ኣብ ኢትዮጵያ ቊጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት 1063 በጺሑ

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ብዝተገበረ መርመራ፡ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ 95 ሰባት ከምዝተረኽቡ ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ገሊጹ። ኣብ ኢትዮጵያ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት 1063 ሰባት በጺሑ። እዋናዊ ምዕባለታት ኮሮናቫይረስ ንምርካብ ቢቢሲ ትግርኛ ተኸታተሉ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ሓድሽ ዜና, ኣብ ኢትዮጵያ: ተወሰኽቲ 95 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም

    ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ብዝተገበረ መርመራ፡ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ 95 ሰባት ከምዝተረኽቡ ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ገሊጹ።

    ካብዚኦም እቶም 30 ሰባት ዝኾነ ዓይነት ናይ መገሻ ታሪኽ ዘይብሎምን ምስ ዝኾነ በቲ ቫይረስ ዝተታሕዘ ሰብ ምትንኻፍ ዘይነበሮምን እዮም።

    በዚ መሰረት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት 1063 ሰባት በጺሑ’ሎ።

    ኮሮናቫይረስ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

  2. ባይቶ ኣሜሪካ፡ ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም ምንስሓብ ሓደገኛ ምዃኑ ኣጠንቂቑ

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም ከም ዘንሳሓበ ድሕሪ ምግላጹ፡ እቲ ስጉምቲ ንጻዕርታት ምምዕባል ክታበት ኮሮናቫይረስ ዓንቃፊ ክኸውን ከም ዝኽእል፡ ኣብ ባይቶ ኣሜሪካ ኣቦ መንበር ኮሚተ ጥዕና ኣጠንቂቑ።

    ኣባል ሰልፊ ሪፓብሊካን ዝኾነ፡ ላማር ኣሌክሳንደር ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ እቲ ስጉምቲ ዝተፈላለዩ ቫይረሳት ናብ ኣሜሪካ ከይኣትው ምስ ካልኦት ሃገራት ብሓባር ንምስራሕ ኣጸጋሚ ከም ዝገብር ተዛሪቡ።

    “ብርግጽ፡ እቲ ውድብ ጥዕና ዓለም ምስ ለበዳ ምስቲ ቫይረስ ብዝተኣሳሰር ዝፈጸሞ ስሕተት ብደቂቕ ክርአ ኣለዎ፤ ግና እዚ ዝኸውን፡ እቲ ቅልውላው መዕለቢ ምስ ተገብረሉ እምበር ኣብ መንጎ ኣይኮነን” ኢሉ።

    ኣቦ መንበር ማሕበር ሕክምና ኣሜሪካ፡ ፓትሪክ ሃሪስ ብወገኑ፡ ምስ ውድብ ጥዕና ዓለም ርክብካ ምብልሻው “ዝኾነ ጥቕሚ የብሉን፤ ካብዚ ቅልውላው ህዝባዊ ጥዕና ንምውጻእ ድማ ዝያዳ ኣጸጋሚ ዝገብር እዩ” ኢሉ።

  3. ህንዲ ዛጊት እቲ ዝዓበየ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ኣመዝጊባ

    መራሒ መንግስቲ ህንዲ

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    ህንዲ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት 7,964 ሓድሽ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ከም ዝተመዝገበ ተገሊጹ፤ እዚ ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝዓበየ ቁጽሪ ምዃኑ’ውን ተሓቢሩ።

    ልዕሊ ሓደ ሲሶ ካብዞም ዝተለኽፉ፡ ካብ ማሃራሽትራ ዝበሃል ግዝኣት ክኾኑ ከለው፡ እታ ግዝኣት ሓንቲ ካበቶም ዝሃብተሙ ግዝኣታት ህንዲ ኮይና፡ ኣብታ ሃገር እታ ዝበዝሐ ህዝቢ ዝነብረላ ከተማ ሙምባይ እውን ኣብዛ ግዝኣት እያ እትርከብ።

    ኣብዚ ሰሙን ካብ ሆስፒታል ሙምባይ ዝወጸ ቪድዮ ከም ዘመላኽቶ፡ እቲ ሆስፒታል ብሕሙማት ተጨናኒቑ ኣሎ።

    ኣብታ ከተማ ዝርከብ ጋዜጠኛ ቢቢሲ’ውን፡ ትሕተ ቅርጺ ጥዕና እታ ከተማ ኣብ ናይ ምውዳቕ ጥርዚ በጺሑ ምህላው ገሊጹ።

    እንተኾነ ግና፡ ቁጽሪ በቲ ባይረስ ዝልከፉ ዘለው ሰባት ብቐጻሊ ይውስኽ እኳ እንተሎ፡ መንግስቲ ህንዲ ነቲ ኣንቢርዎ ዝጸንሐ ቀይድታት እናኣዝለቐ ይኸይድ ኣሎ።

    ንኽለተ ወርሒ ዝጸንሐ ዕጽዋ፡ ኣብ ቁጠባ እታ ሃገር ከቢድ ሃስያ ከውርድ ከሎ፡ ብኣሰርተታት ሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ብዘይ ስራሕ ተሪፎም ኣለው።

    ኣብ ህንዲ ብጠቕላላ 4,980 ሰባት ብኮቪድ-19 ክሞቱ ከለው፡ ቁጽሪ መልከፍቲ 173,763 በጺሑ ኣሎ።

  4. ጁልየስ ማሌማ፡ ኣብ እዋን ኮሮናቫይረስ ናብ ቤተክርስትያን ምኻድ “መጻወድያ” ምዃኑ ገሊጹ

    ጁልየስ ማለማ

    ምንጪ ስእሊ, AFP

    ሓላፊ ሰልፊ ኤኮኖሚክ ፍሪዶም ፋይተርስ (EFF) ጁልየስ ማለማ፡ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ኣብ ኣብያተ-ክርስትያን እንተኸይዶም ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ክሞቱ ከምዝኽእሉ ኣጠንቒቑ።

    ንሱ፡ ዜጋታት ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብቲ “መጻወድያ” ናይ ኣብያተ-ክርስትያን ከየስተውዓሉ ከይወድቑ’ውን ኣተሓሳሲቡ።

    ማሌማ፡ ንህዝብኹም ትልዩሉ እንተኾንኩም ንኣብያተ ክርስትያን ኣይትኽፈቱ ክብል ንሃማኖታውያን መራሕቲ ተማሕጺኑ።

    ብተወሳኺ፡ ንኣባለት ሰልፊ ኤኮኖሚክ ፍሪዶም ፋይተርስ ኣብ ዝኾነ ሃይማኖታዊ ምትእኽኻባት ከይሳተፉ ምዒዱ።

  5. ጀርመን፡ ኣመሪካ ምስ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝነበራ ዝምድና ምብታኻ ነቒፋ

    ጀርመን

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መንግስቲ ጀርመን፡ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ኣመሪካ ምስ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝነበራ ዝምድና ብምታኹ ነቒፋ።

    ሚኒስትሪ ጥዕና ጀርመን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ብፕረዚደንት ትራምፕ ዝተወስደ ስጉምቲ ብትሪ ከምዝነቕፎ ገሊጹ።

    ተወሳኺ፡ በቲ ወሳኔ 'ከም ዝሓዘነን'፡ ንዓለም ለኻዊ ጥዕና ድማ ንድሕሪት ዝጎትትን ክብል ገሊጽዎ።

  6. ኣብ ኢትዮጵያ፡ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝልከፉ ዘለው ሰባት ብናህሪ ይወስኽ ኣሎ

    ኣብ ኢትዮጵያ፡ ትማሊ ዓርቢ ተወሰኽቲ 137 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኽፉ ተሓቢሩ።

    ዝሓለፈ ሓሙስ'ውን፡ 100 ተወሰኽቲ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኽፉ ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ገሊጹ ነይሩ።

    በዚ ምኽንያት ድማ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝልከፉ ዘለው ሰባት ብናህሪ ይወስኽ ከምዘሎ ብዙሓት ይገልጹ ኣለው።

    እቲ ቫይረስ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣተወ ኣብ ዝተገለጸሎም ናይ መጀመርታ ሰሙናት ተራእዩ ዝነበረ ስግኣትን ጥንቃቐን ካብ እዋን ናብ እዋን እናተዘሓሓለን ዕሽሽ እናተብሃለን ከምዝመጸ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዘዘራረብናዮም ሰባት ይገልጹ።

    ዛጊት ኣብ ኢትዮጵያ ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት 968 በጺሑ ኣሎ። ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ድማ 8 በጺሑ ኣሎ።

    ኮሮናቫይረስ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

  7. ኣሰልጣኒ ሌይስተር-ሲቲ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፉ ምንባሩ ገሊጹ

    ኣሰልጣኒ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ሌይስተር ሲቲ ብረንዳን ሮጀርስ

    ምንጪ ስእሊ, PA Media

    ኣሰልጣኒ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ሌይስተር-ሲቲ ብረንዳን ሮጀርስ፡ ኮሮናቫይረስ ተለኺፉ ምንባሩ ተዛሪቡ።

    ወዲ 47 ዓመት ብረንዳን፡ ድሕሪ ኣሰልጣኒ ጋንታ ኣርሰናል ሚከል ኣርቴታ፡ ካልኣይ፡ ኮቪድ-19 ምሕማሙ ዘረጋገጸ ኣሰልጣኒ ኮይኑ ኣሎ።

    ክልቲኦም'ውን ምሉእ ብምሉእ ሓውዮም እዮም።

    ኣብ 2011 ንእምባ ኪሊማንጃሮ ዝሓኾረ፡ እዚ ኣሰልጣኒ ሊቨርፑል ነበር፡ ብሕጽረት ምስትንፋስ ይሳቐ ምንባሩ ገሊጹ።

    “ብእግረይ ክንቀሳቐስ ኣይኽእልን እየ ነይረ፤ ሽዑ፡ እቲ እምባ ኪሊማንጃሮ ዝሓኾርኩሉ እዋን ተዘኪሩኒ” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

    “ንሰለስተ ሰሙን ናይ ምሽታት ኮነ ምስትምቓር ስምዒተይ ጠፊኡ ነይሩ። ሓይሊ ኣይነበረንን፡ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ድማ ሰበይተይ ከምኡ ኮይና። ክልቴና ምስ ተመርመርና በቲ ቫይረስ ከም ዝተለኸፍና ኣረጋጊጽና” ኢሉ።

  8. ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ኣመሪካ ምስ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝነበራ ዝምድና በቲኽዎ

    ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ሃገሩ ምስ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝጸንሓ ዝምድና ከም ዘቋረጾ ኣፍሊጡ።

    ትራምፕ፡ እቲ ውድብ ንቻይና ተሓታቲት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣይገበራን ክብል ይኸስስ።

    ንሱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ቻይና ንውድብ ጥዕና ዓለም ምሉእ ብምሉእ ተቖጻጺራቶ ኣላ" ኢሉ።

    ሃገሩ: ነቲ ውድብ ትህቦ ዝነበረት ሓገዝ ናብ ካልኦት ኣካላት ክተዘዋውሮ ምዃና'ውን ተዛሪቡ።

    ኣሜሪካ ዝዓበየት መዋሊት እቲ ውድብ ክትከውን ከላ፡ ኣብ 2019 ልዕሊ 400 ሚልዮን ዶላር ለጊሳ እያ።

    ተድሮስ ኣድሓኖም

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

  9. ኖርወይን ዴንማርክን ኣብ መንጎአን ናይ ቱሪዝም ምብጽጻሕ ከፍቅዳ’የን

    ተጓዓዝቲ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ

    ምንጪ ስእሊ, AFP

    ክልተ ሃገራት ስካንዲናቪያ ኣብ መንጎአን ናይ ቱሪዝም ምብጽጻሕ ክህሉ ከፍቅዳ ምዃነን ኣዊጀን።

    ይኹን ‘ምበር፡ ኖርወይን ዴንማርክን፡ ንስዊድን ካብቲ ስምምዕ ብምግላለን፡ ስዊድናውያን ናብ ክልቲአን ሃገራት ክበጽሑ ኣይክፍቀደሎምን’ዩ።

    ምኽንያት ናይቲ ስጉምቲ ድማ፡ ስዊድን ዕጽዋ ብዘይምእዋጃ ምዃኑ ተፈሊጡ። ኣብ ስዊድን ልዕሊ 4000 በቲ ቫይረስ ከም ዝሞቱን፡ ኣብ ስካንዲናቪያ እቲ ዝለዓለ ቁጽሪ ግዳያት ምዃኑ ይፍለጥ።

    ዴንማርክ፡ ምስ ጀርመን ዘለዋ ናይ ቱሪዝም ምብጽጻሕ ክህሉ’ውን ወሲና’ላ።

    እቲ ዝግበር ምንቅስቓሳት ግን ዝተፈላለዩ እገዳታትን ደረታትን ዘለዎ ክኸውን’ዩ። ንኣብነት፡ በጻሕቲ ለይቲ ኣብ ርእሰከተማ ዴንማርክ፡ ኮፐንሃገን፡ ክሓድሩ ኣይክፍቀደሎምን’ዩ። እታ ከተማ ዝበዝሐ መልከፍቲ ዝተራእያ’ያ።

    ይኹን እምበር እቲ ውሳነ፡ ዴንማርካውያን ናብ ደቡባዊ ኣውሮጳ ክበጽሑ ዝነበሮም ሃረርታ ዘደውን’ዩ ተባሂሉ’ሎ።

  10. ኣብ ሩስያ ቁጽሪ ሞት ኮቪድ-19 ብልዕሊ ዕጽፊ ይውስኽ

    ሰራሕተኛታት ጥዕና ሩስያ ኣብ ሆስፒታል ሕሙማት እንዳ ኣለዩ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ሰብመዚ ርእሰከተማ ሞስኮ፡ ቁጽሪ ብሰንኪ ኮቪድ-19 ዝሞቱ ሰባት ኣብታ ከተማ ብልዕሊ ዕጽፊ ከም ዝወሰኸ ተዛሪቦም።

    ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ጥራይ፡ እቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ሞት ናይ 639 ጥራይ ዘይኮነ፡ 1561 ሰባት ከም ዝሞቱ ክፍሊ ጥዕና ናይታ ከተማ ሓቢሩ።

    ዋላ’ኳ ወግዓዊ ጸብጻብ ግዳያት ካብቲ ናይ ሓቂ ቁጽሪ ከም ዝውሕድ ክንገር እንተ ጸንሐ፡ ሰብመዚ ግን ነቲ ጸብጻባት ናይ ሓሶት ዜና’ዩ ክብሉ’ዮም ክነጽግዎ ጸኒሖም።

    ብሃገር ደረጃ፡ 4374 ከም ዝሞቱ ክግለጽ እንከሎ፡ ኣስታት 400 ሽሕ ድማ ተለኺፎም ኣለዉ። እዚ ድማ፡ ሩስያ ብቑጽሪ መልከፍቲ ኣብ ዓለም ኣብ መበል ሳልሳይ ደረጃ ሰሪዑዋ’ሎ።

  11. ሓድሽ ዜና, ኣብ ኢትዮጵያ: ተወሰኽቲ 137 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተታሒዞም

    ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ 5015 ሰባት ብዝተገበረ መርመራ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ 137 ሰባት ከምዝተረኽቡ ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ገሊጹ።

    ካብዚኦም እቶም 109 ዝኾነ ዓይነት ናይ ጉዕዞ ታሪኽ ዘይብሎምን ምስ ዝኾነ በቲ ቫይረስ ዝተታሕዘ ሰብ ዝፍለጥ ምትንኻፍ ዘይነበሮምን እዮም።

    ዛጊት ኣብ ኢትዮጵያ ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት 968 በጺሑ ኣሎ።

    ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ሆስፒታል ሕክምና ዝግበረሎም ዝነበሩ ወዲ 62 ዓመት፡ ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ እንትኾን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝሞቱ ሰባት 8 በጺሑ ኣሎ።

    ካብቶም ሎሚ እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት እቶም 109 ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኾኑ ጸብጻብ ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ሓቢሩ።

  12. ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ኤውሮጳ

    ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ኢጣልያ፡ 20 ሰነ 2020 ከምዝጅመር ሚኒስትሪ ስፖርት ኢጣልያ ሓቢሩ።

    እቲ ግጥማት፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ከምዝተሰረዘ ይፍለጥ።

    ኣብ ኢጣልያ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ሰሪያ ኣ ከምኡውን ግጥማት ፕሪሜርሊግ ኣብ ዕጽው ስታድዩማት ክካየዱ ምዃኖም’ውን ተፈሊጡ።

    ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ስጳኛ’ውን፡ ኣብ 8 ሰነ ክጅመር ከምዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስተር ስጳኛ ፐድሮ ሳንቸዝ ሓቢሩ።

    ሮናልዶ

    ምንጪ ስእሊ, Reuter

  13. ንኮሮናቫይረስ ንምግታእ ዝወጽአ ሕጊ ጥሒሰን ዝተጠረዛ ፋይቶት

    ሞዛምቢክ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ኣብ ሞዛምቢክ፡ ዝርግሓ ኮሮናቫይረስ ንምቊጽጻር ዝተነብረ ሕጊ ዝጠሓሳ 45 ፋይቶት ካብታ ሃገር ከም ዝተጠረዛ ፖሊስ እታ ሃገር ሓቢሩ።

    እተን ፋይቶት፡ ካብ ዛምባያን ዙምባብወን ዝመጽኣ ኮይነን ኣብ ዝሓለፋ ቀዳመ-ሰናብቲ'የን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትየን።

    ፖሊስ እታ ሃገር ከም ዝሓበሮ ድማ፡ እተን ፋይቶት ምስ ካልኦት ነጋዶ ኮይነን ኣብ ወሰን መገዲ መስተ እናሰተያ እንከለዋ እየን ተታሒዘን።

    ኣብቲ ስርሒት ከባቢ 109 ሰባት ከም ዝተታሕዙን፡ ካብኣቶም እተን 43 ፋይቶት ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ስለ ዝኾና ናብ ዓደን ከም ዝተጠረዛን ተገሊጹ።

    ኣብ ሞዛምቢክ፡ ዛጊት 227 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ኣለው። እታ ሃገር ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምቊጽጻር ኣብ ትሕቲ ህጹጽ ኣዋጅ እያ እትርከብ።

    ኣብ እዋን ህጽጽ ኣዋጅ፡ ዝኾነ ሰብ ካብን ናብን ክንቀሳቐስ ኣይፍቀዶን እዩ።

  14. ሲንጋፖር በረራ ክትጅምር ትሓስብ ኣላ

    ሰበ ስልጣን ሲንጋፖር፡ ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ ቁጽጽር ናብ ዘውዓላ ሃገራት በረራ ንምጅማር ይሐስቡ ኣለው።

    ሚኒስትር ሃገራዊ ልምዓት እታ ሃገር ላውረንስ ዎንግ፡ ምስ ገለ ሃገራት ከም ዝተዘራረቡ ብምግላጽ፡ “ገሊኡ ዝርርባት በሲሉ ኣሎ፤ ገሊኡ ድማ ገና ንጅምሮ ኣለና” ኢሉ።

    ዝኾነ ይኹን ተጉዓዚ ግን፡ ፍቓድ በረራ ቅድሚ ምርካቡ መርመራ ኮሮናቫይረስ ክገብር ኣለዎ።

    “እቲ ሓሳብ፡ ግልጺ መስርሕ ተግባራዊ ብምግባር በረራ ምክያድ እዩ። እዚ ድማ፡ ናብ ሲንጋፖር ዝመጽኡ ኮነ ካብ ሲንጋፖር ናብ ካልእ ሃገራት ዝጉዓዙ ሰባት፡ መርመራ ምግባር ዝሓውስ’ዩ። እቲ ተጉዓዚ ካብ መልከፍቲ እቲ ቫይረስ ናጻ ምዃኑ ምስ ኣረጋገጽና ኢና ነፍቅደሉ” ኢሉ።

    እዚ ዝሕሰብ ዘሎ በረራ፡ ንቱሪዝም ዝዓለመ ድዩ ወይስ ልሙድ በረራ ንዝብል ከብርህ እንከሎ ድማ፡ “እቲ ብዙሓት ተጉዓዝቲ ዝሕዝ በረራታት ናብ ንቡር ንክምለስ ብዙሕ ግዜ ክወስድ ከም ዝኽእል” ተዛሪቡ።

    ሲንጋፖር በረራ ክትጅምር ትሓስብ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

  15. ግጥማት ፕሪሜርሊግ ዓዲ-እንግሊዝ ኣብ ዝመጽእ 17 ሰነ ክጅምር'ዩ

    ሊቨርፑል

    እቲ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ተቛሪጹ ዝጸንሐ ግጥማት ኣብ ዝመጽእ 17 ሰነ ክጅምር ምዃኑ ቢቢሲ ክርዳእ ኪኢሉ'ሎ።

    እቲ ውድድር፡ በቲ ኣብ መንጎ ኣስቶን ቪላን ሸፊልድ ዩናይትድ፡ ከምኡ'ውን ማንቸስተር ሲቲን ኣርሰናልን ዝካየድ ግጥማት ክጅምር።

    ካብ 19 ክሳብ 21 ኣብ ዘሎ መዓልታት ድማ እቲ ዝተረፈ ምሉእ መደብ ጸወታታት ክቕጽል ወጥን ወጺኡ'ሎ።

    ክለባት ፕሪሜርሊግ ሎሚ ሓሙስ ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ይዘራረባ ከም ዘለዋን፡ ብመትከል ደረጃ ነቲ ውጥን ተቐቢለንኦ ከም ዘለዋን ክፍለጥ ተኻኢሉ።

    ጋንታት ፕሪሜርሊግ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመተ-ውድድር ንምውዳእ 92 ግጥማት ተሪፍወን ኣሎ።

  16. ኣብ ጀርመን ቊጽሪ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ይውስኽ ኣሎ ተባሂሉ

    ጀርመን፡ ኣብ ዝሓለፈ መዓልቲ 741 ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ከምዝረኸበረት ሓቢራ።

    እዚ ድማ ንቊጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ናብ 180,458 ኣደይብዎ’ሎ።

    ቁጽሪ በዚ ቫይረስ ዝሞቱ ድማ 8,450 በጺሑ'ሎ።

    ጀርመን፡ ከም ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ነቲ ተነቢሩ ዝነበረ እገዳ ምንቅስቓሳት ተፍኲሶ ከምዘላ’ውን ተገሊጹ።

    ጀርመን
  17. ኣብ ኒውዝላንድ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፈ ሰብ ሓደ ጥራሕ ምዃኑ ተገሊጹ

    ቀዳመይቲ ሚኒስትር ጃሲንዳ ኣርደርን

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    ኒውዝላንድ ሰሙን ሙሉእ፡ ሓድሽ መልከፍቲ ኮቪድ-19 ኣየመዝገበትን።

    እታ ሃገር ዝርግሐ እዚ ለበዳ ንምቁጽጻር ብዘርኣየቶ ዕውት ስራሕ፡ ናእዳ ዓለምለኻዊ መሪሕነት ክትረክብ እንከላ፡ ብ25 መጋቢት ሙሉእ ዕጽዋ ክትእውጅ ከላ ዝኾነ ዓይነት ሞት ኣይተመዝገበን ነይሩ።

    ክሳብ ሕጂ ብኮሮናቫይረስ ዝሓመሙ ሰባት 1500 ኮይኖም 22 ሰባት ጥራሕ ሞይቶም። ኣብዚ እዋን ሓደ ሰብ ጥራሕ እዩ ብዚ ቫይረስ ሓሚሙ ኣብ ሆስፒታል ዝርከብ።

    ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ውሽጢ ሃገር ከጋጥም ዝኽእል ምትሕልላፍ እዚ ቫይረስ ከም ዝተቖጻጸረቶ ክትገልጽ እንከላ፡ እቲ ቓልሲ ከም ዝተዓወተትሉ ሓቢራ።

    ዝርግሐ እዚ ቫይረስ ንምቁጽጻር ወጺኦም ዝነበሩ እገዳታት ክፎክሱ ክትገብር እንከላ፡ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ዜጋታት እታ ሃገር ክሳብ 100 ሰባት ኮይኖም ክእከቡ ከም ዝኽእሉ ገይራ ኣላ።

    ሕጂ ድማ ምስ ኣውስትራሊያ ዘራኽባ ዶብ ኣብ ምኽፋት ትኹረት ገይራ ምድላዋት ትገብር ኣላ።

  18. ምዕባለታት ኮሮናቫይረስ ኣብ ኤርትራ

    ኤርትራ፡ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሎም ካብ ዝጸንሑ ሕሙማት፡ እታ ናይ መወዳእታ: ብዝተገበረላ መርመራ ካብቲ ሕማም ናጻ ስለዝኾነት ብ15 ግንቦት 2020፡ ካብ ሆስፒታል ከም ዝተፋነወት ሚኒስትሪ ጥዕና ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ ነይሩ።

    በዚ መሰረት ድማ ኤርትራ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ኣብ ሆስፒታል ክንክን ክግበረሎም ካብ ዝጸንሑ 39 ሰባት፡ ኩሎም ሓውዮም ከምዝተፋነውን፡ ኣብዚ እዋን ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፈ ሰብ ከምዘይብላን ይግለጽ።

    ግንቦት 18፡ 2020 ዝወጽኣ መግለጺ ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ከምዝሓበሮ ከኣ፡ ኤርትራ፡ ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ "ብዘተኣማምን መገዲ ንምፍላጥ"መንግስቲ ሰፊሕ መርመራታት ኮሮናቫይረስ ከካይድ ከም ዝወሰነ ሓቢሩ ነይሩ።

    ቀዳማይ መድርኽ መርመራታት፡ ኣብ ኣስመራ ካብ ሰንበት 17 ግንቦት ጀሚሩ ከም ዝካየድ ዝሓበረ እቲ መግለጺ፡ "ቀጺሉ፡ ኣብ ዶባት ኣብ ዝርከባ ከተማታትን ዓድታትን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ቅደመ-ግንባር መኸተ ኮሮና ቫይራስ ንእተሰለፉ ሰራሕተኛታት ጥዕናን ካልኦት ዜጋታትን ክካየድ'ዩ" ኢሉ።

    ክሳብ ሕጂ ግን ብዛዕባ እዚ ዝካይድ ዘሎ መርመራ ዝኾነ ዝተዋህበ መግለጺ የለን።

    ከረን

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

  19. ምዕባለታት ኮሮናቫይረስ ኣብ ኢትዮጵያ

    ኣብ ኢትዮጵያ፡ ትማሊ ጥራይ 100 ተወሰኽቲ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኽፉ ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ገሊጹ ነይሩ።

    እዚ ድማ፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ መዓልታዊ ክግለጹ ካብ ዝጸንሑ መልከፍትታት፡ እቲ ዝለዓለ እዩ።

    ካብቶም በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙ ዝተረጋገጸ ሰባት፡ እቶም 94፡ ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እዮም።

    ኣብታ ሃገር፡ ዛጊት በቲ ሕማም ናይ ዝተለኸፉ ሰባት ብዝሒ፡ 831 በጺሑ'ሎ።

    ብተወሳኺ፡ ሓንቲ ጓል 70 ዓመት ብሕማም ኮቪድ-19 ከምዝሞታ ሚኒስትሪ ጥዕና ኣፍሊጡ

    ክሳብ ሕጂ ኣብታ ሃገር፡ 7 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ሞይቶም ኣለዉ። ቁጽሪ ዝሓወዩ ድማ፡ 191 በጺሑ'ሎ።

    ኣብ’ዚ እዋን፡ ኣብ ኢትዮጵያ 631 ሰባት በቲ ቫይረስ ተታሒዞም ኣብ ሕክምና ኣለዉ።

    እቶም ሓደሽቲ ብኮሮናቫይረስ ከምዝተትሓዙ ዝግለጹ ሰባት ድማ፡ መብዛሕተኦም ናብ ካልእ ሃገር ተጓዒዞም ዘይፈልጡ፡ ምስዝሓመሙ ሰባት ዝነበሮም ምትንኻፋት ድማ ቀዲሙ ዘይፍለጥ ብምንባሩ፡ እቲ ለበዳ ከይተፈለጠ ኣብ ሕብረተሰብ ይዝርጋሕ ከይህሉ ስግኣት ፈጢሩ’ሎ።

    ኮቪድ-19

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

  20. ናብ ቢቢሲ ትግርኛ እንኳዕ ደሓን መጻእኩም

    ኣብ ኣህጉርናን ዓለምን ዘለው ምዕባለታት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብቐጥታ ክነቕርብ ኢና። ኣብ ኤስያ፣ ኤውሮጳ፣ ኣሜሪካን ኣፍሪቃን እንታይ ኣሎ?

    ደቡብ ኮርያ፡ ሓድሽ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ስለ ዘጋጠማ ሰባት ኣካለዊ ርሕቐቶም ክሕልው ትምዕድ ኣላ። ገለ ናብ ስራሕ ተመሊሰን ዝነበራ ኣብያተ ትምህርቲ ድማ ዳግም ይዕጸዋ ኣለዋ። ልዕሊ 200 ኣብያተ ትምህርቲ ድማ ብቐጥታ ኢንተርነት ናብ ምምሃር ተመሊሰን።

    ጃፓን፡ ዝርግሐ እዚ ለበዳ ንምቁጽጻር ኣውጺኣቶ ዝነበረት ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ምስ ኣልዓለቶ፡ ሓድሽ መልከፍቲ ተራእዩ።

    ሩሲያ 1561 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ከም ዝሞቱ ክትገልጽ እንከላ፡ ብራዚል ድማ ሓደሽቲ 26 ሽሕን 417 ብኮቪድ-19 ዝተትሓዙ ሰባት ረኺበ ኢላ።

    ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብዚ ዓመት ቱሪዝም ብ70 ሚኢታዊት ክጎድል እዩ ኢሉ።

    ብደረጃ ዓለም ቑጽሪ በዚ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ሽዱሽተ ሚሊዮን ተጸጊዑ ይርከብ።

    መርፍእ