ሚኒስተር ሓለዋ ጥዕና ኢትዮጵያ ሎሚ ናብ መቐለ ብምኻድ ምስ ላዕለዎት ሰብ ሞያ ጥዕና ተራኺባ።
ንማእኸል ምርምር ጥዕና ትግራይን መሐከሚ ኮሮናቫይረስን ድሕሪ ምዕዛባ፡ ምስ ክኢላታትን እተን ማእከላት ኣብ ጉዳይ ምምካት እቲ ቫይረስ ዘተ ኣካይዳ።
ቁጽሪ ኣብቲ ክልል ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት 87 በጺሑ’ሎ። ሎሚ ኣብ ዝተዋህበ ሓበሬታ፡ 2 ተወሰኽቲ ሰባት እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም ኣሎ።
ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ፡ ዶ/ር ሓጎስ ጎደፋይ: ብፍላይ ኣብ ስግር ዶብ ኤርትራን ሱዳንን ኣመልኪቱ ንዝህሉ ኩነታት ሓላፍነት መንግስቲ ፌደራል እናሃለወ፡ ዛጊድ ዝግበር ሓገዝ የለን ኢሉ።
መንግስቲ ፌደራል ሓገዝ ገንዘብን ሕክምናዊ ናውትን ንክልል ትግራይ ከምዝሃበ ዝገለጸ ዶ/ር ሓጎስ፡ እኹል ግን ኣይኮነን ኢሉ።
ቀዳማይ ሚንስትር ኣቢዪ ኣሕመድ ንመኸተ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝውዕል 46 ሚልዮን ብር ዝግመት ሓገዝ ንክልል ትግራይ ከምዝተዋህበ ሓቢሩ። ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ዶ/ር ሓጎስ ጎደፋይ እቲ ክልል 34 ሚልዮን ገንዘብ ከምዝተቐበለ ይገልፁ።
ይኹን እምበር በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ብመንግስቲ ፈደራል ንዝውነን ላዕለዋይ ሕክምና ዓይደር 12 ሚልዮን ብር ከምዝተወሃበ ተሓቢሩ ኣሎ።
ዶ/ር ሊያ እውን ነቲ ኣብ ትግራይ ዝስርሑ ዘለዉ ኣገባባት ምክልኻል እቲ ቫይረስ ብኣካል ተረኺባ ብምርኣይ ካብ መንግስቲ ፌደራል ክግበር ዝግበኦ ሓገዝ ከምዝህሉ ቃል ከምዝኣተወት ካብቲ ቢሮ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ።
ንሳ፡ ኣብቲ ክልል ኣብ ዝጸንሓትሉ እዋን፡ ምስ ምክትል-ርእሰ ምምሕዳር ናይቲ ክልል ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ከም ዝተራኸበት’ውን ተፈሊጡ።
ቅድሚ ሕዚ እውን ኣብ ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ኮሮናቫይረስ ኣብ ትግራይን ተተካኢ ኣውራ ከይዲ ስራሕ ክፍሊ ምክልኻልን ምቁጽጻር ሕማማትን እቲ ክልል ኣይተ መንግሽ ባህረስላሰ፡ ምስ መንግስቲ ፈደራል ጽቡቕ ርክብ ከምዘለዎምን ብመጠኑ ናውትን ሓገዝን ከምዝረኽቡ እውን ንቢቢሲ ምሕባሮም ይዝከር።