ኣብ ኢትዮጵያ 49 ሰራሕተኛታት ጥዕና በኮቪድ-19 ተለኺፎም
ኣብ ኢትዮጵያ 49 ሰራሕተኛታት ጥዕናን 16 ተሓጋገዝቲ ሰራሕተኛታትን ብኮቪድ-19 ተለኺፎም ከም ዘለዉ፡ ሚኒስተር ሓለዋ ጥዕና ሊያ ታደሰ ገሊጻ።
ዝበዝሑ ካብኣቶም፡ ኣብተን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከባ ትካላት ጥዕና ዝሰርሑ ምዃኖም ተፈሊጡ።
እቲ ሚኒስትሪ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ 142 ተወሰኽቲ ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተለኽፉ ሓቢሩ።
ኣብ ክሊ ዕድመ 40ታት ዝርከቡ ክልተ ደቂ ተባዕትዮን፡ ሓንቲ ጓል 71 ዓመትን ከም ዝሞቱ’ውን እቲ መግለጺ ጠቒሱ።