መኽዘን ሓበሬታ (ብላክ ቦክስ) ናይታ ዝተሓምሸሸት ነፋሪት ተረኺቡ

እታ ናብ ናይሮቢ ኬንያ እትጓዓዝ ዝነበረት ነፋሪት፡ ሰንበት ንጉሆ፡ 149 ተጉዓዝቲ ከምኡ ድማ 8 ሰራሕተኛታት እያ ጽዒና ነይራ። እታ ነፋሪት ምስተላዕለት ድሕሪ ሽዱሽተ ደቓይቕ ርክብ ከምዝተቛረጸን፤ ኣብ ከባቢ ቢሾፍቱ (ደብረዘይት) ከምዝተሓምሸሸትን ተገሊጹ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ሓድሽ ዜና, ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ ኩሎም ሰባት ከምዝሞቱ ተገሊጹ

    ሓላፊ ርክብ ህዝቢ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ኣብታ ዝተሓምሸሸት ነፋሪት 33 ዜጋታት ዝተፈላለዩ ሃገራት ከምዝነበሩን፡ ኩሎም በቲ ሓደጋ ከምዝሞቱን ገሊጹ።

  2. ብዛዕባ ምሕምሻሽ እታ ነፋሪት ዛጊድ እንፈልጦ እንታይ እዩ?

    • ቁጽሪ በረራ ET302፡ 149 ተጉዓዝቲ ከምኡ ድማ 8 ሰራሕተኛታት ጽዒና ነይራ።
    • ሎሚ ንጉሆ ሰዓት 2፡38 (8፡38) ዝተልዓለት ነፋሪት፡ ኣብ ከባቢ ቢሾፍቱ (ደብረዘይት) እያ ተሓምሺሻ።
    • እታ ነፋሪት ምስተላዕለት ድሕሪ ሽዱሽተ ደቓይቕ ርክብ ተቛሪጹ።
    • ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ በቲ ሓደጋ ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊፁ'ሎ።