ኣብ ኢትዮጵያ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ 17 ተወሰኽቲ ሰባት ተረኺቦም

ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት፡ 1382 ምርመራታት ከምዝተገበረን፤ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ 17 ተወሰኽቲ ሰባት ከምዝተረኸቡን ኣፍሊጡ’ሎ። ኣብ ጉዳይ እቲ ቫይረስ ኣመልኪትና ናይዚ ዕለት ዓለማውን ኣህጉራውን ምዕባለታት ኣብዚ ብቐጥታ ክነቕርበልኩም ኢና፡ ተኸታተሉና።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ክታበት ዓባይ-ሰዓል ንኮቪድ-19 ዝከላኸል እንተኾይኑ ንምርግጋጽ ፈተነታት ይካየድ ኣሎ

    መውግኢ መርፍእ ኣብ ሸሓኒ

    ምንጪ ስእሊ, AFP

    ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ጸረ-ዓባይ ሰዓል (TB) ክታበት፡ ንኮሮናቫይረስ ክከላኸል ዝኽእል እንተኾይኑ ንምርግጋጽ ፈተነታት ይካየድ ኣሎ።

    ኣስታት 500 ሰራሕተኛታት ጥዕና ኣብቲ ናይ ፈተነ መጽናዕቲ ከምዝተሳተፉን ፍርቆም ተወጊኦም ከም ዘለዉን ተፈሊጡ።

    በቲ ቢ-ሲ-ጂ (BCG) ተባሂሉ ዝፍለጥ መድሃኒት ዝተኸተቡ ቆልዑ፡ ዝተሓተ መጠን ከም ኣዝማ ዝበሉ ናይ ስርዓተ-ምስትንፋስ ሕማማት ከም ዘጋጥሞም፡ ሓደ ካብቶም ነቲ መጽናዕቲ ዘካይዱ ዘለዉ ተመራመርቲ ዝኾነ፡ ፕሮፌሰር ኣንድሪያስ ዲያኮን ገሊጹ።

    “ደበብ ኣፍሪቃ ንኹሎም ሓደስቲ ዝተወልዱ ህጻናት ናይ BCG ክታበት ትህብ’ያ። ንዓበይቲ መሊስካ ምኽታብ፡ ንሳዕቤናት ናይዚ ለበዳ ክከላኸል ይኽእል’ዩ” ክብል እቲ ነቲ መጽናዕቲ ዘካይድ ዘሎ ታስክ ዝተባህለ ትካል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

    እቲ ክታበት ንኮቪድ-19 ይኸላኸል ምዃኑ ዛጊት ከም ዘይተረጋገጸ ግን ምግንዛብ ኣድላዩ’ዩ።

  2. ቁጠባ ብሪጣንያ ‘ተሰሚዑ ዘይፈልጥ’ ምንቁልቋል ከጋጥሞ’ዩ ተባሂሉ

    ነፋሪት መንገዲ ኣየር ቨርጂን ኣትላንቲክ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ቁጠባ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ‘ተሰሚዑ ዘይፈልጥ’ ምንቁልቋል ከጋጥሞ ምዃኑ ሓደ መጽናዕቲ ሓቢሩ።

    ክልተ ነቲ መጽናዕቲ ዘካየዱ ትካላት ከም ዝገለጽዎ፡ ብፍላይ እቲ ናይ ኣገልግሎታት ጽላት ዝለዓለ ምንቁልቋል ኣርእዩ’ሎ።

    ኣስታት 79 ሚእታዊ ካብ ኣገልግሎት ዝህባ ትካላት፡ ማለት፡ እንዳ ሻሂታት፡ እንዳ-ጸጉሪታት፡ ብሰንኪ ዝተኻየደ ጃምላዊ ዕጽዋ ኣዝየን ተሃስየን ኣለዋ።

    ሓፈሻዊ ውሽጣዊ ፍርያት (GDP) ቁጠባ ናይቲ ሃገር ብ7 ሚእታዊ ክጎድል ምዃኑ’ውን ሓደ ካብቶም ናይ መጽናዕቲ ትካላት ኣጠንቂቑ’ሎ።

    ናይ ኣገልግሎታት ጽላት፡ ሓደ ካብ ዓበይቲ ክፋላት ቁጠባ ብሪጣንያ ምዃኑ ይፍለጥ።

    እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ሓደ ካብ ዓበይቲ መንገዲ ኣየራት ዝነኾ፡ ቨርጂን ኣትላንቲክ፡ ልዕሊ 3000 ኣብ ብሪጣንያ ዘለዉ ሰራሕተኛታት ከፋኑ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

    ነቲ ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ጋትዊክ ዝነበሮ ንጥፈታት ከቋርጾ ከም ዝወሰነ’ውን እቲ መግለጺ ጠቒሱ። እቲ ኣስታት 10 000 ሰራሕተኛታት ዘለውዎ መንገዲ ኣየር፡ ካብ መንግስቲ ህጹጽ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ክሓትት ይዳሎ ከም ዘለዎ’ውን ተገሊጹ።

    በረራታት ብምእጋዱ፡ ብዙሓት መንገዲ ኣየራት ኣብ ከቢድ ቅልውላዉ ኣትየን ከምዘለዋ ጸብጻባት ይሕብሩ።

  3. "ኮሮናቫይረስ ህይወተይ ኣትሪፉለይ"

    ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ብኮሮናቫይረስ ተታሒዛ ናብ ሆስፒታል ዝኣተወት ጓል-ኣነስተይቲ፡ እቲ ቫይረስ ሂወታ ከም ዘድሓነ ገሊጻ።

    ኣንጄላ ሽሌገል፡ ብኮሮናቫይረስ ከምዝተትሓዘት ይረጋገፅ እሞ፡ ዶካትራ ዝተፈላለዩ ምርመራታት ይገብሩላ።

    ኣብዚ ግዘ እዚ እዩ’ምበኣር፡ ንሳ ዘይትፈልጦ ሕማም ወቕዒ ልቢ ከምዘለዋ ዝተፈለጠ።

    ምልክታት ኮሮናቫይረስ ብምርኣያ ን11 መዓልታት ኣብ ሆስፒታል ዝቐነየት ኣንጄላ፡ ፅኑዕ ክትትል ሕክምና ኣብ ዝግበረሉ ክፍሊ ምስ ኣተወት እያ፡ ወቕዒ ልቢ ከምዘለዋ ፈሊጣ።

    ጓል 36 ዓመት ኣንጄላ፡ “ልበይ ክንድቲ ዝግበኦ ይሰርሕ ከምዘይነበረ ተነጊሩኒ፤ ብብዝሒ ግዘ ክቐትለኒ ነይሩ እዩ” ኢላ፡ ነቲ ኩነታት ጥዕናኣ ምስ ፈለጠት።

    “ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ናብ ሆስፒታል ምእታወይ፡ ዋላእኳ፡ ብግዘ ከይዲ ብወቕዒ ልቢ ካብ ሙማት እንተድሐነኒ፡ እቲ ቫይረስ ባዕሉ ክቐትለኒ ቀሪቡ እዩ ነይሩ” ኢላ ካብ ሞት ዝተረፈት ኣንጄላ።

  4. ሓድሽ ዜና, ኣብ ኢትዮጵያ ቁፅሪ ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት 4 በጺሑ

    ኢትዮጵያ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ኣብ ኢትዮጵያ ኣብቶም ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ብዝተኻየደ ምርመራ፡ 5 ሰባት ብኮቪድ-19 ከምዝተለኸፉ ተገሊፁ።

    ካብዚኦም እተን ሰለስተ ደቂኣንስትዮ እንትኾና፡ ጓል 75 ዓመት በዓልቲ ፀጋ ዕድመ ይርከብአን።

    እዘን ውልቀሰብ፡ ብተዛማዲ ሕማም ኣብ ሆስፒታል ደቂሰን ክሕከማ ዝፀንሓ እንትኾና፡ ብዘጋጠመን ፀገም ምስትንፋስ ተጠርጢረን ምርመራ ኮሮናቫይረስ ንምግባር ቅምሶ ምስተወሰደ ህይወተን ሓሊፉ።

    ናይ ወፃኢ ጉዕዞ ታሪኽ ከምዘይነበረንን፡ በዚ ቫይረስ ምስ ዝተለኸፈ ሰብ ርክብ እንተነይርወን ይፃረይ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

    እቶም ካልኦት ብኮሮናቫይረስ ከምዝተትሓዙ ዝተረጋገፀ ካልኦት ደቂተባዕትዮ ድማ፡ ካብ ጂቡቲ ዝመፅኡን ኣብ ክልል ዓፋር በስገዳድ ተወሺቦም ዝፀንሑን ደቂ 25 ዓመት ከምዝኾኑ፡ ሚኒስቴር ጥዕና እታ ሃገርን ትካል ጥዕና ማሕበረሰብን ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ሓቢሮም።

    እተን ዝተረፋ ደቂኣንስትዮ ድማ ደቂ 8 ን 19 ን ዓመት ኮይነን ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኾናን ብኮሮናቫይረስ ምስ ዝተለኸፈ ሰብ ርክብ ከምዝነበረንን ተገሊፁ።

  5. ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ሰባት ዘይተረጋገፁ ኣፋውስ ከይጥቀሙ ደጊሙ ኣጠንቂቑ

    ዶ/ር ቴድሮስ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ሰባት ‘ንኮሮናቫይረስ ተኸላኸሉ’ ብዝብል ወዲ ኣባታዊ ፍልጠት ዝስርሑ ባህላዊ ኣፋውስ፡ ከይጥቀሙ ኣገንዚቡ።

    ሰለስተ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ካብ ኮሮናቫይረስ ይፍውስ እዩ ዝተብሃለ ባህላዊ መድሓኒት፡ ኣታዊ ክንገብር ኢና ምባሎም ስዒቡ እዩ፡ እቲ ውድብ ነዚ መጠንቀቕታ ሂቡ ዘሎ።

    እዚ ባህላዊ መድሓኒት፡ ናይ ምፍዋስ ዓቕሙ ዘይተረጋፀ እንትኸውን፡ ሜዲካል ኣካዳሚ ኣፍሪቃ እንከይተረፈ ስግኣቱ ገሊፁ እዩ።

    ባህላዊ ኣፋውስ ብምቕማም ንኮሮናቫይረስ መድሓኒት ንምርካብ ይግበር ዘሎ ፈተነ ከምዝንእድ ዝገለፀ እቲ ውድብ፡ ዝኾነ ዓይነት ውፅኢት እቲ ፈተነ ግን ብሳይንሳዊ መገዲ ክረጋገፅ ከምዝግባእ ኣጠንቂቑ።

  6. መገዲ ኣየር ኢራን ኮሮናቫይረስ ንክላባዕ ምኽንያት ኮይኑ ተባሂሉ

    መገዲ ኣየር

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መገዲ ኣየር ኢራን ማሃን፡ ኮቢድ-19 ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ንክላባዕ ምኽንያት ከምዝነበረ ተረጋጊፁ።

    ምስ ሰውራዊ ሓለዋ ኢራን ርክብ ዘለዎ መገዲ ኣየር ማሃን፡ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት፡ ካብ ኢራን ናብ ሊባኖስን ዒራቕን ኣግዒዙ እዩ።

    ኣብ ሊባኖስን ዒራቕን ብኮሮናቫይረስ ከምዝተትሓዙ ዝተረጋገፁ ፈላሞት ሰባት ድማ፡ በዚ መገዲ ኣየር ዝመፅኡ እዮም።

    ሰራሕተኛታት በረራ እቲ መገዲ ኣየር፡ ብዛዕባ ለበዳ እቲ ቫይረስ ዘለዎም ስግኣት ንከይዛረቡ ከምዝተገደዱ፡ ኣብቲ መገዲኣየር ዝርከቡ ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም።

    እቶም ሰራሕተኛታት እኹል መከላኸሊ ናውቲ ይረኽቡ ከምዘይነበሩ እውን ተገሊፁ። ዋላእኳ ኢራን እገዳ በረራታት እንተንበረት፡ እቲ መገዲ ኣየር ናብ ቻይና ተደጋጋሚ በረራታት ይገብር ከምዝነበረ እዩ፡ መረዳእታ ምክትታል በረራታት ዝሕብር።

    መገዲ ኣየር ማሃን ግና፡ ኣብዚ ጉዳይ መልሲ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ ኣሎ።

  7. ካምቦዲያ ንሰሙናት ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፈ ሰብ ከምዘይረኸበት ገሊፃ

    ካምቦድያ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ኣብ ደቡብ ምብራቅ ኤስያ ትርከብ ካምቦዲያ፡ ኣብቶም ዝሓለፉ ሰለስተ ሰሙናት፡ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፈ ሰብ ከምዘይረኸበት ኣፍሊጣ።

    እዚ ጥራሕ ኣይኮነን፡ ኣብታ ሃገር ብኮሮናቫይረስ ካብ ሞንጎ ዝተለኸፉ 122 ሰባት፡ እቶም 120 ቀልጢፎም ንክሓውዩ ብምሕጋዝ እውን፡ ዘዕግብ ውፅኢት ኣመዝጊባ ኣላ፡ ካምቦዲያ።

    ይኹን’ምበር፡ መንግስቲ እታ ሃገር ክንድቲ ዝድለ ምርመራታት ኮቪድ-19 ብዘይምክያዱ፡ በቲ ቫይረስ ዝተጠቕዑ ሰባት ክህልዉ ከምዝኽእሉ እዩ ዝግለፅ።

    እታ ሃገር ካብ 16 ሚልየን ህዝባ፡ ን 760 ጥራሕ እያ መርሚራ።

    መንግስቲ፡ ዋላእኳ ኣብቶም ዝሓለፉ ሰለስተ ሰሙናት ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት እንተዘይረኸቡ፡ ዝተኣወጁ ገደባት ከምዝቕፅሉ ግና ኣፍሊጡ ኣሎ። ኣብያተ-ትምህርቲ፣ እንዳ ቲያትን መዘናግዕን እታ ሃገር፡ ክሳብ ሕዚ ዕፁዋት እዮም።

  8. መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ግበሩ ዝበለ ዋርድያ ተቐቲሉ

    ማስክ

    ምንጪ ስእሊ, GOFUNDME

    መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ብዘይምግባሮም፡ ናብ ሹቕ ንከይኣትዉ ንዝኸልከሎም ዋርድያ ዝቐተሉ፡ ኣባላት ስድራ ተኸሲሶም።

    ወዲ 43 ዓመት ካልቪን ሙንርሊይን ኣብ ኣሜሪካ ግዝኣት ሚቺጋን፡ ብጥይት ተወቒዑ እዩ ሞይቱ።

    ኣባል እዚ ስድራ ንዝኾነት ውልቀሰብ 'ማስክ ስለዘይገበርኪ ናብ ሹቕ ኣይትኣትውን ኢኺ' ምባሉ ስዒቡ ብዝተፈጠረ ዘይምስምማዕ፡ ምኽንያት መቕተሊኡ ኮይኑ።

    ወላዲት እታ ጓል፡ ሻርሜል ቲግ ኣብ ቀይዲ ዝወዓለት እንትትኾን፡ በዓልገዝኣን ወዳን ግና ክሳብ ሕዚ ይእለሹ ከምዘለዉ ተገሊፁ።

    መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ብዘይምግባራ ናብቲ ሹቕ ንከይትኣቱ ዝተኸልከለት ውልቀሰብ ድማ ንሕጊ ሚቺጋን ብምጥሓስ ተኸሲሳ።

  9. ኣብ ህንዲ ኣልኮላዊ መስተ ዝዕድጉ ነዋሕቲ ሰልፍታት ተራእዮም

    ኣብ ህንዲ

    ምንጪ ስእሊ, AFP

    ኣብ ህንዲ ትማሊ ሰኑይ ኣማስዩ መስተታት ዝሽየጠሎም ሹቓት ምኽፋቶም ስዒቡ፡ ዜጋታት እታ ሃገር ኣልኮላዊ መስተ ንምዕዳግ ክህወኹ ተራእዮም።

    እቶም ኣልኮላዊ መስተ ንምግዛእ ዝተሰለፉ ህንዳውያን፡ ንማሕበራዊ ምርሕሓቕ ከምዘይተገደሱ ድማ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተወዝዑ ስእልታትን ተንቀሳቐስቲ ምስልታትን የርእዩ።

    ዋላእኳ ዋና ከተማ እታ ሃገር ኒው ደልሂ፡ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ኣብ ልዕሊ ኣልኮላዊ መስተታት 70 ሚእታዊት ወሰኽ እንተንበረት፡ ሰባት ግና ካብ ምዕዳግ ንድሕሪት ኣይበሉን።

    ነዚ ዝተርኣየ ሰልፊ ስዒቡ ድማ፡ ኣብ ገለ ከባብታት እታ ከተማ ሓደ ሓደ ሹቃት ንክዕፀዉ ተወሲኑ።

  10. ኣሜሪካ 3 ትሪልየን ዶላት ክትልቃሕ እያ

    ኣመሪካ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    እዚ መጠን ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ናይ መጀመርታ ዝኾነ ልቓሕ 3 ትሪልየን ዶላር፡ ኮሮናቫይረስ ኣብታ ሃገር ዘስዓቦ ሓያል ፅዕንቶ (ፅልዋ) ንምምካት ከምዝውዕል ተገሊፁ።

    ቅድሚ ሕዚ እውን ምምሕዳር ትራምፕ ለበዳ እቲ ቫይረስ ንምግታእን፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ንዜጋታት ንምሕጋዝን፡ ተለቂሑ ነይሩ።

    እታ ሃገር ቦንድ መንግስቲ ብምሻጥ እያ ልቓሕ ክትወስድ። እዚ ብልቓሕ ዝርከብ ገንዘብ፡ በቲ ቫይረስ ንዝተሃስዩ ብገንዘብ ንምዱጋምን ስርዓት ጥዕና እታ ሃገር ንምጥንኻርን ዝውዕል ከምዝኾነ ተገሊፁ።

    ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ ጠቕላላ ዕዳ ኣሜሪካ ኣስታት 25 ትሪልየን በፂሑ ኣሎ።

  11. መራኸቢ ሓፋሽ ቻይና፡ ንፖምፐዮ ‘ፅሉል’ ኢልዎ

    ፔምፖ

    ምንጪ ስእሊ, AFP

    ሃገራዊ መራኸቢ ሓፋሽ ቻይና ንፀሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ፡ ማይክ ፖምፐዮ፡ “ፅሉልን መጠፋፍእን” ክብላ ግብረ-መልሲ ሂበን።

    እዚ ዝተብሃለ፡ እቲ ሚኒስተር፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት፡ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዉሃን ኣብ ቤተ-ፈተነ ዝተሰርሐ እዩ ምባሉ ስዒቡ እዩ።

    ማይክ ፖምፐዮ፡ ኮሮናቫይረስ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት፡ እዚ ቫይረስ ኣብ ዝተኸሰተላ ከተማ ዉሃን ኣብ ቤተ-ፈተነ ከምዝተሰርሐ፡ “ገዘፍቲ መረዳእታታት” ከምዝሕብሩ ተዛሪቡ ነይሩ።

    ሃገራዊ ተለቬዥን ቻይና CCTV፡ “ እቲ እከይ ፖምፐዮ ዓይኒ ዕሙተይ መርዚ የምልስን ይሕሱን ኣሎ” ከምዝበለ ኤኤፍፒ ሓቢሩ።

    እዚ ናይ ቤተ-ፈተነ ስርሓት ዝብል ክልሰ-ሓሳብ ፖምፐዮ፡ “ሙሉእ ብሙሉእ ሓሰት” ከምዝኾነ ዝሓበረ ፀብፃብ ተሌቬዥን CCTV፡ “ኣሜሪካውያን ፖለቲከኛታት፡ ናይ ፀረ-ለበዳ ፃዕሮም ዝደኸመ ብሙኻኑ፡ ንቻይና ንምጽላም ይጓየዩ ኣለዉ” ኢሉ።

    ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣሜሪካ ኮሮናቫይረስ ኣብ ቤተ-ፈተነ ቻይና ከምዝተሰርሐ ዘረጋግፅ መረዳእታ ስለዘየቕረበት፡ ነዚ ግምታዊ ክሲ ከምዘይድግፎ ገሊፁ እዩ።

    ብሰንኪ እዚ ድማ፡ እቲ ውጥጥ ክልሰ-ሓሳብ ቤተ-ፈተነ ቀፂሉ ኣሎ።

  12. ከመይ ሓዲርኩም!

    ኣብ ናይ ትማሊ ቀጥታዊ ጸብጻብና፡ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣብ መወዳእታ ናይ'ዚ ዓመት ድልው ከምዝኸውን ምግላጾም ሓቢርና ነይርና። ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ጸብጻብና ድማ ሓደሽቲ ምዕባለታት እቲ ቫይረስ ዝምልከት ሒዝናልኩም ክንመጽእ ኢና።

    ብሩኽ መዓልኪ ክኾነልኩም ንምነ!