ፈረንሳይ ብስግኣት ኮሮናቫይረስ ኣንቢራቶም ካብ ዝጸንሐት ገደባት ንገሊኦም ኣልዒላ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ፕረዚደንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ብዙሓት ካብቶም ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ተነቢሮም ዝጸንሑ ገደባት ከምዝተልዓሉ ኣፍሊጡ።
ካብ ሎሚመዓልቲ ሰኑይ ጀሚሩ ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝርከቡ ካፌታትን ኣብያተ-መግብን ዝኽፈቱ ኮይኖም ናብ ሃገራት ኣውሮጳ ዝግበሩ መገሻታት እውን ክፍቀዱ እዮም።
ብዘይካ'ዚ ሰባት ኣብ መሐብሐቢ ኣረጋውያን ንዝርከቡ ቤተሰቦም እናኸዱ ክሓቱ ከምዝኽእሉ ተፈቒዱ'ሎ።
ዝበዝሓ ሃገራት ኣውሮጳ ካብ ሎሚ ሰኑይ ጀሚረን ምስ ካልኦት ሃገራትሕብረት ኣውሮጳዊ ዘራኽብ ዶባተን እናኸፈታ እየን።እዚ ከምዚ እናሃለወ ኣብ ቻይና ግን ሓድሽ ደግሲ ኣስጊኡ ኣሎ።


