እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ኣብ ኤርትራ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ናብ 34 ክብ ኢሉ

እቲ ውልቀሰብ፡ ወዲ 72 ዓመት ምዃኑን፡ በረራተት ቅድሚ ምእጋዱ ናብታ ሃገር ከም ዝኣተወን እቲ መግለጺ ጠቒሱ። ነዚ ዝምልከትን ካልኦት ምዕባለታት ኮሮናቫይረስን ብቐጥታ ንምክትታል በዚ ገጽ ሰዓቡና።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ መጽንሒ ስደተኛታት ስግኣት ፈጢሩ

    ኣብ መጽንሒ ስደተኛታት ኣወስትራልያ ዝርከቡ እሱራት ስደተኛታት ኣብቲ ዝለዉሉ ቦታ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዘ ሰብ ክርከብ ብምኽኣሉ ናብ ማሕበረሰብ ክሕወሱ ሓቲቶም።

    እቶም እሱራት ስደተኛታት እቲ ቦታ ነብሰ-ውሸባ ንምግባር ዘይምችው ከምዝኾነ ተዛሪቦም። ገሊኦም ድማ ተቓውሞኦም መግቢ ብምሕሳም ይገልጹ ኣለዉ።

    መንግስቲ ብወገኑ ነዚ ጸገም ኣብቲ ቦታ ምፍታሕ ዝከኣለሉ ትልሚ ከምዘለዎ ኣፍሊጡ።

    ምልክታት ኮሮናቫይረስ ዝረኣዮም እሱራት ከምዝውሸቡን ምርመራ ከምዝግበረሎምን ወሃቢቓል መንግስቲ ሓቢሩ።

    ኣብ ኣወስትራልያ ኣስታት 1,500 ዝተትሓዙ ስደተኛታት ክህልዉ ከለዉ፡ ካብዚኦም ዳርጋ 40 ሚኢታዊት ሓተትቲ ዑቕባ እዮም።

  2. ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ይፈርዩ ዘለዉ ናይ ሓሶት ኣፋውስ

    ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብዝለዓለ ናህሪ ይውስኽ ኣብ ዘለሉ እዋን ኣብ ድኻታት ሃገራት ዝፈርዩ መድሓኒት ብዝለዓለ መጠን ይውስኹ ምህላዎም ውድብ ጥዕና ዓለም ሓቢሩ።

    ነዞም ኣፋውስ ምጥቃም ድማ ኣዝዩ ዝኸፍአ ጎናዊ ሳዕቤን ከምዝህልዎ ኣጠንቂቑ'ዩ።

    ኣብቲ ዕዳጋ ዘሎ ክፍተት ከም ኣጋጣሚ ብምጥቃም ኣብ ኣፍሪቃ ዝፈርዩ ናይ ሓሶት ኣፋውስ ብዝለዓለ መጠን ይሽየጡ ምህላዎም ቢቢሲ ብዝገበሮ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ'ሎ።

    ነዚ ኩነታት ዝተዓዘበ ሓደ በዓል ሞያ ሕክምና "ጎኒ ንጎኒ እዚ ቫይረስ እዞም ደረጅኦም ዘይሓለዉን ናይ ሓሶትን መድሓኒት ከዕለቕልቑና እዮም" ክብል ስግኣቱ ገሊጹ።

    መላእ ዓለም ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ናብ ስግኣት ኣብ ዝኣተወሉ እዚ እዋን ብዙሓት ሰባት ኣገደስቲ ዝበሃሉ መድሓኒታት ብብዝሒ ክገዝኡ ጀሚሮም ኣለዉ።

    ኣብ ዓለም ብዝለዓለ መጠን ኣፋውስ ዘፍርያ ሃገራት ቻይናን ህንድን ዶባተን ምዕጻወን ከኣ ዓብዪ ክፍተት ፈጢሩ ይርከብ።

    ጠለብን ቀረብን ክመጣጠን ዘይምኽኣሉ ድማ'ዩ ነቶም ናይ ሓሶት ኣፋውስ ዕድል ክፈጥረሎም ክኢሉ ዘሎ።

  3. ኣብ ታይላንድ ንሓደሽቲ ዝውለዱ ህጻናት ዝተዳለወ መሸፈኒ ገጽ

    ኮሮናቫይረስ ዝፈጠሮ ጭንቀት ኣብ ኩሉ ስለዘሎ ንነብሰጾር ኣዴታትን ሓደሽቲ ዝውለዱ ህጻናትን ጥንቃቐ ምግባር ኣገዳሲ ይኸውን።

    ኣብ ታይላንድ ዝርከብ ሓደ ሆስፒታል ሓደሽቲ ንዝውለዱ ህጻናት መሸፈኒ ገጽ ብምድላው ካብ ኮሮናቫይረስ ክከላኸለሎም ጀሚሩ'ሎ።

    ካብቲ ኣብ ከተማ ባንግኮክ ዝርከብ ሆስፒታል ፓራራም-9 ዝወጽኡ ስእልታት፡ ነርስታት ነቶም ሓደሽቲ ዝተወለዱ ህጻናት ካብ ፕላስቲክ ዝተሰርሐ መሸፈኒ ናብ ገጾም ገይረናሎም የርእዩ።

    ትማሊ ሓሙስ ጥራይ ኣብታ ሃገር 54 ሰባት በቲ ቫይረስ ክልከፉ ከለዉ 2 ድማ ሞይቶም።

    እዚ ከኣ ነቲ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዘጋጠመ ሞት 32 የብጽሖ። 2,423 ሰባት እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም ኣሎ።

  4. ኣብ ዓለም ቁፅሪ ብኮረናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት 1.6 ሚልዮን ሓሊፉ

    ቅድሚ ሓደ መዓልቲ 1.5 ሚልየን ዝነበረ ቁፅሪ በዚ ቫይረስ ዝተተትሓዙ ሰባት፡ ሕዚ 1,604,718 በፂሑ።

    በዚ ቫይረስ ዝተሓዙ ዜጋታት ዓለም በብመዓልቱ ኣዝዩ ይውስኽ እዩ ዘሎ።

    ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን (ዓርቢ) ቁፅሪ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ትሕቲ 1 ሚልየን እዩ ነይሩ።

    በዚ ቫይረስ ኣዝየን ዝተወቕዓ ሃገራት ብቅደም ሰዓብ እንትቕመጣ፡ ኣሜሪካ ብቀዳምነት ትስራዕ።

    ኣብታ ሃገር 468,887 ሰባት ብኮቪድ-19 ተለኺፎም እዮም። ስፔን 153,222 ረኽስታት ኮሮናቫይረስ ብምምዝጋብ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትስራዕ። ኣብ ሳልሳይ ዘላ ጥልያን ድማ፡ 143,626 በዚ ቫይረስተታሒዞማ እዮም።