ኣብ ኤርትራ ሸውዓተ ተወሰኽቲ ሰባት ካብ ሕማም ኮቪድ-19 ሓውዮም

ሚኒስትሪ ጥዕና ሎሚ 30 ሚያዝያ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ካብቶም ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ሕክምናዊ ናብዮት ክግበረሎም ዝጸንሑ እቶም ሸውዓተ ኣብ ሃገራዊ ላባራቶሪ ድሕሪ ዝተገበረሎም መርመራ ሓውዮም ካብ ሆስፒታል ተፋንዮም ኣለዉ።። ኣብ ጉዳይ እቲ ቫይረስ ኣመልኪትና ናይዚ ዕለት ዓለማውን ኣህጉራውን ምዕባለታት ኣብዚ ብቐጥታ ክነቕርበልኩም ኢና፡ ተኸታተሉና።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኣብ ኤርትራ ሸውዓተ ተወሰኽቲ ሰባት ካብ ሕማም ኮቪድ-19 ሓውዮም

    ሚኒስትሪ ጥዕና ሎሚ 30 ሚያዝያ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ካብቶም ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ሕክምናዊ ናብዮት ክግበረሎም ዝጸንሑ እቶም ሸውዓተ ኣብ ሃገራዊ ላባራቶሪ ድሕሪ ዝተገበረሎም መርመራ ሓውዮም ካብ ሆስፒታል ተፋንዮም ኣለዉ።

    ሕማም ኮሮናቫይረስ ብ21 መጋቢት ንመጀመርታ ኣብታ ኤርትራ ምስ ኣተወ ክሳብ 18 ሚያዝያ ኣብ ዘሎ ግዜ እቲ ቁጽሪ ናብ 39 ክብ ኢሉ ነይሩ።

    ኣብ ኤርትራ ኣቐዲሙ’ውን 19 ተሓከምቲ ኮሮናቫይረስ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ከም ዝተፋነዉ ዝዝከር ኮይኑ ነዞም ናይ ሎሚ ሸውዓተ ሓዊሱ ቁጽሪ ዝሓወዩ ናብ 26 ክብ ኢሉ ኣሎ።

    ካብቶም ዛጊት ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ 66 ሚእታዊት ምሉእ ብምሉእ ክሓውዩ እንከለዉ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን 13 ተሓከምቲ ኮሮናቫይረስ ጥራይ'ዮም ዘለዉዋ።

    ከረን

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

  2. ቀዳማይ ሚኒስተር ሩስያ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፉ

    ቀዳማይ ሚኒስተር ሩስያ ሚሻይል ሚሹስቲን

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ቀዳማይ ሚኒስተር ሩስያ ሚሻይል ሚሹስቲን ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኸፈ ተረጋጊጹ።

    ኣብ ሩስያ ክሳብ ሕጂ 106 ሽሕን 498 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ 1 ሽሕን 73 ሞት ድማ ኣብታ ሃገር ተመዝጉቡ ኣሎ።

  3. ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ እሱራት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም

    ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ እሱራት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ እሱራት ከምዝተረኸቡ ተገሊጹ።

    እቶም ኮሮናቫይረስ ዝተረኸቦም እሱራት ኣርባዕተ ክኾኑ እንከለዉ ካልኦት በቲ ሕማም ዝተጠርጠሩ ኸኣ ኣብ ርእሰ ከትማ ኪንሳሻ ኣብ ዝርከብ ንደሎ ዝብሃል መፍለዩ እሱራት ተወሺቦም ከምዘለዉ ተሓቢሩ ኣሎ።

    ኣብታ ሃገር ዝረከባ ኣብያተ ማእሰርት ካብቲ ክሕዘኦ ዝግብአን ብዝሒ እሱራት ብኣርባዕታ ዕጽፊ ዝዛይዱ እሱራት ከምዘለዉወን'ዩ ዝግለጽ።

    ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ምስ ኮሮናቫይረስ ተተሓሒዙ፡ ኣብ ኣተሓሕዛ እተን ኣብያተ ማእሰርቲ ዘለዎም ስክፍታ ክገልጹ ጸኒሖም'ዮም።

    እዘን ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ቅልል ቅልል ዝበለ ገበን ዘለዎምን ፍርዶም ዝተቓረብን ብምፍታሕ ቁጽሪ እሱራት ክጎድል ከምዝኽእል ብምሕባር፡ ንመንግስቲ እታ ሃገር ክምሕጸና ጸንሐን'የን።

    ሰብ ሞያ ጥዕና እታ ሃገር፡ ኮሮናቫይረስ ኣብተን ኣብያተ ማእሰርቲ ክፈጥሮ ዝኽእል ለበዳን በጺሕዎ ዘሎ ደርጃን ክምርምሩ ጀሚሮም ኣለዉ።

    ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ኮሮናቫይረስ ኣብ ሸውዓት ዞባታታ እታ ሃገር ከምዝበጽሐ ክረጋገጽ እንከሎ፡ እቶም ዝበዝሑ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ግን ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር እዮም ዝርከቡ።

  4. ኣብ ኣፍሪቃ ፈውሲ ኮሮናቫይረስ ንምርካብ ካብ ዝገበሩ ዘለዉ ፈተነታት

    ናይ ኣፍሪቃ ማእክል ምቁጽጻርን ምክልኻል ሕማማት፡ ኣብ ኣፍሪቃ ፈውሲ ኮሮናቫይረስ ንምርካብ ዝግበሩ ዘለዉ ጻዕርታታ ገሊጹ ኣሎ።

    ክሳብ እዛ ሰዓት እዚኣ እዚ ቫይረስ ኣብ 52 ሃገራት ኣፍሪቃ ክረአ እንከሎ፡ ልዕሊ 37 ሽሕ ሰባት ድማ በዚ ቫይረስ ተለኺፎም ኣለዉ።

    እቲ ማእክል ምቁጽጻርን ምክልኻል ሕማማት፡ ንኣፍሪቃ ምስ ካልኦት ኣህጉራት ብምውድዳር ልክዕ ከምቲ መጠን መልክፍቲ፡ እቲ ፈውሲ ንምርካብ ዝግበር ዘሎ ፈተነታት'ውን ውሑድ ምዃኑ'ዩ ዝገልጽ።

    እቲ ማእከል ይካይዱ ኣለዉ ካብ ዝበሎም ፈተነታት ምርካብ ፈውሲ ኮሮናቫይረስ ንገሊኡ ክንጠቅስ።

    • ኣብ ግብጺ 13 ፈተነታት ይካየዱ ኣለዉ፡ ካብዚኦም እቶም ክልተ ኣብ ክታበት ዘተኮሩ እዮም።
    • ኣብ ዛምብያ መድሃኒት ዓሶ ዝኾነ ሃይድሮክሎሮኪን ኣብ ምክልኻልን ምፍዋስን ኮሮናቫይረስ ዝህልዎ ተራ ዓሚቕ ምርምር ይግበረሉ ኣሎ።
    • ኣብ ድቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ክሎሮኪን፣ ኢንተርፌሮንን ሬምዴሲቪርን ዝተብሃሉ መድሃኒታት ንኮቪድ-19 ናይ ምፍዋስ ዓቕሚ እንተሃልይዎም ፈተነታት ይግበር ኣሎ።
    • ናይጀርያ ዝሓመሙ ቀለጢፎም ናብ ንቡር ጥዕነኦም ንኽምላሱ ክሕግዝ ዝኽእል ኣብ ዝብል ምርምራታ ትገብር ኣላ።
    • ኣብ ቱኒዝያ ክልተ ዓይነት ፈተነታት ይግበር ከምዘሎ እዃ እንተተገለጸ ዝርዝር ሓበሬታ ግን ኣይተውሃበን።
    ኣብ ኣፍሪቃ ፈውሲ ኮሮናቫይረስ ንምርካብ ካብ ዝገበሩ ዘለዉ ንጥፈታት

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

  5. ኣብ ኣሜሪካ ቁጽሪ ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት 30 ሚልዮን በጺሑ

    ኣብ ኣሜሪካ ቁጽሪ ስራሕ ኣለቦ ዝኾኑ ሰባት 30 ሚልዮን በጺሑ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ቤት ጽሕፈት ማሕበር ሰራሕትኛታት ኣሜሪካ ሎሚ ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ቁጽሪ ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ዜጋታት እታ ሃገር ብቕልጡፍ ይውስኽ ከምዘሎ ሓቢሩ።

    ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ 3.8 ሚልዮን ሰባት ካብ ስራሕ ድዉ ከምዝበሉ ናብ ቤት ጽሕፈቱ ከምዝጠርዑ እዚ ቤት ጽሕፈት ሓቢሩ።

    ኮሮናቫይረስ ብዝስዓቦ ቅልውላው ኣብታ ሃገር ልዕሊ 30 ሚልዮን ሰባት ስራሕ ኣልቦ ኮይኖም ከምዘለው እውን ቤት ጽሕፍት ማሕበር ሰራሕትኛታት ኣሜሪካ ሓቢሩ ኣሎ።

    ብሰንኪ እዚ፡ ኣብታ ሃገር ሓያል ጽላታት ቁጠባ ዳግማይ ክኽፈታ ዝጽውዕ ህዝባዊ ጻውዒት ይቐርብ ኣሎ።

    ካብዚ ብምብጋስ'ውን ብዙሓት ግዝኣታት እታ ሃገር ኣንቢረነኦ ዝነብራ እገዳታታ ክላሕልሐኦ ይርኣያ ኣለዋ።

    ክኢላታት ስነ ቁጥባ፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ መጠን ሽቕልት ኣልቦንት ኣብ ቀረባ ሳምንታት ናብ 20 ሚእታዊት ክብ ክብል ከምዝኽእል እዮም ዘጠንቕቑ ዘለው።

  6. ኮሮናቫይረስ፡ ን63 ዓመታት ኪዳኖም ዘጽንዑ ሰብ ሓዳር ኣብ ሓደ መዓልቶ ሞይቶም

    "ኣብነታውያን ሰብ ሓዳር" እናተባህሉ ዝግለጹ ን63 ዓመታት ኪዳኖም ዘጽንዑ ሰብ ሓዳር ብኪሮናቫይረስ ድሕሪ ምልካፎም ኣብ ሓደ መዓልቲ ሞይቶም።

    እዞም ክልተ መጻምድቲ ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኸፉ ምስ ተረጋገጸ ኣብ ሳውዝሃምፕተን ሓፈሻዊ ሆስፒታል'ዮም ዝእለዩ ነይሮም።

    ኣቶ ቢል ዳርታል ወዲ 90 ዓመት ኮይኑ እታ ጓል 81ዓመት ሜሪ ዝተብሃለት ብዓልቲ ቤቱ ምስ ዓረፈት ድሕሪ ስዓታት'ዩ ንሱ'ውን ዓሪፊ።

    ሮዝሜሪ ፍረ ብርኪ እዞም ክልተ መጻምድቲ ኮይና፡ ኣቡኣ ሞት ብዓልቲ ቤቱ ምስ ሰመዐ ነቲ ዝውሃቦ ዝነብረ ሓገዝ ናይ ኦክስጅን ከምዝተሓሰሞ'ያ ትገልጽ።

    ሮዝሜሪ ብምስዓብ "ባባ ድሕሪ ማማ ናይ ምንባር ድሌት ኣይነበሮን" ትብል።

    ኮሮናቫይረስ፡ ን63 ዓመታት ኪዳኖም ዘጽንዑ ሰብ ሓዳር ኣብ ሓደ መዓልቶ ሞይቶም

    ምንጪ ስእሊ, DARTNALL FAMILY

  7. ኣብ የመን ንፈለማ እዋን ክልተ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ሞይቶም

    የመን

    ምንጪ ስእሊ, AFP

    ኣብ የመን ንፈለማ እዋን፡ ክልተ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ሞይቶም።

    ሞት ናይቶም ሰባት ኣብታ ድሮ ብዂናት ዝዓነወትን፡ ህዝባ ኣብ ኣፍ ሞት ዝርከብ ሃገር፡ እቲ ለበዳ ከይላባዕ ከቢድ ሻቕሎት ፈጢሩ’ሎ።

    እቶም ግዳያት ክልተ ኣሕዋት ምዃኖምን ኣብ ሓደ ኣብ ከተማ ዓደን ዝርከብ ሆስፒታል ከም ዝሞቱ ጸብጻባት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።

    ሰብመዚ ጥዕና ትማሊ ረቡዕ፡ ሓሙሽተ በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ከም ዝረኸቡ ተዛሪቦም ነይሮም’ዮም። ክሳብ ሕጂ፡ ኣብ ምሉእ ሃገር ሓደ ዝተለኽፈ ጥራይ’ዩ ተረኺቡ ነይሩ።

    እቲ ቫይረስ ከይተፈልጠ ይላባዕ ክህሉ ከም ዝኽእል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ’ሎ።

    ኣብታ ሃገር ንዓመታት ቀጺሉ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ልዕሊ 100 000 ሰባት ቀቲሉ ከምዘሎ ይግለጽ።

    ኣስታት 10 ሚልዮን ህዝቢ የመን ዓጸቦ ከንጸላልዎም እንከሎ፡ 20 ሚልዮን ድማ ኣገልግሎት ጥዕና ዘይረኽቡ’ዮም።

  8. ዞባ ዩሮ ኣውሮጳ ተራእዩ ዘይፈልጥ ቁጠባዊ ምንቁልቋል ኣጋጢምዎ

    ክሪስቲን ለጋርደ፡ ኣመሓዳሪት ማእከላይ ባንክ ሕብረት ኣውሮጳ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ክሪስቲን ለጋርደ፡ ኣመሓዳሪት ማእከላይ ባንክ ሕብረት ኣውሮጳ

    ቁጠባ ናይቲ ባጤራ ዩሮ ዝጥቀም ዞባ ኣውሮጳ፡ ኣብ ታሪኹ ንመጀመርታ እዋን ዝዓበየ ምንቁልቋል ኣጋጢምዎ።

    ካብ ጥሪ ክሳብ መጋቢት ኣብ ዝነበረ እዋን ጥራይ፡ ካብቲ ኣብ 2008 ዘጋጠመ ፋይናንሳዊ ቅልውላዉ፡ ብ3.8 ሚእታዊ ከም ዝጎደለ ጸብጻባት ገሊጾም።

    ኣብ ፈረንሳን ስጳኛን ቁጠባዊ ንጥፈታት ቅጽበታዊ ምንቁልቋል ምርኣዩ’ውን ካልኦት ጸብጻባት ሓቢሮም።

    ጠንቂ ናይቲ ቅልውላዉ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝሰዓበ ዕጽዋታትን ምድስካል ንጥፈታትን ምዃኑ ይግለጽ።

    ብተመሳሳሊ፡ ቁጠባ ኣመሪካ፡ ብውሕዱ ኣብዚ ዝሓለፈ 10 ዓመት እቲ ዝኸፍአ ምንቁልቋል ከም ዘጋጠሞ መንግስቲ ኣፍሊጡ’ሎ።

    ነቲ ቫይረስ ንምግታእ፡ ዳርጋ ኣብ ምሉኡ ዓለም፡ ቁጠባዊ ንጥፈታት፡ ብዘይካ’ቲ ኣድላዪ ዝተባህለ፡ ከም ዝድስክልን ከም ዝዕጾን ምዃኑ ይፍለጥ።

    ገለ ኣብ መኸተ ኮቪድ-19 ተስፋ ዝረኸባ ሃገራት ነቲ እገዳታት ከፍኩስኦ ጀሚረን ኣለዋ። እዚ ድማ፡ ቁጠባዊ ምብርባር ክፈጥር ትጽቢት ይግበር።

  9. ቁጠባ ኣሜሪካ ድሕሪ 2008 ኣብዚ እዋን ብቕልጡፍ ይሽምረር ኣሎ

    ሓላፊ ፈደራል ሪዘርቭ ጅሮም ፓወል

    ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

    ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ብምውድዳር፡ ቁጠባ ኣሜሪካ ኣብ ፈለማ ሰለስተ ኣዋርሕ ናይዚ ዓመት እቲ ዝኸፍአ ምንቁልቋል ከም ዘርኣየ ተገሊጹ።

    እዚ፡ ምስቲ እታ ሃገር ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምግታእ ኣተግቢራቶ ዘላ እገዳ ምንቅስቓስ ዝተኣሳሰር ምዃኑ'ውን ይግለጽ።

    እቲ ናይ ዓለምና ዝዓበየ ቁጠባ - ቁጠባ ኣሜሪካ- ካብ 2014 ጀሚሩ ዓመታዊ ብ 4.8% ከንቆልቁል ምጽንሑ እቲ ብረቡዕ ዝተዘርግሐ ወግዓዊ ጸብጻብ የመልክት።

    ዝበዝሐ ካብቲ እገዳታት ክሳብ ወርሒ መጋቢት ተግባራዊ ብዘይ ምንባሩ ግና፡ እቲ ኣሃዝ ብዛዕባ እቲ ቅልውላው ንእሽቶ ኣንፈት እዩ ዝህብ።

    ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ መላእ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ዓለምን "ዓቢይ ቁጠባውን ሰብኣውን ሽግር" ኣኸቲሉ ምህላው ኣብ ማእከላይ ባንክ ኣሜሪካ ሓንጸጽቲ ፖሊሲ ብረቡዕ ገሊጾም።

    ኣሜሪካ ነቲ ቁጠባዊ ሓስያ ንምግጣም ብቐጥታ ንስድራቤታት ዝኽፈል ገንዘብ ዝርከቦ 3 ትሪልዮን ዶላር እያ ሰሊዓ።

    ብዘይካ'ዚ ማእከላይ ባንክ ወለድ ናብ ባዶ ክሳብ ምውራድ፡ ዝተፈላለየ ህጹጽ ስጉምታት ወሲዱ እዩ።

    እቲ ቁጠባ ውሑስ ኮይኑ ናብ መስመር ክሳብ ዝምለስ፡ ነቲ ውሳነ ክዕቅቦ ምዃኑ ሓላፊ ፈደራል ሪዘርቭ ጅሮም ፓወል ገሊጹ።

    እንተኾነ ግን እቲ ቅልውላው ነቲ ቁጠባ ዓቢይ ጸቕጢ ከም ዝፈጥር ሓቢሩ።ሙልእ እቲ ዛንታ ቁጠባ ኣሜሪካ ድሕሪ 2008 ኣብዚ እዋን ብቕልጡፍ ይሽምረር ኣሎ

  10. ኣብ ኒውደልሂ ተዓጽዮም ዝጸንሑ ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ግዒዞም

    ህንዲ

    ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

    ኣብ ህንዲ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ብዘስዓቦ እገዳ በረራን ምንቅስቓስን፡ ንኣዋርሕ ኣብታ ሃገር ክፀንሑ ተገዲዶም ዝነበሩ ኣስታት 100 ኢትዮጵያውያን ተሓከምቲ፡ ናብ ሃገሮም ግዒዞም።

    ቢቢሲ፡ ኢትዮጵያውያን ተሓከምቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ግዝኣታት እታ ሃገር፡ ንቁጣባውን ጥዕናውን ፀገማት ከምዝተቓልዑን ሰማዒ ከምዝሰኣኑን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፀብፂቡ ነይሩ።

    ነዚ ስዒቡ፡ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኒውደልሂን መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን፡ ነቶም ኣብ ኒውደልሂ ዝነበሩ ተሓከምቲ ናብ ሃገሮም ክመልሶም ከምዝኽኣለ፡ እቶም ተጓዓዝቲ ንቢቢሲ ገሊፆም።

    እቲ መገዲ ኣየር ትማሊ ረቡዕ እዩ ነዞም ተሓከምቲ ናብ ኢትዮጵያ ኣግዒዝዎም።

  11. ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰለስተ ዓበይቲ ብድሆታት ኣብ ቅድሚኡ ተገቲሩ ምህላው ተገሊጹ

    ቀርኒ ኣፍሪቃ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰለስተ ዓበይቲ ብድሆታት ኣብ ቅድሚአን ተገቲሩ ምህላው ሴቭ ዘ ቺልድረን ኣጠንቂቑ።

    ብመሰረት ሓበሬታ እቲ ትካል ግብረሰናይ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ወራር ኣንበጣን ዕልቕልቕ ማይን፡ ንሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ሓደ እዋን ገጢሞመን ዘለው ብድሆታት እዮም።

    ዕድሚኦም ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝኾነ ልዕሊ 5 ሚልዮን ህጻናት ልዑል ሕጽረት መግቢ ኣጋጢምዎም ኣሎ።

    ብዘይካ’ዚ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ልዕሊ ቁጠባ እተን ሃገራትን ናይ ጥዕና ስርዓተንን ጉድኣት የውርድ ምህላው እቲ ትካል ሓቢሩ።

    ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብተኸታታሊ ዝዘነበ ማይ፡ ሓደጋታት ውሕጅ ምብጽሑ ዝዝከር ኮይኑ፡ ወራር ኣንበጣ’ውን ኣብ ዝቕጽል ወርሒ ሰነ ብሰፊሑ ነቲ ዞባ ከም ዘጥቅዕ ግምታት ኣሎ።

    ሴቭ ዘ ቺልድረን፡ እቲ ኩነታት ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ክኸይድ ከም ዝኽእል ብምሕባር፡ ኣህጉራውያን ትካላት፡ ንሶማልያ፡ ኬንያን ኢትዮጵያን ነቲ ሽግር ንምብድዳህ ዘኽእለን ሓገዛት ክገብሩለን ጸዊዑ።

    እቲ ትካል ወሲኹ፡ ኣብ’ዘን ሃገራት እቲ ወራር ሚልዮናት ኣብ ዝርከቡሉ መዕቆቢ ስደተኛታት’ውን ከስፋሕፍሕ ከም ዝኽእል ሓቢሩ።

  12. ኣብያተ ማእሰርቲ ሴራሊዮን፡ ብናዕቢ ይሕመሳ ኣለዋ

    ሴራልዮን

    ምንጪ ስእሊ, Anadolu / Getty Images

    ኣብታ ሃገር፡ ሓደ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ቤት ማእሰርቲ ዝኣተወ፡ ምልክታት ኮሮናቫይረስ ምርኣዩ ስዒቡ፡ እሱራት ካብ ኣብያተ ማእሰርቲ ከምልጡ ፈቲኖም።

    ብፍላይ ፓዴምባ ሮድ ኣብ ዝተብሃለ ቤት ማእሰርቲ፡ ኣመሓዳሪ እቲ ቤት ማእሰርቲ እንትቕተል ካልኦት ሰራሕተኛታት ድማ ጉድኣት በጺሑዎም።

    እቲ ቤት ማእሰርቲ ድማ፡ ብባርዕ ሓዊ ዓንዩ።

    እዚ ቤት ህንጸጥ፡ ክሕዞ ዘለዎ 300 እሱራት እንተኾነ'ኳ፡ ሕዚ ግን ልዕሊ 1 ሽሕ እዮም ዝርከብሉ።

    ኣብታ ዓዲ፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ምኽንያት ኣብያተ ፍርዲ ስረሖም ጠጠው ኣቢሎም እዮም።

    ኣብታ ሃገር፡ ብድምር 104 ሰባት በቲ ቫይረስ እንትልከፉ፡ ዛጊድ ኣርባዕተ ሞይቶም።

  13. ጓል 17 ዓመት ግሬታ ተንበርግ፡ ንዩኒሴፍ ሓጊዛ

    ግሬታ ተንበርግ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ስዊድናዊት ተሓላቒት ኩነታት ኣየር ግሬታ ተንበርግ፣ ብሽልማት ዝረኸበቶ 100 ሽሕ ዶላር ንኤጀንሲ ጉዳይ ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት [ዩኒሴፍ] ኣወፍያ።

    እቲ ገንዘብ ንምክልኻል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ክውዕል እዩ ተባሂሉ።

    "ልክዕ ከምቲ ናይ ለውጢ ከባቢ ኣየር፡ እዚ ለበዳ ድማ ህጻናት ንሓደጋ ዘሳጥሕ እዩ" ኢላ።

    ጥሜት ንምክልኻል ዝሰርሕ ካሊእ ትካል ዳኒሽ፡ ድማ ልክዕ ክንድ'ቲ ግሬታ ዘወፈየቶ ነቲ ኤጀንሲ ኣበርኪቱ።

    ግሬታ፡ ንሓዋሩ እዚ ሕማም ንኹሎም ሕጻናት ዘጥቅዕ ምዃኑ ገሊጻ፡ ዓቕሚ ዘለዎ ኩሉ ኣብ ጎኒ ዩኒሴፍ ጠጠው ክበል ጻውዒት ኣቕሪባ።

  14. ብኲናት ሕድሕድ እትሕመስ የመን፡ ብኮሮናቫይረስ ዝሰዓበ ፈላማይ ሞት ኣመዝጊባ

    የመን

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ኣብ የመን ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ክልተ ሰባት ሞይቶም።

    እዞም ኣብ ደቡባዊ ኤደን ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ዝሞቱ ግዳያት፡ ክልቲኦም ኣሕዋት ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

    ኣስታት ሓሙሽተ ሰባት ብኮቪድ-19 ከምዝተትሓዙ መንግስቲ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

    ንልዕሊ ሓሙሽተ ዓመት ዝተኻየደ ኩናት ሕድሕድ የመን፡ ንመሓውር ጥዕና እታ ሃገር ኣልሚስዎ እዩ።

    ስለዝኾነ ድማ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምምካት፡ ዝኾነ ዓይነት ቅድመ ምድላው ከምዘይተገበረ እዩ ዝግለፅ።

    ሕማማት ሽሮኽ (ኮሌራ)፣ ዓሶ፣ ደንጊ ፌቨርን ኣብ ዝተላብዑላ የመን፡ ፍርቂ ሆስፒታላት እታ ሃገር ጥራሕ እዮም ኣብ ኣገልግሎት ዘለዉ።

    ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ መፈለምታ እዚ ወርሒ ኣብ የመን ሓደ ረኽሲ ኮሮናቫይረስ ምስተረኸበ፡ ብቕልጡፍ ክላባዕ ከምዝኽእል ምግላፁ ይዝከር።

  15. ጀርመን ኣብ መዓልቲ ኣስታት 1500 ኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሓደሽቲ ሰባት መዝጊባ

    ጀርመን

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    ጀርመን ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 1,478 ሓደሽቲ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት መዝጊባ።

    ኣብታ ሃገር ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት፡ ብዚ ደረጃ እንትዓቢ ንራብዓይ መዓልቱ እዩ።

    ብሓፈሻ፡ ኣብ ጀርመን 160 ሽሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ኾይኖም፡ መብዛሕተኦም ካብቲ ሕማም ከም ዝደሓኑ እዩ ዝግለጽ።

    ዛጊድ፡ 6,288 ጀርመናውያን በቲ ለበዳ ህይወቶም ስኢኖም።

    እቲ ክተትግብሮ ጀሚራ ዝነበረት ተሪር ኣዋጅ ዕጽዋ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙን ዘፍኮሰት እንትትኸውን፡ እዚ ብዝሒ ሓደሽቲ በቲ ቫይረስ ዝተሓዙ ሰባት ምውሳኽ ምስኡ ዝዛመድ ድዩ ኣይኮነን ዛጊድ ዝተብሃለ ነገር የለን።

  16. ስሙይ ተዋሳኢ ቶም ሃንክስ ማያዊ ክፍሊ ደሙ (ፕላዝማ) ለጊሱ

    ካብ ስሙያት ዓለም ንፈለማ ግዘ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፈ ቶም ሃንክስ፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት ንሰሙናት ተወሺቡ እዩ ፀኒሑ።

    ካብ ኮቪድ-19 ምስ ሓወየ ድማ፡ ንዝካየዱ ምርምራት ንክሕግዝ ማያዊ ክፍሊ ደሙ (ፕላዝማ) ለጊሱ ኣሎ።

    ቶም ሃንክስ ምስ በዓልቲ ገዝኡ ብስራሕ ምኽንያት ናብ ኣውስትራልያ ኣብ ዝኸደሉ እዋን እዩ፡ ብኮሮና ቫይረስ ከምዝተትሓዙ ፈሊጡ።

    ካብ ኮሮናቫይረስ ዝሓወዩ ሰባት፡ ዘመንጨውዎ ሕማም ናይ ምክልኻል ተፈጥሮኣዊ ዓቕሚ፡ ኣብዚ ኣብ ውሽጢ ደም ዝርከብ ፈሳሲ ማለት እውን ኣብ ፕላዝማ እዩ ዝርከብ።

    ብኮሮናቫይረስ ብፅኑዕ ዝሓመሙ ሰባት ድማ፡ እንተድኣ እዚ ፈሳሲ ወሲዶም ክሓውዩ ከምዝኽእሉ ተመራመርቲ ተስፋ ኣለዎም።

    Skip X post
    ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

    እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

    Warning: ቢቢሲ ኣብ ካልእ ገጻት ንዘሎ ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን።

    End of X post

  17. ዶናልድ ትራምፕ፡ ቻይና ብኮሮናቫይረስ ኣመኽንያ ኣነ ኣብ መረጻ ንክሰዓር 'ትሰርሓ ኣላ' ኢሉ

    ትራምፕ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ፕረዝደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ንዓለም ኣጨኒቑ ዘሎ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ናይ ቻይና ሽርሒ እዩ ኢሉ እዩ ዝኣምን።

    ንሱ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣብ ዝቕጽል ወርሒ ሕዳር ኣብ ዝካየድ መረፃ፡ ቤይጂንግ “ኣነ ንክኸስር ዘይትገብሮ ነገር የለን” ኢሉ።

    ትራምፕ፡ ቻይና እቲ ለበዳ ኣብ ምእላይ ክዝሕትል'ሞ ብኡ ኣቢለ ኣብቲ መረጻ ድምጺ ክስእን ኮነ ኢላ ትገብሮ ዘላ ከምዝኾነ እዩ ተዛሪቡ።

    እቲ ለበዳ ንምግታእ ቤይጂንግ ብዙሓት ኣማራፅታት ከምዝነበራ ዝሓበረ ትራምፕ፡ “ኣነ ግና ብዙሕ ምስራሕ እኽእል እየ” ኢሉ።

    ቅድም ክብል፡ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ብዝተወልዐ ንግዳዊ ኩናት፡ ትራምፕ፡ ቻይና ቀረፅ ክትኸፍል ብምግባር ኣንፃራ ድሕሪ ምስላፉ፡ ቤይጂንግ፡ ፖለቲካዊ መነሓንሕቱ ንዝኾነ ጆ ባይደን ፕረዝደንት ክኸውን ከምትደልይ፡ ገሊፁ።

  18. ኣብ ደቡብ ኮርያ ሓድሽ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ኣይተመዝገበን

    ደቡብ ኮርያ

    ምንጪ ስእሊ, European Photopress Agency

    እዚ ዜና፡ ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 900 ሓደሽቲ ረኽስታት ኮሮናቫይረስ ተመዝግብ ንዝነበረት ደቡብ ኮርያ፡ ዓብይ መቐይሮ-ነጥቢ እዩ።

    ቅድሚ ሕዚ በብመዓልቱ ብዙሓት ረኽስታት ተመዝግብ ዝነበረት ደቡብ ኮርያ፡ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ግና ዋላ ሓደ ረኽሲ ኣየመዝገበትን።

    ርግፅ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ፡ ካብ ወፃኢ ዝመፅኡ ኣርባዕተ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት፡ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ረኺባ እያ።

    እዚ ድማ ቁፅሪ ብኮቪድ-19 ናይ ዝተትሓዙ ሰባት፡ ናብ 10,765 ክብ ኣቢልዎ እዩ።

    ማእኸል ምቁፅፃርን ምክልኻልን ሕማማት እታ ሃገር፡ እዚ ብሓሙስ ዝተረኸበ መዓልታዊ ኣሃዝ፡ ኣዝዩ ዝተሓተ ከምዝኾነ እዩ ዝገልፅ።

    ምኽንያቱ ድማ፡ ኣብቶም ዝሓለፉ ልዕሊ ክልተ ኣዋርሕ፡ እታ ሃገር ስጡም ምርመራታት ብምክያድ፡ ብመዓልቲ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ሓደሽቲ ረኽስታት እያ፡ ተመዝግብ ነይራ።

    ሎማዓንቲ ድማ ዋላ ሓደ ሓድሽ ረኽሲ ኣይረኸብኩን ኢላ።

    ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እያ እቲ ኣዊጃቶ ዝነበረት ዕጽዋ ኣፍኲሳ።

    ደቡብ ኮርያ
  19. ከመይ ሓዲርኩም!

    ኣብ ናይ ትማሊ ጸብጻብና ከምዚ ኢልና ተፈሊናኩም ነይርና፡

    • ኣብ ብሪጣንያ ቊጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 26 000 ደዪቡ
    • ቀዳማይ ሚኒስተር ጊኒቢሳው ብኮሮናቫይረስ ተለኺፉ

    ቢቢሲ ትግርኛ ናይ ሎማዓንቲ ዕለተ ሓሙስ፡ ቀጥታዊ ጸብጻብ ድማ ሒዝልኩም ክቐርብ ጀሚሩ ኣሎ፤ ተኸታተሉና።

    ብሩኽ መዓልቲ ክኾነልኩም ንምነ!