ምቁራጽ ተዂሲ እሰራኤልን ሓማስን ብክልተ መዓልቲ ክናዋሕ ምዃኑ ቐጠር ኣፍሊጣ

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ነታንያሁ ነቲ ስምምዕ ንምንዋሕ ድሉው ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ። ኮይኑ ግና እቲ ውዕል ምስ ኣብቀዐ ሓማስ ንምጥፋእ መጥቃዕቱ ከምዝቕጽል ተዛሪቡ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. መራሒ ሓማስ ያሕያ ሲንዋር ኣብ ቓዛ ከምዝተቐትለ እስራኤል ኣረጋጊጻ

  2. እስራኤል፡ ንሓደ መኰንን ዘድሓነ ኤርትራዊ “ጅግና” ብምባል መንበሪ ፍቓድ ሂባቶ

  3. ቀንዲ እዋናዊ ምዕባለታት ናይዚ መዓልቲ

    ድራር እለቶም ክምእርሩ ናብ ደቡብ ቓዛ ክኸዱ ዝግደዱ ዘለዉ ነበርቲ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    • እቲ ንኣርባዕተ መዓልታት ክጸንሕ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ስምምዕ ዝተገብረሉ ምቁራጽ ተዂሲ ንተወሳኺ ክልተ መዓልታት ክናዋሕ ምዃኑ ኣብቲ ልዝባት ዓቢ ግደ ትጻወት ዘላ ቐጠር ኣፍሊጣ። ሓማስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ እቲ ስምምዕ ምስ ቐጠርን ግብጽን ዝተበጽሐ ምዃኑ ገሊጹ’ሎ። ብወገን እስራኤል ዛጊት ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ዝተዋህበ መግለጺ የለን።
    • ሓማስ ካብቶም ጅሆ ሒዝዎም ዘሎ ተወሰኽቲ 20 ሰባት ክለቅቕ ከምዝተሰማምዐ ኣመሪካ ሓቢራ። ኣፈኛ ሃገራዊ ቤትምኽሪ ጸጥታ ጆን ኪርቢ ከምዝበሎ፡ እቶም ኣብ ዝመጽእ ክልተ መዓልታት ክትፍትሑ ትጽቢት ዝግበረሎም ደቂኣንስትዮን ቆልዑን ምዃኖም ጠቒሱ።
    • ብወገን እስራኤል ድማ 30 ፍልስጤማውያን ቆልዑን ሰለስተ ደቂኣንስትዮን ክፍትሑ ምዃኖም ሓማስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ። ብመሰረት እቲ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዝተበጽሐ ስምምዕ ንሓደ እስራኤላዊ ሰለስተ ፍልስጤማውያን ክፍትሑ ኣለዎም።
    • ዛጊት ብመሰረት ስምምዕ ምቁራጽ ተዂሲ 39 ግዳያት ጅሆ ካብ ቓዛ ክፍትሑ እንከለዉ፡ 117 ፍልስጤማውያን ድማ ካብ ኣብያተ ማእሰርቲ እስራኤል ተለቒቖም።
    • ኩነታት ሆስፒታላት ቓዛ ምስ “ምጽኦታት” ዝመሳሰል ምዃኑ ሓደ ካብቲ ዞባ ዝተመልሰ ብሪጣንያዊ ሓኪም ተዛሪቡ። ፕ/ር ጋሳን ኣቡ-ሲታሕ ብዛዕባ ኩታት ናይቲ ከዛርብ ዝጸንሐ ሆስፒታል ኣል-ሺፋ ክዛረብ እንከሎ፡ “ሓያለ ህጻናት ቁስሎም ሓሲኹ። ኣብ ሓደ እዋን፡ ክሓጽበሎም ኢለ መሕጸቢ ፈሳሲ ንምርካብ ናብ ድኳን ክኸይድ ተገደዲ” ክብል ኣብ ለንደን ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ። “ምስ ቀዳማይ ኲናት ዓለም ኣብ ዝመሳሰል ኩነታት ኢና ንሰርሕ ነይርና” ዝብል እቲ ሓኪም፡ ኣስታት 900 ቆልዑ መሓውራቶም ከምዝተቖርጸ ሓቢሩ።
    • ነበርቲ ቓዛ ናብ ደቡባዊ ክፋል እታ ዞባ ምውሓዝ ቀጺሎም ኣለዉ። እቶም ነበርቲ ኣገደስቲ ቀረባት ንምርካብ’ዮም ካብ ሰሜን ናብ ደቡብ ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ። እስራኤል ብወገና፡ ካብቲ ኣብ ሰሜንን ማእከልን ቓዛ ተካይዶ ዘላ ደብዳብ ንምድሓን ከይምለሱ ትምሕጸን ኣላ።
    • ብኻልእ ወገን፡ ናብ ቓዛ ዝኣቱ ሰብኣዊ ረዲኤት’ውን ብመሰረት እቲ ምቁራጽ ተዂሲ ወሲኹ’ሎ። ቀይሕ ወርሒ ፍልጤም ከምዝበሎ፡ ሎሚ ጥራይ ኣስታት 40 ረዲኤት ዝጸዓና መካይን ናብ ሰሜናዊ ቓዛ ተጓዒዘን ነይረን።
  4. ቀይሕ ባሕሪ፡ ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ ንግዳዊት መርከብ ንዝጨወዩ ዕጡቓት ሒዙ

  5. ሕብረት ኣውሮጳ ግዝያዊ ተኹሲ ደው ምባል ክናዋሕ ጸዊዑ

    ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኣውሮጳ ጆሴፍ ቦረል፡ ኣብ ቓዛ ዝተበጽሐ ስምምዕ ግዝያዊ ደው ምባል ተኹሲ ክናዋሕ ጸዊዑ።

    ብሰረት እቲ ኣብ ፈለማ ዝተበጽሐ ውዕል፡ ስምምዕ ግዝያዊ ምቁራጽ ተኹሲ እስራኤልን ሓማስን ሎሚ ከብቅዕ እዩ።

    ኮይኑ ግና ክናዋሕ ከምዝኽእል ፀብፃባት የመልክቱ።

    ቦሬል ኣብ ባርሰሎና ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ እቲ ሕብረት “ፖለቲካዊ ፍታሕ ንምርካብ እናሰራሕካ፡ ዘላቕን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕን ንምግባር እቲ ደውታ ክናዋሕ ኣለዎ” ኢሉ።

  6. ቀንዲ ምዕባለታት እዚ ረፋድ

    ከባቢ ጋዛ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ኣብ ዝሓለፉ ሰዓታት ካብ ዝተፈጸሙ ቀንዲ ምዕባለታት እነሆ፡

    • ተወሰኽቲ ጅሆ ዝተትሓዙ እስራኤላውያንን ፍልስጤማውያን እሱራትን ሎሚ ሰኑይ ድሕሪ ቀትሪ ክፍትሑ ትጽቢት ይግበር፤ እቲ ንኣርባዕተ መዓልቲታት ዝተበጽሐ ስምምዕ ሎሚ ከብቅዕ እዩ።
    • ብሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ካብ ዝጸንሑን በዚ ውዕል ካብ ዝተፈትሑን ሓንቲ ዝኾነት ጓል 84 ዓመት እስራኤላዊት ኣብ ከቢድ ጥዕናዊ ኩነታት ከምዘላ “ንህይወታ ትቃለስ ኣላ” ክብል ወዳ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
    • ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ እቲ ውዕል ተኹሲ ደው ምባል ክናዋሕ ከምዝኽእል ገሊጹ፤ ኮይኑ ግና እቲ ስምምዕ ምስ ኣብቀዐ “ሓማስ ናይ ምጥፋእ” ወፍሪ እስራኤል ከምዝቕፅል ተዛሪቡ።
    • ብኣሸማጋልነት ቀጠርን ግብጽን ነቲ ውዕል ናይ ምንዋሕ ዘተ ይካየድ ከምዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ።
    • ብሰንበት ኣብቲ ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ዝፈጸመሉ 7 ጥቅምቲ ጅሆ ተታሒዞም ካብ ዝተወሰዱ 14 እስራኤላውያንን ሰለስተ ወጻእተኛታትን ተፈቲሖም።
    • እዚ ምስ 39 ብእስራኤል ተታሒዞም ዝነበሩ ፍልስጤማውያን እሱራት ዝተገበረ ልውውጥ እዩ

    ንተወሰኽቲ ምዕባለታት ምሳና ጽንሑ።

  7. ጅሆ ዝተትሓዙ ሰባት ንምፍታሕ ዝተበፅሐ ውዕል ክናዋሕ ከምዝኽእል ምልክታት ይረኣዩ

    ናይ መወዳእታ ዙር እቶም ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ብዝተበፅሐ ፈላማይ ስምምዕ ዝፍትሑ ጅሆ ዝተትሓዙ እስራኤላውያን ሎሚ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ክፍፀም እዩ።

    ንሓድሕድ ነፃ ዝልቀቕ እስራኤላዊ ሰለስተ ፍልስጤማውያን እሱራት ይፍትሑ ኣለዉ።

    እስራኤል ሓማስ ንዝፈትሖም ዓሰርተ ሰባት፡ ሓደ መዓልቲ ተኹሲ ደው ክተብል ዘቕረበት ኮይና፡ ሓማስ እውን ኣብ ምንዋሕ ደው ምባል ተኹሲ ክሰማማዕ ከምዝኽእል ገሊፁ።

    ሓደ ፍልስጤማዊ በዓል ስልጣን ድማ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ፃንሒት፡ ካብ 20 ክሳብ 40 ዝኾኑ ጅሆ ዝተትሓዙ እስራኤላውያን ክፍትሑ ከምዝኽእሉ ሓቢሩ።

    ልዕሊ 10 ህፃናት ዝርከቡዎም 180 ሰባት ሕዚ እውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ እዮም ዘለዉ።

    እቲ ተኹሲ ደው ምባል ኣብታ ንሰሙናት ብዝተኻየደ ደብዳብ እስራኤል ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣጋጢምዋ ዝፀንሐት ቓዛ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምዕዳል ይሕግዝ ኣሎ።

    ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ነታንያሁ፡ ነቲ ስምምዕ ንምንዋሕ ድሉው ምዃኑ ገሊፁ ኣሎ።

    ኮይኑ ግና እቲ ውዕል ምስ ኣብቀዐ ሓማስ ንምጥፋእ መጥቃዕቱ ከምዝቕፅል ተዛሪቡ።

  8. ኣዝማዶም ካብ ጅሆ ሓማስ ዝተለቐቑ ስድራቤታት ንምንታይ ጭንቆም ወሲኹ?

  9. ቀይሕ መስቀል ጅሆ ካብ ዝተትሓዙ እቶም 24 ከም ዝተፈትሑ ኣረጋጊጹ

    ነቶም ዝፍትሑ ዝጽበዩ ዘለው ስድራቤታት

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ቀይሕ መስቀል፡ ብሓማስ ጅሆ ካብ ዝተትሓዙ እቶም 24 ከም ዝተፈትሑ ኣረጋጊጹ።

    እቲ ትካል ብኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ “24 ጅሆ ካብ ዝተታሕዙ ሰባት ብውሑስ መንገዲ ከም ዝተፈትሑ ብምርግጋጽና ሩፍታ ረኺብና" ኢሉ።

    ቀይሕ መስቀል፡ ነዞም ጅሆ ተታሒዞም ዝጸንሑ ሰባት ካብ ቓዛ ናብ ዶብ ራፋ ከም ዘግዓዞም ገሊጹ ኣሎ።

    ምንጪታት ድሕነት እስራኤል’ውን፡ እቶም ሎሚ ዝተፍትሑ ሰባት ናብ ግብጺ ድሕሪ ምስጋሮም ኣብ ኢድ ኣገልግሎት ድሕነት እስራኤል ከም ዝኣተው ንቢቢሲ ገሊጾም።

  10. እስራኤላዊት ሚዲያ ቀይሕ መስቀል 13 ጅሆ ካብ ዝትሓዙ ከም ዝተረከቦም ጸብጺባ

    ሓማስ 13 ታይላንዳውያን ክፈትሕ እንከሎ እስራኤል 13 ዜጋታታ ከም ዝተፈትሑ ይግለጽ ኣሎ።

    ቻነል ቴሌቪዥን 12፡ 13 ጅሆ ተታሒዞም ዝጸንሑ ዜጋታት እስራኤል ቀይሕ መስቀል ከም ዝተቐበሎም ሓቢራ።

    ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር፡ እቶም ሎሚ ናጻ ክወጽኡ እዮም ዝተባህሉ ሰባት ክጽበ ውዒሉ ኣሎ።

    እቶም ሎሚ ዝፍትሑ ዘለው ሰባት ኣገልግሎት ሕክምና ዝረኽብሉን ዝጸንሑሉን ቦታ’ውን ከም ዘዳለወ ብፌስቡክ ሓቢሩ’ዩ።

    ንእስራኤልን ሓማስን ክተደራድር ዝጸንሐት ቀጠር ጅሆ ካብ ዝተትሓዙ እቶም ናይ መጀመርታ ሎሚ ከም ዝፍትሑ ምግላጻ ይዝከር።

    ብሙሉኦም ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ከም ዝዀኑ’ውን ተሓቢሩ።

    ክልቲኦም ተራጸምቲ ወገናት ብመሰረት ዝበጽሑዎ ስምምዕ፡ ንኣርባዕተ መዓልታት ዝጸንሕ ተኹሲ ደው ምባል ብምግባር ምልውዋጥ እሱራትን ጅሆ ዝተትሓዙ ሰባትን ክገብሩ’ዮም።

    ብመሰረት እቲ ስምምዕ፡ ሓማስ ጅሆ ካብ ዝሓዞም ልዕሊ 250 ሰባት ነቶም 13 ሎሚ ክፈትሕ እንከሎ፡ እስራኤል ብወገና ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ማእሰርቲ ካብ ዝርከቡ ፍልስጤማውያን ክትፈትሕ እያ።

    ሰራዊት እስራኤል ዘዳለዎ መቐበሊ ቦታ

    ምንጪ ስእሊ, Israel Defense Forces

  11. ሓማስ፡ 12 ታይላንዳውያን ፈቲሑ

    ቀዳማይ ሚኒስትር ታይላንድ፡ ኣብ ቓዛ ብሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ዝነበሩ 12 ዜጋታት ሃገሩ ከም ዝተፈትሑ ኣፍሊጡ።

    እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር፡ ሰብ መዚ ኤምባሲ “ክቕበሉዎም ይኸዱ ኣለው” እኳ እንተበለ፡ እቶም ኣብ ጅሆ ዝጸንሑ ሰባት ኣበይ ከም ዝነበሩ ኣየነጸረን።

    ኣገልግሎት ሓበሬታ ግብጺ’ውን፡ “ብተሪር ጻዕሪ ግብጻውያን 12 ዜጋታት ታይላንድ ክፍትሑ ክኢሎም” ኢሉ።

    ኣብዚ ጉዳይ ብወገን ሓማስ ዝተዋህበ ርኢይቶ የለን።

    ምፍታሕ እዞም ውልቀሰባት ግን ኣካል እቲ ብሸምጋልነት ቀጠር ኣብ ሞንጐ እስራኤልን ሓማስን ዝተበጽሐ ስምምዕ ኣይኰነን።

    ሕጂ 13 እስራኤላውያን ክፍትሑ ትጽቢት ይግበር ኣሎ።

  12. ኣዝዩ ሓደገኛ ኵነታት

    ኣብ የሩሳሌም ዝርከብ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ዮላንድ ክኔል ብዛዕባ እቲ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ርእይቶኡ ከካፍል ከሎ፡ ሓይልታት እስራኤል ኣብዚ እዋን ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ገለ ነገር እንተኣጋጢሙ ሱቕ ክብሉ እዮም ክትብል ከምዘይትኽእል ይገልጽ።

    ንኣብነት ሓደ ካብቶም ዝድለዩ ሓለፍቲ ሓለፍቲ ሓማስ ኣበይ ከምዘሎ እንተፈሊጦም ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ይቑጠቡ ዶ?

    ኣብዚ እዋን ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ክኸዱ ዝኽእሉ ብዙሕ ነገራት ኣለው።

    ብወገን ሓማስ ኮነ ካልኦት ኣብ ቓዛ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት'ውን፡ ሓይልታት ምድሪ እስራኤል ጌና ኣብኡ ኣለው።

    እዚ ኣዝዩ ሓደገኛ ኵነታት እዩ።

    እምበኣር ንዝቕጽል ሰለስተ መዓልታት እዚ ኵነታት ክቕጽል እንተኾይኑ፡ ሎሚ ኩሉ ነገር ከምቲ ዝተወጠነሉ ብዘይዕንቅፋት ክፍጸም ከድሊ እዩ ይብል ዮላንድ።

  13. ድሕሪ ምቍራጽ ተዅሲ ዝወጽኡ ቀዳሞት ስእልታት

    ኣብ መንጎ እስረኤልን ሓማስን ግዝያዊ ምቍራጽ ተዂሲ ካብ ዝትግበር ድሮ ክልተ ሰዓት ገይሩ።

    ካብ እስራኤልን ቓዛን ገለ ስእልታት ክበጽሓና ጀሚሩ ኣሎ። ክልቲኦም ወገናት እቲ ምቍራጽ ተዅሲ ግዝያዊ ምዃኑ ገሊጾም ኣለው።

    ብሰንኪ እቲ ኲናት ካብ መንበሪኡ ተፈናቒሉ ዝጸንሐ ፍልስጤማዊ ናብ ቤቱ የምርሕ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ወተሃደራት እስራኤል ካብ ድሩዓት መካይን ስምዒቶም ይገልጹ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ፍልስጤማውያን ብኣድጊ ብእትጉተት ዓረብያ ናብ ቤቶም እናተመለሱ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ቃፍላይ ሰራዊት እስራኤል ካብ ወሽመጥ ቓዛ ናብ እስራኤል ይምለሱ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

  14. ንኣርባዕተ መዓልታት ዝጸንሕ ምቍራጽ ተዅሲ እስራኤል ሓማስ ይጅምር

    ንኣርባዕተ መዓልታት ዝጸንሕ ምቍራጽ ተዅሲ እስራኤል ሓማስ ይጅምር ኣሎ።

    እዚ ዕውት እንተኾይኑ፡ እቲ ሸውዓተ ሰሙናት ኣቊጺሩ ዘሎ ኲናት ካብ ዝውላዕ ንደሓር ፈላሚ ደውታ ተዅሲ ምዃኑ እዩ።

    እዚ ስምምዕ ግዝያዊ ምቍራጽ ተዅሲ፡ ካብቶም ብ7 ጥቅምቲ ብሓማስ ጅሆ ዝተትሓዙ 240 ሰባት፡ ምፍታሕ 50 ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን እውን ዘጠቓለለ እዩ።

    እቶም ቀዳሞት 13 ሰባት ሎሚ ዓርቢ ብኣቈጻጽራ እቲ ከባቢ ሰዓት 16፡00 ክፍትሑ ትጽቢት ይግበር።

    ኣምሳያኡ ከኣ እስራኤል፡ 150 ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ፍልስጤማውያን ደቂ ኣንስትዮን ንኡሳትን ክትፈትሕ ምዃና ገሊጻ ኣላ።

    እቲ ምቍራጽ ተዅሲ፡ ን2.2 ሚልዮን ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ዝርከቡ ፍልስጤማውያን እውን ተወሳኺ ኣድላዪ ረድኤት ክኣቱ ከኽእል ምዃኑ ይንገር።

    ክሳዕ ናይ መወዳእታ ሒደት ደቓይቕ ኲናት ይቕጽል ኔሩ።

    እስራኤል፡ እዚ መፈጸምታ ናይቲ ኲናት ከምዘይኮነ እያ ትገልጽ፤ መንግስቲ፡ ነቲ ንሓማስ ንምድምሳስን ንዅሎም ጅሆ ዝተትሓዙ ሰባት ነጻ ንምውጻእን ዝጀመሮ ስርሒት ክፍጽሞ ምዃኑ ፈኪሩ።

    እስራኤል፡ ኣሜሪካን ካልኦት ሃገራት ምዕራብን ግብረ-ሽበራዊ ጉጅለ ዝብልኦ ሓማስ፡ እቲ ስምምዕ፡ ፍልስጤማውያን ካብቲ እስራኤል ትፍጽሞ ዝጸንሐት ደብዳብ ኣየርን መጥቃዕቲ ምድርን ትንፋስ ዝህብ ምዃኑ ገሊጹ።

    በቲ እስራኤል ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ተካየዶ ዘላ መጥቃዕቲ ልዕሊ 14,500 ሰባት ከምዝተቐትሉ ምምሕዳር ቓዛ ይገልጽ።

    ተወሳኺ እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ ምሳና ክትጸንሑ ንዕድመኩም።

  15. ንዝሓለፈ 20 ደቓይቕ ምልውዋጥ ተዅሲ ኣይተሰምዐን

    ግዝያዊ ምቍራጽ ተዅሲ እስራኤል-ሓማስ ቅድሚ ሓደ ሰዓት እዩ ተግባራዊ ኮይኑ፤ ግና ብልክዕ ዶ ይትግበር ኣሎ? ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኣና ፎስተር ካብ ሰድሮት፡ ደቡባዊ እሰራኤል ትዕዝብታ ብከምዚ ትገልጽ።

    እቲ ንኣርባዕተ መዓልታት ዝጸንሕ ምቍራጽ ተዅሲ ቅድሚ ከባቢ ሓደ ሰዓት እዩ ጀሚሩ፤ ግና ንከባቢ 15 ደቓይቕ ዝኸውን ጸጸኒሑ ነትጒ ይስማዕ ኔሩ።

    ኣብ ሰማይ'ውን ቅድሚ 20 ወይ 30 ደቓይቕ ቅድሚ እቲ ምቍራጽ ተዅሲ ናይ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣየር ምልክታት ይርአ።

    ሰራዊት እስራኤል ክሳዕ እቲ ምቍራጽ ተዅሲ ዝጅምረሉ ሰዓት፡ ምናልባት'ውን ገለ ደቓይቕ ብድሕሪኡ ስርሒቱ ከምዝቐጸለ በቲ ካብዚ ኣብ ቓዛ እንርእዮን እንሰምዖን ምርዳእ ይከኣል።

    ኣብ ልዕሌና ድሮን ትዝንቢ ምህላዋ ድምጺ ንሰምዕ ኣለና፤ እንተኾነ ግና ንዝሓለፈ ከባቢ 20 ደቓይቕ ዝኾነ ድምጺ ናይ ተዅሲ፡ ሞርታር፡ ነትጒ ወይ'ውን ምልውዋጥ ተዅሲ ኣይሰማዕናን።

    እቲ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ዝጸንዐ ይመስል።

  16. ብዛዕባ እቶም ሎሚ ዓርቢ ዝፍትሑ ጅሆ ተታሒዞም ዘለው ሰባት እንታይ ንፈልጥ?

    ብሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ዝጸንሑ ሰባት ሎሚ ዓርቢ ብኣቈጻጽራ እቲ ከባቢ ሰዓት 16፡00 ክፍትሑ እዮም።

    መንነት እቶም ሰባት'ኳ ብልክዕ እንተዘይተፈለጠ፡ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ከምዝኾኑ ተረጋጊጹ እዩ።

    ብመሰረት ካብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ኣብ ዝቕጽል ኣርባዕተ መዓልታት ብሓፈሻ 50 ጅሆ ተታሒዞም ዝጸንሑ ሰባት ክፍትሑ ትጽቢት ይግበር።

    ኣብዚ ኣርባዕተ መዓልታት ምቍራጽ ተዅሲ ክህሉ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ ኣሎ።

    እቶም ዝፍትሑ ሰባት፡ እስራኤላውያን ወይ'ውን ድርብ ዜግነት ዘለዎም እዮም ክኾኑ።

    እቲ ምፍታሕ ጅሆ ዝተትሓዙ ሰባት ክቕጽል ትጽቢት ይግበር።

  17. ምቍራጽ ተዅሲ ክጅምር ትሕቲ ሓደ ሰዓት ኣብ ዝተረፈሉ እዋን መጥቃዕቲ ኣየር ተፈጺሙ

    ኣብ ቓዛ ኣብ ሰማይ ትኪ ይርአ

    ግዝያዊ ምቍራጽ ተዅሲ እስራኤል-ሓማስ ክጅምር ትሕቲ ሓደ ሰዓት ኣብ ዝተረፈሉ እዋን ኣብ ቓዛ መጥቃዕቲ ኣየር ተፈጺሙ።

    ናብ ሰድሮት፡ ደቡባዊ እስራኤል ዝተንቀሳቐሰት ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኣና ፎስተር፡ ድምጺ ተኵስን ሞርታራትን ኣብ ቓዛ ጌና ይስማዕ ከምዘሎን ኣብ ሰማይ ብልጭታት ከምዝርአን ገሊጻ።

    ብዘይካ'ዚ መጥቃዕቲ ኣየር ምፍጻሙን ድሮናት'ውን ከምዝስምዓ ሓቢራ።

    ሰራዊት እስራኤል ክሳዕ ናይ መወዳእታ ደቒቕ ኣብ ቓዛ ስርሒቱ ዝቕጽል እዩ ዝመስል ከኣ ትብል።

  18. ቀጠር፡ ተኹሲ ደው ምባል እስራኤል-ሓማስ ጽባሕ ዓርቢ ከም ዝጅምር ኣፍሊጣ

    ሓማስ ጅሆ ካብ ዝሓዞም ኣባል ሓደ ስድራ ዝዀኑ ኤሬዝን ሳሃርን ይርከቡዎም

    ምንጪ ስእሊ, IDO DAN

    መግለጺ ስእሊ, ሓማስ ጅሆ ካብ ዝሓዞም ኣባል ሓደ ስድራ ዝዀኑ ኤሬዝን ሳሃርን ይርከቡዎም

    ንእስራኤልን ሓማስን ከተደራድር ዝጸንሐት ቀጠር፡ እቲ ኣብ ሞንጐ ክልቲኦም ወገናት ዝተበጽሐን ንመዓልታት ዝጸንሕን ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ጽባሕ ዓርቢ ከም ዝጅምር ኣፍሊጣ።

    እዚ፡ ብኣቈጻጽራ ሰዓት ቓዛ ንጉሆ ሰዓት ሓደ ክጅምር ምዃኑ ገሊጻ ኣላ።

    ክንፊ ሓማስ ዝዀነ ብርጌጅ ኣልቓሳም እውን እቲ ተኹሲ ደው ምባል ጽባሕ ንጉሆ ከም ዝጅመር ኣረጋጊጹ።

    ኣብዞም መዓልታት፡ ኣርባዕተ ነዳዲ ዝጽዓና መካይንን 200 ናይ ረድኤት መካይንን’ውን ናብ ወሽመጥ ቓዛ ክኣቱ ክፍቀድ ምዃኑ ገሊጹ።

    ብርጌዳት ኣልቓሳምን ሓይልታት እስራኤልን ዘካይዱዎ ወተሃደራዊ ስጉምታት ድማ ንኣርባዕተ መዓልታት ደው ክብል ምዃኑ ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ።

    ሓማስ ድማ፡ ብመሰረት እቲ ስምምዕ ጅሆ ካብ ሞንጐ ዝሓዞም እቶም 13፡ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ክፈትሖም እዩ ኢላ።

    እዞም ኣብ ቀዳማይ ዙር ዝፍትሑ ዘለው ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ከም ዝዀኑ ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ቀጠር መጂድ ኣል-ኣንሳሪ ተዛሪቡ።

    እቲ ወሃቢ ቃል፡ እቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለው ሰባት ጽባሕ ድሕሪ ቀትሪ ዓለምለኸ ቀይሕ መስቀል ከም ዝቕበሎም ሓቢሩ ኣሎ።

    እስራኤል ድማ፡ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝርከቡን ቁጽሮም ብወግዒ ዘይተፈልጡን እሱራት ክትፈትሕ እያ።

    ሓማስ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ድሕሪ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ፡ 1200 ሰባት ክሞቱ እንከለው ካልኦት ልዕሊ 200 ሰባት ጅሆ ሒዙ ናብ ቓዛ ከም ዝወሰዶም ይዝከር።

    ቅድም ኢሉ፡ እስራኤል ብተደጋጋሚ ኣብ ልዕሊ ቓዛ ትፍጽሞ ብዝነበረት መጥቃዕታት ካብቶም ጅሆ ዝሓዞም ኣስታት 50 ከም ዝሞቱ ገሊጹ ነይሩ።

  19. ዳይሬክተር ሆስፒታል ኣል-ሺፋ ኣብ ቀይዲ ሰራዊት እስራኤል ኣትዩ

    ካብቲ ብሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ዝተዘርግሐ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ዝተወስደ ስእሊ፡ እቲ ሓማስ ዝጥቀመሉ ኣብ ትሕቲ ኣል-ሺፋ ዝርከብ ጋለሪያ ምዃኑ የርኢ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    መግለጺ ስእሊ, ካብቲ ብሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ዝተዘርግሐ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ዝተወስደ ስእሊ፡ እቲ ሓማስ ዝጥቀመሉ ኣብ ትሕቲ ኣል-ሺፋ ዝርከብ ጋለሪያ ምዃኑ የርኢ

    ዳይሬክተር ዓብዪ ሆስፒታል ቓዛ ዝዀነ ኣል-ሺፋ ኣብ ቀይዲ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ከም ዝኣተወ ሓካይም እቲ ሆስፒታል ተዛሪቦም።

    ኣቡ ሳላሚያ፡ ካብቲ ሆስፒታል ዝወጽኡ ሕሙማት ኣብ ዘሰነየሉ እዋን ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተወ ሓይሊ ክፍሊ ሕክምና ዓጽሚ ዶክተር ኣድናን ኣል ቡርሽ ገሊጹ።

    ሰራዊት እስራኤል ኣብዚ ጉዳይ ክሳብ ሕጂ ዝሃቦ ሓበሬታ የለን።

    እስራኤል፡ እዚ ሓማስ ኣብ ትሕቲ እቲ ሆስፒታል ኣሎ’ዩ ብዝብል ኣብቲ ሆስፒታል ወራር ብምፍጻም ተቘጻጺራቶ ምህላዋ ይፍለጥ።

    ሓማስ ኰነ ሰራሕተኛታት እቲ ሆስፒታል ግን ነዚ ክሲ ኣይቕበሉዎን።

    ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰራዊት ስራኤል ነቲ ሆስፒታል ምስ ተቘጻጸረ ጋለሪያ ሓማስ’ዩ ዝበሎን ኣብቲ ህንጻ 10 ሜትሮ ንታሕቲ ይርከብ’ዩ ናይ ዝበሎ ቪድዮ ዘርጊሑ ነይሩ፤ እዚ ድማ ክሳብ 55 ሜትሮ ከም ዝኸይድ ገሊጹ።

    ብቐዳም፡ ሕሙማት ዝርከቡዎም ብኣማኢት ዝቑጸሩ ፍልስጤማውያን ብትእዛዝ ካብቲ ሆስፒታል ከም ዝወጽኡ ብምግላጽ ብእግሮም ሃዲሞም’ዮም።

    እስራኤል ግን ትእዛዝ ኣይሃብኩን እያ ትብል።

  20. እስራኤል ኣብ ዶብ ሊባኖስ ከቢድ ምልውዋጥ ቶኵሲ ተካይድ ከምዘላ ኣፍሊጣ

    ብሰሜን ምስ ሊባኖስ እትዳወብ እስራኤል ኣብቲ ዶባት ከቢድ ምልውወሳጥ ቶኵሲ ተካይድ ምህላዋ ገሊጻ።

    ውሃቢ ቃል ሰራዊት እስራኤል ዳንኤል ሃጋሪ ኣብ ኤክስ [ትዊተር ነበር] ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ነፈርቲ እስራኤል ኣብ ከባቢ ዛሪት ዝተብሃለ ቦታ ዝተጻወደ ጸረ ታንኪ ኣሃዱን ከቢድ ብረትን ከምዝደብደባ ሓቢሩ።

    እቲ ውሃቢ ቃል ነቲ ደብዳብ ኣሃዱ ከቢድ ብረት እስራኤል’ውን ከምዝተጸንበርዎ ኣነጺሩ።

    ናብ ሎሚ ኣብ ዘውገሐ ላየቲ ካብ ውሽጢ ሊባኖስ ናብ ሰራዊት እስራኤልን ነፈርቲ እስራኤልን ካብ መሬት ናብ ሰማይ ዝውንጨፍ ሚሳኤል ከምዝተወንጨፎም፡ እንተኾነ ኩሉ እቲ ሚሳኤላት ብጸረ ሚሳኤል ዝዓጠቓ ነፈርቲ ከምዝኸሸፈ ዳንኤል ሃጋሪ ገሊጹ።

    እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ጽሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ዓዲ እንገሊዝ ዳቪድ ካሜሪን ናብ ማእከላይ ምብራቕ ምብጸሕ የካይድ ኣሎ።

    ቀዳማይ ሚኒስተር ዓዲ እንግሊዝ ነበር ደቪድ ካሜሮን ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ዓዲ እንግሊዝ ኮይኑ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ድሕሪ ምሻሙ ነዚ ሓድሽ ሽመቱ ካብ ዝርከብ ናይ መጀመርታ ካብ ሃገሩ ወጻኢ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ።

    ደቪድ ካሜሪን ካብ ዲብ ቓዛ 3 ማይል ርሒቓ ናብ እትርከብ ካቡቱዝ ቤሪ ምብጻሕ ኣከይዱ።

    ንሱ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሞንጎ ሓማስን እስራኤልን ዝተበጽሐ ስምምዕን ናብ ቓዛ ሰብኣዊ ረድኤት ዝኣትወሉ ኣገባብን ምስ ዝምልከቶም ኣከላት እስራኤልን ፍሊስጤምን ክዘራረብ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

    ደቪድ ካሜሮን ናብ እስራኤል ምብጻሕ የካይድ ኣሎ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters