ኤርትራ ሎሚ: 19 ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ከም ዝረኸበት ኣፍሊጣ።
እቶም ሰባት ኣብ መወሸቢ ማእከላት ኣዲባራ፡ ኣሊግድርን ኦምሓጀርን ሰርሓን ኣብ ዝተገብረ መርመራ ከም ዝተረኽቡ መግለጺ ሚኒስትሪ ጥዕና ይሕብር።
ሕክምናዊ ረድኤት ክግበረሎም ዝጸንሐ 12 ሕሙማት'ውን ጥዕንኦም ናብ ንቡር ኩነታት ተመሊሱ ካብ ሆስፒታል ተፋንዮም ኣለው።
ክሳብ ሕጂ በቲ ቫይረስ ዝሞተ ሰብ ዘይመዝገበት ኤርትራ 43 ሕሙማት ኮቪድ-19 ኣለዋ።
ኣብታ ሃገር ድምር እቲ ቫይረስ ከም ዝተረኽቦም ዝተረጋገጹ ሰባት ናብ 304 ክብ ኢሉ ኣሎ።
ኩሎም እቶም ሎሚ ዝተረኽቡ ሕሙማት ኣብ ቀረባ ግዝያት ካብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝተመለሱ ምዃኖም ሚኒስትሪ ጥዕና ሓቢሩ።
ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ሰባት ናብ ኤርትራ ይምለሱ ከም ዘለው ዝሕብር እቲ መግለጺ፡ ዛጊት 13ሽሕን 306 ሰባት ካብ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ጅቡቲን የመንን ከም ዝተመለሱ ይጠቅስ።