ኣሜሪካ 'ውዲታት' ኮሮናቫይረስ ዘርጊሓ ክትብል ቻይና ከሲሳ

ኣብ ኣሜሪካ ልዕሊ 1.6 ሚሊዯን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም። በዚ ሕማም ዘጋጥም ዘሎ ሞት ድማ 100 ሽሕ ክበጽሕ ቐሪቡ ኣሎ። ብኻልእ ወገን፡ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ሞንጎ ኣሜሪካን ቻይናን ዝተልዓለ ወጥሪ ይዓርግ ኣሎ። ኣብዚ ቀዳመ ሰናብቲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና፡ ኣሜሪካ ብዛዕባ እዚ ለበዳ "ሓሶትን ውዲታትን" ክዝርግሑ ገይራ እያ ክብል ከሲሱ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኣውሮጳ፡ ዕጽዋ ተላሕለሐሎም ዘላ ሓሙሽተ መገዲታት

    ኣብ ማእኸል ስፖርት

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ኣውሮጳ፡ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ኣንቢራቶ ዝጸንሐት ዕጽዋ፡ ምልሕላሕ ቀጺላ ኣላ። ዜጋታታ ድማ ናፊቖምዋ ዝጸንሑ ብነጻነት ምንቅስቓስ ከጠዓዕሙ ጀሚሮም ኣለዉ።

    ምልሕላሕ እቲ ዕጽዋ ከከም ሃገራት ዝተፈላለየ ኮይኑ፡ እዞም ቀጺሎም ዘለዉ ገሊኦም እዮም፡፡

    1. ቼካውያን ቢራ ክሰትዩ ተፈቒዱሎም ኣሎ

    ብዙሕ ቢራ ብምስታይ ኣብ ዓለም ዝፍለጡ ዜጋታት ዘለዉዋ ቼክ፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ብምግባር ተረሓሒቖም ኣብ ባራት ክሰትዩ ፈቒዳትሎም ኣላ፡፡

    ብንጽጽር ብኮሮናቫረስ ብዙሕ ዘይተሃሰየት ኣውሮጳዊት ሃገር ቼክ፡ ህዝቢ ኣብ ዝበዝሓሉ ከባቢ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምግባር ግቡእ ዝገበረት ፈላመይቲ ሃገር እያ።

    2. ስፔናውያን ቤተ መዘክራት ክርእዩ ይኽእሉ

    ካብቶም ኣብ ኣውሮጳ ዝሓየለ ዕጽዋ ዝገበራ ሃገራት ሓንቲ ዝነበረት ስፔን፡ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ዝርከቡ ቤተ መዘክራት፥ መዘናግዕን ማእከላት ባህልን ክኽፈቱ እዮም፡፡

    እንተኾነ ክተኣናገዱ ኣብ ዝኽእሉ ቁጽሪ ሰባት ግን ጥቡቕ ቁጽጽር ክግበር እዩ፡፡

    ኣብ ውሽጢ ገዛ ኣብ ዝህልዉ መደባት ሲሶ እቲ ክሕዝዎ ዝኽእሉ ቁጽሪ ከተኣናግዱ ዝተፈቐደ እንትኸውነ፡ ኣብ ደገ ኣብ ዝካየዱ ምድላዋት ድማ ልዕሊ 200 ሰባት ክሳተፉ ኣይፍቀድን።ጣልያውያን፣ ግሪካውያን ፖላንዳውያንን ከ እንታይ ክገብሩ ተፈቒድሎም ኣብዚ ተወከሱ

  2. ናይጄርያ፡ ንእኽሊ መግዝኢ ዝኸውን ገንዘብ ከምዘይብላ ገሊጻ

    ናይጀርያ

    ምንጪ ስእሊ, AFP

    ፕረዚደንት ናይጄርያ ሙሃመዱ ቡሃሪ፡ ሃገሩ ንእኽሊ መግዝኢ ዝኸውን ገንዘብ ስለዘይብላ፡ ሓረስቶት እታ ሃገር እኹል እኽሊ ከፍርዩ ጸዊዑ፡፡

    እቲ ፕረዚደንት ብምኽንያት ኮሮናቫይረስን ኣብታ ሃገር ዝረአ ዘሎ ወሰኽ ዋጋ እኽልን፡ ውሕስና ምግቢ እታ ሃገር ኣብ ሓደጋ ይኣቱ ስለዘሎ እዩ ከምኡ ዝበለ።

    ትካል ምግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት፡ ቅድሚ ኮሮናቫይረስ እውን እንተኾነ ሓረስቶት ናይጄርያ፡ ኣስታት 200 ሚልዮን ንዝኸውን ህዝቢ ዝኣክል እኽሊ ከምዘየምርቱ ይገልጽ።

    ብዙሕ ህዝቢ ዝሕዝ ሕርሻ እታ ሃገር፡ ብምኽንያት ሃፍቲ ነዳዲ፡ እኹል ትኹረት ኣይተውሃቦን፡፡

    ምህርቲ ሩዝ ንምዕባይ፡ ካብ ወጻኢ ኣብ ዝመጽእ ሩዝ ልዑል ግብሪ ኣንቢራ ጸኒሓ እያ።

    ኣብታ ሃገር፡ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ዋጋ ምግቢ ዝወሰኸ እንትኸውን፡ ብምኽንያት ምንካይ ዓለማዊ ዋጋ ነዳዲ ድማ ኣታዊ እታ ሃገር ነክዩ እዩ።

  3. ኢራን፡ ንዝሓለፉ 2 ኣዋርሕ ተዓጽዮም ዝነበሩ ቅዱስ ቦታታት ክፉት ገይራ

    ቅዱስ ቦታታት ኢራን

    ምንጪ ስእሊ, AFP

    ኢራን፡ መስጊድ ኢማም ሬዛ ከምኡ'ውን ሃዝራት ማሱሜህን ዝርከብዎም ዓብይ ትርጉም ዝወሃቦም ናይ ሺዓ ሙስሊም ቅዱስ ቦታታት ክፉት ክኾኑ ከምዝገበረት ገሊጻ።

    እቶም ዓበይቲ ናይ እምነት ቦታታት ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ንዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ተዓጽዮም እዮም ጸኒሖም።

    ኣመንቲ ኾነ በጻሕቲ ናብቲ ቐጽሪ እቶም ቅዱስ ቦታታት ክኣትዉ ዝፍቀደሎም ኮይኑ፡ ናብቲ ቤተ ኣምልኾ ክኣትዉ ግን ኣይተፈቕደን።

    ከምኡ'ውን ብሰብ ሞያ ዝተቐመጡ መምርሒታትን ከኽብሩን ክፈናተቱን ግድን እዩ።

    ገለ ዓበይቲ መራሕቲ ሃይማኖትን በጻሕትን ኣብቶም ቅዱስ ቦታታት ረስኖም እናተለክዑ ከምዝተርአዩ ኤ ኤፍ ፒ ሓቢሩ።

    ኣብ ኢራን ዛጊድ 135 ሽሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙን፡ ካብ መንጎኦም 7400 ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑን መንግስቲ ኣፍሊጡ።

  4. "ምግላል ንምክልኻል ውጽኢት መርመራይ ዕላዊ ገይረ" ሚኒስተር ሓበሬታ ዛምብያ ዶራ ሲልያ

    ሚኒሰተር ሓበሬታ

    ምንጪ ስእሊ, Ministry of Information Zambia

    ሚኒስተር ሓበሬታ ዛምብያ ዶራ ሲልያ፡ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ዝረአ ምግላል ንምንካይ፡ ውጽኢት ምርመራኣ ህዝቢ ክፈልጦ ዕላዊ ከምዝገበረት ሓቢራ።

    ኣብ ልዕሊ ኮሮናቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት ዝረኣይ ምግላል፡ ከምቲ ኤችኣይቪ ኣብ ምቅላስ ዝፈጠሮ ዕንቅፋት ከየጓንፍ ስክፍታ ከምዘለዋ ትገልጽ።

    ውጽኢት መርመራ እታ ሚኒስተር በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፈት እዩ ዘርኢ።

    በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዘት ብኻልኦት ሰባት እንተተሰሚዑ ነቲ ኣንጻር ምግላል ዝግበር ጻዕሪ ከምዘተዓናቕፎ እትገልጽ ዶራ ሲልያ፡ ገለ ዛምብያውያን ኮሮናቫይረስ ሓቂ ኣይኮነን ኢሎም ከምዝኣምኑ ተዛሪባ።

    ብተወሳኺ ኣብ ገጠር ዝነብሩ ሰባት ድማ፡ እቲ ቫይረስ ናብ ወጻኢ ንዝኸዱ ሰባት ጥራሕ ዝሕዝ ይመስሎም ትብል።

    "ክሳብ ሕዚ (እቲ ቫይረስ) ንኻልኦት እምበር ንዐኦም ዝሕዞም ዘይመስሎም ሰባት ኣለዉ"።

  5. ሓድሽ ዜና, ኣብ ኢትዮጵያ: 73 ሓደሽቲ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ተረኺቦም

    ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 2844 ሰባት ብዝተገበረ መርመራ ኮረናቫይረስ 73 ሰባት እቲ ቫይረስ ከምዘተረኸቦም ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

    እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም 67 ሰባት ኢትዮጵያውያን እንትኾኑ እቶም ዘተረፉ ድማ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት እዮም።

    ዛጊድ ኣብ ኢትዮጵያ ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት 655 በጺሑ ኣሎ።

    ካብቶም ሎሚ እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት እቶም ኣርባዕተ ካብ ክልል ትግራይ ምዃኖም እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።

  6. ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዘቃልዖ ሓድሽ መሪሕነት ሱዳን

    ኣመራርሓ ሱዳን ኣብ ስነ ስርዓት ቐብሪ ሚኒስትሪ ምክልኻል ዝነበረ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ ኣብ ሱዳን ልዕሊ 2 ሽሕ ብኮሮናቫይረስ ዝሓመሙ ሰባት ኣለው፤ ካልኦት ኣስታት 100 ድማ ብምኽንያት እዚ ቫይረስ ሞይቶም።

    እዚ እቲ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝተርኣየ ዝለዓለ ቑጽሪ ግዳያት መልከፍቲ ኮቪድ-19 እዩ።

    ብዙሓት ስግኣት ዝሓደሮም ሰባት ድማ ሕቶ ከልዕሉ ጀሚሮም፤ ሚኒስትር ኣል-ቶም ግን ካብ ሚዲያ ርሒቑ ይርከብ።

    ሕግታት ኣካላዊ ርሕቐት ንምሕላው ብዝብል ኩሎም ጋዜጣዊ መግለጺ ዝወሃበሎም መደባት ሰሪዙዎም፤ ስለ ምንታይ ብቐጥታ መግለጺ ዘይህብ ዝብል ድማ ግልጺ ኣይኮነን።

    ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት፡ ሚኒስትሪ ምክልኻል ጋማል ዑመር ኣብ ደቡብ ሱዳን እናሃለወ ብምክንያት ወቕዒ ልቢ ሃንደበት ክመውት ከሎ፡ ኣስካሬን እቲ ሚኒስትር ንምቕባል ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ዝኸዱ ቐዳማይ ሚኒስትር ዓብደላ ሓምዶክን ካልኦት ሚኒስትራትን፡ ኣካላዊ ርሕቐቶም ክሕልው ኣይተርኣዩን።

    ሰባት ዝርግሐ እቲ ለበዳ ንምቁጽጻር ዓበይቲ ምትእኽኻባት ጠጠው ከብሉ ተነጊሩዎም እናሃለወ፡ ስነ ስርዓት ቐብሪ እቲ ሚኒስትር ኣብ ዝፍጸመሉ እዋን'ውን እዞም ሰበ ስልጣን፡ ጉዳይ ኣካላዊ ርሕቐትካ ምሕላው እዝኒ ኣይሃብሉን።

  7. ኣብ ኢትዮጵያ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዘት ኣደ፡ ናጻ ዝኾነ ቆልዓ ወሊዳ

    ህጻን

    ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ሕክምና ኣብ ዝረኽብሉ ዘለዉ ሆስፒታል ኤካ ኮተቤ፡ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዘት ኣደ፡ ካብቲ ሕማም ናጻ ዝኾነት ቆልዓ ከምዝወለደት ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

    እታ ጓል 34 ዓመት ኣደ፡ ብመጥባሕቲ ተባዕታይ ቆልዓ ከምዝተገላገለት ተገሊጹ’ሎ።

    ካብቲ ህጻን ተወሲዱ ብዝተመርመረ ቅምሶ ድማ፡ እቲ ህጻን ካብቲ ሕማም ናጻ ከምዝኾነ ተረጋጊጹ።

    ኣብ እዋን ጥንሲን ሕርስን ኮሮናቫይረስ ካብ ኣደ ናብ ቆልዓ ናይ ምሕላፍ ተኽእሎኡ ንእሽቶ’ኳ እንተኾነ፡ ቅድም ክብል፡ በቲ ቫይረስ ካብ ዝተለኸፋ ኣደታት ዝተወለዱ ህጻናት፡ በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ተረኺቦም እዮም ኢሉ ሚኒስትሪ ጥዕና።

    “ኣብ እዋን ጡብ ምጥባውን ካልእን ልሙድ ምትንኻፋት፡ እቲ ቫይረስ ዝሓልፈሉ ዕድል ልዑል ስለዝኾነ፡ ኣድላዪ ጥንቃቐ ክግበር ኣለዎ” ድማ ኢሉ።

  8. ኣሜሪካ 'ውዲትን ሓሶትን' ትዝርግሕ ነይራ ክትብል ቻይና ከሲሳ

    ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና፡ ኣሜሪካ ብዛዕባ ለበዳ ኮሮናቫይረስ “ሓሶትን ውዲታትን” ትዝርግሕ ነይራ ክብል ከሲሱ።

    ኣሜሪካ፡ ዝርግሐ እዚ ለበዳ ንምቁጽጻር ዝግበር ስራሕ ትኹረት ከም ዘውሓደትሉ ብምግላጽ፡ “ግዜን ክቡር ህይወትን ምጥፋእ” ደው ተብል ኢሉ።

    ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝኽሰት ንነጀው ኣብ ዘለው ኣዋርሕ፡ ኣብ ሞንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ዝነበረ ወጥሪ ዓሪጉ እዩ።

    ኣብዚ ዓመት ዳግም ኣብ ምርጫ እታ ሃገር ዝሳትፍን ብምኽንያት እዚ ለበዳ ዘስዓቦ ኪሳራ ነቐፌታ ዝወርዶ ዘሎን ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ቻይና ነዚ ለበዳ ክትሸፋፍኖ ፈቲና እያ ብዝብል ብተደጋጋሚ ይኸሳ።

    ቻይና ግን፡ መጀመርታ ሕማም ኮሮናቫይረስ ካብ ዝተርኣየሉ ግዜ ኣትሒዛ ግቡእ ስጉምቲ ከም ዝወሰደት ብምግላጽ፡ ንርኢይቶ ትራምፕ ትነጽጎ።

    ሚኒስትር ዪ’ውን፡ ሽሞም ዘይጠቐሶም ሓይልታት ብምልዓል “ርክብ ቻይናን ኣሜሪካን ጅሆ ዘትሕዙዎ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣለው። በዚ ምኽንያት ብኣሜሪካ ኣቢሉ ዝንዛሕ ፖለቲካዊ ቫይረስ ኣሎ። እዚ ድማ ንቻይና ንምጥቃዕ ተጠቒሞምሉ’ዮም” ኢሉ።

    እንተኾነ፡ እዚ ለበዳ ኣብ ምቁጽጻር ክልቲኤን ሃገራት ብሓባር ንክሰርሓ ጸዊዑ።

  9. ቺለ፡ ስርዓት ጥዕና እታ ሃገር ‘ኣብ ሓያል ጸቕጢ’ ወዲቑ

    ናብ ጽኑዕ ክፍሊ ሕሙማት ዝውሰዱ ተሓከምቲ ቑጽሮም ይወስኽ ኣሎ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ክሳብ ሕዚ፡ ቺለ ልዕሊ 70 ሽሕ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክሓሙዋ ከለው፡ ልዕሊ 700 ሰባት ሞይቶም።

    ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ሳንቲያጎ፡ ኣብ ጽኑዕ ኣዋጅ ዕጽዋ አያ ዘላ። ማእከል ኣብታ ሃገር ተኸሲቱ ዘሎ ለበዳ ኮቪድ-19’ውን እያ።

    እዚ ለበዳ፡ ንስርዓት ጥዕና ቺለ፡ ኣብ ሓያል ጸቕጢ ኣውዲቑዎ ኣሎ።

    ፕሬዝደንት ሰባስቲያን ፔራ፡ “ጠለብ መሐገዚ መተንፈሲ መሳርሒ፣ መደቀሲ ብጽኑዕ ዝሓመሙ ሰባትን ካልእ ሕክምናን ይውስኽ ብምህላዩ፡ ነቲ ገደብ ክንሓልፎ ቀሪብና ኢና” ኢሉ።

    ዝርግሐ እዚ ለበዳ ንምቁጽጻር ብሰንኪ ዝወጸ ኣኣዋጅ ዕጽዋ ብዘጋጠመ ሕጽረት መግቢ፡ ኣብ ቀረባ መዓልታት ኣብ ሞንጎ ፖሊስን ዓመጽትን ጎንጺታት ይርኣዩ ነይሮም።

    ኣብዚ ቐዳመ ሰናብቲ፡ መንግስቲ እታ ሃገር፡ ንርብዒ ቺላውያን ቑጠባዊ ሓገዝ ከም ዝገብር ኣዊጁ።

    በዚ መሰረት 1.8 ሚሊዮን ሰባት ነዚ ንሓደጋ ግዜ ዝተዳለወ ገንዘብ ምውሳድ ዝጅምሩ ኮይኖም፡ ካብ ዝቕጽል ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ድማ፡ ልዕሊ ሰለስተ ሚሊየን ሰባት ተጠቀምቲ ከም ዝኾኑ ሓቢሩ።

  10. ፕሬዝደንት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ዝርግሐ ኮቪድ-19 ዝኸፍአ ክኸውን’ዩ ኢሉ

    ፕሬዝደንት ሲሪል ራማፎሳ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ዝወጽአ ኣዋጅ ዕጽዋ ከም ዝፎክስ ዝገለጸ ፕሬዝደንት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ እቲ ለበዳ ግን ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ከም ዝሰጋገር ሓቢሩ።

    ፕሬዝደንት ሲሪል ራማፎሳ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራሕ: ልዕሊ 22 ሽሕ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ከም ዝተረኸቡ ተዛሪቡ።

    እንተኾነ፡ እቶም ቅድሚ ሓደ ወርሒ ዝርግሐ እዚ ለበዳ ንምቁጽጻር ዝወጽኡ እገዳታት ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልታት ከም ዝለዓሉ ሓቢሩ።

    ኣዋጅ እቶ እቶ ጠቕሊሉ ዝለዓል ኮይኑ፡ ድኳናትን ኣብያተ ትምህርትን ክኽፈቱ ምዃኖም እቲ ፕሬዝደንት ጠቒሱ።

    ኣካታዒ ኽልከላ መሸጣ መስተ፡ ውሑድ ቐረብ ብምሓዝ ክሽየጥ እንትፍቀድ፡ ምትካኽ ሲጋራ ዝምልከት ዝወጽአ እገዳ ግን ኣብ ቦትኡ ክጸንዕ እዩ።

    ፕሬዝደንት ራማፎሳ፡ ነቲ ዝተዘሓሓዘ ቑጠባ እታ ሃገር ንምቕቓሕ ነቲ ዕጽዋ ከልዕሎ ብተደጋጋሚ ጸቕጢ ክግበረሉ ጸኒሑ’ዩ።

    ይኹን’ምበር፡ “ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘሎ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ክገድድ እዩ፤ ቐልጢፎም መልከፍታት ክውስኹ ክንርኢ ኢና” ክብል ኣጠንቂቑ።

    ኣብ ጥቓ ጆሃንስበርግ ኣብ ዝርከብ ኩባኒያ ዕደና ወርቂ ዝሰርሑ 164 ሰራሕተኛታት፡ በቲ ቫይረስ ከም ዝተትሓዙ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ በዚ ምኽንያት ኣብታ ሃገር 429 ሰባት ሞይቶም እዮም።

  11. ደቡብ ኮርያ፡ ብመዕበይቲ ንዝተወስዱ ዜጋታታ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክትልእኽ እያ

    ማስክ

    ሎሚ መዓልቲ ደቡብ ኮርያ፡ ቖልዓ ብዘይብሎም ስድራ ተወሲዶም ኣብ ካልኦት ሃገራት ንዝዓብዩ ዘለው ዜጋታታ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክትልእኸሎም እያ።

    ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር፡ ኣስታት 370 ሽሕ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ከም ዝልኣኹ ብምግላጽ፡ እቲ 60 ሚኢታዊት ናብ ኣሜሪካ ከም ዝኾነ ሓቢሩ።

    ኣብ ሃገራት ወጻእ፡ 167 ሽሕ ደቡብ ኮርያውያን ብኻልኦት ስድራ ይዓብዩ ኣለው። ክልተ መሰለስ ናይዚኦም ድማ ኣብ ኣሜሪካ እንትነብሩ፡ ኣብ ፈረንሳ፣ ዴንማርክ፣ ስዊድንን ኣውስትራሊያን’ውን ይርከቡ።

    ደቡብ ኮርያ፡ ኣብ ኤስያ ካብ ቻይና ቐጺላ ብለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝተጠቕዐት ሃገር ኮይና፡ ተኸታታሊ መርመራ ብምክያድን ኣካለዊ ርሕቐት ክሕሎ ብምግባርን ግን ዝርግሐ እቲ ለበዳ ክተጉድሎ ክኢላ እያ።

  12. ፕሬዝደንት ሜክሲኮ ሓደ ሚሊዮን ሰባት ስራሕ ክስእኑ ከም ዝኽእሉ ኣጠንቂቑ

    ኣብ መንደቕ ብዝተስኣለ ስእሊ እትሓልፍ ጓል ኣንስተይቲ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ፕሬዝደንት ሜክሲኮ ኣንድሬስ ማኑኤል ሎፔዝ ኦብራዶር፡ ኣብታ ሃገር ኣስታት ሓደ ሚሊዮን ሰባት ስራሕ ክስእኑ ይኽእሉ እዮም ኢሉ።

    “ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ፡ ሓደ ሚሊዮን ሰባት ስራሕ ክስእኑ’ዮም ዝብል ግምት ኣለኒ፤ ግን ድማ ሓድሽ ናይ ክልተ ሚሊዮን ዕድል ስራሕ ክንፈጥር ኢና” ኢሉ።

    ኣብ ሜክሲኮ፡ ልዕሊ 68 ሽሕ ሰባት ብኮቪድ-19 ተታሒዞም ከም ዘለው ጸብጻብ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ የመልክት። በዚ ምኽንያት 7394 ሰባት ሞይቶም’ዮም።

    ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ዓለምለኸ ትካል ሰራሕተኛታት፡ ዝርግሐ እዚ ለበዳ ንምቁጽጻር ብዝውሰዱ ዘለው ስጉምታት ዕጽዋን ምግዳብ ምንቅስቓስን፡ 81 ሚኢታዊት ሰራሐተኛ 3.3 ቢሊየን ሰባት ስርሖም ብኸፊል ወይ ሙሉእ ንሙሉእ ከም ዝተዓጽወ ገሊጹ ነይሩ።

    ኣብ ካልኣይ ርብዒ ዓመት 2020 ጥራሕ ድማ፡ ኣስታት 200 ሚሊዮን ሰባት ሸቕሊ ኣልቦ ከም ዝኾኑ ሓቢሩ እዩ።

  13. ኣሜሪካ ካብ ብራዚል ንዝመጽኡ ተጉዓዝቲ ኸልኪላ

    ባንዴራ ብራዚል ዝተጥምጠመ

    ምንጪ ስእሊ, AFP

    ኣሜሪካ፡ ካብ ብራዚል ዝመጽኡ ተጉዓዝቲ ናብ ሃገራ ከይኣትው ኸልኪላ። ኣብዚ እዋን ብራዚል ካልአይቲ ማእከል ለበዳ ኮቪድ-19 እያ ዘላ።

    ቤት ጽሕፈት መንግስቲ ኣሜሪካ፡ እዚ ናይ ጉዕዞ ምኽልካል ንንግዲ ዘየካትት’ኳ እንተኾነ፡ ኣሜሪካውያን ዘይኮኑ፡ ግን ድማ ኣብ ብራዚል ዝጸንሑ ሰባት፡ ንኽልተ ሰሙን ናብ ኣሜሪካ ኣይኣትውን ኢላ።

    ኣሜሪካ፡ ካብ ቻይና፣ ኢራንን ሃገራት ኤውሮጳን ሓዊሱ ካብ ብዙሓት ሃገራት ዝግበር ጉዕዞ ካብን ናብን ኸልኪላ እያ።

    ፕሬዝደንት ብራዚል ምስ ደገፍቱ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ብኻልእ ወገን፡ ፕሬዝደንት እታ ሃገር ጃር ቦልሶናሮ ብዙሓት ብራዚላውያን ብምኽንያት እዚ ቫይረስ ዝፍጠር ብዘሎ መልከፍቲ ተጨኒቖም ኣብ ዘለውሉ እዋን፡ እቲ ሕማም ዘብጽሖ ዘሎ ሓደጋ፡ ብቅውም ነገር ክወስዶ ኣይርኣይን ዘሎ።

    ትማሊ፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ገይሩ ምስ ብኣማኢተ ዝቑጸሩ ደገፍቱ ዓብዪ ሰልፊ ኣካይዱ።

    በዚ ምኽንያት፡ ነዚ ኣብ ስርዓት ጥዕና እታ ሃገር ጽልዋ ዘሕድር ዘሎ ሕማም ኣይተኸላኸለን ተባሂሉ ይንቀፍ።

    ብራዚል ትማሊ ጥራሕ፡ 653 ሰባት ብምኽንያት እዚ ሕማም ሞይቶምዋ። እዚ ድማ፡ ቑጽሪ ምውታት ናብ 22 ሽሕን 666 ሓፍ ክብል ገይሩ ኣሎ።

    ብዝሒ ብዚ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት’ውን፡ ካብ 15 ሽሕን 813 ናብ 363 ሽሕን 211 ሓፍ ብምባል፡ ኣብ ዓለም ካልአይቲ ዝለዓለ ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ዘለዋ ሃገር ኮይና ኣላ።