ቀብሪ ጀነራላት ሰዓረ መኮንንን ገዛኢ ኣበራን ተፈጺሙ

ኣብ መቐለ ስነ ስርዓት ቀብሪ ጀነራል ሰዓረ መኮነንን፡ ሜጀር ጀነራል ገዛኢ ኣበራን ይካየድ ኣሎ። ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ'ውን ስነ ስርዓት ቀብሪ 3 ሰበስልጣን እቲ ክልል ይካየድ ኣሎ። ኣብዞም ስነስርዓት ቀብርታት ንዝካየዱ ዘለዉ ንጥፈታት፡ ብጽሑፍ ስእልን ቪድዮን ብቐጥታ ከነቕርበልኩም ኢና፡ ክትከታተሉና ንዕድመኩም።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ህዝብን ሓለፍቲ መንግስታት ክልልን ፌደራልን ንሬሳ ጀነራላት ይሰናበቱ ኣለው

    ካብ ክልላት ኦሮሚያ፡ ዓፋርን መላእ ከባቢታት ትግራይን ዝመጽኡ ኣጋይሽ፣ ኣዝማድን ፈተውትን ሓዘኖም ብምግላጽ ንስድራ ግዳያት ጽንዓት ይምነዩ ኣለዉ።

    ገዳይም ተጋደልቲ ሚኒስትራት ኣዝማድን ፈተውትን ኣብቲ ዝተዳለወ መዝገብ፡ ዝኽሮምን ፌርምኦምን የንብሩ ኣለው።

    ህዝብን ሓለፍቲ መንግስታት ክልልን ፌደራልን ንሬሳ ጀነራላት ይሰናበቱ ኣለው

    ምንጪ ስእሊ, DMTSI WEYANE

  2. ኣብ መቐለ ዝካየድ ዘሎ ስነ ስርዓት ቀብሪ ጀነራል ሰዓረ መኮነንን፡ ሜጀር ጀነራል ገዛኢ ኣበራን ብቐጥታ ተኸታተሉ።

    ዝካየዱ ዘለዉ ንጥፈታት ብቀጻሊ ከነቕርበልኩም ኢና፡ ክትከታተሉና ንዕድመኩም።

    ህዝብን ኣመራርሓ መንግስታት ክልልን ፌደራልን ንሬሳ እቶም ጀነራላት ይሰናበቱ ኣለው

    ምንጪ ስእሊ, DMTSI WEYANE