ኣብ ኤርትራ ሸውዓተ ተወሰኽቲ ሰባት ካብ ሕማም ኮቪድ-19 ሓውዮም
ሚኒስትሪ ጥዕና ሎሚ 30 ሚያዝያ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ካብቶም ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ሕክምናዊ ናብዮት ክግበረሎም ዝጸንሑ እቶም ሸውዓተ ኣብ ሃገራዊ ላባራቶሪ ድሕሪ ዝተገበረሎም መርመራ ሓውዮም ካብ ሆስፒታል ተፋንዮም ኣለዉ።
ሕማም ኮሮናቫይረስ ብ21 መጋቢት ንመጀመርታ ኣብታ ኤርትራ ምስ ኣተወ ክሳብ 18 ሚያዝያ ኣብ ዘሎ ግዜ እቲ ቁጽሪ ናብ 39 ክብ ኢሉ ነይሩ።
ኣብ ኤርትራ ኣቐዲሙ’ውን 19 ተሓከምቲ ኮሮናቫይረስ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ከም ዝተፋነዉ ዝዝከር ኮይኑ ነዞም ናይ ሎሚ ሸውዓተ ሓዊሱ ቁጽሪ ዝሓወዩ ናብ 26 ክብ ኢሉ ኣሎ።
ካብቶም ዛጊት ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ 66 ሚእታዊት ምሉእ ብምሉእ ክሓውዩ እንከለዉ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን 13 ተሓከምቲ ኮሮናቫይረስ ጥራይ'ዮም ዘለዉዋ።