ኣብ ኢትዮጵያ ተወሰኽቲ 170 ሰባት ኮሮናቫይረስ ከምዝተትሓዙ ተገሊጹ

ኣብ መላእ ዓለም፡ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት 7 ሚልዮን ሓሊፉ ኣሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 6187 ሰባት ምርመራ ተገይሩሎም፤ ኣብቶም 170 ኮሮናቫይረስ ከምዝተረኸቦም ሚንስትሪ ጥዕና ኣፍሊጡ። ምስ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብዝተኣሳሰር ኣብ ዓለም ኮነ ኣብ ከባቢኹም ዘሎ ምዕባለታት ኣብዚ ብቐጥታ ክነቕርበልኩም ኢና ተኸታተሉና።

ቀጥታዊ ሸፈነ

ከመይ ሓዲርኩም!

ቢቢሲ ትግርኛ፤ ምስ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብዝተኣሳሰር ኣብ ዓለም ኮነ ኣብ ከባቢኹም ዘሎ ምዕባለታት እዚ ዕለት ኣብዚ ብቐጥታ ከቕርበልኩም እዩ ተኸታተሉና።

ሰናይ መዓልቲ ስራሕ ክኾነልኩም ንምነ!