ኣብ ዓለም፡ ቊጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት 22 ሚልዮን በጺሑ
ኣብ ዓለም፡ ቊጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት 22 ሚልዮን ከምዝበጽሓ ተገሊጹ። ቁጽሪ ዝሞቱ ድማ ልዕሊ 774,000 በጺሑ'ሎ።
ዝለዓለ መልከፍትን ሞትን ኣመዝጊባ ዘለ ግን ኣመሪካ እያ። ኣብ ኣመሪካ ጥራይ ልዕሊ 5.4 ሚልዮን ብኮቪድ-19 ተለኺፎም ኣለው። ካብዞኦም እቶም 170 ሽሕ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ሂወቶም ስኢናኦም ኣለው።
ኣብ ብራዚል ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 3̄.3 ሚልዮን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ እንከው፡ ኣብ ህንዲ ድማ 2̌.7 ሚልዮን በጺሑ'ሎ