ኣብ ኢትዮጵያ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት 7000 ሓሊፉ

ኣብ ኢትዮጵያ እቲ ለበዳ ካብ ዝተረኣየሉ ጀሚሩ ኣብ 275 ሽሕን 930 ቅምሶታታት ምርመራ ዝተገበረ ኮይኑ፡ ኣብቶም 7120 ሰባት ድማ ኮሮናቫይረስ ተረኺቡ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. 'ለበዳ ኮሮናቫይረስ ን49 ሚልዮን ኣፍሪቃውያን ናብ ድኽነት ከእትው ይኽእል'ዩ'

    ኣዋጃት ዕጽዋ ንናብራ ዜጋታት ከምዘኽበዱ ይግለጽ

    ምንጪ ስእሊ, AFP

    ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ፡ 49 ሚልዮን ኣፍሪቃውያን ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ናብ ድኽነት ክኣትዉ ከምዝኽእሉ ሓቢሩ።

    እቲ ባንኪ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብፍላይ ምዕራብን ማእኸላይን ኣፍሪቃ በቲ ቁጠባዊ ምድኻም ከምዝህሰያ ኣፍሊጡ።

    እቲ ብሰንኪ እዚ ቫይረስ ዘንቆልቁል ቁጣባ ድማ ኣብ 2021 ናብ ዝነበሮ ዝምለሰሉ ኩነታት ከምዝህሉ ኣተንቢሁ።

    ብቑጠባ ኣብ ዝሓሸ ደረጃ ዝርከባ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ነዳዲ ሰደድ ዝገብራ ናይጀርያ፣ ኣንጎላን ኣልጀርያን'ውን በቲ ለበዳ ተሃስየን እየን።

    ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተደንገጉ አዋጃት ዕጽዋ ድማ ንቑጠብአን ካብ ምህሳዮም ብተወሳኺ ብዙሓት ዜጋታት ካብ ስራሕ ክፈናቐሉ ምኽንያት ከምዝኾኑ ይግለጽ።

  2. ኣብ ኣሜሪካ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት 3 ሚልዮን ሓሊፉ

    ምርመራ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝካየደሉ ቦታ ዝተኣኻኸቡ ሰባት

    ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝጀመረሉ እዋን ክሳብ ሎሚ ቁጽሪ ኣብ ኣሜሪካ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ልዕሊ 3 ሚልዮን በጺሑ።

    ትማሊ ሰሉስ ጥራሕ ድማ 46,500 ሓደሽቲ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ተመዝጊቦም።

    ኣሜሪካ ብብዝሒ ብኮቪድ-19 ዝተትሓዙ ሰባት ኣብ ዓለም ኣብ ቅድሚት ትስራዕ።

  3. ኮሮናቫይረስ ብአየር ዝመሓላለፍ ክኸውን ይኽእል'ዩ - ውድብ ጥዕና ዓለም

    መሸፈኒ ገጽ ገይራ ኣብ ደገ ኮፍ ዝበለት ሰበይቲ

    ምንጪ ስእሊ, AFP

    ውድብ ጥዕና ዓለም ኮሮናቫይረስ ካብ ዝኾነ ሕሙም እቲ ቫይረስ ብዝንጸጉ ራሕሲ ኣቢሉ ናብ ካልእ ሰብ ክመሓላለፍ ከምዝኽእል'ዩ ክገልጽ ጸኒሑ።

    እቲ ራሕሲ ድማ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ከሕንጥሱ ወይ ክስዕሉ ከለዉ ከምዝንጸግ የረድእ።

    እቶም ንጣባት ኣብ ኣየር ክጸንሑ ከምዘይክእሉን ኣብ ሓጺር ግዜ ናብ መሬት ከምዝዓርፉን እውን ክሕብር ጸኒሑ።

    ኣብዚ ሕዚ እዋን ግን ካብ 32 ሃገራት ዝተኣኻኸቡ 239 ተመራመርቲ በዚ መደምደምታ ክሰማምዑ ኣይከኣሉን።

    እቲ ቫይረስ ንንውሕ ዝበለ እዋን ኣብ ኣየር ክጸንሕ ከምዝኽእል ዝሕብሩ ውጽኢታት ተረኺቦም ኣለዉ።

    ሰባት ክዛረቡ ወይ ከተንፍሱ ከለዉ እቶም ብዓይኒ ዘይረኣዩ ንጣራት ንሰዓታት ኣብ ኣየር ክንሳፈፉ ከምዝጸንሑ እቲ መጽናዕቲ የመልክት።

    ውድብ ጥዕና ዓለም እቲ ዝበሃል ዘሎ ክኸውን ከምዝኽእል ቅቡል ብምግባር፡ እቲ ሕማም ብኣየር ዝመሓላለፍ (ኣየርወለድ) ክኸውን ከምዝኽእል ሓቢሩ'ሎ።

  4. ኣብ ኢትዮጵያ ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት 120 በጺሑ

    ቤተ ሙከራ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ኣብ ኢትዮጵያ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝጀመረሉ እዋን ክሳብ ሎሚ ኣብ ልዕሊ 260 ሽሕ ቅምሶታት ምርመራ ተገይሩ'ሎ።

    ክሳብ ሕዚ ካብ ዝተገበረ ምርመራ ድማ ኣብቶም 6,744 ሰባት ኮሮናቫይረስ ተረኺብዎም።

    በቲ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝተትሓዙ ድማ እቶም 3,301 ከምዝደሓኑ ተፈሊጡ።

    ክሳብ ትማሊ ኣብ ዝነበረ ጸብጻብ ከኣ 120 ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ።