጅምር ንድሓር ኣስታት 14 ሽሕ ሰባት ከም ዝተቐትሉ ይገልጽ።

  11. እዚ ኲናት ዘይኰነ ግብረ ራዕዲ'ዩ- ጳጳስ ፍራንሲስ

    ጳጳስ ፍራንሲስ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ፖፕ ፍራንሲስ ኣብ ሞንጎ እስራኤልን ሓማስን ዝካየድ ዘሎ ጐንጺ፡ኲናት ዘይኰነ “ግብረ ራዕዲ’ዩ” ኢሎም።

    ኣቡነ ፍራንሲስ፡ ስድራ ብሓማስ ጅሆ ዝተትሓዙን ኣብ ቓዛ ዝነብሩ ኣዝማድ ዘለውዎምን ሰባት ኣብ ዘዘራረብሉ እዋን'ዩ ነዚ ርኢይቶ ሂቦም።

    እቲ ክሳብ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ጐንጺ እስራኤል-ሓማስ ድማ፡ካብ ኲናት ብዝሰገረ “ተግባር ራዕዲ” ይኸውን ኣሎ ክብሉ ተዛሪቦም።

    በዚ ምኽንያት፡ፍልስጤማውያንን እስራኤላውያንን “ይሳቐዩ’ዮም ዘለው” ብምባል እቲ ኲናት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘኸተሎ ሳዕቤን ኰኒኖም።

    ጳጳስ ፍራንሲስ፡ሰሙናዊ ኣብ ቫቲካን ኣብ ኣደባባይ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብዝርከብ መንበሪ ገዝኦም ብዙሓት ሰባት ኣብዝተረኽብሉ ስነ-ስርዓት ኣብ ዘስምዑዎ ዘረባ፡ “ክልቲኦም ወገናት ከም ዝተሳቐዩ ሰሚዐ’የ፤ ብጣዕሚ ተሳቕዮም’ዮም” ኢሎም።

    እቶም ጳጳስ ወሲዀም፡ “በጃኩም፡ሰላም ንክወርድ ንቕድሚት ንጉዓዝ . . . ኩልኹም ተባረኹ” ኢሎም

  12. ኣዕዋፋ ክተድሕን ንህይወታ ናብ ሓደጋ ዘእትወት ኣደ

  13. ኣባላት ባይቶ ደቡብ ኣፍሪቃ ርክብ ምስ እስራኤል ደው ንምባል ድምጾም ይህቡ

    ኣባላት ባይቶ ደቡብ ኣፍሪቃ ነቲ ኣብ ፕሪቶሪያ ዝርከብ ኤምባሲ እስራኤል ንምዕጻውን ኩሉ መዳያዊ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ክድስክልን ድምጾም ሂቦም ።

    መራሒ ሃገራዊ ባይቶ ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ንእስራኤል ኪነቕፋን ነቲ ኣብ ባይቶ ዝቐረበ ሓሳብ ኪድግፎን ጸኒሑ እዩ።

    እዚ ሓሳብ እዚ እስራኤል ነቲ ውግእ ደው ንምባል ንምስምማዕን ቀያዲ ውዕላት ንምግባርን ክሳዕ እትውስን ኤምባሲ ኺዕጾን ርክብ ክቋርጽን ዚሓትት እዩ።

    እቲ እማመ ብ248 ድምጺ ጸዲቑ። ገለ ኣባላት ባይቶ ከኣ "ፍልስጤም ናጻ ትውጻእ" ክብሉ ተሰሚዖም።

    ፕረዚደንት ሲሪል ራማፎሳ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ሲሪል ራማፎሳ

    እስራኤል ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንዝርከብ ኣምባሳደራ "ንምምኽኻር" ከም ዝጸውዓቶን'ውን ተፈሊጡ።

    ፕረዚደንት ሲሪል ራማፎሳ ኣብዚ ቀረባ እዋን እስራኤል ትፍጽሞ ዘላ ገበናት ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ኲናት ክምርመር ጻውዒት ኣቕሪቡ።

    ንሱ ኣብቲ ትማሊ ሰሉስ ብማንዛ ዝተጋብአ ዋዕላ ጉጅለ ሃገራት ብሪክስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እስራኤል ኣብ ቓዛ ምጽናት ዓሌት ፈጺማ ኣላ ክብል ከሲሱን፡ ነቲ ጃምላዊ መቕጻዕቲ ሰላማውያን ፍልስጤማውያን ዝበሎ እውን ብትሪ ኾኒኑን።

    እስራኤል ኣብ ቓዛ እትገብሮ ተግባራት ናይ ነብሰ ምክልኻል ምዃኑን ዕላምኣ ድማ ንሓማስ ንምውጋድ ምዃኑን እያ እትገልጽ።

  14. ተኵሲ ደው ክብል ትጽቢት ኣብ ዝግበረሉ ኣብ ቓዛ ሰባት ከምዝተቐተሉ ተገሊጹ

    ካርታ

    ቅድሚ ምጅማር ናይቲ ንኣርባዕተ መዓልትታት ዝጸንሕ ደው ምባል ተኵሲ፡ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ኣብ ወሽመጥ ቓዛ መጥቃዕቲ ቀጺሎም ኣለዉ።

    ኣብ ማእከላይ ወሽመጥ ቓዛ ኣብ ዝርከብ መዕቆቢ ስደተኛታት ኑስራት ሎሚ ንጉሆ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ትሸዓተ ሰባት ከምዝተቐተሉ ማዕከን ዜና ፍልስጤም (ዋፋ) ጸብጺባ።

    ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት ጃባልያ ብዝተፈጸመ ካልእ መጥቃዕቲ እውን ልዕሊ 60 ሰባት ከምዝሞቱ ዋፋ ገሊጻ።

    ቢቢሲ ነቶም ኣሃዛት ከረጋግጾም ኣይከኣለን፤ ሰራዊት እስራኤል እውን ብዛዕባ እቶም ዝተገለጹ መጥቃዕትታት ዝበሎ የለን።

    ኣብቲ እስራኤል ካብ 7 ጥቅምቲ ጀሚራ እተካይዶ ዘላ ስርሒት፡ ልዕሊ 14 ሽሕ ሰባት ከምዝተቐተሉ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ኣፍሊጡ።

  15. ቐጠር ንኣርባዕተ መዓልታት ቶኵሲ ደው ክብል ኣብ ስምምዕ ምብጽሑ ዘለዋ ናእዳ ገሊጻ

    ቀዳማይ ሚኒስተር ቐጠር ሞሓመድ ቢን ዓብዱልራሕማን ቢን ጃስሚን ኣል ታኒ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ቀዳማይ ሚኒስተር ቐጠር ሞሓመድ ቢን ዓብዱልራሕማን ቢን ጃስሚን ኣል ታኒ

    ሓማስን እስራኤልን ናብ ስምምዕ ንኽበጽሑ ዝሰርሐት ቐጠር ኣብ ምሽምጋል ንዝሓገዛ ግብጽን ኣሜሪካን ኣመስጊና።

    ቀዳማይ ሚኒስተር ቐጠር ሞሓመድ ቢን ዓብዱልራሕማን ቢን ጃስሚን ኣል ታኒ እቲ ሕጂ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ “ድልዱሉን ቀጻልነትን ዘለዎ ስምምዕ” ንኽብጻሕን “መኸተምታ ናይዚ ደም ዝፈሰ ዘሎ ኵናት” ንኽመጽእን ባይታ ከጣጥሕ ከምዝኽል ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።

    ነፋሪት እስራኤል ኣብ ሰማያት ቓዛ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    መግለጺ ስእሊ, ነፋሪት እስራኤል ኣብ ሰማያት ቓዛ

    እስራኤል ግን፡ ቅድሚ እቲ ሰዓት ናይ ስምምዕ ምእካሉ ከቢድ ደብዳብ ናይ ነፈርቲ ተካይድ ኣላ።

    ካብ ቓዛ ዝተዘርግሑ ኣሳእል ኣብ ሰማያት ቓዛ ደብዳብ ናይ ነፋሪት ዘስዓቦ ብርቱዕ ትኪ ከምዝነበረ የርኢ።

    ሎሚ ንግሆ ኣብ ቓዛ ዝነበረ ብርቱዕ ትኪ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    መግለጺ ስእሊ, ሎሚ ንግሆ ኣብ ቓዛ ዝነበረ ብርቱዕ ትኪ
  16. እስራኤል ዝርዝር ኣስማት ናይቶም እትፈትሖም ፍልስጤማውያን ዘርጊሓ

    እስራኤል ብመሰረት እቲ ምስ ሓማስ ዝበጽሓቶ ስምምዕ ዝርዝርና ናይ 300 ክትፈትሖም እትኽእል ፍልስጤማውያን ኣፍሊጣ።

    እቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሚኒስትሪ ፍትሒ እስራኤል ዝወጽአ ዝርዝር ኣስማት ናይቶም ክፍትሑ ዝኽእሉ ፍሊስጤማውያን ምሉእ ስሞም፡ ዕድሚኦምን ዝፈጸምዎ ገበንን ንኽነደይ ንውሓት ግዜ ከምዝተኣሰሩን ዝሕብር እዩ።

    ካብዞም ተዘርዚሮም ዘለዉ 300 ፍልስጤማውያን እቶም 150 ኣቐዲሞም ክፍትሑ’ዮም።

    እቶም እስራኤል ክትፈትሖም ምዃና ሓቢራ ዘላ ፍሊስጤማውያን ብዓል መን’ዮም?

    እታ ንሓማስን ንእስራኤልን ዘሸማገለት ቐጠር “ከም መቐያየሪ ናይቶም ሓማስ ዝፍንውዎም 50 ጅሆ ዝተታሓዙ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እስራኤል ዝርከቡ ቆልዓ ሰበይቲ’ውን ክፍትሑ’ዮም” ኢላ።

    ቐጠር ቁጽሪ ናይቶም እስራኤል እትፈትሖም ፍልስጤማውያን’ኳ እንተዘይገለጸት ሓማስ ግን ብመስረት እቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ 150 ፍልስጤማውያን ክፍትሑ ምዃኖም ገሊጹ ኣሎ።

    ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ኣስታት 7000 ፍልስጤማውያን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ እስራኤል ከምዝርከቡን ካብኦም 200 ደቂ ኣንስትዮን ከምዝኾናን ኣስታት 60 ቆልዑ’ውን ይርከብዎም።

    መብዛሕትኦም እቶም ቆልዑ ናብ ሰራዊት እስራኤል እምኒ ብምድርባዮም ዝተኣሰሩ ከምዘዝኾኑ ዳይረክተር ሁማን ራይትስ ዎች ሳሪ ባሺር ገሊጻ።

    ሳሪ ባሺር ብምስዓብ እቶም ህጻናት ብወተሃደራዊ ሕጊ ከምዝቅጽዑን “ኣብ ጸልማት ይእሰሩ፡ ምስ ስድርኦምን ምስ ጠበቓን ክራኸቡ ኣይፍቐዶምን ገበኖም ንእሽተይ እንከሎ ብተዛማዲ ንነዊሕ እዋን’ዮም ተኣሲሮም” ኢላ።

  17. ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ ምፍታሕ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ እንታይ ንፈልጥ?

    ብዛዕባ ብሓማስ ዝተጨወዩ ሰለማውያን ሰባት ዝምልከት ኣብ ዝሓለፋ ሒደት ሰዓታት ብዙሕ ተባሂሉ ኣሎ።

    እቲ ተበጺሑ ዘሎ ሓድሽ ስምምዕ ተግባራዊ እንተኾይኑ፡ ህዝቢ ቓዛ እቲ ኵናት ካብ ዝጅመር ንመጀመርታ ግዜ እፎይ ክብል’ዩ።

    እቶም ሓደሽቲ ምዕባለታት ብሓፂሩ፡

    • ካብቶም ብሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ኣስታት 240 እዞም ቀዳሞት ዝፍትሑ 50 ቆልዓ ሰብይቲ ከምዝኾነ ሰብ መዚ እስራኤል ኣፍሊጦም።
    • እስራኤል እዞም 50 ሰባት ንኽፍትሑ ንኣርባዕተ መዓልታት ቶዅሲ ደው ከምእተብል ክትገልጽ እንከላ፡ ሓማስ ብተወሳኺ 10 ሰባት ነጻ ኣብ ዝለቀቐቐሉ እስራኤል ንተወሳኺ ሓደ መዓልቲ ቶኵሲ ደው ከተብል ተሰማሚዓ ኣላ።
    • እስራኤል እዚ ስምምዕ ምቁራፅ ናይዚ ኵናት ዝሕብር ከምይኮነ ብምግላጽ፡ ሓማስ ክሳብ ዝጠፍእ ወይ ንእስራኤል ስግኣት ናብ ዘይኮነሉ ክሳብ ዝለምስ ክትቅጽል ምዃና ገሊጻ ኣላ።
    • ሓማስ ብወገኑ ከም ኣካል እቲ ስምምዕ 150 ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ፍሊስጤማውያን ቆልዓ ሰበይቲ እስራኤል ክትፈትሖም ምዃና ሓቢሩ ኣሎ።
    • ሓንቲ ካብ ኣሸማገልቲ እዚ ዝምምዕ ዝኾነት ቐጠር ብዙሓት መድሃኒት፡ ነዳድን ሰብኣዊ ሓገዛትን ዝጸዓና መካይን ናብ ቓዛ ክኣትዋ ምዃነን ኣቢሲራ ኣላ።
    • እዚ ቶኵሲ ደው ምባል ምዓስ ከምዝጅመር’ኳ ኣንተዘይተገለጸ ቐጠር ኣብ ዝመጽእ 24 ሰዓታት ክሕበር ምዃኑ ሓቢራ።
  18. ኣመሪካ፣ ቐጠርን ግብጽን ንሓማስን እስራኤልን ንምሽምጋል ክሰርሓ ምጽንሐን ተገሊጹ

    ፕረዚደንት ባይደንን ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንጃሚን ናታንያሁን

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    ኣመሪካ ምስ ቐጠርን ግብጽን ብምዃን ኣብ ምሽምጋል ሓማስን እስራኤልን ክሰርሓ ምጽንሐን ተገሊጹ።

    ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንጃሚን ናታንያሁ፡ ጆ ባይደን ነቲ መሰማማዒ ሓሳባት ኣብ ምምሕያሽ ከምዝሰርሐ ብምግላጽ ኣመስጊንዎ ኣሎ።

    ኣሜሪካ ካብቶም ብሓማስ ተጨውዮም ዝርከቡ ጓል ሰለስተ ዓመት ኣቡኣን ኣዲኣን 7 ጥቕምቲ ብሓማስ ዝተቀተልዋ ኣቢጋይል እትብሃል ህጻን ዝርከብዎም 10 ዜጋታታ ኣብ ትሕቲ ሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ስለዝርከቡ እዚ ስምምዕ ንዓኣ’ውን ዘርብሕ’ዩ።

    ብዘይካ እዚ ኣሜሪካ ናብ ቃዛ ነዳድን ሰብኣዊ ሓገዛትን ንኽኣቱ ኣትሪራ ክትምሕጸን ጸኒሓ’ያ።

    ባይደን ድሕሪ እቲ ስምምዕ ኣዝዩ ከምዝተሓጎሰ ብምግላጽ፡ ቀደማይ ሚኒስተር ቤንጃሚን ነታንያሁ ቶኵሲ ደው ንምባል [ኣብ እዋን ምልውዋጥ እሱራትን ንዝቅጽል ኣርባዕተ መዓልታትን] ንምስምማዕ ዘርኣዮ ተበግሶ ንኢድዎ።

    ባይደን ብተወሳኺ መራሕቲ ግብጽን ቐጠርን’ውን ሓማስን እስራኤልን ናብ ስምምዕ ንኽበጽሑ ከምዝሰርሓ ገሊጹ።

    ሓንቲ ካብቶም ኣሸማገልቲ ዝኾነት ቐጠር እስራኤል መዓስ ቶኵሲ ደው ከምእተብል ኣብ ዝመጽእ 24 ሰዓታት ክሕበር ምዃኒ ገሊጻ።

    እቲ ምቁራጽ ቶኵሲ ንኣርባዕተ መዓልታት ዝቅጽል ኮይኑ፡ ክናዋሕ ከምዝኽእል ግን ቐጠር ገሊጻ ኣላ።

  19. ሓማስ ኣብ ትሕቲ እስራኤል ዝርከቡ 150 ፍሊስጤማውያን ክፍትሑ ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ገሊጹ

    ከም ኣካል ናይቲ ሓማስ ምስ እስራኤል ዝበጽሖ ስምምዕ፡ መባድልቲ ናይቶም 50 ካብ ሓማስ ዝፍትሑ፡ 150 ኣብ ቤት ማእሰርቲ እስራኤል ዝርከቡ ቆልዓ ሰባይቲ ዝርከብዎም ፍሊስጤማውያን፤ እስራኤል ክትፈትሖም ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ኣፍሊጡ።

    ብዘይካ እዚ ኣማኢት ረድኤት፡ መድሃኒትን ነዳድን ዝጽዓና መካይን ናብ ቓዛ ክኣትዋ ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ሓማስ ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ ኣሎ።

    እስራኤል ብሓማስ ተታሒዞም ዘለዉ ሰለማውያን ሰባት ነጻ ኣብ ዝወጽእሉ ንኣርባዕተ መዓልታት ዝኾነ ብረት ከምዘይትትኩስን ኣብ ቓዛ ንዝኾነ ሰብ ከምዘይትኣስርን ኣብ ዝምምዕ ከምዝተበጽሐ’ውን ሓማስ ኣፍሊጡ ኣሎ።

    ማእ ዝሓዘ ፍሊስጤማዊ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

  20. ካቢነ ሚኒስተራት እስራኤል ብሓማስ ዝተጨወዩ ንኽፍትሑ ዝቐረበ እማመ ኣጽዲቑ

    ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ካብቶም ብሓመስ ተጨውዮም ዘለዉ ኣስታት 240 ሰለማውያን ሰባት እቶም 50 ኣብ ዝመጽእ ኣርባዕተ መዓልቲ ነጻ ክወጽኡ ምዃኖም ሓቢሩ ኣሎ።

    እቲ መግለጺ ብምስዓብ፡ እቶም ተጨውዮም ዘለዉ ሰባት ኣብ ዝፍትሕሉ እዋን እስራኤል ንግዚኡ ቶኵሲ ደው ከተብል ምዃና ይሕብር።

    ከም ኣካል እቲ ስምምዕ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ከኣ 10 ካብቶም ተጨውዮም ዘለዉ ሰባት ነጻ ክወጽኡ ምዃኖም ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር እስራእል ኣፍሊጡ ኣሎ።

    ሓደ ላዕለዋይ ብዓል መዚ ኣሜሪካ ካብቶም ኣቀዲሞም ዝፍትሑ 50 ሰባት ብውሕዱ ጓል ሰለስተ ዓመት እትርከቦም ሰለስተ ኣሜሪካውያን ነጻ ክወጽኡ ከምዝኽእሉ ገሊጹ ኣሎ።

    እቲ ብዓል መዚ እታ ኣቢጋይል ዝተብሃለት ኣሜሪካዊት ህጻን ዝመጽእ ዓርቢ ኣርባዕተ ዓመት ከምእትመልእን ስድራኣ ግን ኣብቲ 7 ጥቅምቲ ሓማስ ዝፈጸምዎ መጥቓዕቲ ከምዝተቐተሉ ገሊጹ።