ኣብ ኣሜሪካ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት 1 ሚልየን በፂሑ
ኣብ ሒደት ኣዋርሕ ጥራሕ ዝተመዝገበ እዚ ረኽሲ፡ ኣብ መላእ ዓለም ብኮሮናቫይረስ ካብ ዝተለኸፉ ጠቕላላ ብዝሒ፡ እዚ 1/3 እዩ።
ብኮቪድ-19 ዝሞቱ ኣሜሪካውያን ድማ፡ ልዕሊ ኣብ ኩናት ቬትናም ዝሞቱ ኣሜሪካውያን በፂሑ ኣሎ።
ኣብ ኩናት ቬትናም፡ ኣብ ዳርጋ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት 58,220 ኣሜሪካውያን እዮም ሞይቶም።
ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ግና፡ ሃገሮም ኣብ መዓልቲ 5 ሚልየን ምርመራታት ክተካይድ ምዃና ገሊፁ።
ኣብታ ኣስታት 330 ሚልየን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ኣሜሪካ፡ ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ 5.7 ሚልየን ሰባት ጥራሕ እዮም፡ ምርመራ ኮሮናቫይረስ ተገይርሎም።
ይኹን’ምበር ትንቢቱ ትስፉው ከምዝኾነ እዮም፡ ፀብፃባት ዝገልፁ፤ ኣሜሪካ ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ኣብ መዓልቲ 200 ሽሕ ሰባት እያ ትምርምር ዘላ እሞ።