እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ኣብ ኣመሪካ ሓደ ሚልዮን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተታሒዞም

ኣብ ኣመሪካ ብሰንኪ እዚ ለበዳ 58 ሽሕ ሰባት ድማ ህይወቶም ስኢኖም። እዚ ቁጽሪ ኣብቲ ምስ ቬትናም ዝተኻየደ ኲናት ካብ ዝሞቱ ዝዛይድ እዩ። ኣብ ዓለም ድማ ዛጊድ ብቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ብዝሒ 3 ሚልዮን ሓሊፍ'ሎ፤ ልዕሊ 200 ሽሕ ህይወት ሓሊፉ። ኣብ ጉዳያት እቲ ቫይረስ ኣመልኪትና ናይዚ ዕለት ዓለማውን ኣህጉራውን ምዕባለታት ኣብዚ ብቐጥታ ክነቕርበልኩም ኢና፡ ተኸታተሉና።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኣብ ብሪጣንያ ቊጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 26 000 ደዪቡ

    ኣብ ብሪጣንያ፡ ቊጽሪ ብኮቪድ-19 ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 26 097 ከም ዝበጽሐ ሰብመዚ ጥዕና ሓቢሮም።

    እቲ ቁጽሪ፡ ነቶም ካብ ሆስፒታላት ወጻኢ ዝሞቱ ግዳያት ከም ዘጠቓልል’ውን ተፈሊጡ።

    ብዙሓት ሰባት ኣብ ኣባይቶም ይኹን፡ መናበዪ ማእከላት ከም ዝሞቱ ጸብጻባት የረድኡ።

    ይኹን እምበር፡ ሕጂ’ውን እቲ ቁጽሪ፡ ነቶም እቲ ቫይረስ ከምዘለዎም ብመርመራ ዝተረጋገጸሎም ጥራይ’ዩ ዘጠቓልል። እዚ ማለት፡ ከይተፈለጡ በቲ ቫይረስ ዝሞቱ ክህልዉ ይኽእሉ’ዮም።

    መንግስቲ ኣብ መዓልቲ 100 000 መርመራታት ክገብር መደብ እኳ እንተውጽአ፡ ንመዓልቲ 52 000 ጥራዩ ክምርምር ኪኢሉ ዘሎ።

    ሚኒስተር ትምህርቲ ንፍሉይ ኮሚቲ ፓርላማ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ተዓጽየን ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ገጻት ክኽፈታ ትጽቢት ከምዘሎ ተዛሪቡ።

  2. ሰብመዚ ስጳኛ ኣብ ገማግም ባሕሪ ጸረ-ኮሮናቫይረስ ኬሚካል ምንጻጎም ይቕሬታ ሓቲቶም

    ኣብ ስጳኛ፡ ሰብመዚ ሓደ ከተማ፡ ንገምገም ባሕሪ ናይቲ መዘናግዒ (ሪሶርት) ብሊች ብዝተባህለ ኬሚካል ብምንጻጎም ይቕሬታ ሓቲቶም።

    መንግስቲ ቆልዑ ንሓደ ሰዓት ንደገ ክወጹ ቅድሚ ምፍቃዱ፡ ሰብመዚ፡ ዛሃራ ደ ሎስ ኣትዩንስ፡ ቆልዑ በቲ ቫይረስ ከይልከፉ ብምባል፡ ንኣስታት 2 ኪሜ ዝበጽሕ ገምገም ባሕሪ ብትራክተር ነጺጎም።

    ተጣበቕቲ ኣከባቢ፡ እቲ ተግባር፡ ኣብ ስርዓተ-ማሕድሮ ናይቲ ከባቢ (ኢኮሲስተም) “ከቢድ ሃስያ” ዘውረደ’ዩ ክብሉ ነቒፎም።

    እቲ ገማግም፡ ሳገምቲ ኣዕዋፍ ዝፋረያሉ ሓለዋ ዝግበረሉ ምዃኑ እቶም ተጣበቕቲ ይዛረቡ። ድሮ እቲ ዝተነጽገ ኬሚካላዊ ፈሳሲ፡ሓደጋ ከስዕብ ጀሚሩ’ሎ ኢሎም።

    ስጳኛ፡ ካብተን ብለበዳ ኮቪድ-19 ኣዝየን ዝተሃስያ ሃገራት ኮይና፡ ኣስታት 24 ሽሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ሞይቶም ኣለዉ።

    ኣብዚ ቀረባ እዋን ብዝተራእየ ተስፋ፡ ኣብ ኣርባዕተ ገጻት ዝትግበር

  3. ዓለምለኻዊ ማዕከን ገንዘብ ንናይጀርያ ናይ 3.4 ቢልዮን ዶላር ህጹጽ ባጀት ኣፍቂዱ

    ዓለምለኻዊ ማዕከን ገንዘብ (IMF) ነቲ ናይጀርያ ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምምካት ትገብሮ ዘላ ጻዕሪ ንምድጋፍ ህጹጽ ባጀት ኣፍቂዱ።

    እቲ ብቦርድ ናይቲ ትካል ዝጸደቐ 3.4 ቢልዮን ዶላር፡ እቲ ዝዓበየ ንሃገራት ዝተዋህበ ህጹጽ ልቓሕ ምዃኑ ተገሊጹ።

    ናይጀርያ፡ ብሰንኪ ምንቁልቋል ዋጋ ነዳዲ፡ ባጀታዊ ሕጽረት ኣጋጢምዋ ከምዘሎን፡ እዚ ገንዘብ ሂወት ኣብ ምድሓን ይኹን ናይ መነባብሮ ውሕስነት ንምርግጋጽ ዓቢ ኣበርክቶ ክገብር ትጽቢት ይግበረሉ።

    ላዕለዋይ ባይቶ ናይጀርያ፡ ብወገኑ፡ ፕረዚደንት ሙሃማዱ ቡሃሪ፡ ካብ ባንክታት እታ ሃገር ኣስታት 2.2 ቢልዮን ዶላር ክልቃሕ ኣፍቂዱሉ’ሎ።

  4. ቀዳማይ ሚኒስተር ጊኒቢሳው ብኮሮናቫይረስ ተለኺፉ

    ቀዳማይ ሚኒስተር ጊኒቢሳው ኑኖ ጎምዝ ናቢኦምን ሰልስት ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራት እታ ሃገርን ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኸፉ ተገሊጹ።

    ሚኒስተር ጥዕና እታ ሃገር፡ ቀዳማይ ሚኒስተርን እቶም ኣባላት ካቢነን ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኸፉ ትማሊ ምስ ተረጋገጸ ኣብ ሆቴል ንበይኖም ተወሺቦም ከምዘለዉ ሓቢሩ።

    ክሳብ ሕጂ ኣብታ ሃገር 70 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ እንከለው ሞት ሓደ ሰብ ድማ ተመዝጊቡ።

  5. ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ መርዓ ብዝተፈንጀረ ቦንባ ዝሰዓበ ሞት

    ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ወረዳ እናርጅ እናውጋ ቀበሌ እናርጅ ሲማ ትማሊ ኣብ መርዓ ብዘጋጠም ምፍንጃር ቦንባ ክልተ ሰባት ሞይቶም።

    በቲ ምፍንጃር ናይ ቡንባ ኣርባዕተ ከቢድ ካልኦት ኣርባዕተ እውን ፎኲስ መውጋእቲ ከም ዘጋጠሞም ኣብ ወረዳ እናርጅ ኣናውጋ ሓላፊት ቤት ጽሕፈት መንግስታዊ ርክባት ወይዘሮ ጥሩሴት መንግስቱ ንቢቢሲ ሓቢራ።

    ሓደ ካብቶም ዝሞቱ ነቲ ቡንባ ሒዞዎ ከምዝነበረን እዚ ግለ ሰብ ቤተሰብ እቶም ዝምርዓዉ እዩ።

    ወይዘሮ ጥሩሴት እዚ ሓደጋ ናይ ኣጋጣሚ'ምበር ብዕላማ ዝተገበረ ከምዘይኮነ'ውን ሓቢራ።

    እቶም በቲ ሓደጋ ኣካላዊ መጉዳእቲ ዝበጽሖም ሸሞት ሰባት ኣብ ሕክምና ይእለዩ ከምዘለዉ ተገሊጹ ኣሎ።

    መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝርገሐ ኮሮናቫይረስ ንምግታእ ካብ ኣርባዕተ ንላዕሊ ሰባት ከይእከቡ ኣብ ዝኣወጀሉ'ዩ እዚ ሓደጋ ዘጋጥም ዘሎ።

  6. ኣብ ትግራይ አብ መወሸቢ ማእከል ዝጸንሑ 164 ሰባት ናብ ስድርኦም ተፋንዮም

    ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ክትትል ሕክምና ክግበረሎም ካብ ዝፀንሑ 467 ተጉዓዝቲ እቶም 164 ምልክታት እቲ ሕማም ስለዘይተርኣዮም ናብ ቤተሰቦም ተላኢኾም።

    ሓደጋ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ብብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝወፀ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ስዒቡ ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ን467 ተጉዓዝቲ ኣብ ማእኸላት መወሸቢ ግልጋሎት ሕክምና ይህብ ኣሎ፡፡

    ክሳብ ሐዚ 164 ተጉዓዝቲ ኣብ ናይ 14 መዓልቲታት ፃንሒቶም ዝኾነ ይኹን ምልክት ቫይረስ ኮሮና ስለዘየርአዩ ናብ ቤተሰቦም ተሰንዮም ኣለዉ፡፡

    ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ኣብ ሜላታት ምክልኻል ቫይረስ ኮሮና ግንዛበ ሕብረተሰብ ኣብ ምዕባይ፣ ምጥያሽ ግዝያዊ ማእኸል ሕክምናን ኣብ ቀፅርታት ኣክሱም፣ ሽረን ዓድዋን ግልጋሎት ምዉሻብን ይህብ ኣሎ፡፡

    ኣብ ትግራይ ካብ መቐለ ብተወሳኺ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ካልአዋይ ማእኸል ምርመራ ኮሮናቫይረስ ቀፃሊ ሰሙን ስርሑ ከምዝጅምር ፕረዚደንት ዩኒቨርስቲ ኣኽሱም ዶ/ር ኪሮስ ጉዕሽ ገሊፁ። ነቲ ምርመራ ዘካይዱ ኣርባዕተ ሰብ ሞያ ኣብ ስልጠና ይርከቡ።

  7. ቁጠባ ኣሜሪካ ብ4.8 ሚእታዊት ከምዘንቆልቆለ ተገሊጹ

    ኣብታ ዝርገሐ ኮሮናቫይረስ ንምግታእ ኣብ ዝበዝሓ ግዝኣታታ ናይ ምንቅስቓስ እገዳ ኣንብራ ዘላ ኣሜሪካ፡ ቁጠባኣ ብ4.8 ሚእታዊት ከምዘንቆልቆለ ተገሊጹ።

    እዚ ኣብታ ሃገር ድሕሪ እቲ ኣብ 2014 ዝተራእየ ቁጠባዊ ምሩኽማሽ እቲ ዝኸፈአ ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።

    እዚ ሎሚ ዝወጽአ ጸብጻብ 26 ሚልዮን ካብ ህዝቢ እታ ሃገር ስራሕ ኣልቦ ኮይኑ ከምዘሎ እዩ ዝሕብር።

    በዚ መሰረት ቁጠባዊ ዕቤት እታ ሃገር ካብቲ ክኸዶ ዝጸንሐ ምረሻ ብ30 ሚእታዊት ክጽሎ ከምዝኽእል ኸኣ እቲ ዝወጽአ ጸብጻብ ይሕብር።

    ክኢላ ስነ ቁጠባ ማርክ ዛንዲ፡ ቁጠባ ኣሜሪካ ብሓፈሻ ኸኣ ቁጠባ ዓለም ካብ ትጽቢት ውጻኢ ብዝኾነ ፍጥነት ንድሕሪት የንቆልቁል ከምዘሎ ገሊጹ።

    ኮሮናቫይረስ ቅድሚ ምምጽኡ ኣብ ዝተገበር ቅማረ፡ ቁጠባ ኣሜሪካ ኣብዚ ዓመት እዚ ብ2 ሚእታዊት ዕቤት ከርኢ'ዩ ግምት ተዋሂብዎ ነይሩ።

  8. ኣብ ዓባይ ብርጣንያ ናብ ሕክምና ካብ ዝኣተዉ እቶም ሓደ መሰለስ ሞይቶም

    ኣብ ዓባይ ብርጣንያ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ናብ ሆስፒታል ካብ ዝኣተዉ እቶም ሓደ መሰለስ ከምዝሞቱ ተገሊጹ።

    እዚ ነዚ ዝሓበረ ኣብታ ሃገራ ኣጋጢሞ ዘሎ ዝርገሐ ኮሮናቫይረስ መጽናዕቲ ዝገብር ዘሎ ጉጅለ ኮይኑ፡ እቲ መጽናዕቲ ካብቶም ናብ ሕክምና ዝኣተዉ ትሕቲ ፈርቒ ጥራይ ምሉእ ንምሊእ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ከምዝተፋነዉ ይጠቅስ።

    ካብቶም ናብ ሕክምና ዝኣተዉ እቶም ሓደ መሰለስ ከምዝሞቱን ዝተረፉ ድማ ገና ሕክምናዊ ናብዮት ይግበረሎም ከምዘሎ እቲ መጽናዕቲ ዘካይደ ጉጅለ ይሕብር።

    ኣብ ዩኒቨርስቲ ሊቨርፑል ፕሮፌሰር ካልም ሴምፕል ኮቪድ-19 ዳርጋ ከም ኢቦላ ቀታሊ ይኸውን ከምዘሎ ብምሕባር፡ ብኢቦላ ሓሚሞም ናብ ሆስፒታል ካብ ዝኣተዉ እቶም 40 ሚእታዊት ከምዝሞቱ ይጠቕስ።

    "እዚ ሕማም [ኮቪድ-19] ኣዝዩ ሓደገኛ'ዩ ሰባት ነዚ ክሰምዕዎ ኣለዎም" ኸኣ ይብል።

    ኣብ 166 ሆፒታላት፡ ኣብ 17 ሽሕ ሕሙማት ዝተገበረ እዚ መጽናዕቲ፡ ንሞት ካብ ዘቃልዑ ቀንዲ ምኽንያታት እርጋንን ምኽሳዕን ምዃኖም የረድእ።

    እቲ መጽናዕቲ ካብቶም ዝሞቱ እቶም ዝበዝሑ ደቂ ተባዕትዮ ምዃኖም'ውን ጠቂሱ ኣሎ።

  9. ህጻናት ብኸመይ ንኮቪድ-19 ከምዝስዕርዎ እትትርኽ ናይ ትግርኛ መጽሓፍ

    ኮቪድ-19 ንምክልኻል ዝጠቕሙ ሜላታት እናተባሃሉ ብተደጋጋሚ ብሰብ ሞያ ጥዕና መምርሒታት ይውሃቡ እዮም።

    እንተኾነ፡ እቲ ዝውሃብ መምርሒታት ብዕድም ዘይበሰሉ ህጻናት ብዘይሓገዝ ወለዶም ወይ ኣለይቶም ከተግብርዎ ኣጸጋሚ እዩ።

    ዝርገሐ እቲ ኮሮናቫይረስ ብመንጽር ዕድመ ክረአ እንከሎ ኣብ ህጻናት ዝተሓተ እኳ እንተኾነ ሻቕሎት ዘይፈጥር ግን ኣይኮነን።

    ኣብ ኣሜሪካ ካብቶም ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ዘለዉ እቶም 2 ሚእታዊት ትሕቲ 18 ዓመት፡ ኣብ ቻይና 2.2 ሚእታዊት ትሕቲ 19 ዓመት፤ ኣብ ጣልያን 1.2 ትሕቲ 18 ዓመት ከምኡ ድማ ኣብ ስጳኛ 0.8 ትሕቲ 18 ዓመት ምዃኖም ጽብጽብ ውድብ ጥዕና ዓለም ይሕብር።

    ነዚ ስክፍታ እዚ ንምብታኽ ኸኣ ኣካል ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ 'ኢንተር ኤጄንሲ ስታንዲንግ ኮሚቴ' ብዝብል ስም ዝጽዋዕ ጨንፈር ብኣላይነት ኣብ ሰብኣዊ ምትሕግጋስ ዝነጥፋ ከም ውድብ ጥዕና ዓለም ከምኡ እውን ዓለማዊ ፕሮግራም መግቢ ዝኣመሰላ ዘቆመኦ ኮሚቴ 'ህጻናት ብኮቪድ-19 ዝስዕብ ፍርሒ ንኽስዕርዎ ዝሕግዝ' ዝበሎ መጽሓፍ ብምድላው ናብ ኩልን ሃገራት ከምትባጻሕ ይገብር ኣሎ።

    እዚ ብስእላዊ መግለጺ እተሰነየት መጽሓፍ ብእንግሊዛዊት ሄለን ፓቱክ ዝተጻሓፈት ኮይና ዛጊት ናብ 30 ቋንቋታት ተቶርጒማ ኣላ። ኣባል ማሕረሰብ ሕጊ ኤርትራውያን ዶክተር ዳንኤል ረዘነ ኸኣ ናብ ትግርኛ ተርጒምዋ ኣሎ።

  10. ኣብ እስራኤል ዝሰርሑ ፍሊስጤማውያን ኣብ ከቢድ ሽግር ከምዘለዉ ገሊጾም

    ልዕሊ 100 ሽሕ ዝኾኑ ፍሊስጤማውያን ኣብ እስራኤል ዝርከብ ሰፍራታት ጽቡቕ መሃያ እናተኸፈሉ ይሰርሑ ነይሮም።

    ክሳብ ሕጂ 326 ፍሊስጤማውያን ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኸፉ ተገሊጹ ኣሎ፡ ካብዞኦም ኸእ እቶም ዝበዝሑ ኣብ እስራኤል ዝሰርሑ ዝነበሩ እዮም።

    መንግስቲ ፍሊስጤም እዞም ኣብ ሰፍራታት እስራኤል ዝስርሑ ፍሊስጤማውያን ንክልተ ሳምንታት ምስ ሰብ ከይተራኸቡ ነብሶም ውሺቦ ክጸንሑ እዩ ሓቢሮም ዘሎ፡ በዚ ኸእ ኩሎም እቶም ኣብ ሰፈራታት እራኤል ዝሰርሑ ፍሊስጤማውያን እዚ ውሳነ እዚ ብኣልማማ ንኹሎም ምውሳኑ ኣብ ናብርኦም ከቢድ ሽግር ፈጢርሎም ከምዘሎ እዮም ዝዛረቡ።

    ወተሃደራት እስራኤል እውን ነዞም ሰራሕተኛታት ናብቲ ዝሰርሐሉ ዝነበሩ ሰፈራታት ከይኣትዊ ብጽኑዕ ሓለዋ ይኽልክልዎም ስለዘለዉ ተደራቢ ጸገም ኮይንውም ከምዘሎ እዮም እዞም ሰራሕተኛታት ዝሕብሩ።

  11. ልዕሊ 1.5 ቢልዮን ሰባት ህይወቶም ዝመርሑሉ ስራሕ ክስእኑ ይኽእሉ እዮም

    ኣብ ዓለም ልዕሊ 1.5 ቢልዮን ዝኾኑ ሰራሕተኛታት፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ መነባብሮ ክጽገሙ ከም ዝኽእሉ ዓለምለኻዊ ውድብ ዕዮ ኣጠንቂቑ።

    ኣብ መላእ ዓለም፡ ልዕሊ 3.1 ሚልዮን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ እንከለው፡ ዛጊት ኣስታት 220,000 ሞይቶም ኣለዉ።

    ብፍላይ እቶም ኣብ ከም ሸቐጥ፡ ሰንዓን ኣገልግሎት መግብን ዝኣመሰለ ዘይስሩዕ ኩነታት ስራሕ ዘለው፡ ዝያዳ ዝተቓልዑ ምዃኖም ዓለምለኻዊ ውድብ ዕዮ ገሊጹ።

    ድሮ ኣብ ዘይስሩዕ ስራሓት ዝተዋፈሩ 2 ቢልዮን ሰራሕተኛታት፡ ኣብቲ እቲ ለበዳ ፈለማ ኣብ ዞባታቶም ዝተርኣየሉ ወርሒ፡ ኣታዊታቶም ብ60% ከንቆልቁል ተራእዩ'ዩ።

    "ብሚልዮናት ንዝቑጸሩ ሰራሕተኛታት፡ ኣታዊታቶም ኣቋሪጹ ማለት፡ ዝብላዕ የብሎም፡ ውሕስነት የብሎም፡ መጻኢ'ውን የብሎምን ማለት እዩ። ብኣሽሓት ዝቑጸራ ዋኒናት ኣብ ሓደጋ እየን ዘለዋ" ይብል ዳይሬክተር ጀነራል እቲ ውድብ ጋይ ራይደር።

    ጋይ ራይደር ብምስዓብ "ንውህለላን ልቓሕን'ውን ዕድል የብሎምን። እቲ ሓቀኛ ምስሊ ናይ ስራሕ ዓለም እዚ እዩ። ሕጂ እንተዘይሓጊዝናዮም፡ ክጠፍኡ እዮም" ኢሉ።

  12. ናይጀርያ ክንድቲ ዝግባእ መርመራ ኮሮናቫይረስ ክትገብር ኣይከኣለትን

    ኣብ ናይጀርያ ሓላፊ ምክልኻል ተላባዕቲ ሓማማት ዶክተር ቺክዌ ሃገሩ መመርመሪ ኮሮናቫይረስ ክትድጎም ጻውዒት ኣቕሪቡ።

    ዶክተር ቺክዌ ብትዊተር ኣብ ዘቕረቦ ጻውዒት "ሰፊሕ መርመራ ኮሮናቫይረስ ንገብር ስለዘለና ኣርኤንኤ (ንመመርመሪ ዝኸውን ባእታ) ከምኡ'ውን ንመርመሪ ዝኾኑ መሳርሒታት የድልዩና ኣለዉ" ኢሉ።

    እታ 200 ሚልዮን ዝኸውን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ናይጀርያ ክሳብ ሕጂ 11 ሽሕ ጥራይ'ያ ክትምርመር ክኢላ ዘላ፡ ካብዚኦም ኸኣ እቶም 1500 እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም።

    ብኣንጻሩ እታ 60 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ደቡብ ኣፍሪቃ 185 ሽሕ ሰብ መርሚራ ኣላ፡ እታ 114 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ኢትዮጵያ'ውን ክሳብ ሕጂ 15 ሽሕ ሰባት መርሚራ ኣላ።

  13. ስዊዘርላንድ ህጻናት ምስ ኣርጋውያን ክተሓቋቆፉ ኣፍቂዳ

    ስዊዘርላንድ ኮሮናቫይረስ ንምግታእ ይሕግዙ'ዮም ኢላ ካብ ዝወሰነቶም ውሳነታት ኣርጋውያን ምስ ህጻናት ከይራኸቡ ዝኽልክል ሕጊ ይርከቦ።

    እዚ ውሳነ እዚ ንስምዒት ብዙሓት ዝተንከፈ ውሳነ ኮይኑ'ዩ ጸኒሑ።

    እታ ሃገር እቲ ኣብ ምንቅስቓስ ኣንቢራቶ ዝነበረት እገዳ በብቑሩብ ተላሕልሖ'ያ ዘላ፡ ጎኒ ጎኒ እዚ ትሕቲ ዓሰርተ ዝዓመቶም ህጻናት ምስ እኖሓጎታቶምን ኣቦሓጎታቶምን ክተሓቋቆፉ ከምዝኽእሉ ዝሕብር ብስራት ወሲኻትሉ ኣላ።

    ኣብ ስዊዘርላንድ ክሳብ ሕጂ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ 1699 ሰባት ሞይቶም ኣለዉ።

  14. ኣብ ሞሮኮ ብኣማኢቲ ዝቑጸሩ እሱራት ብኮሮናቫይረስ ተጠቒዖም

    ኣብ ሞሮኮ ልዕሊ 300 ዝኾኑ እሱራት ኮሮናቫይረስ ተረኺብዎም።

    እዚ ዝኾነ፡ ብኣልማሚት እሱራት እታ ሃገር ኣብ ዝተመርመርሉ እዋን እዩ።

    ሰብ ስልጣን እታ ሀገር ከምዝብልዎ፡ ኣብ ሓደ ኣብ ማእኸላይ ሞሮኮ ኣብ ዝርከብ ሓደ ቤት ማእሰርቲ ጥራሕ 300 እሱራት በቲ ቫይረስ ተታሒዞም ተረኺቦም።

    ዓሰርተ ድማ ኣብ ካሊእ ቤት ማእሰርቲ እዮም በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙ ተረጋጊጹ።

    እዚ ኣልማሚት ምርመራ ዝተጀመረ፡ ሓደ እሱር እቲ ቫይረስ ምስተረኸቦ ስዒቡ እዩ።

    እቶም ሰበስልጣን ከምዝብልዎ፡ እቶም እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም እሱራት ንበይኖም ክውሸቡ ተገይሩ ኣሎ።

    ኣብታ ሃገር ዳርጋ 80 ሽሕ እሱራት ተዳጒኖም ከምዝርከቡ እዩ ዝዝረብ።

    እንተኸነ፡ ንጉስ እታ ሃገር፡ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሚያዝያ፡ ዝርገሐ እዚ ቫይረስ ንምንካይ ፡ ልዕሊ 5654 እሱራት ብምሕረት ፈቲሑ ነይሩ።

    ኣብ ሞሮኮ፡ ዛጊድ 4252 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ኾይኖም፡ 165 ድማ ሞይቶም።

    • ኢትዮጵያዊ ዶክተር፡ ኣብ ኣትላንታ ጆርጂያ ኮቪድ-19 ብናፃ ዝምርምር ክሊኒክ ኸፊቱ

      ኣብ ኣትላንታ ክላርክስተን ኣብ ዝበሃል ቦታ፡ ምርመራ ኮሮናቫይረስን ካልኦት ሕክምናን ብዘይክፍሊት ዝህብ ክሊኒክ ከምዝተዳለወ ኢትዮጵያዊ ዶ/ር ደራራ ጢሞቲዎስ ንቢቢሲ ገሊፁ።

      ኤትኔ ዝብል ስም ዝተውሃቦ እዚ ክሊኒክ፡ ዝኾነ ኣብ ከባቢ ኣትላንታ ዝነበር መድሕን ጥዕና ዘለዎን ዘይብሉን ሰብ፡ ኣገልግሎት ሕክምና ብዘይክፍሊት ክረክብ ከምዝኽእል ሓቢሩ።

      ንዝሓለፉ 13 ዓመታት ኣብ ኣሜሪካ ዝነበረ ዶ/ር ደራራ ጢሞቲዎስ፤ ኣብ ቀረባ እዋን እዩ ዜግነት ኣሜሪካ ረኺቡ።

      ቅድሚሕዚ ኣብ ግዝኣት ጆርጂያ ኣብ ጥቓ ከተማ ኣትላንታ ኣብ ትርከብ ከተማ ክላርክስተን፡ ኣባል ባይቶ ንምዃን ተወዳዲሩ ነይሩ።

      ከተማ ክላርክስተን 13 ሽሕ ሰባት ዝነብሩላ ንእሽተይ ከተማ ከምዝኾነት ዝዛረብ ዶ/ር ደራራ፡ መብዛሕትኦም ነበርቲ ስደተኛታት ከምዝኾኑ እዩ ዝገልፅ።

      ሙሉእ ዛንታ ኣብዚ ተወከሱ።

    • ኣብ ብራዚል ብዝሒ በኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት፡ ካብ ኣብ ቻይና ዝሞቱ ዛይዱ

      ኣብ ብራዚል ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት 5 ሽሕ በጺሑ።

      ሚኒሰተር ሓላዋ ጥዕና ብራዚል ከምዘፍለጦ፡ ኣበቭ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 474 ሰባት ምሟቶም ስዒቡ፡ እቲ ቁጽሪ መወትቲ ልዕሊ 5 017 በጺሑ።

      ናይቲ ቫይረስ መንቀሊ ዝኾነት ቻይና፡ 4 633 ሰባት እያ ስኢና።

      ኣብ ላቲን ኣመሪካ ካብ ዘለዋ ሃገራት ብኮሮናቫይረስ ዝያዳ ዝተሃሰየት ብራዚል፡ ዛጊድ ኣብታ ዓዲ 72 ሽሕ በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙ ተረጋጊጹ እዩ።

      ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣዋጅ ዕጽዋ ተቓዊሞም ምስ ዝወጽኡ ሓቢሩ ተቓውሞ ዘስመዐ፡ ፕረዚደንት እታ ሀገር መዘራረቢ ኾይኑ ቀንዩ ነይሩ።

      ካብዚ ሓሊፉ እቲ ፕረዚደንት፡ "እዚ ሕማም'ኮ ቀሊል ሰዓል እዩ" ዝብል ርእይቶ ምሃቡ ዝዝከር ኮይኑ፡ እቲ ዘረብኡ ዘይግቡእ ተባሂሉ ተኾኒኑ እዩ።

    • ኣባላት ባይቶ ኡጋንዳ ንጉዳይ ኮሮናቫይረስ ዝተበጀተ ነንርእሶም ተማቒሎምዎ

      ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ኡጋንዳ፡ ብዛዕባ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ግንዛበ ንምፍጣር ዝተበጀተ 2.6 ሚልዮን ዶላር፡ እዮም ነንርእሶም ተማቒሎም።

      ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዮዌሪ ሙሴቬኒ፡ እቶም ኣባላት ባይቶ፡ እዚ በታ ናይታ ዓዲ ባጤራ 10 ቢልዮን ዝግመት ገንዘብ፡ ንዘባኸኑ ኣባላት ወቒሱ።

      ኣብ ከከባቢኦም ንዘለዉ ኮሚተታት ግብረ ሓይሊ ሂቦም ኣብ ሕብረተሰብ ግንዛበ ክፍጠር ዝተሓሰበ ገንዘብ፡ ነንርእሶም ተኸፋፊሎም ከባኽንዎ ምርኣይ፡ ዓብዪ ናይ ሞራል ውድቀት ኢልዎ።

      "ምስታ ኣፈ ጉባኤ ብኸምኡ ኢና ተዘራሪብና ነይርና። ሕዚ ድማ እተን ዘጥፍእዎን ገንዘብ ከወልድዎን ኣለዎም" ኢሉ፡ ፕረዚደንት ሙሴቬኒ።

      እቲ ፕረዚደንት ዛጊድ እቲ ገንዘብ፡ ኣብ ምንታይ ከምዝወዓለ ኦዲተር ጀነራልከጻርዮ ትእዛዝ ከምዝጽሕፍ ድማ ኣፍሊጡ።

      ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓደ ኣባል እቲ ባይቶ ኣመራርሓ ተቓዋሚ፡ ንዘወከሎም ከባብታት መግቢ ገዚኡ ዝዓደለ እንትኸውን "ካብ መምርሒ ወጺኻ" ተባሂሉ ተኣሲሩ እዩ።

      ኡጋንዳ ዛጊድ 79 ሰባት በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ኾይኖም፡ ኣብ 5 ጉንበት ዝውዳእ ኣዋጅ ዕጽዋ ወሲና ኣላ።

    • ማላዊ ብኮሮናቫይረስ ንዝተሃሰዩ ስድራታት ገንዘባዊ ሓገዝ ክትገብር እያ

      ፕረዚደንት ማላዊ ፒተር ሙታሪካ፡ በዚ ለበዳ ኣዝዮም ንዝተጥቕዑን ዝተሃሰዩን ዜጋታት ገንዘባዊ ሓገዝ ከምዝገበር ኣፍሊጡ።

      እዚ ኣብ ወርሒ ጉንበት ክጅመር እዩ ዝተብሃለ መደብ ረድኤት፡ ንዚ ሓገዝ ዝተመልመለ ሓደ መራሒ ስደራ ወርሓዊ 47 ዶላር ክረክብ እዩ።

      እዚ ውሳነ፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር፡ እቲ መንግስቲ ቅድም ክብል ኣዊጅዎ ዝነበረ ናይ ሰለስተ ሰሙን ኣዋጅ ዕጽዋ ከየናውሕ ምስ ከልከሎ ስዒቡ ዝመጽአ እዩ።

      በቲ መደብ ረድኤት፡ ኣስታት ሓደ ሚልዮን መራሐዕቲ ስድራ ተረባሐዕቲ ክኾኑ እዮም ተባሂሉ።

      ማላዊ፡ ኣብ መጻኢ ወርሒ ፕረዚደንታዊ መረጻ ክትገብር እናተዳለወት ትርከብ።

      ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኻየደ መረጻ፡ በኣጻራዪ ሕ ገ መንግሰቲ ውድቂ ከምዝተገብረ ዝዝከር እዩ።

    • ብኮሮናቫይረስ ንዝሞቱ ሰባት ብኽብሪ ዝቐብር ውልቀሰብ

      ዓብዱል ማልባሪ፡ ንሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት፡ ሓባሪ ዝሰኣኑ ሬሳታት ቀቢሩ እዩ።

      ሓደ መዓልቲ ስድራ ንዘለዎም መወትቲ ክቐብር እየ ኢሉ ሓሲቡ ኣይፈልጥን።

      ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንስድርኦም ክሰናበቱን ክቐብሩን ንዘይኸኣሉ ግና፡ በብመዓልቱ ይቐብር ኣሎ።

      ወዲ 51 ዓመት ዓብዱል ማልባሪ፡ “ስረሐይ ዝተወሰነ ሰዓት የብሉን፤ ዝሞተ ሰብ ኣሎ ኢሎም እንተደዊሎምለይ፡ ምኻድ እዩ” ይብል።

      መወትቲ ምቕባር፡ ንዓብዱል ልዕሊ ስራሕ እዩ፤ ንዘይፈልጦም መወትቲ ኣዝዩ እዩ ዝሓዝን፤ ከም ቤተሰብን ኣዝማድን ኮይኑ ድማ ብኽብሪ ይቐብሮም።

      ቅድሚ ሰላሳ ዓመታት ናብዚ ስራሕ ክኣትው ዝገበሮ፡ ንሰብኣውነት ዝህቦ ቦታ እዩ፤ ንዕኡ ሰብ ምዃን ጥራሕ እኹል እዩ።

      ኣብ ግዝኣት ጉጅራት ከተማ ሱራት፡ ሰባት ብኮሮናቫይረስ እንትሞቱ፡ ሰብመዚ ህንዲ፡ ንዓብዱል ማልባሪ እዮም ዝድውልሉ።

      ኣብታ ከተማ ዛጊድ 19 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ሞይቶም እዮም፤ 244 ድማ በቲ ቫይረስ ተለኺፎም።

      ኣብ ግዝኣት ጉጅራት ድማ፡ 3548 ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙ ተረጋጊፁ እዩ።

      ሙሉእ ዛንታ ኣብዚ ኣንብቡ።

    • ቬትናም፡ ንተኸታታሊ 13 መዓልታት፡ ብኮሮናቫይርስ ዝተትሓዘ ሰብ ከምዘይረኸበት ኣፍሊጣ

      ቬትናም፡ ንተኸታታሊ 13 መዓልታት፡ ብኮቪድ-19 ዝተትሓዘ ሰብ ከምዘይረኸበት ኣፍሊጣ።

      ካብ 95 ሚልየን ህዝባ፡ 270 ሰባት ጥራሕ ብኮሮናቫይረስ ከምዝተትሓዙ ዘረጋገፀት ቬትናም፡ ዛጊድ በዚ ቫይረስ ዝሞተ ሰብ የብላን።

      ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ዌንሽዋን ፉክፕ፡ ሃገሩ ነቲ ቫይረስ ትምክቶ ከምዘላ ብምግላፅ፡ ሕዚ እውን ግና ዜጋታት ክጥንቀቑ ኣገንዚቡ።

      ዋላእኳ ቬትናም ከም ሃገራት ጀርመንን ደቡብኮርያን ሰፊሕ ምርመራ ኮሮናቫይረስ እንተዘየካየደት፡ እቲ ቫይረስ ገና ኣብ ቻይና ምስተርኣየ፡ ዶባታ ብምዕፃው ናይ ምክልኻል ስጉምቲ እያ ወሲዳ ።

      ኣብ ኩሎም ግዝኣታታ ዕፅዋ ኣንቢራ ዝፀንሐት፡ ብሓደ ኮምዩኒስት ውድብ ትመሓደር ቬትናም፡ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ንነዘ ግና ተነቢሩ ዝፀንሐ ገደብ ምንቅስቓስ ክተፍኩሶ ጀሚራ ኣላ።