ጽምብል ምስረታ ሓድሽ መንግስቲ ኣብ መስቀል ኣደባባይ

መኽፈቲ ስነ ስርዓት ኣብያተ ምኽሪ ፌደራልን ባይቶ ፌደሬሽንን ተዛዚሙ። እቲ ባይቶ፡ ኣፈ ጉባኤ ኣቶ ታገሰ ጫፎ፣ ምኽትል ኣፈ ጉባኤ ወይዘሮ ሎሚ በድኦ፣ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ፌደሬሽን ኣቶ ኣገኘሁ ተሻገርን ምኽትል ኣፈ ጉባኤ ወይዘሮ ዛህራ ኡመድን ከምኡ'ውን ሽመት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣጽዲቑ። እቲ ሽመት ዝጸድቐሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ድማ ኣብቲ ባይቶ ዘረባ ከስምዕ’ዩ። ብተወሳኺ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ሽመት ኣባላት ካቢኔ ወግዓዊ ክገብር እዩ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ሎሚ ትጽቢት ዝግበሩ ዓበይቲ ፍጻመታት ኢትዮጵያ

    ቤት ጽሕፈት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ

    ምንጪ ስእሊ, HOR FB

    ሎሚ፡ ካብ ንጉሆ ሰዓት 2፡30 [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ጀሚሩ ምስረታን መኽፈቲ ጉባኤን 6ይ ዘመን ስራሕ ባይቶ ወከልቲ ህዝብን ቤት ምኽሪ ፌደሬሽንን ክካየድ’ዩ።

    ኣብዚ ጉባኤ፥

    • ሓደሽቲ ዝተመርጹ ኣባላት ክልቲኦም ኣብያተ ምኽሪ ስርሖም ክጅምሩ'ዮም
    • እቲ ባይቶ፡ ሽመት ኣፈ ጉባኤ ባይቶ፣ ምኽትልን ከምኡ’ውን ሕጹይ ኮይኑ ዝቐርብ ቐዳማይ ሚኒስትርን ከጽድቕ ትጽቢት ይግበር
    • ኣብ መረጻ 2013 ዓ.ም ዝተዓወተ ሰልፊ ብልጽግና ሕጹይ ገይሩ ዘቕርቦ ቐዳማይ ሚኒስትር ክሽየም’ዩ
    • እቲ ሽመት ዝጸድቐሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ድማ ኣብቲ ባይቶ ዘረባ ከስምዕ’ዩ። ብተወሳኺ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ሽመት ኣባላት ካቢኔ ወግዓዊ ክገብር እዩ

    ስነ ስርዓት ምስረታ መንግስትን በዓለ ሹመት ቀዳማይ ሚኒስትርን ድማ ኣብ መስቀል ኣደባባይ ክካየድ’ዩ።

    ኣብዚ ምስረታ ሓድሽ መንግስቲ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ናብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝኣተው ይግለጽ ኣሎ።

    ክሳብ ሕጂ፡ ፕሬዝደንት ናይጄሪያ መሓመድ ቡሃሪ፣ ፕሬዝደንት ሰኔጋል ማኪ ሳል፣ ፕሬዝደንት ናይጄሪያ ነበር ኦሊሴንጎን ኦባሳንጆን ሚስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኣልጄሪያ ራማታን ላማምራን ከምኡ’ውን ዋና ጸሓፊ ኢጋድ ወርቅነህ ገበየሁ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም ኣለው።

    ኣብ መክፈቲ ሓበራዊ ጉባኤ ክልቲኦም ኣብያተ ምኽሪ ፕሬዝደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ባጀትን ቀንዲ ኣንፈታት ትኹረት እዚ መንግስትን ትኹረት ዝገበረ መኽፈቲ ዘረባ ክተስምዕ’ውን ትጽቢት ኣሎ።

  2. ከመይ ሓዲርኩም

    ባብዴራ ኢትዮጵያ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ሓድሽ መንግስቲ ክምስረት’ዩ። ኣብዚ ዕለት ዓበይቲ ፍጻመታት ክህልው’ዮም።

    ንሕና’ውን እናተኸታተልና ከነቕርበልኩም ኢና።

    ሰናይ ዕለት