ፕረዚደንት ኣልበሸር ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ

ወተሃደራዊ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ከም ዘፍለጦ፡ ፕረዚደንት ኣልበሽር ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ፡ ንኽልተ ዓመት ዝፀንሕ ወተሃደራዊ ናይ ስግግር መንግስቲ ቆይሙ'ሎ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኣልበሽር ካብ ስልጣኑ ከም ዝወረደ ፀብፃባት ይሕብሩ

    ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ኣልበሽር ካብ ስልጣን ከም ዝወረደን ግዚያዊ መንግስቲ ንምቋም ምይይጣት ይካየድ ከም ዘሎ ሮይተርስ ንዘይተረጋገጹ ምንጭታት ብምጥቃስ ጸብጺቡ።

    Skip X post
    ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

    እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

    Warning: ቢቢሲ ኣብ ካልእ ገጻት ንዘሎ ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን።

    End of X post

  2. መበገሲ ናዕቢ ሱዳን እንታይ'ዩ?, መበገሲ ናዕቢ ሱዳን እንታይ'ዩ?

    ቀንዲ መበገሲ እዚ ናዕቢ መንግስቲ ሱዳን ዋጋ ሓደ ባኒ ካብ ሓደ ፓውንድ ናብ ሰለስተ ፓውንድ ክብ ከብሎ ምስ ወሰነ ኮይኑ፡ እናሓደረ ግን፡ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ካብስልጣኑ ክወርድ ዝጽውዑ ድምጽታት ክስምዑ ጀሚሮም። ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት፡ ዋጋ ገለ ጠለባት ብዕጽፊ ክውስኽ እንከሎ፡ ዝቕባበ ዋጋ ናብ 70 ሚኢታዊት ተጸጊዑ ይርከብ።

  3. ዑመር ሓሰን ኣል-በሽር መን'ዩ

    ንኣስታት 30 ዓመታት ንሱዳን ዝገዝአ ፕረዚደንት ዑመር ሓሰን ኣልበሸር

    • ኣብ ሞንጎ ኣዕራብን እስራኤልን ኣብ ዝተገበረ ናይ 1973 ኲናት ምስ ሰራዊት ግብፂ ተሰሊፉ ተዋጊኡ
    • ብ1989 ብዕልዋ መንግስቲ ናብ መዝነት ደይቡ
    • ብ1990ታት መራሒ ኣልቃዒዳ ንዝነበረ ኦሳማን ቢንላደን ዕቑባ ሂቡ ነይሩ
    • 2005 ንዓመታት ክዋግእዎም ምስ ዝፀንሑ ደቡብ ሱዳናውያን ሰላም ኣውሪዱ
    • ብ2009 ኣብ ዳርፉር ተፈፂሙ ብዝተብሃለ ገበን ኲናት፡ ብዓለማዊ ቤት ፍርዲ ገበናት ክሲ ተመስሪትሉ። በዚ ድማ በቲ ቤት ፍርዲ ዝተኸሰሰ ፈላማይ መራሒ ኮይኑ
    • 2011 ደቡብ ሱዳን ካብ ሱዳን ንኽትንፀል ዝገበረ ርእሰ ውሳነ ክካየድ ፈቒዱ
    ሱዳናውያን ኣብ ተቓውሞ
  4. ሰራዊት ሱዳን ኣብ ሓጺር ግዜ፡ ብዛዕባ እቲ ኩነታት ኣመልኪቱ መግለጺ ክህብ እዩ።

    ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ሱዳናውያን፡ ሰለማዊ ሰልፊ ክገብሩ ንዝቐነዩ ሰልፈኛታት ንምጽንባር ኣብ ካርቱም ናብ ዝርከብ ቀጽሪ ሚኒስትሪ ምኸልኻል ይውሕዙ ኣለው።

    እቶም ሰልፈኛታት ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሺር ካብ ስልጣኑ ክወርድ እዮም ዝጠልቡ።

    ፕረዚደንት ኣል-በሸር ካብ ስልጣን ንኽወርድ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ይካየድ ኣሎ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images