ኮሚሸን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ "ማስክ ዘይገበርኩም ብዝብል ዝተኣሰሩ" ክፍትሑ ጸዊዑ

ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ ኣብታ ከተማ ብዘይ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ማስክ ዝረኸቦም ሰባት ከምዝኣሰረ ክግለጽ ከሎ፤ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰታት ኢትዮጵያ እቶም ሎሚ ማስክ ዘይገብርኩም ብዝብል ዝተኣሰሩ ክፍትሑ ጸዊዑ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ቡን

    ዝኸበርኩም ተኸታተልቲ ቢቢሲ ትግርኛ፡ ብሩኽ መዓልቲ ክኾነልኩም ንምነ።

    ካብ ምሉእ ዓለም ንኮሮናቫይረስ ዝምልከቱ ናይ ሎሚ ምዕባለታት ኣብዚ ገጽ ክነቕርበልኩም ኢና።

    ትማሊ ዝነበሩ ምዕባለታት፡ ናብ ታሕቲ ውርድ ኢልኩም ክተንብቡ ትኽእሉ።

  2. "እቲ ቫይረስ ከምዘለዎም ብሕክምና ከየረጋገጹ ኣብ ገዝኦም ዝሞቱ ሰባት ክህልዉ ይኽእሉ እዮም"

    ዶክተር ኣንቶኒ ፋውሲ

    ምንጪ ስእሊ, Pool

    ኣብ ኣሜሪካ ብኮሮናቫይረስ ናይ ዝሞቱ ሰባት ቁጽሪ ልዕሊ'ቲ ዝግለጽ ክኸውን ከምዝኽእል ተሓቢሩ።

    ላዕለዋይ ተመራማሪ ተላበድቲ ሕማማት ዶክተር ኣንቶንዮ ፋውሲ ንኣባላት ሰኔት ኣሜሪካ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ካብቲ ዝተጸብጸበ ንላዕሊ ክኸውን ከምዝኽእል ገሊጹ።

    ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት 'ብትኽክል'ዶ ይቐርብ ኣሎ ወይስ ካብቲ ዝግለጽ ብ50 ሚኢታዊት ዝዛይድ'ዩ?' ዝብል ሕቶ ቀሪቡሉ ነይሩ።

    ንሱ ኣብ ዝሃቦ መልሲ " መብዛሕትኤና እቲ ብዝሒ ካብቲ ዝግለጽ ከምዝበልጽ ኢና ንሓስብ" ኢሉ ዶክተር ፋውሲ።

    " ነታ ናይ ጥዕና መሓውራ ዝተፈተነት ኒውዮርክ ጥራይ እንተወሲድና'ኳስ እቲ ቫይረስ ከምዘለዎም ብሕክምና ከየረጋገጹ ኣብ ገዝኦም ዝሞቱ ሰባት ክህልዉ ይኽእሉ እዮም። ምኽንያቱ ናብ ሆስፒታል ኣይከዱን" ኢሉ።

    "ዋላ ነዚ ቫይረስ ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ ምቁጽጻር እንተኽኢልና ኣብ ገለ ክፋል ዓለምና ምጽንሑ ስለዘይተርፍ ተመሊሱ ክመጽኣና እዩ" ክብል'ውን ኣጠንቂቑ።

  3. ጥፍጣፍ ዝተተፍኣ ሰራሕተኛ መሸጣ ትኬት ባቡር ብኮሮናቫይረስ ሞይታ

    ቤሊ ሙጂነጋ

    ምንጪ ስእሊ, FAMILY HANDOUT

    ኣብ ለንደር ዝርከብ ጣብያ ባቡር ቪክቶሪያ ኣብ ክፍሊ ትኬት እትሰርሕ ውልቀሰብ ኮሮናቫይረስ ዝነበሮ ሰብኣይ ኮነ ኢሉ ምርቑ (ጥፍጣፉ) ምስተፍኣላን ናብኣ ተጸጊዑ ምስ ሰዓለን በቲ ቫይረስ ከምዝሞተት ተገሊጹ።

    ጓል 47 ዓመት ሜሊ ሙጂንጋ ምስ ካልአይቲ መሳርሕታ ከለዋ እቲ ሰብኣይ ጥፍጣፉ ነጺጉለን'ዩ። እዚ ካብ ዝኸውን ኣብ ውሽጢ ሓጺር መዓልታት ከኣ ክልቲኤን በቲ ቫይረስ ሓሚመን።

    ብ 2 ሚያዝያ ናብ ሆስፒታል ዝኣተወት ሙጂንጋ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ'ያ ሞይታ።

    ፖሊስ ነቲ ኣብ ልዕሊ ክልቲኤን ሰራሕተኛታት ጥፍጣፉ ዝተፍአ ውልቀሰብ ንምርካብ ይሰርሕ ምህላዉ ተፈሊጡ'ሎ።

  4. ስግኣት ኮሮናቫይረስ ኣብተን ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዝዳወባ ክልላት ኢትዮጵያ

    ኣብ ኢትዮጵያ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዘ ፈላማይ ውልቀሰብ ካብ ዝርከብ ንደሓር ክልተ ኣዋርሕ ተቖጺሮም ኣለዉ። ካብቲ እዋን ጀሚሩ ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተሓዙ ሰባት እናወሰኸ ኮይኑ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ይርከቡ ኣለዉ።

    ብፍላይ እታ ሃገር ብዶብ ምስ እትራኸበን ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ዘለዉ ከባብታት ብኮሮናቫይረስ ዝተሓዙ ሰባት ቁጽሮም እናወሰኸ ብምምጽኡ ድማ ዘሰክፍ ኮይኑ'ሎ።

    ኣብ ትግራይ እቲ ቫይረስ ካብ ዝተረኸቦም ሰባት እቶም ዝበዝሑ ዘወርቲ መኪናን ተሓጋገዝቶምን እዮም። ኩሎም ድማ ካብ ጂቡቱ ከምዝመጽኡ ተፈሊጡ'ሎ።

    ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፈላሞት አርባዕተ ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙ ኣብ ዝተፈለጠሉ እዋን ኣብ ህዝቢ እቲ ክልል ከቢድ ስንባደ ኣኸቲሉ'ዩ። ኩሎም ድማ ካብ ጂቡቲ ዝኣተዉ ነይሮም።

    ብድሕሪኡ'ውን ብተመሳሳሊ ዝተረኸቡ ክልተ ሰባት ካብኡ ዝኣተዉ ብምንባሮም ነቲ ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝምንጩ ስግኣት ኣሐይልዎ'ዩ።

    ኣብ ከባቢ ዶባት ደው ዝበላ ናይ ጽዕነት መኻይን

    ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

  5. ኣብ ኬንያ ንሕክምና ናብ ሆስፒታላት ዝኸዱ ሰባት ምርመራ ኮሮናቫይረስ ክግበረሎም'ዩ

    ኣባላት ጸጥታ ኬንያ ንሓንቲ ሰበይቲ ደው ኣቢሎም እናዘራረቡ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ሰብ መዚ ጥዕና ኬንያ ናብ ሆስፒታላት ዝኸይድ ዝኾነ ይኹን ሰብ ምርመራ ኮሮናቫይረስ ክግበረሉ ኣተሓሳሲቦም።

    ጥዕና ሰብ ሞያ ካብ ኮሮናቫይረስ ንምውሓስ ከምኡ'ውን ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ንምቁጽጻር ዝቐረበ ሓሳብ ምዃኑ ዳይረክተር ጉዳያት ጥዕና እታ ሃገር ፓትሪክ ኣሞት ተዛሪቡ።

    "ኩሎም ናብ ሆስፒታላት ንሕክምና ዝኸዱ ሰባት ምርመራ ኮሮናቫይረስ ንኽግበረሎም መምርሕታትና ደጊምና ንርእዮም ኣለና" ኢሉ።

    እዚ ድማ ንሰብሞያ ጥዕና ጥራይ ዘይኮነስ ኣብቲ ሆስፒታል ዝርከቡ ሕማማት ናይ ምክልኻል ዓቕሞም ዝደኸሙ ሕሙማት'ውን ካብቲ ቫይረስ ንምክልኻል ከምዝሕግዝ ኣረዲኡ።

    ኣብ ኬንያ 700 ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙን 33 ከምዝሞቱን ይግለጽ።

  6. ከተማ ውሃን ን 11 ሚልዮን ነበርታ ምርመራ ኮሮናቫይረስ ክትገብረሎም እያ

    ከተማ ውሃን

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    እታ ቀንዲ መንቀሊት ኮሮናቫይረስ ከምዝኾነት ዝዝረበላ ቻይናዊት ከተማ ውሃን፡ ኣብ 10 መዓልቲ ጥራይ ንመላእ ህዝቢ እታ ከተማ ምርመራ ክትገብር ኣንቂላ ኣላ።

    እዚ ማለት ድማ፡ ን 11 ሚልዮን ሰባት ኣብ መዓልታት ክትምርምር እያ።

    እቲ ትልሚ ገና ኣብ ፈላማይ ደረጃ ዘሎ ኮይኑ፡ ኩለን ምምሕዳራት ናይታ ከተማ ኣብ 10 መዓልቲ ብኸመይ እቲ ምርመራ ክግበር ከምዝኽእል ዝርዝራት ከቕርባ ተሓቲተን ኣለዋ።

    ኣብቲ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰናብቲ፡ ኣብታ ኮሮናቫይረስ ፈለማ ዝተርኣየላ ከተማ፡ ሓደሽቲ ሽድሽተ መልከፍትታት ድሕሪ ምርኣዩ እዩ እዚ ትልሚ መጺኡ ዘሎ።

    ቅድም ክብል፡ ክሳብ 3 ሚያዝያ፡ ኣብታ ከተማ ዝኾነ ሓድሽ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ኣይተርኣየን ነይሩ።

  7. ኣብ ሆስፒታል ብዝተወለዐ ባርዕ ሓዊ ሓሙሽተ ሰባት ሞይቶም

    ኣብ ከተማ ሰይንት ፒተርስበርግ፡ ኣብ ሓደ ሆስፒታል ብዝተወለዐ ባርዕ 5 ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ሞይቶም።

    እቶም ግዳያት ኣብ ክፍሊ ጽኑዕ ክንክን ዝነበሩ ኮይኖም፡ እቲ ሓዊ ኣብተን መተንፈሲ (ቨንቲለተር) በዘጋጠመ ናይ ኤለክትሪክ ጸገማት ከምዝተጀመረ ተገሊጹ።

    ኣብዚ እዋን እቲ ሓዊ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዝኣተወን፡ ኣብቲ ሆስፒታል ዝነበሩ 150 ሰባት ድማ ናብ ካልእ ቦታ ከምዝገዓዙን ሚኒስትሪ ምክልኻል ሓደጋታት ገሊጹ።

    እቶም ዝሞቱ ሳባት ብሓገዝ ቨንቲለተር ዘተንፈሱ ዝነበሩ እዮም።

    ሩስያ፡ ብዓለም ደረጃ ብብዝሒ ዝተለኽፉ ሳባት ሳልሳይቲ ኮይና ትርከብ።

    ኣብታ ሃገር፡ ትማሊ ሰኑይ ጥራሕ 11,656 ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ከምዝተረኽቡን፡ ቁጽሪ ዝተለኽፉ ድማ ናብ 221,344 ደይቡ ይርከብ።

    ሩስያ

    ምንጪ ስእሊ, AFP

  8. ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ እንታይ ይመስል?

    መርመራ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ጸብጻብ ማእከል ምክልኻልን ምቁጽጻርን ሕማማት ኣፍሪቃ ከም ዝሕብሮ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ቁጽሪ ብኮቪድ-19 ዝተለኸፉ ሰባት 64,214 በጺሑ።

    ካብዚኦም እቶም 22,243 ክሓውዩ እንከው፡ ከባቢ 2293 ድማ ሞይቶም ኣለው።

    ገለ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝርግሐ እዚ ቫይረስ ንምቁጽጻር ኣንቢሮምዎ ዝነበሩ እገዳታት ከፍኩሱ ጀሚሮም ኣብ ዘለውሉ እዋን ግን መልከፍቲ ይውስኽ ኣሎ።

    ትማሊ ኣብ ናይጄሪያ፡ ዝርግሐ እዚ ለበዳ ንምቁጽጻር ዝወጽኡ ሕግታት ዕጽዋ ዝጠሓሱ ክልተ ሆቴላት ፈሪሶም።

    ኣመሓደርቲ ናይዘን ኣብ ግዝኣት 'ኖርዘርን ሪቨርስ' ዝርከባ ክልተ ሆቴላ ድማ ስግኣት ምልባዕ እዚ ቫይረስ ፈጢሮም ብዝብል ክሲ ተኣሲሮም።

  9. ኣብ ኢትዮጵያ ካብ መጋቢት ክሳዕ ግንቦት ዘሎ ክራማት ኮሮናቫይረስ

    ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዘ ሰብ ካብ ዝርከብ ክልተ ወርሑ እኳ እንተገበረ፡ ቑጽሪ በዚ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት 250 በጺሑ ኣሎ።

    ክሳብ ሕጂ በዚ ቫይረስ ናይ ዝተሓዙ ሰባት ብዝሒ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እቲ ዝለዓለ ኮይኑ፡ ክልል ሶማል ድማ ይስዕብ።

    ብዝተገበረሎም ክትትል ሕክምና ካብቲ ቫይረስ ሓውዮም ካብ ሕክምና ዝወጽኡ 105 ሰባት ከም ዘለው ሓበሬታ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር የመልክት።

    መዓልታዊ እቲ ሚኒስትሪ ምስ ኢንስቲትዩት ሕብረተሰብ ጥዕና ብምዃን ዘውጽኦ መግለጺ፡ ክሳብ ሕጂ ድማ ናይ 36,624 ሰባት ቅምሶ ተወሲዱ መርመራ ከም ዝተገብረ ይሕብር።

    ምርመራ

    ምንጪ ስእሊ, MICHAEL TEWELDE

  10. ናይ ማዳጋስካር 'ባህላዊ ፈውሲ' ኮሮናቫይረስ ጠለብ ይረክብ ኣሎ

    ፕረዚደንት ናይጄርያ ሙሓመዱ ቡሃሪ፡ ማዳጋስካር ረኺበዮ ንዝበለቶን ካብ ቆጽሊ ዝተቓመመን "ባህላዊ መድሓኒት ኮሮናቫይረስ" ዓዲጉ።

    እቲ ፕረዚደንት፡ ነቲ ‘ፈውሲ’ ክመጽኣሉን ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ሕማም ኮሮናቫይረስ ንምሕካም ክውዕልን ኣዚዙ’ሎ።

    ኮቪድ-19 ንምክልኻል ናይ ዝቖመ ሓይሊ ዕማም ሓላፊ ቦስ ሙስጠፋ ከምዝበሎ፡ ፕረዚደንት ሙሓመዱ ቡሃሪ እቲ ባህላዊ ፈውሲ ናብ ናይጄርያ ክኣቱ ትእዛዝ ሂቡ እዩ። እንተኾነ፡ ቅድሚ ኣብ ኣገልግሎት ምውዓሉ ስሩዕ ናይ ጽርየት ምርመራ ክግበረሉ እዩ።

    ኣብዚ እዋን፡ ኮሮናቫይረስ ዝተረጋገጸ መድሓኒት ኮነ ክትባት ኣይተረኸበሉን። ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ሰባት ብግቡእ ዘይተፈተኑ ‘መድሓኒታት’ ካብ ምጥቃም ክቑጠቡ ጸዊዑ እዩ።

    እንተኾነ፡ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ማለት’ውን ጊኒ-ቢሳው፣ ኢኳቶርያል ጊኒ፣ ላይበርያን ኒጀርን ነቲ ናይ ማዳጋስካር ባህላዊ ፈውሲ ኣዚዘን ኣለዋ።

    መደጋስካር

    ምንጪ ስእሊ, AFP

  11. ሰራሕተኛታት ቤተ-መንግስቲ ኣሜሪካ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክገብሩ ተኣዚዞም

    መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን

    ሰራሕተኛታት ቤተ-መንግስቲ ፕረዚደንት ትራምፕ ብሙሉኦም መሸፈኒ ኣፍን ኣፍእጫን ክገብሩ ተኣዚዞም።

    ተሓጋገዝቲ እቲ ፕረዚደንትን ምኽትሉን ብኮሮናቫይረስ ድሕሪ ምልካፎም እዩ እቶም ሰራሕተኛታት ማስክ ክጥቀሙ ትእዛዝ ተዋሂቡዎም።

    ስለ ዝኾነ ድማ ድሕሪ ሕጂ፡ ናብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ዝኣትው ሰራሕተኛታት ኩሎም መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክገብሩ እዮም።

    ምምሕዳር ሰራሕተኛታት እቲ ቤተ-መንግስቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኩሉ ሰራሕተኛ ምስ ሰብ ኣብ ዘይራኸበሉን ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ውሽጢ ኾፍ ካብ ዝብለሉን ወጻኢ ኣብ ዝኾነ ቦታን ሰዓትን ማስክ ክጥቀም ግድን እዩ ይብል።

    ሓጋዚ ምክትል ፕረዚደንት ማይክ ፔንስን ሓጋዚ ፕረዚደንት ትራምፕን በዚ ቫይረስ ተታሒዞም ኣለው።

  12. ሴኔጋል ኣብያተ እምነትን ማእከላት ዕዳጋን ክትከፍት ጀሚራ

    ሰኔጋል ድኳናትን ዕዳጋታትን ክኽፈቱ ወሲና

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ሰኔጋል ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ኣንቢራቶ እገዳ ምእካብን ምንቅስቓስን ክተፍኩስ ጀሚራ።

    ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ድማ መሳጊድን ኣብያተ ክርስቲያናትን ክኽፈቱ እዮም።

    ብምኽንያት እቲ ተኣዊጁ ዝጸንሐ ናይ ምንቅስቓስ ገደብ፡ ኣብ ሰሙን ንዝተወሰኑ መዓልታት ዝኽፈቱ ዝነበሩ ድኳናትን ማእከላት ዕዳጋን ሰሙን ሙሉእ ክኽፈቱ እዮም።

    ፕረዚደንት ማኪ ሳል “ሴኔጋላውያን ብውልቅን ብደረጃ ሕብረተሰብን ጥንቃቐ ብምግባር ልሙድ ናብራኹም ክትጅምሩ ይግባእ” ኢሉ።

    ኣብ ሰኔጋል ክሳብ ሕጂ 1886 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ኣለው። ካብኣቶም ድማ 19 ሰባት ሞይቶም።

  13. ኣብ ኒውዝላንድ 90 ሚእታዊት ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ሓውዮም

    ቀዳመይቲ ሚኒስትር ኒውዝላንድ ጃሲንዳ ኣርደን

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ኒውዝላንድ ሓድሽ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዘ ሰብ ኣይረኸበትን። 90 ሚእታዊት ኣቐዲሞም በዚ ቫይረስ ካብ ዝተትሓዙ 1497 ሰባት ድማ ሓውዮም ኣለው።

    ኣብታ ሃገር ክሳብ ሕጂ በዚ ሕማም ዝሞቱ ሰባት 21 ኮይኖም፡ ክልተ ሰባት ጥራሕ ኣብ ሆስፒታል ኣለውዋ።

    ቀዳመይቲ ሚኒስትር ጃሲንዳ ኣርደን ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ወጺኡ ዝነበረ እገዳ ክለዓል ትገብር ኣላ።

    ትካላት ንግዲ፣ ሲነማ፣ ህጻናት ዝጻወቱሎምን ናይ ኣካለዊ ምንቅስቓስን ቦታታት ተኸፊቶም እዮም።

    በዚ መሰረት ኣብ ቀጻሊ ድማ ኣብያተ ትምህርትን እንዳ መስተን ክኽፈቱ ምዃኖም ይግለጽ።

    ኣካላዊ ርሕቐትካ ምሕላው ሕጂ’ውን ኣብ ቦትኡ ኣሎ።

  14. ኣብ ደቡብ ኮርያ ሓድሽ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ይረኣይ ኣሎ

    ደቡብ ኮርያ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ኣብ ደቡብ ኮርያ ክለባት ለይታዊ ተልሂት ኣብ ዝበዝሕሉ ከባቢ 94 ዝኾኑ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተታሒዞም።

    እዚ ሕማም ዝተረኸበሎም ለይታዊ ትልሂት ተመሳሳሊ ጾታ ዘለዎም መጻምዲ ዘዘውትሩሎም ኮይኖም፡ ካብቲ ማሕብሰረብ ተነጽሎ ስለ ዝገጥሞም ኣሽማቶም ቀይሮም ከም ዝንቀሳቐሱ ይግለጽ።

    ስለ ዝኾነ ድማ ከም ብሓድሽ እቲ ቫይረስ ምስ ዝተረኸቦም ሰባት ምትንኻፍ ዝነበሮም ንምክትታል ኣጸጋሚ ክኸውን እዩ።

    መንግስቲ ኣካላዊ ርሕቐት ክሕሎ ኣውጺኡዎ ዝነበረ መምርሒ ምፍኳስ ካብ ዝጅምር ንነጀው፡ እቲ ሕማም ዳግም ክርአ ጀሚሩ ኣሎ።

    ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ኣብያተ ትምህርቲ ንክኽፈቱ ወሲኖም’ኳ እንተነበሩ ሕጂ ግን ቁሩብ ክጸንሕ ኣለዎ ኢሎም።

    ደቡብ ኮርያ መዓልታዊ ብርክት ዝበሉ ሰባት ብምምርማር ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ክትንኪ ክኢላ ነይራ እያ።

  15. ኢንዶኔዥያ ትሕቲ 45 ዓመት ዝኾኑ ናብ ስራሕ ክምለሱ ከተፍቅድ እያ

    መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምጥቃም ካብ ምትሕልላፍ ኮቪድ-19 ይከላኸል

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ኢንዶኔዥያ ግዝያውን ዘላቕን ስእነት ስራሕ ንከየጋጥም ትሕቲ 45 ዓመት ዝኾኑ ሰባት ካብ ገዛ ወጺኦም ንክሰርሑ ከተፍቅድ ምዃና ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ እታ ሃገር ገሊጹ።

    ትሕቲ 45 ዓመት ዘለው መናእሰያት ሕዱር ጥዕናዊ ጸገማት እንተዘይብሎም ክንቀሳቐሱ ይኽእሉ’ዮም ዝብል ሓሳብ ኣሎ። ንኮሮናቫይረስ እንተተቓልዑ’ውን ምልክታት ስለ ዘየርእዩ ኣይክሓሙን” ኢሉ ዶኒ ማንድሮ።

    ኣብ ኢንዶኔዥያ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ 2.8 ሚልዮን ሰባት ሸቕሊ ኣልቦ ኮይኖም ኣለው።

    ይኹን’ምበር፡ መናእሰያት ካብ መልከፍቲ እዚ ቫይረስ ንምክልኻልን ብዕድመ ናብ ዝደፍኡ ኣባላት ስድራ ንከየመሓላልፉ ንምክልኻል ብዛዕባ ዝውሰድ ስጉምቲ ብንጹር ኣይተገልጸን።

    ኢንዶኔዥያ፡ ካብተን ኣባላት ሓንቲ ስድራ ብብዝሒ ብሓንሳብ ዝነብሩላ ኤሽያዊት ሃገር እያ።

    ከም ጸብጻብ ጃካርታ ፖስት ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብታ ሃገር 14,625 ሰባት ብኮቪድ-19 ተለኺፎም ከምዘለውነ፡ ሞት 991 ሰባት ድማ ተመዝጊቡ ኣሎ።

  16. ኣብ ኣፍሪቃ ቊጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ልዕሊ 64,214 በጺሑ

    ጸብጻብ ማእከል ምክልኻልን ምቁጽጻርን ሕማማት ኣፍሪቃ ከም ዘመላኽቶ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ቁጽሪ ብኮቪድ-19 ዝተለኸፉ ሰባት 64214 በጺሑ።

    ካብዚኦም እቶም 22,243 ክሓውዩ እንከለው፡ 2,293 ድማ ሞይቶም ኣለው።

    ገለ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝርግሐ እዚ ቫይረስ ንምቁጽጻር ኣንቢሮምዎ ዝነበሩ እገዳታት ከፍኩሱ ጀሚሮም ኣብ ዘለውሉ እዋን ግን መልከፍቲ ይውስኽ ኣሎ።

    ኣፍሪቃ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images