ሓድሽ ዜና, ዓለምለኻዊ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ናይ ዝሞቱ ሰባት ካብ 100,000 ዛዪዱ
ካብ ዩኒቨርስቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ዝተረኽበ ሓበሬታ ከም ዘነጽሮ ኣብ መላእ ዓለም
ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ቁጽሪ 100,376 በጺሑ ኣሎ።
ካብዚ ቁጽሪ ዝበዝሐ ካብ ጥልያን ክኸውን ከሎ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ስፓኛን ይስዕባ ኣለዋ።
እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
እቲ ውልቀሰብ፡ ወዲ 72 ዓመት ምዃኑን፡ በረራተት ቅድሚ ምእጋዱ ናብታ ሃገር ከም ዝኣተወን እቲ መግለጺ ጠቒሱ። ነዚ ዝምልከትን ካልኦት ምዕባለታት ኮሮናቫይረስን ብቐጥታ ንምክትታል በዚ ገጽ ሰዓቡና።
ካብ ዩኒቨርስቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ዝተረኽበ ሓበሬታ ከም ዘነጽሮ ኣብ መላእ ዓለም
ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ቁጽሪ 100,376 በጺሑ ኣሎ።
ካብዚ ቁጽሪ ዝበዝሐ ካብ ጥልያን ክኸውን ከሎ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ስፓኛን ይስዕባ ኣለዋ።
ኣብ ኤርትራ ሓደ ተወሺቡ ዝጸንሐ ሰብ ብኮሮናቫይረስ ምልካፉ ከም ዝተረጋገጸ ሚኒስትሪ ጥዕና ሕጂ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
እቲ ውልቀሰብ፡ ወዲ 72 ዓመት ምዃኑን፡ በረራተት ቅድሚ ምእጋዱ ናብታ ሃገር ዝኣተወ ምዃኑ’ውን እቲ መግለጺ ጠቒሱ።
ነዚ ሓዊሱ፡ ድምር ቁጽሪ ዝተለኽፉ 34 በጺሑ’ሎ።
ብሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ መንግስቲ ሊብያ ሓደ ካብቶም ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ዝርከቡ ቀንዲ ሆስፒታላት፡ ብተደጋጋሚ ዕላማ ናይ ደብዳብ ይኸውን ብምህላው ኣገልግሎቱ ከቋርጽ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ሆስፒታል ኣልኻርዳ፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልትታት ብሓሙስ ንሳልሳይ ጊዜ ከም ዝተሃረመ ሰብ መዚ ጥዕና ኣፍሊጦም።
ኣብ ፈለማ ናይዚ ሰሙን፡ ኣወሃሃዲ ሰብኣዊ ሃገዛት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሊብያ፡ ያቆብ ኤል ሂሎ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምስቲ ኣብ ልዕሊ'ቲ ሆስፒታል ዝግበር መጥቃዕቲ ተወሲኹ ሓደገኛ ከም ዝኸውን ኣጠንቂቑ እዩ።
ንሱ ነቲ ደብዳብ “ንጹር ግህሰት ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ ሕጊ” ክብል ገሊጽዎ።
“እቶም ዝዋግኡ ዘለው ወገናት ሲቪላውያን ምቕታል ደው ከብሉን ነቲ ቫይረስ ኣብ ምስዓር ከድህቡን ይግባእ” ኢሉ።
እቲ ኣብ ትሪፖሊ ዘሎ ጎንጺ ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ከም ዝበርትዐ ይግለጽ።
ንዝበዝሐ ክፋል ምብራቕ ሊብያ ዝቆጻጸር ብጀነራል ሃፍጣር ዝምራሕ ሃገራዊ ሰራዊት ሊብያ ንከተማ ትሪፖሊ ንምቁጽጻር ቅድሚ ዓመት እዩ መጥቓዕቲ ጀሚሩ።
ኣንጻሩ ዝዋግኡ ዘለው ኣህጉራዊ ተቐባልነት ዘለዎ ኣብ ትሪፖሊ ዝርከብ መንግስትን ምስቲ ምምሕዳር ዝተሓባበሩ ዕጡቓት ጉጅለታትን እዮም።
ኣብ ሊብያ ን400 ሰባት መርመራ ኮቪድ-19 ዝተኻየደ ኮየኑ፡ 19 ሰባት በቲ ቫይረስ ከም ዝተለኸፉ ተረጋጊጹ ኣሎ።
ኣብ ብሪጣንያ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት 980 ሰባት ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ከም ዝሞቱ ሚኒስተር ጥዕና እታ ሃገር ማት ሃንኮክ ገሊጹ።
በዚ ድማ ድምር ግዳያት እቲ ሕማም 8,958 በጺሑ ኣሎ።
“ነዚ ኣሃዝ ኣይንርስዖን ኢና፤ ድሕሪ ነፍሲ ወከፍ፡ ስም፡ ጉድኣትን ደጊሙ ከምቲ ዝነበሮ ክኸውን ዘይኽእል ስድራን ኣሎ” ኢሉ እቲ ሚኒስተር።
ንሰራሕተኛታት ጥዕና ብምምስጋን ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን’ውን ጥዕንኡ ይመሓየሽ ከም ዘሎ ኣብሪሁ።
ኣብ መላእ እታ ሃገር 19,116 መርመራታት ከም ዝተኻየደን 5,706 በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ከም ዝተረኽቡን ተዛሪቡ።
ኣብ ኢትዮጵያ ሳልሳይ ሰብ ብኮሮናቫይረስ ከም ዝሞተ ሚኒስተር ጥዕና ኢትዮጵያ ዶክተር ሊያ ካሳ ኣፍሊጣ።
ንሳ ብፌስቡክ ኣብ ዝዘርገሐቶ ሓበሬታ እታ ግዳይ “ካብ ሚያዝያ 4 ጀሚሩ ኣብ ክፍሊ ጽኑዕ ክንክን ሕክምና ክግበረላ ዝጸንሐ” ምዃናን ከቢድ ሓዘን ከም ዝተሰምዓን ብምግላጽ ንኣዝማድን ፈተውትን ጽንዓት ይሃብኩም ኢላ።
እታ ጓል 65 ዓመት ነባሪት ከተማ ዱከም ምንባራ ዝተገለጸ ግዳይ ብኻልእ ምኽንያት ኣብ ሆስፒታል ሕክምና እናተገበረላ እንከሎ ምልክታት ኮቪድ-19 ምስተርኣያ መርመራ ምስ ተገበረላ እያ ‘ፖዝቲቭ’ ኮይና ተረኺባ።
ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ እዛ ሰዓት 65 ሰባት በቲ ቫይረስ ከም ዝተለኽፉ ተረጋጊጹ ኣሎ።
ሊቅ ቫይሮሎጂ ዲድየር ራዎለት፡ ኣፋውስ ዓሶ ዝኾኑ ክሎሮኲንን ሃይድሮክሲክሎሮኲንን ኮቪድ-19 ክፍውሱ ከም ዝኽእሉ ድሕሪ ምግላጹ ኣብ መላእ ዓለም ተፈላጥነት ረኺቡ እዩ።
ኣብ ፈረንሳ ከባቢ 450,000 ሰባት እቲ ኣፋውስ ዝያዳ ኣብ ኣግልግሎት ክውዕል ምሕጽንታ ፈሪሞም ኣለው።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ’ውን ደጋጊሙ ብዛዕባ እቲ ኣፋውስ ተዛሪቡ እዩ።
እንተኾነ ግና ትካል መድሃኒት ኣውሮጳ እቲ ፈውሲ ጎድናዊ ሳዕቤናት ከም ዘለዎ ብምጥንቃቕ ኣብ “ሃገራዊ ህጹጽ እዋን” ጥራይ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ከም ዝግባእ ኣፍሊጡ።
ፕረዚደንት ኢማኑዌል ማክሮን ሆስፒታል እቲ ፕሮፌሰር ናብ ዝርከበሉ ደቡባዊ ፈረንሳ ተጓዒዙ ንሰለስተ ሰዓትን ፈረቓን መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዘይተረኽቡሉ ምዝርራቡ ግን ንብዙሓት ኣገሪሙ ኣሎ።
ፕረዚደንት ማክሮን ሰኑይ ንህዝቢ ፈረንሳ ሰፊሕ መግለጺ ከም ዝገብር ዝገልጹ ምንጭታት እቲ ምስ ፕሮፌሰር ዲደየር ራዎልት ዝገበሮ ርክብ ንኣገባባት እቲ ሊቅ ኣፍልጦ ምሃብ ከም ዘይኮነ ይሕብሩ።
ፕሮፌሰር ራዎልት 1061 ሰባት ብሃይድሮክሲክሎሮኲን ከም ዝሓከመን ኣብ 91.7% ዕውት ውጽኢት ከም ዝረኸበሉን ይዛረብ።
ብዙሓት ፈረንሳውያን ተመራመርቲ ግና ነቲ መጽናዕቲ ነጺጎምዎ ኣለው።
ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ክሳብ 3 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ሽቕሊ ኣልቦ ክኾኑ ከም ዝኽእሉ፡ ኮሮናቫይረስ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ብዛዕባ ዝህልዎ ጸቕጢ ብዝምልከት ዝተገብረ ሓደ መጽናዕቲ ኣረዲኡ።
እቲ ቫይረስ ንውሕ ንዝበለ ግዜ እንተጸኒሑ ብዙሓት ስእነት ስራሕ ከም ዘጋጥሞም እቲ ማሕበር ሰብሞያ ቁጠባ ኢትዮጵያ ዘሕተሞ መጽናዕቲ ኣመላኺቱ።
ኮምሽን ፈጠራ ስራሕ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዘካየዶ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፡ እቲ ቫይረስ ንሽዱሽተ ወርሒ እንተጸኒሑ ኣብ ጽላት ማኑፋክቸሪን ካብ ዝተዋፈሩ ሰባት እቶም 60% ካብ ስራሕ ደው ክብሉ ይኽእሉ እዮም።
ብዘይካዚ ኣብቲ 9 ሚልዮን ሰባት ከም ዝተዋፈሩሉ ዝግለጽ ጽላት ኣገልግሎት፡ 3 ሚልዮን ሰባት ስራሕ ክስእኑ ከም ዝኽእሉ ይገልጽ።
እቲ ቫይረስ ኣብ ሕብረተሰብ እንተኣስፋሕፊሑ፡ ሳዕቤኑ ከቢድ ክኸውን ከም ዝኽእል እቲ መጽናዕቲ የጠንቅቕ።
ጽልዋ እቲ ቫይረስ ዝኸፍአ ምስ ዝኸውን ልዕሊ 50 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ኣብ ሓደጋ ክወድቁ ከም ዝኽእሉ’ውን ይሕብር።
ነበርቲ ሌጎስ ገዛገዛ እናኸዱ ብዛዕባ ምልክታት ኮሮናቫይረስ ንዝሓቱ ሰብሞያ ጥዕና፡ ድልዋት ኮይኖም ክጽበዩ ኮምሽነር ጥዕና እታ ግዝኣት ሓቢሩ።
እቶም ሰራሕተኛታት ጥዕና ብዛዕባ “ምልክታት ሰዓል፡ ጉንፋዕን ረስንን” ክሓቱ ምዃኖም ፕሮፌሰር ኣኪን ኣባዮሚ ገሊጹ።
ኮሮናቫይረስ ንሳንቡእ እዩ ዘጥቅዕ። እቶም ክልተ ቀንዲ ምልክታት ድማ ረስንን ዘየቋርጽ ደረቕ ሰዓልን ኮይኖም ክሳብ ሽግራት ምስትንፋስ የስዕብ።
እንተኾነ ዝኾነ ምልክታት ዘይተርኣዮም ሰባት መርመራ ምስ ተገበረሎም እቲ ቫይረስ ክርከቦም ይኽእል እዩ።
እቲ ዳህሳስ በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ዘለው ሰባት ንምርካብ ዝግበር ጻዕሪ ንምድራዕ ምዃኑ ፕሮፌሰር ኣኪን ሓቢሩ።
ናይጀርያ ክሳዕ ሕጂ 4,000 ሰባት ጥራይ ከም ዝመርመረትን መብዛሕትኦም ካብ ወጻኢ ገይሾም ዝነበሩ ከም ዝኾነን ይግለጽ።
ማእኸል ምቁጽጻር ተመሓላለፍቲ ሕማማት ከም ዝሕብሮ ኣብታ ሃገር ኣብ ሓደ መዓልቲ 1,500 ሰባት ክምርምር ዝኽእል ላቦራቶሪ ኣሎ።
እታ ሃገር ዛጊት 288 በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ረኺባ ኣላ። ካብዚኦም እቶም 158 ነበርቲ ሌጎስ እዮም። ኣብታ ሃገር 7 ሰባት በቲ ሕማም ሞይቶም ኣለው።
መንግስቲ ኣመሪካ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝወጸ ናይ ህጹጽ እዋን ሰልጣን ተጠቒሙ፡ ልዕሊ 6300 ስደተኛታት ብዶብ ሜኪሲኮ ከም ዝጠረዘ ሰበስልጣን ገሊጾም።
እቲ ብ21 መጋቢት ዝወጸ ህጹጽ ናይ ለበዳ መምርሒ፡ ነቲ ዝጸንሐ ናይ ኢሚግረሽን ሕግታት ዝስዕር’ዩ።
ነቲ ስጉምቲ ዝቃወሙ ወገናት ግን፡ ምምሕዳር ትራምፕ ነቲ ንለበዳ ኮቪድ19 ንምቁጽጻር ተባሂሉ ን30 መዓልታት ዝወጸ ሕጊ ይብለጸሉ ኣሎ ክብሉ ይነቕፉ።
በቲ ዝግበር ዘሎ ናይ መጓዓዝያ እገዳታት ዋሕዚ ስደተኛታት ናብ ኣመሪካ ዓቢ ምጉዳል ኣርእዩ ኣሎ ተባሂሉ።
ዛጊት ኣብታ ሃገር 16500 ክሞቱ እንከለዉ፡ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ተለኺፎም ኣለዉ።
ኣብ ዶብ የመንን ስዑዲ ዓረብን ፍሉይ ስማ ራጎ እናተብሃለት እትጽዋዕ ከባቢ ብርክት ዝበሉ ኢትዮጵያውያን ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ከምዝወደቐ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ክቃላሕ ጸኒሑ እዩ።
ቢቢሲ ትግርኛ፡ እቲ ወረ ካብ ዝስማዕ ጀሚሩ፡ ኣብቲ ከባቢ እንታይ ከምዘጓነፈ ንምፍላጥ ብዝተፈላለዩ መንገድታት ክፍትን ቀንዩ። እንተኾነ፡ ኣብቲ ከባቢ ናይ ቴሌፎን መስመራት'ውን ስለዝተዓጸወ ካብቶም ሰባት ካብ ባዕሎም ሓበሬታ ምርካብ ኣይተኽኣለን።
ይኹን'ምበር፡ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ምንጭታት ቢቢሲ ከምዝሓበሩልና፡ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ኣደዳ ጥቕዓትን መከራን ኮይኖም ይርከቡ።
እቲ ሕዚ ኣጓኒፉ ዘሎ ጸገም፡ መበገሲኡ፡ ምስ ስግኣት ኮሮናቫይረስ ዝተዛመደ ከምዝኾነ እዩ ዝግለጽ።
"ካብ ስዑዲ ዓረብ ናብ የመን ትኣትዉ ስለዘለኹም፡ ኮሮናቫይረስ ክተእትውልና ትኽእሉ ኢኹም ካብ ዝብል ስግኣት ዝተልዓለ ካብቲ ከባቢ 'ውጹልና' ስለዝበሉ እዩ" ይብል፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ሊንጎ ወይን ብዝብል ዝፍለጥ መንእሰይ።
ምስ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ተዛሚዱ በብመዓልቱ ደስ ዘይብሉ ዜናታት እዮም ዝስምዑ።
ካብ ቁፅሪ በዚ ቫይረስ ናይ ዝሞቱ ሰባትን ሓደሽቲ ረኽስታትን ብዝዘለለ ግና፡ ካብ ሕማም ኮሮናቫይረስ ዝድሕኑ ሰባት እውን ኣለዉ።
ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ዎስተርሸር ነባሪ ዝኾኑ 101 ዝዕድሚኦም በዓል ፀጋ ዕድመ ድማ ፡ ይሕከምሉ ካብ ዝነበሩ ሆስፒታል፡ ካብዚ ቫይረስ ድሒኖም፡ ናብ መንበሪ ገዝኦም ተመሊሶም ኣለዉ።
ኬት ዋትሰን፡ ኣብ እግሮም ንዘጋጠሞም መስበርቲ፡ መጥባሕቲ ንምግባር እዮም ናብ ሆስፒታል ዘምርሑ።
ናብ ሆስፒታል ምስከዱ ግና መጠን ረስኖም ክብ ኢሉ ይርከብ እሞ፡ ምርመራ ኮረናቫይረስ ይግበረሎም፤ በዚ ቫይረስ ከም ዝተለኸፉ ድማ ተረጋጊፁ።
ምሉእ ዛንታ ኣብዚ ትረኽብዎ ወዲ 101 ዓመት በዓል ፀጋ ዕድመ ካብ ኮሮናቫይረስ ሓውዮም
መንግስቲ ትግራይ እቲ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ዝደንገጎ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ንሰለስተ ኣዋርሕ ብዘለዎ ከምዝቕጽል ኣፍሊጡ'ዩ።
ካብ ትግራይ ወፃኢ ፀኒሑ ናብ ትግራይ ክኣትው ዝደሊ ሰብ: ን14 መዓልቲታት ኣብ መወሸቢ (መጋየሺ ቦታ) ከምዝፀንሕ ኣብቲ ዝተናወሐ ድንጋገ ተገሊፁ'ሎ።
እቲ መምርሒ ካብ ሰንበት 4 ሚያዝያ ጀሚሩ'ዩ ተግባራዊ ክኸውን። ቅድሚ ሰንበት ንዝመፅኡ ገያሾ ኣይምልከትን።
ብድሕሪኡ ዝመፅኡ መንግስቲ ኣብ ዘሰናደኦ ቦታ ከምዝጸንሑን ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ወይ እውን ኣብ ሆቴላት ክኸውን ከምዝኽእልን ኣባል ሓይሊ ዕማም [ኮማንድ ፖስት] ትግራይ ወይዘሮ ሊያ ካሳ ንቢቢሲ ሓቢራ።
ኣብዚ ዛዕባ ተወሳኺ ንምንባብ መንግስቲ ትግራይ እቲ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ዝደንገጎ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ንሰለስተ ኣዋርሕ ብዘለዎ ከምዝቕጽል ኣፍሊጡ'ዩ።
ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ምርመራ ካብ መንጎ ዝተገረሎም 442 ሰባት እቶም 9 ኮሮናቫይረስ ከምዝሓዞም ተረጋጊጹ።
ሚንስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ከምዝሓበሮ ኣብዚ ሕዚ እዋን ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ 65 በጺሑ'ሎ።
ኩሎም እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት መገሻ ገይሮም ዝነበሩ ምዃኖም ሚንስትር ዶክተር ሊያ ታደሰ ንኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ሓቢራ።
ካብቶም እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት 7 ኢትዮጵያውያን ክኾኑ ከለዉ፡ ዝተረፉ ድማ ሓደ ኤርትራውያን ሓንቲ ህንዳዊትን እዮም።
ባይቶ ተወከልቲ ህዝብታት ኢትዮጵያ ንኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ብዓብላላይ ጽምጺ ኣጽዲቑ
ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብቕልጡፍ ይላባዕ ብምህላዉ እቲ ኣዋጅ ከምዝተኣወጀ ቅድሚ መዓልታት ኣፍሊጡ ነይሩ።
እቲ ባይቶ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ ካልኣይ ፍሉይ ስሩዕ ጉባኤ ነቲ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ብምምርማር ብዓብላሊ ድምጺ ኣጽዲቕዎ።
ክልላት ምስ ዘውጽእኦም መምርሕታትን ገደባትን ተሳንዩ ከምዝፍጸም ድማ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ሓቢሩ'ሎ።
እቲ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ከምዝጸንሕ ተፈሊጡ'ዩ።
ኒውዮርክንግዳያት ኮሮናቫይረስ ጃምላዊ መቓብር ትጥቀም ኣላ
እታ ግዝኣት ኣሜሪካልዕሊእተንብለበዳኮሮናቫይረስኣዝየንዝተጠቕዓሃገራትኣውሮጳጣልያንንስፐይንን ፡ልዑልኣሃዝ
ሓድሽረኽሲኮሮናቫይረስኣመዝጊባ።
ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት እናወሰኸ ብምምጽኡ ሳናዱቕ ሬሳ ናብ ሓደ ዓብዪ ጉድጓድ እናኣተዉ ዘርእዩ ስእልታት ክዝርግሑ ጀሚሮም።
ካብ ካልእ ግዘ ብዝተፈለየ፡ትማሊ ረቡዕ ጥራሕ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ 799 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ሞይቶም።
ኣብዚ ዜና ተወሳኺ ንምንባብ
ሕምብርቲ፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ቅልውላው ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኮይና ዝፀንሐት ከተማ ዴጉ፡ ንፈለማ እዋን በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ከምዘይብላ ተገሊፁ።
ኣብ ደቡብ ኮርያ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ቅድሚ ክልተ ወርሒ እዩ ጀሚሩ። ኣብ ካልኦት ከባብታት እታ ሃገር ግና 27 ሓደሽቲ ረኽስታት ኮሮናቫይረስ ተመዝጊቦም እዮም።
እዚ ኣብ ውሽጢ 50 መዓልታት ዝተመዝገበ እቲ ዝወሓደ ኣሃዝ እዩ። ዋላ'ኳ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ሓድሽ ረኽሲ ኮሮናቫይረስ ዘይምህላዉ ፅቡቕ ዜና እንተኾነ፡ ኣብዚ ቀዳመ ሰናብቲ ዝኽበር በዓል ፋሲካ፡ ሓድሽ ረኽሲ ንከይፍጠር ግና፡ ሰብመዚ እታ ሃገር ከቢድ መጠንቀቕታ ሂቦም።
የመን ኣብ ምዕራባዊ ግዝኣት ሃዳራማውት ፈለማይ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዘ ሰብ ከምዝረኸበት ኣፍሊጣ።
ጉጅለታት ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብታ ብዂናት ዝተሃሰየት ሃገር እዚ ለበዳ ከቢድ ዝኾነ ጽልዋ ከሕድር ከምዝኽእል ስግኣቶም ገሊጾም ኣለዉ።
ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ጥምረት ምስቲ ኣንጻሩ ዝቃለስ ሓይሊ ሑቲ ተኹሲ ደው ንምባል ዘቕረቦ ጻውዒት ግብራዊ ኮይኑ'ሎ።
እቲ ንሓሙሽተ ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት ነታ ሃገር ከዕንዋ ከሎ፡ልዕሊ100,000 ቀቲሉ።
ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ህንዲ ዝርከቡ ዜጋታት ናብ ሃገሮም ክመልሶም ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ነቶም ካብ ህንዲ ዝምለሱ ልዕሊ 3,000 ዜጋታት 12 በፍሉይ ረራታት ክዳለዉ እዮም።
ቅድም ክብል 7 በረራታት ዝተዳለወ ኮይኑ እዚ ድማ ብጠቕላላ ናብ ሃገሮም ዝምለሱ ብሪጣናውያን ኣስታት 5,000 የብጽሖ።
"እዚ ዓብይን ዝተሓላለኸን ወፍሪ እዩ። ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ህንዲ ዘለዉ ሰባት ነተን በረራታት ከርክቡ ንምግባር ምስ መንግስቲ ህንዲ ሓቢርካ ምስራሕ ከድልይ እዩ" ኢሉ ታሪቕ ኣሕመድ ካብ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ።
ዶክተር ካቲ ብሮድሪክ፡ ሓንቲ ካብ ሞንጎ እቶም ክታበት ኮሮከናቫይረስ ንምርካብ ታሕትን ላዕልን ዝብሉ ዘለዉ ሊቃውንቲ ዓለም እያ።
ዛጊድ ኣብቲ ዓውዲ፡ 44 ዝኾኑ መደባት ይፍተኑ ኣለዉ። ንሳ፡ ኣብ ሕቡራት ኣመሪካ ዝርከብ ኢኖቭዮ እናተብሃለ ኣብ ዝጽዋዕ ካምፓኒ እያ ትሰርሕ።
እቲ ካምፓኒ፡ ኣብ መጻኢ ባሕቲ ወርሒ ታሕሳስ፡ ሓደ ሚልዮን ኣፋውስ ከፍሪ ይቀላጠፍ ኣሎ።
እንተኾነ፡ እቲ መድሓኒት ንመን እዩ ክዕደል? መን ረኺቡ መን ይተርፍ? ዝብል ሕቶ፡ ኣብ ሓንጎል እዛ ስኮትላንዳዊት ሊቅ ቀጻሊ ዝመላለስ እዩ። ኣብ እንግሊዝ ሃገራዊ ግልጋሎት ጥዕና ትሰርሕ ውፍይቲ ሓፍቲ ኣላታ።
"እታ ሓፍተይ፡ ሰባት ካብዚ ሕማም ክትፍውስ ድቃስ ስኢና ትሓድር ኣላ። ኣብ ብኣግኡ፡ ብዛዕባ ምክፍፋል እቲ መድሓኒት ዝምልከት እንትሓስብ፡ የጨንቐኒ እዩ" ትብል ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ጻንሒት።
"እንተኸነ፡ እዚ መድሓኒት ኣብ ዝሓጸረ እዋን ኣብ ረብሓ ክውዕል ክንርኢ ኢና ንምነ" ክትብል ተስፍኣ ትገልጽ።
ሎሚመዓልቲ ኣቆፃጽራ ኣውሮጳ ኣብ ዝኽተላ ሃገራት ዓለም፡ ዋላ'ኳ ከም ካልእ እዋን እንተዘይኮነ፡ ዓርቢ ስቕለት ክኽበር እዩ።
መዓልቲ ስቕለትን ሞትን እየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዝዝከረሉ'ዚ ዕለት፡ ነዋሕቲ ወናብር ኣብያተ-ክርስትያናት፡ ከም ወትሩ ኣመንቲ ኣይክቕመጥሎምን።
ማህሌት ስለዘይህሉ፡ ናይ ብዙሓት ኣብያተ-ክርስትያናት፡ ኣፍደገ ተዓፅየን እየን ክውዕላ።
እዚ ማለት ግና መንፈሳዊ ኣገልግሎታት ኣይክህልዉን ማለት ኣይኮነን።
ኣብ ቫቲካን፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ኣብ ገዝኦም ንዝተዓፀዉ ኣመንቲ ፡ ኣብዚ ዕለት ክፍፀሙ ዝግበኦም ሃይማኖታዊ ስርዓታት፡ ብኢንተርኔት ብቀጥታ ክፍነው እዩ።
ድሕሪ ቀጥታዊ ፈነወ ድማ፡ እዚ ሃይማኖታዊ ስነ-ስርዓት ዳግማይ ንክረአ ተሰኒዱ ክቕመጥ እዩ።
ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ኣብያተ-ክርስትያን እውን፡ ብተመሳሳሊ መገዲ እየን፡ ዓርቢ ስቕለት ንምብዓል ዝዳለዋ ዘለዋ።