እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኢትዮጵያ 49 ሰራሕተኛታት ጥዕና ብኮቪድ-19 ተለኺፎም
ኣብ ኢትዮጵያ 49 ሰራሕተኛታት ጥዕናን 16 ተሓጋገዝቲ ሰራሕተኛታትን ብኮቪድ-19 ተለኺፎም ከም ዘለዉ፡ ሚኒስተር ሓለዋ ጥዕና ሊያ ታደሰ ገሊጻ። ዝበዝሑ ካብኣቶም፡ ኣብተን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከባ ትካላት ጥዕና ዝሰርሑ ምዃኖም ተፈሊጡ።። ዕለታዊ ምዕባለታት ኮሮናቫይረስ ንምፍላጥ ኣብ ቢቢሲ ትግርኛ ብቐጥታ ተኸታተሉ።
ቀጥታዊ ሸፈነ
ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሓደሽቲ ብኮቪድ-19 ዝተለኸፉ 87 ሰባት ተረኺቦም
ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተኻየደ መርመራ ኮሮናቫይረስ፡ 87 ሓደሽቲ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ተረኺቦም።
እዚኦም፡ ኣብ ክሊ ዕድመ 10 ክሳብ 70 ዓመት ዝርከቡ ኮይኖም፡ ኩሎም ኢትዮጵያውያን’ዮም።
እቶም 67 ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኮይኖም፡ ክልተ ካብ ትግራይ፣ ሽዱሽተ ኦሮሚያ፣ ሸውዓተ ካብ ክልል ኣምሓራ፣ ሓደ ካብ ሃረሪ፡ ኣርባዕተ ድማ ካብ ክልል ሶማሌ እዮም።
በዚ ምኽንያት፡ ህይወት ካልኦት ክልተ ሰባት’ውን ብምኽንያት እዚ ቫይረስ ክሓልፍ ከሎ፡ ብሓፈሻ ቑጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት 14 በጺሑ።
ትማሊ፡ ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ሶማሌን 14 ሰባት ካብዚ ሕማም ክሓውዩ ከለው፡ ብሓፈሻ 231 ሰባት ካብቲ ቫይረስ ሓውዮም።
ብጠቕላላ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብኮሮናቫይረስ ዝሓመሙ ሰባት፡ 1344 ከም ዝበጽሐ’ውን ሚኒስትሪ ጥዕናን ኢንስቲትዩት ጥዕና ኢትዮጵያን ዝሃቡዎ መግለጺ የመልክት።
ውጽኢት መርመራ ኣስክሬን ጆርጅ ፍሎይድ ተገሊጹ
ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ፡ ኣርባዕተ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ተቐቲሎም
መንግስቲ ኬንያ፡ መሕጸቢ ኢድ ንዝመሃዘ ወዲ 9 ዓመት ሽልማት ፍቕሪ ሃገር ኣበርኪቱ
ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል፡ መሕጸቢ ኢድ ዝመሃዘ ኬንያዊ፡ ካብቶም ኣብዚዓመት ካብ መንግስቲ ናእዳ ዝረኸቡ ሓደ እዩ።
ወዲ ትሸዓተ ዓመት ስቴፈን ዋሙኮታ፡ ኣብ እዋን ምሕጻብ ኢድ ክፍጠር ንዝኽእል ምትነኻፍ ኢድ ንምውጋድ፡ ብእግሪ ማይን ሳሙናን እትደፍእ ካብ ዕንጸይቲ ዝተሰርሐት መሕጸቢ ኢድ እዩ ኣዳልዩ።
እዚ ኣብ ምዕራብ ኬንያ ኣብ እትርከብ ከተማ ዝነብር ህጻን፡ ነዛ መሕጸቢ ኢድ ክሰርሕ ከሎ፡ ብምኽንያት ምትንኻፍ ኢድ ‘ዮም ሰባት ብኮሮናቫይረስ ዝሓሙ ዘለው ክብል ንኣዲኡ ኣውጊዑዋ ነይሩ።
ወላዲ ኣቡኡ ድማ ፈለኛሞ ስለ ዝኾነ፡ ስቴፌን ነታ ብእግሪ ማይን ሳሙናን እትደፍእ መሕጸቢ ኢድ ክምህዝ ከሎ ሓጊዙዎ እዩ።
እዚ ህጻን፡ ካብቶም 68 ኬንያ ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ትሰርሖ ዘላ ስራሕ ንምሕጋዝ ብዘርኣዩዎ ውፍይነት ናእዳ ዝረኸቡ እዩ።
እዞም ሰባት፡ ሽልማት ፍቕሪ ሃገር ተበርኪቱሎም።
ኣብ ታንዛኒያ ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ነክዩ ተባሂሉ
ሚኒስትሪ ጥዕና ታንዛኒያ፡ ኣብታ ሃገር ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ይንኪ ከም ዘሎ ገሊጻ።
ማእከል ንግዲ እታ ሃገር ኣብ ዝኾነት ዳሬ ሰላም፡ ብኮሮናቫይረስ ዝሓመሙ ሰባት ኣርባዕተ ጥራሕ ከም ዝኾኑ ሓቢራ።
ሚኒስትሪ ኡሚ ዋሊሙ ትማሊ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ “ታንዛኒያ፡ ካብዚ ለበዳ ዘድሓና ፈጣሪ’ዩ” ኢላ።
ፕሬዝደንት ጆን ማጉፉሊ፡ ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ሚኒስትሪ ቑጽሪ መልከፍቲ እቲ ቫይረስ ተጋንኑ ኣለኹም ኢሉ ምስ ኾነኖም፡ ኣብ ወርሒ ሚያዚያ ኣብ ዙርያ እቲ ቫይረስ ዘለው ምዕባለታት መግለጺ ምሃብ ጠጠው ኣቢሎም።
ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ታንዛኒያ፡ ኣብ ዳሬ ሰላም ዘለዋ ሆስፒታላት “ልዕሊ ዓቐን ተጨናኒቐን” ከም ዘለዋን መልከፍቲ እቲ ቫይረስ ናይ ምውሳኽ ተኽእሎ ዝለዓለ ከም ዝኾነን ተዛሪቡ ነይሩ። እንተኾነ፡ ነዚ ዘረጋግጽ መረዳእታ ኣየቕረበን።
ሚኒስትሪ ጥዕና ታንዛኒያ ትማሊ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ሕጂ’ውን በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ከም ዘለው’ኳ እንተገለጸት፡ ብቑጽሪ ግን ኣየቐመጠቶምን። ሰባት፡ ዝርግሐ እዚ ቫይረስ ንምቁጽጻር ዝወጽኡ መምርሒታት ከተግብሩ ድማ ኣተሓሳሲባ።
ዓበይቲ ተመሃሮ ድማ፡ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ተመሊሶም ኣለው።
ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ኣብ ልዕሊ ውድብ ጥዕና ዓለም ዘቕርበን ኣርባዕተ ክስታት
ኡጋንዳ፡ ተመሃሮ ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ንክመሃሩ ቴሌቪዥን ክትዕድል'ያ
ፕሬዝደንት ኡጋንዳ ዩዌሪ ሙሴቬኒ፡ ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ዝተዓጸዋ ኣብያተ ትምህርቲ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ከም ዝኽፈታ ገሊጹ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብያተ ትምህርቲ ክኽፈቱ ምግባር ኣዝዩ ሓደገኛ ከም ዝኾነ ብምግላጽ፡ እታ ሃገር ነቶም ተመሃሮ ክትምርምረሉ ዝሕግዛ መሳርሒ የብላን ኢሉ።
ተመሃሮ ኣብቲ ዝነብርሉ ከባቢ ኮይኖም ትምህርቶም ንክከታተሉ ፡ ንሓንቲ መንደር ክልተ ቴሌቪዥን ከም ዝህብ እቲ ፕሬዝደንት ገሊጹ።
“ኣብ ነፍሲ ወከፍ መንደር ክልተ ቴሌቪዥን ኣለዋ ማለት፡ ኣብ መላእ ሃገር 140 ሽሕ ቴሌቪዥን ክህልዋ እየን ማለት እዩ” ኢሉ።
ብኻልእ ወገን፡ ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ንምቁጽጻር ናይ ህዝቢ መጓዓዝያ መካይን ካብቲ ክሕዝኦ ዝግባእ ብፍርቂ ነክየን ክሰርሓ ከፍቅድ እንከሎ፡ ሞተር ሳይክል ግን ኣቕሓ እምበር ሰብ ክጽዕና ከም ዘይብለን ኣጠንቂቑ።
ኣብያተ እምነትን እንዳ መስተን’ውን ን20 መዓልታት ተዓጽየን ክጸንሓ እዮም።
ኡጋንዳ፡ ኣብዚ ወርሒ፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ንዜጋታታ ብናጸዓ ክትዕድል እያ። ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ንድኻታት ዝጀመሮ ፕሮግራም ምዕዳል መግቢ ቀጻሊ ከም ዝኾነ እቲ ፕሬዝደንት ሓቢሩ።
ኡጋንዳ፡ ቀዳም እቲ ዝለዓለ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ዝረኸበትሉ መዓልቲ ኾይኑ፡ 84 ሓደሽቲ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ከም ዝነበሩ ገሊጻ ነይራ።
ትማሊ ድማ ካልኦት 40 ሰባት ረኺባ።
ብሓፈሻ፡ ኣብታ ሃገር 457 ብኮቪድ-19 ዝተትሓዙ ሰባት ኣለው።
“ዜጋታት ምስቲ ቫይረስ ምንባር ክመሃሩ ኣለዎም” ቐዳማይ ሚኒስተር ፓኪስታን
ቀዳማይ ሚኒስተር ፓኪስታን ኢምራን ካሃን፡ ኣብታ ሃገር ዝፍጠር ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር፡ ምንቅስቓስ ሰባት ጠጠው ምባል መፍትሒ ከም ዘይኸውን ተዛሪቡ።
ቑጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተሓዙ ሰባት እንተወሰኸ’ውን፡ “ፓኪስታናውያን ምስቲ ቫይረስ ምንባር ክመሃሩ ኣለዎም” ክብል ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።
ድኻታት ኣብ ዝነብሩሎም ከባቢታት፡ ምንቅስቓስ ሰባት ጠጠው ክብል ምግባር ኣይክኣልን’ውን ኢሉ።
ኣብታ ሃገር፡ በዚ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት 75 ሽሕ ኮይኖም፡ 1500 ድማ ሞይቶም።
መልከፍቲ እዚ ቫይረስ ካብ ዝተርኣየሉ ጀሚሩ፡ ምንቅስቓስ ሰባት ጠጠው ክብል ምግባር ዝቃወም ዝነበረ ቐዳማይ ሚኒስትር ካሃን፡ ብለካቲት ዝተኣወጀ ገደብ ክለዓል ገይሩ ኣሎ።
ሰብ ሞያ ሕክምና፡ እዚ መልከፍቲ ክውስኽ ዝገብር’ዩ እንተበሉ’ውን፡ እቲ እገዳ ስለ ዝተልዓለ ጎደናታት ፓኪስታን ብብዝሒ ሰብ ተጨናኒቖም ይርኣዩ።
ይኹን’ምበር፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ሰባት ኣካላዊ ርሕቐቶም ክሕልው ከም ዘለዎም ኣተሓሳሲቡ እዩ።
ህንዲ ልዑል ብዝሒ ሓደሽቲ መልከፍትታት መዝጊባ
ህንዲ፡ ክሳብ ሎሚ ካብ ዝረኣየቶ መዓልታዊ ሓደሽቲ መልከፍትታት ኮሮናቫይረስ፡ እቲ ዝዓበየ ኣጋጢሙዋ ኣሎ።
ብሰኑይ ጥራይ 8,392 ሓደሽቲ መልከፍትታት መዝጊባ።
ኣብታ ሃገር፡ ዛጊት 190,000 ሰባት በቲ ቫይረስ ክልከፉ እንተለዉ፡ 5,394 ሰባት ድማ ሞይቶም እዮም።
ኣብ ህንዲ፡ ኣብቶም ዝሓለፉ መዓልታት፡ ቁጽሪ ሓደሽቲ መልከፍቲ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናወሰኸ እዩ መጺኡ።
ብቀዳም ልዕሊ 8,000 ሓደሽቲ መልከፍትታት ኮሮናቫይረስ ከምዝረኸበት ኣፍሊጣ ነይራ።
እዚ ድማ፡ ነቲ ኣንቢራቶ ዝጸንሐት ዕጽዋ ክተፍኩሶ ምስጀመረት ዘጋጥም ዘሎ ብምዃኑ፡ የሻቕል ኣሎ።
ኣውስትራሊያ መጽናዕቲ ክታበት ኮቪድ-19 ንምክያድ 66 ሚሊዮን ዶላር ሰሊዓ
ናብ ቢቢሲ ትግርኛ እንኳዕ ደሓን መጻእኩም
ገለ ካብ ምዕባለታት ዓለም፥
· ኣብ ሜክሲኮ፡ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ዘጋጥም ሞት ልዕሊ 10 ሽሕ በጺሑ፤ እታ ሃገር ግን ቐስ ብቐስ ቑጠብኣ ክትከፍቶ ጀሚራ ኣላ።
· ውድብ ጥዕና ዓለም ግን፡ ሞትን መልከፍትን ይውስኽ ብምህላዉ፡ ሃገራት ላቲን ኣሜሪካ ዝርግሐ እዚ ቫይረስ ንምቁጽጻር ዝኣወጅኦ ዕጽዋ ከልዕላ ይኹን ከፍኩሳ የብለንን ይብል።
· ሰበ ስልጣን ኣውስትራሊያ፡ ኣብታ ሃገር “ብዕድመ ዝነኣሰ ግዳይ” ኮሮናቫይረስ እዩ ኢሎምዎ ዝነበሩ፡ በቲ ቫይረስ ከም ዘይተትሓዘ ብምግላጽ ንስድራ ይቕሬታ ሓቲቶም።
· ሃገራት ኤውሮጳ ዝርግሐ ለበዳ ኮቪድ-19 ንምቁጽጻር ወሲደንኦም ዝነበራ ስጉምታት የፍኩሳ ኣለዋ።
መብዛሕትአን ኣብያተ መግቢ፣ ሆቴላትን ባህላዊ ቦታታትን ክኽፈቱ ገይረን።
ስፔን ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ሞት ኣየመዝገበትን። ከምቲ ዝፍለጥ ግን፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት መዓልታዊ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ይሞቱ ነይሮም።
· ብደረጃ ዓለም፡ ልዕሊ 6.2 ሚሊዮን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክሓሙ ከለው፡ ሞት 375 ሽሕ ሰባት ድማ ተመዝጊቡ።