ኣብ ብሪጣንያ፣ ጣልያንን ስፔንን ዝተሓተ ሞት ብኮሮናቫይረስ ተመዝጊቡ

ሰለስቲአን ሃገራት ኤውሮጳ ብለበዳ ኮሮናቫይረስ ሕሱም ዝተጥቕዓ እየን ነይረን። ብዙሓት ድማ ግዳይ እቲ ሕማም ኮይኖም። ሕዚ ግና፡ ንመጀመርታ እዋን ዝተሓተ ብዝሒ መወትቲ ተመዝጊቡ ተባሂሉ። እዋናዊ ዛዕባታት እቲ ቫይረስ ኣብዚ ቀጥታዊ ጸብጻብና ሒዝናልኩም ክንቀርብ ኢና ተኸታተሉና።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናይ መጓዓዝያ ነፈርቱ ናብ ናይ ጽዕነት ይቕይር ኣሎ

    ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ

    ምንጪ ስእሊ, ethiopian airlines

    መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኮሮናቫይረስ ዘሕደሮ ጸቕጢ ንምጽዋር ብዝብል 22 ነፈርቲ መጓዓዝያ ናብ ናይ ጽዕነት ቀይሩ።

    ብምኽንያት እቲ ለበዳ ልዕሊ 90 ሚኢታዊት ናይ ሰብ መጓዓዝያ ነፈርቱ ስራሕ ደው ስለዘበላ ኣንፈት ቆላሕትኡ ናብ ጽዕነት ኣቑሑት ከምዝገበረ እቲ መገዱ ኣየር ኣፍሊጡ’ሎ።

    ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ከምዝጸብጸቦ፡ እቲ መገዲ ኣየር ብደረጃ ዓለም እናወሰኸ ኣብ ዝመጽአ ጠለብ ኣገልግሎት ምጽዓን ኣቑሑት ንምስታፍ ብመሰረት ዓለማዊ መምዘኒታት ዓለማዊ ትካል ኣቪየሸን ነፈርቱ ናብ ናይ ጽዕነት ቐይሩ እናሰርሐ’ዩ።

  2. ስፐይን ቁጠብኦም ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ንዝተሃሰዩ ድኻታት በብወርሑ ሓገዝ ገንዘብ ክትህብ'ያ

    ብነጻ ዝቐርብ ሓገዝ መግቢ ዝቕበሉ ዜጋታት ስፐይን

    ምንጪ ስእሊ, AFP

    መንግስቲ ስፐይን ብቅልውላው ኮሮናቫይረስ ንዝህሰዩ መራሕቲ ስድራ ወርሓዊ ኣታዊ ክህልዎም ዝገብር ውጥን ከፈጽም ከምዝተዳለወ ኣፍሊጡ።

    እቲ ጽባሕ ሰሉስ ክጸድቕ ትጽቢት ዝግበረሉ ትልሚ ከም መበገሲ ብውሑድ 100 ሽሕ ስድራ ከርብሕ ዓሊሙ'ሎ።

    ብነብሲ ወከፍ ዕድመ ኣከል (ዝባጽሑ) ድማ 500 ዶላር ኣሚሪካ ወርሓዊ ገንዘብ ዝወሃብ ኮይኑ፡ ከከም ኣገዳስነቱ ድማ ካልኦት ጥቕማጥቕሚ ክውሰኹ እዮም።

    እዚ ሓድሽ ውጥን መንግስቲ ስፐይን ዓመታዊ ካብ 3 ክሳብ 3.5 ቢልዮን ወጻኢ ክገብር ይጠልቦ።

  3. ውድብ ጥዕና ዓለም ንኮሮናቫይረስ ኣብ ዝተወሃበ ግብረ-መልሲ ምጽራይ ክግበር ጻውዒት ቀሪቡ

    ምርመራ ዝግበረሎም ዘሎ ሰባት

    ምንጪ ስእሊ, AFP

    ኣብ ጉባኤ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝሳተፉ ዘለዉ ሰብሞያ ጥዕና ዓለም ንኮሮናቫይረስ ኣብ ዝተወሃበ ግብረ-መልሲ ብዘይሻራዊ ኣካል ምጽራይ ክግበር ይደፍኡ ኣለዉ።

    ኣብቲ ሎሚ ሰኑይ ብቪድዮ ኮንፈረንስ ዝሳለጥ ዘሎ ኣኼባ ተወከልቲ 194 ኣባል ሃገራት እናተሳተፉ እዮም።

    ፕረዚደንት ቻይና ዢ ጂንፒንግ ኣብ ዘስምዖ ዘረባ ሃገሩ ኣብ እዋን እቲ ለበዳ ንዝወሰደቶም ስጉምትታት ኣመልኪቶም ንዝቐርቡ ተቓውሞታት ተኸላኺሉ።

    ንሱ ሃገሩ ብግልጽን ቅንዕናን ከምዝተንቀሳቐሰት ብምሕባር፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ቁጽጽር ምስ ወዓለ ዝኾነ ዓይነት ምርመራ ክካየድ ከምዝኽእል ገሊጹ።

  4. ኣብ መቐለ ብፖሊስ ንዝተፈፀመ ቅትለት መሰኻኽር ዓይኒ እንታይ ይብሉ?

    መንእሰይ ሲሳይን መሓዙቱን ተኣኻኺቦምሉ ዝነበረ ቦታ

    ምንጪ ስእሊ, BBC/SISAY

    ኣብ ከተማ መቐለ ብልሙድ '05 ማይ ዱባ' ኣብ ዝበሃል ከባቢ ሓደ መንእሰይ ብፖሊስ ተቐቲሉ። ክልተ ድማ ቆሲሎም ኣብ ሆስፒታል ሕክምና እናተገበረሎም ይርከብ። እቲ ኩነታት ከመይ እዩ ተኸሲቱ?

    እቶም መናእሰይ ከምዝገልፅዎ፡ ኣብ ጽላል ከፍ ኢሎም ስዋ እናሰተዩ እንከለዉ ክልተ ፖሊስ ይመፅኡ። እቲ ሓደ ብረት እቲ ካልኣይ ድማ በትሪ ሒዞም ናብቶም መናእሰይ ብምቕራብ "ተልዓሉ ናብ ቤት ፅሕፈት ኮሚኒቲ ፖሊስ ንኺድ" ይብልዎም። ካብኡ ዘይምርድዳእ ይፍጠር።

    [ብመሰረት ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ዝወፀአ መምርሒ ስዋ ኣብ እንዳ መሸታ ምስታይ ኣይፍቀድን። ገዚእኻ ብምውሳድ ግን ምስታይ ይከኣል እዩ።]

    ካብ መንጐ ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ መናእሰይ ንቶም ሰለስተ ቢቢሲ ኣዘራሪብዎም ኣሎ።

    ዮናስ ተፈራ ከምዚ ይብል። "ሰንበት ስለዝነበረ ኣብ ገዛውትና ኣብታ ወትሩ ኮፍ ንብለላን ስፖርት ንሰርሐላ እግሪ ፅላል ኮፍ ኢልና ስዋ ንሰቲ ነበርና። ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ቀጠና ራህዋ ተመዲቡ ዝመፅአ ፖሊስ ምስ መሳርሕቱ ይመፅእ። ንሱ በትሪ እቲ ካልኣዩ ድማ ብረት ሒዞም ነይሮም። ተለዓሉ! ናብ ቤት ፅሕፈት ኮሚኒቲ ፖሊስ ንኺድ ይብለና። በል ፅቡቕ እተን ንሰትየን ዘለና ክንውድእ እሞ ክንከይድ ንብሎ።"።

    ዮናስ ሐሳቡ ይቕጽል። "ኣብ መንጉኡ ሽሻይ ኪሮስ ዝተበሃለ መሓዛና 'እንታይ ኢና ገይርናካ ግን' ኢሉ በርደግ ይብል። እቲ ፖሊስ ድማ ካብቲ መሳርሕቱ ብረት ትቕብል ኣቢሉ 'ኣንታ ንዓኻ እማ ተኸኽ እየ ዘብለካ' ብምባል ተኵሱ ገንበሩ ወቒዑ ቀቲልዎ" ብምባል 'ብኣካል ስለዝነበርኩ ዝረኣኽዎ' ዝበሎ ምስክርነት ሂቡ።

  5. ጣልያናውያን ናብ ኣብያተ ክርስትያንን ካፍቴሪያታትን ክኸዱ ጀሚሮም

    ጣልያናውያን ናብ ካፌታት ከይዶም ኤስፕሬሶ ከስተማቕሩ ጀሚሮም ኣለዉ

    ምንጪ ስእሊ, REUTERS

    ሎሚ መዓልቲ ሰኑይ አብ ኣውሮጳ ንኣዋጅ ዕጽዋ የፍኩሳ ካብ ዘለዋ ሀገራት ጣልያንን ስፐይንን ይርከብአን።

    ባራትን እንዳጽባቐ ጸጉርን ዝርከብዎም ዝበዝሑ ትካላት ንግዲ ጣልያን ብድሕሪ'ቲ ንኽልተ ኣዋርሕ ዝጸንሐ እገዳ ምንቅስቓስ ናብ ስራሕ ይምለሱ ኣለዉ።

    ብዙሓት ድማ ናብ ካፌታት ብምኻድ ኤስፕሬሶ ቡን ከስተማቕሩ ጀሚሮም።

    እታ ሃገር እገዳ ምንቅስቓስ ካብ ዘንበረትሉ ወርሒ መጋቢት ናብዚ እቲ ዝተሓተ ቁጽሪ መዓልታዊ ሞት ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ትማሊ ሰንበት ኣመዝጊባ'ያ።

    ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት 145 ሰባት ከምዝሞትዋ ኣፍሊጣ'ላ።

  6. ስእሊ ንኽሰኣል ኣዋጅ ዕጽዋ ሃገሩ ዝጠሓሰ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ብቪድዮ ተቓሊዑ

    ፕረዚደንት ሲሪል ራማፎሳ ምስ መንገደኛታት ስእሊ እናተስኣለ

    ምንጪ ስእሊ, NWABISA MAKUNGA

    ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎሳ ምስ መንገደኛታት ስእሊ (ፎቶ) ንኽሰኣል ኣዋጅ ዕጽዋ ሃገሩ ብምጥሓሱ ኣዘራራቢ ኮይኑ።

    ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ብዝብል ዜጋታት ማሕበራዊ ምፍንታት ንኽዕቅቡ እናመዓደ ንባዕሉ ግን ምስተን ኣብ መንገዲ ዝረኸበን ደቂኣንስትዮ ስእሊ ክሰኣል ዘርእይ ቪድዮ ተዘርጊሑ'ሎ።

    እተን ደቂኣንስትዮ ሓቢረንኦ ክሰአላ ምስ ሓተትኦ ድማ "ቀልጥፋ በላ ኣብ ቀይዲ ከይንውዕል" ክብል ኣብቲ ቪድዮ ስለዝስማዕ ዘረብኡ ንብዙሓት ኣስሒቑ።

    ደቡብ ኣፍሪቃ ትማሊ ሰንበት ጥራይ 1,160 ሓደሽቲ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ኣመዝጊባ'ላ።

    እዚ ድማ ክሳብ ሎሚ ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ ካብ ዘመዝገበቶ እቲ ዝለዓለ ኮይኑ'ሎ።

  7. 'ምንጪ ኮሮናቫይረስ' ንክጻረ ልዕሊ 100 ሃገራት ድጋፍ ኣስሚዐን

    ዶክተር ቴድሮስ

    ምንጪ ስእሊ, AFP

    ዝሓለፈ ወርሒ፡ እቲ ትካል ኣብ ቻይና ዘሎ ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ሸፋፊኑ እዩ ብዝብል ክሲ እታ ዝለዓለት መዋሊት እቲ ትካል ዝኾነት ኣሜሪካ እትህቦ ዝነበረት በጀት ደው ከም ዘብሎ ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ገሊጹ ነይሩ።

    ይኹን'ምበር ከም ትካል፡ ሓበሬታ ካብ ምሃብን ምሕጋዝን ወጻእ ንዝኾነት ሃገር ከገድድ ስልጣን የብሉን።

    እዚ ሎሚ መዓልቲ ዝካየድ ጉባኤ ግን እቲ ትካል ኣብቲ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝተበገሰሉ ሃገር ኣትዩ ዘይሻራዊ ምጽራይን መርመራን ንከካይድ ዘኽእሎ ስልጣን ዝህብ ክኸውን እዩ ይብሃል።

    ክኢላ ጥዕና ሕብረተሰብ ዩኒቨርሲቲ ኢድንበርግ ፕሮፌሰር ዴቪ ሰርዲሃር "እቲ ዓብዪ ብድሆ እዚ ለበዳ ዝኾነት ሃገር ኣለኒ ክትብል ዘይምድላያ እዩ። ኩለን ሃገራት መልከፍቲ ከም ዘለወን ክኣምና ኣይደልያን፤ ቑጽሪ እቲ ዘጋጥም ዘሎ ሞት ድማ የትሕትኦ ኣለዋ" ኢሉ።

    ዝኾነት ሃገር ግን ብዛዕባ ዘጋጠማ ሕማም ነቲ ውድብ ከተፍልጥ ትግደድ እያ።

    ስለ ዝኾነ ድማ፡ ኣብዚ እዋን ውድብ ጥዕና ዓለም ጸለመ ክቐርበሉ ዘይኽእል ዓለምለኻዊ መጻረዪ ልኡኽ ናብቲ እዚ ዓለማዊ ለበዳ ዝተበገሰሉ ከባቢ ክልእኽ ብዙሓት ይጠልባ።

    እዚ ብጠለብ ኣውስትራሊያ 100 ሃገራት ተቐቢለንኦ ዘለዋ መርመራ ድማ፡ ንቻይና ዘግለለ ከም ዝኾነ ይግመት።

    ቅድም ኢሉ ኣውስትራሊያ ምንጪ እዚ ቫይረስ ይጻረ ዝብል ሓሳብ ከተቕርብ እንከላ፡ ቻይና እዚ "ፖለቲካዊ ኣካይዳ እዩ" ክትብል ተቓዊማቶ ነይራ።

    ዝርዝር ናይቲ ዛንታ ንምንባብ 'ምንጪ ኮሮናቫይረስ' ንክጻረ ልዕሊ 100 ሃገራት ደጊፈን ተወከሱ

  8. ሕብረት ኣፍሪቃን ውድብ ሕቡራት መንግስታትን መረጻ ብሩንዲ ከም ዘስግኦም ገሊጾም

    ኣብ ብሩንዲ መጻኢ ሮቡዕ ምርጫ ክካየድ እዩ

    ምንጪ ስእሊ, AFP

    ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ዝካየድ መረጻ ብሩንዲ ኣብ ሞንጎ ተቓወምትን ደገፍቲ ገዛኢ ሰልፍን ከጋጥም ዝኽእል ጎንጺ ከም ዘስግኦም ሕብረት ኣፍሪቃን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ገሊጾም።

    ክልቲኦም ወገናት ጎንጺ ካብ ዘላዕል ተግባር ክቐጠቡ ዘተሓሳሰቡ ኮይኖም፡ ሓይልታት ጸጥታ ፍትሓዊ መረጻ ክካየድ ክገብሩ ይግባእ ኢሎም።

    ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብወገኖም፡ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ኣብ ዝጀመረ ጎስጓስ ምርጫ ኣስታት 150 ኣባላት ተቓወምቲ ውድባት ከም ዝታሰሩ ገሊጾም።

    ፕሬዝደንት ፒየር ንኩርንዚዛ ኣብቲ ሎሚ ዓመት ዝካየድ ፕሬዝደንታዊ ምርጫ ኣይሳተፍን፤ ግን ካብ ስልጣን ምስ ወረደ ቀንዲ መራሒ ዝብል ሓላፍነት ንክወሃቦ ዝገብር ሕጊ እንተጸዲቑ ዝለዓለ ፖለቲካዊ ስልጣን ክህልዎ እዩ ተባሂሉ ትጽቢት ይግበር።

    ብሩንዲ፡ ወኪል ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኮነ ካብ ሲቪል ማሕበረሰብ ዝተወጻጽኡ ተዓዘብቲ ምርጫ ከም ዘይትደሊ ገሊጻ እያ።

    ብመሰረት ጸብጻብ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ኣብ ብሩንዲ ክሳብ ሕጂ 42 ሰባት ጥራሕ እዮም ብኮቪድ-19 ተለኺፎም።

    ሓደ ሰብ ድማ ብምኽንያት እዚ ቫይረስ ሞይቱ።

  9. ካምቦዲያ፡ ናይ መወዳእታ ተሓከምቲ ኮሮናቫይረስ ኣሕውያ ካብ ሆስፒታል ኣፋኒያ

    ካምቦዲያ ካብ ኮሮናቫይረስ ናጻ ኮይና

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    ካምቦዲያ፡ ኣብ መዛዘሚ እቲ ዝሓለፈ ሰሙን በዚ ቫይረስ ሓሚሞም ኣብ ሕክምና ዝነበሩ ናይ መወዳእታ ተሓከምቲ ኣሕዊያ ካብ ሆስፒታል ኣፋኒያ።

    ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ዋላ ሓደ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፈ ሰብ ኣየመዝገበትን።

    ብቐዳም ምስሊ ካብ ሆስፒታል ዝወጽአት ጓል 6 ዓመት ናይ መወዳእታ ተሓካሚት ብቴሌቪዥን እታ ሃገር ይርኣይ ነይሩ።

    ካምቦዲያ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝለዓል ንነዘ ኣብ ዘሎ ግዜ 122 በቲ ቫይረስ ክትሓዙ ከለው ዋላ ሓደ ዝሞተ ሰብ የብላን።

    ሓለፍቲ ስራሕ ጥዕና እታ ሃገር፡ እቶም ዝርግሐ እዚ ቫይረስ ንምቁጽጻር ዝወጽኡ እገዳታት ከም ዘይፎኽሱ፣ ኣብያተ ትምህርትን ዶባትን ተዓጽዮም ከም ዝቕጽሉን ውሸባ ከም ዝቕጽልን ገሊጾም።

    “ክሳብ ሕጂ ካብ ደገ ዝመጽአ ለበዳ እዩ ነይሩና። ስለዚ ኣብ ዶባት፣ መገዲ ኣየር፣ ወደባትን ናይ መኪና መጓዓዝያን ጥቡቕ ቁጽጽር ክንገብር ኢና” ኢሉ ሚኒስትር ጥዕና እታ ሃገር።

  10. ናይጄሪያ ኣዋጅ እገዳ ጥሒሳ ንዝበለታ ነፋሪት ኢንግሊዝ ሒዛ

    ሚኒስትር ኣቪየሽን ናይጄሪያ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ናይጄሪያ ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ዝወጽአ እገዳ ጥሒሳ ዝበለታ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢንግሊዝ ሒዛ።

    ሚኒስትር ኣቪየሽን እታ ሃገር ሃዲ ሲሪካ፡ ፍሌርጄት ዝተብሃለት ናይ ረድኤት ኣቑሑት ክተጎዓዕዝ ዝተውሃባ ፍቓድ ተጠቒሞም ተጉዓዝቲ የመላልሱ ነይሮም ኢሉ።

    ናይጄሪያ ዝርግሐአ እዚ ለበዳ ንምቁጽጻር ካብ ወጻእ ሃገር ዝምለሱ ዜጋታት ካብ ምቕባል ወጻእ፡ ዶባታ ንኣጋርን ጉዕዞ ነፈርትን ከም ዝዓጸወት ይፍለጥ።

    እዚ ናይ በረራ እገዳ ድማ ንዝቐዕጽሉ 15 መዓልታት ክቕጽል እዩ።

    ፍሌርጄት ዘይተገዳስነት ኣርእያ እያ ዝበለ እቲ ሚኒስትር፡ ሰራሕተኛታት እታ ነፋሪት ጽኑዕ መርመራ ከም ዝግበረሎምን ከም ዝቕጽዑን ኣፍሊጡ።

    መገዲ ኣየር ኢንግሊዝ ግን ብዛዕባ እዚ ዝበሎ ነገር የለን።

  11. ባይቶ ውድብ ጥዕና ዓለም ሎሚ መዓልቲ ክእከብ እዩ

    ኣርማ ወድብ ጥዕና ዓለም

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ወሳኒ ኣካል ውድብ ጥዕና ዓለም ሎሚ መዓልቲ ኣኼባ ከካይዱ እዩ። እዚ ዓመታዊ ኣኼባ ኩሎም ወኪላት ኣባል ሃገራት እቲ ውድብ ዘሳትፍ ኮይኑ፡ ብዘይጥርጥር እቲ ኣጀንዳ ለበዳ ኮቪድ-29 ክኸውን እዩ።

    ይኹን’ምበር፡ እቲ ባይቶ ኣብዚ ዓመት ካብ ጉዳይ ጥዕና ወጻእ ብፖለቲካ’ውን ተጎልቢቡ’ዩ። ናይዚ ምኽንያት ጉዳይ ታይዋን እዩ።

    ከም ጸብጸብ ኤኤፍፒ ታይዋን ኣብዚ ሎሚ ዝካየድ ዘተ ከም ተዓዛቢት ኮይና ክትሳተፍ እያ።

    ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ምቁጽጻር ዕውት ስራሕ ዝሰርሐት ታይዋን፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ንርእሳ ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣግሊላአ እያ።

    ካብ 23 ሚሊየን ህዝቢ ታይዋን 440 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም፤ ሸውዓተ ጥራሕ ድማ በዚ ሕማም ሞይቶም። ታይዋን ዝርግሐአ እዚ ለበዳ ውጽኢታዊ ብዝኾነ መገዲ ኣብ ምቁጽጻር ዝነበራ ልምዲ ንዓለም ክተካፍል ኣለዋ ዝብሉ ብዙሓት እዮም።

    ይኹን’ምበር፡ ናይ ግዝኣተይ ኣካል እያ እትብላ ቻይና ካብ 2016 ጀሚሩ ታይዋን ኣብ ኣኼባታት ዓለምለኻዊ ትካላት ከይትሳተፍ ኣጊዳታ እያ።

    ኣሜሪካ፣ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ጃፓን ዝርከብአን 15 ዝኾና ሃገራት ድማ ሕቶ ታይዋን ኣካል እቲ ኣጀንዳ ክኸውን ብጽሑፍ ናብቲ ውድብ ሕቶ ኣቕሪበን ኣለዋ።

    ቻይና ግን፡ ታይዋን ኣብ ጉባኤ ውድብ ጥዕና ዓለም ትሳተፍ ዝብል ኣብ ሕቶ ምግንጻልን ናጽነትን ታይዋን ዘነጻጸረ እዩ ክትብል ትቃወሞ።

  12. ኣብ ህንዲ ኣዋጅ ‘ዕጽዋ’ ተናዊሑ

    ኣብ ህንዲ

    ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

    ህንዲ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ዝወሰደቶ ስጉምቲ ኣዋጅ ዕጽዋ ንዝቕጽሉ ክልተ ሰሙናት ኣናዊሓ።

    እንተኾነ፡ መንግስቲ “ቑጠባዊ ምንቅስቓሳት ንምኽፋት” ዝዓለመ ስራሕቲ ጎና ጎኒ የፋጥን ከምዘሎ ይዝረብ።

    ካብ 24 መጋቢት 2020 ጀሚሩ ኣብታ ሃገር ኣዋጅ ዕጽዋ ተኣዊጁ፤ ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ፣ ናይ ህዝቢ መጓዓዝያን ብርክት ዝበሉ ትካላት ንግድን ድማ ካብ ሽዑ ኣትሒዞም ተዓጽዮም።

    ህንዲ ብምኽንያት እዚ ለበዳ 2896 ሰባት ክሞቱዋ ከለው፡ ልዕሊ 90 ሽሕ ድማ ተለኺፎም።

    መንግስቲ ፌደራል ኣብ ልዕሊ 1.3 ቢሊየን ህዝቡ ዝወሰዶ ስጉምቲ ዕጽዋ ከናውሕ ከሎ ሕጂ ንራብዓይ ግዜ እዩ።

  13. ኣብ ብሪጣንያ፣ ጣልያንን ስፔንን ዝተሓተ ቁጽሪ ሞት ተመዝጊቡ

    ኣብ ብሪጣንያ ብኮሮናቫይረስ 170 ጥራሕ እንትሞቱ ካብ መፋርቅ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ እዚ ቁጽሪ ዝተሓተ ኾይኑ ተመዝጊቡ።

    ኣብ ጣልያን'ውን ቁጽሪ መወትቲ ኣብዚ መዓልቲ፡ 145 እንትኸውን፡ እዚ ውን ኣብታ ሃገር ወርሒመጋቢት ካብ ዝብሕት ጀሚሩ እቲ ዝተሓተ ቁጽሪ እዩ ተባሂሉ።

    ከመኡ ድማ፡ ስፔን ብኮሮናቫይረስ ኣብዚ ዕለት 87 ሰባት ጥራሕ ዝሞቱ ኾይኖም፡ ኣብ ውሸዕጢ ክልተ ወርሒ እታ ሃገር ትሕቲ 100 ሰባት እንትሞቱ ንመጀመርታ እዋን እዩ።

    እዘን ሃገራት፡ ኣብ ኤውሮጳ ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ኣዝየን ዝተሃሰየ እየን።

  14. ቑጠባ ጃፓን ብምኽንያት እዚ ለበዳ ኣንቆልቊሉ

    መዐቀኒ ረስኒ

    ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

    ጃፓን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ብእተውጽኦ ዘላ ወጻኢ ቑጠብኣ ኣንቆልቊሉ።

    እዚ ሳልሳይ ዓብዪ ቑጠባ ዓለም፡ ኣብ ናይ መጀመርታ ሰለስተ ኣዋርሕ እዚ ዓመት ጥራሕ ብ3.4 ሚኢታዊት እንትጎድል፡ ካብ 2015 ጀሚሩ እቲ ዝለዓለ ምንቁልቋል ምዃኑ ተገሊጹ።

    ካብ ሚያዚያ ክሳብ ሰነ ኣብ ዘሎ ግዜ ድማ ቑጠባ እታ ሃገር ብ22 ሚኢታዊት ክጎድል ከም ዝኽእል ሰብ ሞያ ይገልጹ።

    ጃፓን ሙሉእ ስጉምቲ ዕጽዋ’ኳ እንተዘይወሰደት ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ብምእዋጃ ግን፡ ምንቅስቓስ ንግድን ቐረብን እታ ሃገር ኣዝዩ ከም ዝተሃሰየ ይግለጽ።

    ብዚ ምኽንያት መንግስቲ እታ ሃገር ነቲ ዘንቆልቁል ዘሎ ቑጠባ ንምድጋፍ ሓደ ትሪሊዮን ዶላር ከም ዝመደበ ኣፍሊጡ።

    ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ዓለማዊ ቑጠባ ካብ 5.8 ክሳብ 8.8 ትሪሊዮን ዶላር ክጎድል ከም ዝገብር ዝሓለፈ ሰሙን ባንኪ ልማዓት ኤዥያ ግምቱ ገሊጹ ነይሩ።

  15. ኣብ ዓባይ ከተማ ብራዚል ዝርከብ ሆስፒታል ኣብ ሓደጋ ወዲቑ

    መሐገዚ መተንፈሲ መሳርሒ ዝተተኸለሉ ተሓካሚ

    ምንጪ ስእሊ, AFP/GETTY IMAGES

    ከንቲባ ከተማ ሳኦ ፖሎ፡ ብምኽንያት ዝውስኽ ዘሎ ቑጽሪ ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ስርዓት ጥዕና እታ ከተማ ክዓኑ ይኽእል እዩ ክብል ኣጠንቂቑ።

    ከንቲባ ብሩኖ ኮቫስ 90 ሚኢታዊት ሆስፒታላት እታ ከተማ ብሕሙማት ከም ዝመልኣ ብምግላጽ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ንሓደ ሰብ ዝኸውን ቦታ’ውን ክሰኣን ይኽእል እዩ ኢሉ።

    ከተማ ሳኦ ፖሎ ሓንቲ ካብተን ብለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣዝየን ዝተጠቕዓ ከተማታት ብራዚል ኮይና፡ ክሳብ ሕጂ 3 ሽሕ ሰባት ሞይቶም ኣለው።

    ብቐዳም፡ ካብ ስፔንን ጥልያንን በሊጻ ራብዐይቲ ዝለዓለ ብዝሒ ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ዘመዝገበት ሃገር ክትከውን ክኢላ እያ።

    ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ከም ዝበሎ፡ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ብዝተኻየደ መርመራ ሓደሽቲ 7 ሽሕን 938 ብኮቪድ-19 ዝተትሓዙ ሰባት ክርከቡ እንከለው፡ እዚ ቑጽሪ ሕሙማት ናብ ልዕሊ 241 ሽሕ ክብ ኣቢልዎ።

    ካልኦት 485 ሰባት ብምኽንያት እዚ ቫይረስ አንትሞቱ፡ ብሓፈሻ 16 ሽሕን 118 ሰባት ከም ዝሞቱ ድማ ሓቢሩ።

    ሰብ ሞያ ጥዕና፡ ብምኽንያት ሕጽረት መርመራ ትኽክለኛ ቑጽሪ በዚ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ካብቲ ዝበሃል ንላዕሊ ክኸውን እዩ ይብሉ።

    ፕረዝደንት ጀይር ኦልሶናሮ፡ ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ቅልውላው ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ዕሽሽ ኢሉ’ዩ ብምባል ብውሽጥን ደገን ከቢድ ነቐፌታ ይቐርበሉ።

    ንሱ፡ ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ካብ ሞንጎ ዝመዓዱ ሞያዊ ምኽርታት ኣካላዊ ርሕቀት ምሕላው ዝብል መምርሒ ብምጥሓስ ብሰንበት ምስ ደገፍቱን ህጻናትን ስእሊ ተሳኢሉ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ጠቂዑ ነይሩ።

    ሃገራት ዝወስድኦ ዘለዋ ኣዋጅ ዕጽዋ’ውን ሙሉእ ንሙሉእ እዩ ዝቃወሞ።

  16. ከመይ ሓዲርኩም?

    ቢቢሲ ትግርኛ ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ ዝምልከት እዋናዊ ምዕባለታትን ዛንታታትን ኣብዚ ብቐጥታ ሒዝልኩም ክቐርብ እዩ ተኸታተሉ።ብሩኽ መዓልቲ ክኾነልኩም ንምነ!