ኣብ ኢትዮጵያ 49 ሰራሕተኛታት ጥዕና ብኮቪድ-19 ተለኺፎም

ኣብ ኢትዮጵያ 49 ሰራሕተኛታት ጥዕናን 16 ተሓጋገዝቲ ሰራሕተኛታትን ብኮቪድ-19 ተለኺፎም ከም ዘለዉ፡ ሚኒስተር ሓለዋ ጥዕና ሊያ ታደሰ ገሊጻ። ዝበዝሑ ካብኣቶም፡ ኣብተን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከባ ትካላት ጥዕና ዝሰርሑ ምዃኖም ተፈሊጡ።። ዕለታዊ ምዕባለታት ኮሮናቫይረስ ንምፍላጥ ኣብ ቢቢሲ ትግርኛ ብቐጥታ ተኸታተሉ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኣብ ኢትዮጵያ 49 ሰራሕተኛታት ጥዕና በኮቪድ-19 ተለኺፎም

    ኣብ ኢትዮጵያ 49 ሰራሕተኛታት ጥዕናን 16 ተሓጋገዝቲ ሰራሕተኛታትን ብኮቪድ-19 ተለኺፎም ከም ዘለዉ፡ ሚኒስተር ሓለዋ ጥዕና ሊያ ታደሰ ገሊጻ።

    ዝበዝሑ ካብኣቶም፡ ኣብተን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከባ ትካላት ጥዕና ዝሰርሑ ምዃኖም ተፈሊጡ።

    እቲ ሚኒስትሪ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ 142 ተወሰኽቲ ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተለኽፉ ሓቢሩ።

    ኣብ ክሊ ዕድመ 40ታት ዝርከቡ ክልተ ደቂ ተባዕትዮን፡ ሓንቲ ጓል 71 ዓመትን ከም ዝሞቱ’ውን እቲ መግለጺ ጠቒሱ።

  2. ኣብ ኢትዮጵያ ተወሰኽቲ 142 ሰባት ብኮቪድ-19 ተታሒዞም

    ሰሌዳ ሓበሬታ

    ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ 24 ሰዓታት 142 ሰባት ኮቪድ-19 ከምዝተረኽቦም ሚኒስትሪ ሓለዋ ጥዕና ዘውጽኦ መዓልታዊ ጸብጻብ ኣፍሊጡ።

    ሰለስተ ሰባት በቲ ቫይረስ ከም ዝሞቱ ዝጠቐሰ እቲ ሓበሬታ፡ እቶም ግዳያት ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ፡ ክልል ኦሮሚያን ክልል ደቡብን ምዃኖም ኣፍሊጡ። ንሳቶም፡ ሓንቲ ጓል 71 ዓመትን፡ ሓደ 46 ዓመት፡ እቲ ሳልሳይ ድማ ወዲ 40 ኣመት’ዮም።

    ኣብ ኢትዮጵኣ ዛጊት፡ ብድምር 17 ሰባት በቲ ቫይረስ ሞይቶም ኣለዉ።

    እቶም ሰባት፡ ካብቶም 4,120 መርመራ ዝተገብረሎም ምዃኖም’ውን እቲ ሓበሬታ የረድእ።

    ካብቶም ተሰከምቲ ናይቲ ቫይረስ ምዃኖም ዝተረጋገጸሎም፡ 84 ደቂ-ተባዕትዮ ክኾኑ እንከለዉ፡ እተን ዝተረፋ 57 ድማ ደቂ-ኣንስትዩ እየን።

    ናይ ፖርቱጋልን ጂቡቲን ዜግነት ዘለዎም ክልተ ወጻእተኛታት ካብቶም ዝተለኽፉ ምዃኖም’ውን ተሓቢሩ።

    ካብቶም ሕጂ ተለኺፎም ዘለዉ፡ 126 ኣብ ርእሰከተማ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝተረኽቡ ተፈሊጡ’ሎ።

    ክሳብ ሕጂ ካብቶም 120, 429 መርመራ ዝገበሩ ሰባት፡ እቶም 1,486 እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም።

  3. ሻምናይ መዓልቱ ዝሓዘ ብምኽንያት ቕትለት ጆርጅ ፍሎይድ ዝተላዕለ ተቓውሞ ኣሜሪካውያን

  4. ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሓንቲ መርመራ ኮቪድ-19 ዝተገብረላ ሰብ ንነብሳ ኣጥፊኣ

  5. ኣብ ትግራይ፡ ጎንጺ ኣልዒልኩም ዝተብሃሉ 45 ሰባት ተኣሲሮም

  6. ጋንታታት ፕሪሚየር ሊግ ናይ ምሕዝነት ግጥም ከካይዳ ተፈቒዱለን

    ልምምድ

    ምንጪ ስእሊ, LFC

    ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ፡ ናይ ምሕዝነት ግጥማት ከካይዳ ተፈቒዱለን።

    እቲ ፕርምየር ሊግ፡ 10 ሰነ ዝጅመር እኳ እንተኾነ፡ ጋንታታት ኣድላዪ ዘበለ ጥቡቕ መምርሕታት ተኸቲለን፡ ናይ ምሕዝነት ግጥማት ከካይዳ ተፈቒዱለን ኣሎ።

    ኣብ ፕሪምየር ሊግ፡ ኣብ ላዕሊ ኮይነን ዝመርሓ ዘለዋ ጋንታታት’የን ነቲ ግጥማት ከካይዳ ፍቓድ ሓቲተን ተፈቒዱለን ዘሎ።

    ናይ ምሕዝነት ግጥማት፡ ኣብ መለማመዲ ሜዳታት ወይ’ውን ኣብ ስቴድየም ክካየድ ከምዝኽእል'ውን ተገሊጹ።

    ካብቶም ዝተቐመጡ ጥቡቕ መምርሕታት ሓደ፡ ኣብቲ ግጥም ዝሳተፉ ኩሎም ተጻወትቲ፡ ካብ ኮሮናቫይረስ ናጻ ከምዝኾኑ ዘረጋግጽ ወረቐት ከቕርቡ ኣለዎም።

  7. ኢኳቶርያል ጒኒ ንተወካሊት ትካል ጥዕና ዓለም ‘ካብ ሃገራ ክትወጽእ ኣዚዛ’

    ኢኳቶርያል ጒኒ ንተወካሊት ትካል ጥዕና ዓለም ካብ ሃገራ ክትወጽእ ከምዝኣዘዘታ ወኪል ዜና ኤኤፍፒ ጸብጺቡ።

    እታ ተወካሊት፡ ኣብታ ሃገር ብዛዕባ ዘሎ ቁጽሪ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ሂባ ብዝብል እያ ትኸስሳ።

    "ምስ ትካል ጥዕና ዓለም ጸገም የብልናን፡ ጸገምና ኣብ ማላቡ ምስ ዘላ ተወካሊት ትካል ጥዕና ዓለም እዩ” ኢሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ናይታ ሃገር።

    ኣብ ማላቡ ንዝርከብ ሰራሕተኛ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ምንጪ ዝጠቐሰ እቲ ጸብጻብ “መንግስቲ ካብ ገሃር ክትወጽእ ኣዚዝዋ ኣሎ፡ ነዚ ዝገልጽ ሰነድ በጺሑና እዩ። ቁጽሪ ሕሙማት ኮቪድ-19 ብዝምልከት ዘይሓቀኛ ሓበሬታ ብምቕራብ እያ ተኸሲሳ” ኢሉ።

    ካብታ ሃገር በረራታት ስለዘየለ፡ እታ ዶክተር ገና ኣብ ማላቡ እያ ዘላ።

  8. ኣብ ኡጋንዳ ክሳብ ሕጂ 11 ኤርትራውያን ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ምህላዎም ተገሊጹ

  9. ኣብ ፓኪስታን፡ 670 ሽሕ ዝኾኑ ምልክት ዘየርእዩ ሕሙማት ኣለው

    ፓኪስታን

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ሰብ ሞያ ጥዕና ፓኪስታን፡ ኣብ ግዝኣት ፑንጃብ ን30 መዓልታት ናይ ምንቅስቓስ እገዳ ክግበረላ ኣአንፊቶም።

    መንግስቲ ብመሰረት ዘካየዶ ዳህሳስ፡ ኣስታት 670 ሽሕ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ከም ዝተትሓዙ ይግመት። ይኹን’ምበር፡ ዝኾነ ዓይነት ምልክት ኣየርእዩን ተባሂሉ።

    እዞም ምልክት ዘየርእዩ ሕሙማት ግን፡ እቲ ሕማም ናብ ካልኦት ከም ዘመሓላልፉ ኣረጋጊጽና ይብል።

    እዚ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ግዝኣት ፑንጃብ ዝተኻየደ ዳህሳስ ከም ዝኾነ መራኸብቲ ብዙሃን እታ ሃገር ጸብጺበን።

    ኣብ ከተማ ላሆር፡ 12 ሚሊዮን ህዝቢ ይነብር። 27 ሽሕ ነበርቲ ድማ በቲ ቫይረስ ከም ዝተትሓዙ ብመርመራ ተረጋጊጹ ኣሎ።

    እዚ ዳህሳሳዊ መጽናዕቲ ወሲኹ፡ ኣብታ ከተማ ዘሎ ዝኾነ መንበሪ ኣባይቲ ይኹን ናይ ስራሕ ቦታ ካብቲ ቫይረስ ናጻ ኣይኮነን።

    ዚያዳ ነዚ ቫይረስ ተቓላዕቲ ዝኾኑ ድማ፡ ልዕሊ 50 ዓመት ዝኾኑ ኣረጋውያን እዮም።

    ትማሊ፡ ቐዳማይ ሚኒስትር ኢምራን ካሃን ቑጽሪ ብኮቪድ-19 ዝተሓዙ ሰባት ይውስኽ ብምህላዉ፡ ኩሉ ሰብ “ምስቲ ቫይረስ ምንባር ክለምዶ ኣለዎ” ኢሉ ነይሩ።

    ኣብታ ሃገር ብሓፈሻ፡ 75 ሽሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ክትሓዙ ከለው፡ 1621 ከም ዝሞቱ ጸብጻብ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ የመላኽት።

  10. ኤርትራውያን ነበርቲ ኬንያ ንሕማም ኮሮናቫይረስ ብኸመይ ይገጥሙዎ ኣለዉ?

  11. ቤት ፍርዲ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ንሕግታት ዕጽዋ እታ ሃገር ዘይሕገመንግስታዊ ኢሉዎም

    ኣብ ግዜ ዕጽዋ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሽጋራ ምትካኽ ፍቑድ ኣይኮነን

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ቤት ፍርዲ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ መንግስቲ ገለ ኣብ እዋን ዕጽዋ ዘንበሮም እገዳታት “ዘይሕገመንግስታውን ዘይቅቡል” ክብል ኮኒኑዎ።

    እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፡ ትማሊ ኣብ ዝወዓሎ መጋብኣያ “እቶም መምርሒታት ምስ ዕላማ ምንካይ ቑጽሪ መልከፍትን ምቁጽጻር ዝርግሐ እቲ ቫይረስን ዝራኸቡ ኣይኮኑን” ኢሉ።

    ይኩን’ምበር፡ መንግስቲ ኣብዚ ጉዳይ ንክዝትየሉ ናይ 14 መዓልታት ግዜ ሂቡዎ ኣሎ።

    ካቢኔ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ዝርግሐ ኮቪድ-19 ንምቁጽጻር ዘውጽኡዎም ሕግታት “ዳግም ኣመሓይሾም ክወጽኡ ከም ዝገብሩ” ብምግላጽ፡ ክሳብ ሽዑ ግን “ከምቲ ዝነበሮ’ዩ ዝቕጽል” ኢሎም።

    ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ዝርግሐ እዚ ቫይረስ ንምቁጽጻር ኣዝዩ ተሪር ስጉምቲ ወሲደን ካብ ዝበሃላ ሃገራት ዓለም እያ።

    ንኽልተ ወርሒ ዝኣክል መሸጣ ኣልኮላዊ መስተን ሽጋራን ከልኪላ፡ ኣብ ዕጽዋ ዝጸንሐት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብዚ ሰሙን ንገሊኦም እገዳታት ከተፍኩስ ጀሚራ እያ።

    ሰባት ናብ ስነ ስርዓት ቀብርን ስራሕን ክኸዱ ከተፍቅድ እንከላ፡ ካልኦት ምትእኽኻባት፣ ናብ ዞባታት ዝግበር ምንቅስቓስ፣ ዓለምለኻዊ በረራታት ኩሎም ክሳብ ሕጂ ተኣጊዶም ኣለው።

    ኣብ ኣፍሪቃ ዝለዓለ ቑጽሪ መልከፍቲ ኣብ ዘመዝገበት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣስታት 30 ሽሕ በቲ ቫይረስ ክልከፉ ከለው፡ 700 ድማ ሞይቶም።

  12. መቑሕ ዘይበትከሎም ጸለምቲ ኣመሪካውያን

  13. ጣልያን፡ ዶባታ ንበጻሕቲ ዓዲ ከፊታ

    ቱሪዝም፡ ዓንዲ ሑቐ ቑጠባ ጣልያን እዩ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ ኤውሮጳ ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ተነቢሮም ዝጸንሑ ኣዋጃት ዕጽዋን ምእጋድ ምንቅስቓስ ሰባትን ይፎኽሱ ኣለው።

    ጣልያን፡ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ዶባታ ንበጻሕቲ ዓዲ ክፉት ክትገብር እያ። ካብ መብዛሕተአን ሃገራት ኣውሮጳ ዝመጽኡ በጻሕቲ ዓዲ ድማ፡ ናብታ ሃገር ናይ ምእታው ዕድል ኣለዎም።

    ኣብ ውሽጢ ሃገር ተነቢሮም ዝጸንሑ እገዳታት ምንቅስቓስን ጉዕዞን’ውን ዝለዓሉ ኮይኖም፡ ሰባት ብናጽነት ካብ ሓደ ዞባ ናብ ካልእ ዞባ ክኸዱ ክኽእሉ’ዮም።

    ቐዳማይ ሚኒስትር ጁሰፔ ኮንተ ኣብ ወርሒ ግንቦት ነዚ መደብ ክሕብር እንከሎ፡ “መልከፍቲ ክውስኽ ይኽእል’ዩ ዝብል ስግኣት ኣለና” ኢሉ ነይሩ።

    “ክንቕበሎ ኣለና እምበር፡ እንተዘይኮይኑ ካብዚ ኩነታት ክንወጽእ ኣይንኽእልን” ኢሉ።

    ቱሪዝም፡ ዓንዲ ቑጠባ ጥልያን እዩ። ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝርኣይ ጀሚሩ ግን፡ እዚ ዓውዲ እቶቱ ጎዲሉን ደው ኢሉን።

    ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ገለ ኣብ ሮማ ዘለው ፍሉጣት ቦታታት፡ ንበጻሕቲ ዓዲ ተኸፊቶም እዮም።

    ጣልያን፡ ኣብ ኤውሮጳ በዚ ለበዳ ኣዐርያ ተሃስያ ዝነበረት ሃገር ኮይና፡ መልከፍቲ ልዕሊ 230 ሽሕ ሰባትን፡ ሞት ልዕሊ 35 ሽሕን 500 ሰባት መዝጊባ እያ።

  14. ኤርትራ፡ ዕጽዋ ዘስዓቦ ጥሜትን ጸገም ማይን ኣብ ኤርትራ

  15. ድሓን'ዶ ሓዲርኩም ተኸታተልቲ ቢቢሲ ትግርኛ?, እንቋዕ ደሓን መጻእኩም

    ኣብዚ ዕለት ካብ ዘለው ዓለማዊ ምዕባለታት፥

    · ጥልያን፡ ዶባታ ዳግም ንበጻሕቲ ዓዲ ክትከፍት ትዳሎ’ላ። ካብ ሃገራት ኤውሮጳ ዝኾኑ ተጉዓዝቲ ናብ ጥልያን ክኣትው ከተፍቅደሎም’ያ።

    · ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ መላእ ኤውሮጳ ዘጋጥም ዝነበረ መልከፍቲ ኮቪድ-19 ነክዩ ኢሉ። ኣብቲ ዞባ ዝለዓለ ቑጽሪ መልከፍቲ ዘለወን ሩሲያን ካልኦት ሃገራት ምብራቕ ኤውሮጳን እየን።

    · ኣብ ብራዚል ዘጋጠመ ሞት ልዕሊ 30 ሽሕ በጺሑ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ማእከል እቲ ለበዳ ኮይና፡ ኣብ ላቲን ኣሜሪካ’ውን እታ ብዝኸፍአ ደረጃ ብለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝተለኸፈት እያ

    · ብደረጃ ዓለም ድማ፡ ኣስታት 6.4 ሚሊዮን ሰባት ብኮቪድ-19 ሓሚሞም ይርከቡ።

    ናይ ትማሊ ጸብጻባት፡ ንታሕቲ ውርድ ኢልኩም ትረኽቡዎም። ሰናይ መዓልቲ።

    ጸሓይ ብራቕ
  16. መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ንቅትለት ጆርጅ ፍሎይድ ኮኒኖም

  17. ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ሓደ ሕዛእቲ ጥራይ 6 ሓራምዝ ተቐቲሎም

    ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ማጎ ዝተባህለ ሃገራዊ ሕዛእቲ 6 ሓራምዝ ከምዝተተቐትሉ ተሓቢሩ።

    ኣባላት ሓለዋ እንስሳታት ዘገዳም፡ ነቲ ቅትለት “ህልቂት” ክብሉ ገሊጾሞ። እቶም ሃደንቲ እንስሳታት፡ ንሓደ ሓርማዝ ክቐትሉ 30 ጥይት ከምዝተጠቕሙን፡ ነቲ ስኒ ሓርማዝ ሒዞም ከምዝተሰወሩን ሓደ ካብቶም ሓለውቲ ንቢቢሱ ገሊጹ።

    ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሞት ዓሰርተ ሓራምዝ ጥራይ ከምዝተመዝገበ ነቲ ኩነታት ዝከታተሉ ክኢላታት ይሕብሩ።

    ስኒ ሓርማዝ ዝኽልክል ኣህጉራዊ ሕጊ ቅድሚ ርብዒ ዘመን እንተተሓገገ’ኳ፡ ሓራምዝ ብሰንኪ እቲ ክቡር ኣስናኖም ብቐጻሊ ይቕተሉ ከምዘለዉ ጸብጻባት የመልክቱ።

    ሓዳስ ኤርትራ

    ምንጪ ስእሊ, Mago National Park

  18. ደቡብ ሱዳናዊ ሚኒስተር 'ብሕማም ኮሮናቫይረስ' ሞይቱ

    ደቡብ ሱዳናዊ ሚኒስተር ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ጆን ሉክ ጆክ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ደቡብ ሱዳናዊ ሚኒስተር ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ጆን ሉክ ጆክ፡ ብሰንኪ ብኮቪድ-19 ሞይቱ ክብላ ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ሓቢረን።

    ሰበስልጣን ደቡብ ሱዳ ግን፡ እቲ ኣብ መንበሪ ገዝኡ ዝዓረፈ ሚኒስተር ኣብ ቀረባ እዋናት ተመርሚሩ ናጻ ከምዝተባህለ ገሊጾም። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ዓሰርተ ሚኒስተራት መንግስቲ ብኮሮናቫይረስ ከም ዝተለኽፉ ተረጋጊጹ ነይሩ።

    ሚኒስተር ዜና ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብዘይካ ሚኒስተር ጥዕና፡ ኩሎም ኣባላት ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ኮሮናቫይረስ፡ በቲ ሕማም ተታሒዞም’ዮም።

    ምክትል ፕረዚደንት ሪክ ማቻር ምስ በዓልቲቤቱ (ሚኒስተር ምክልኻል) በቲ ቫይረስ ከም ዝተለኽፉ'ውን ተሓቢሩ ነይሩ።

    ኣብ ደቡብ ሱዳን፡ ቊጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት 994 ኮይኑ፡ ዛጊት ብዘይካ እዚ ሚኒስተር፡ 10 ሰባት ድማ ሞይቶም ኣለው።

  19. ኣፍሪቃውያን-ኣሜሪካውያን፡ ሕጊ ኣሜሪካ ብኸመይ ይዳንዮም?

  20. ኢትዮጵያ፡ 131 ሚልዮን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ከምዘድልያ ተገሊጹ

    ሚኒስተር ጥዕና ኢትዮጵያ ልያ ታደሰ፡ ሃገራ ንዝመጽእ ዓርባዕተ ወርሒ ዝኸውን 131 ሚልዮን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ከምዘድልያ ንማዕከናት ዜና እታ ሃገር ገሊጻ።

    እቲ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን፡ ንኹለን ኣብታ ሃገር ዘለዋ ማእከላት ጥዕና ከምዝኾነ ኣነጺራ።

    ነቲ ንብረት ኣብ ውሽጢ ሃገር ንምስራሕ ምድላዋት ይግበር ከምዘለ'ውን ሓቢራ።

    መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images