ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. “ታሪኻዊ ፀላእቲ ኢትዮጵያ ሰላማዊ መረፃ ከይካየድ ሓይልታት ኣዋፊሮም”- ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ

    ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡

    ምንጪ ስእሊ, FBC

    ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ እቶም "ታሪኻዊ ፀላእቲ ኢትዮጵያ እዮም’ ዝበሎም፡ ሰላማዊ መረፃ ከይካየድ “ተፃባእቲ ሓይልታት” ከም ዘዋፈሩ ገሊፁ።

    ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣብ ሻብዓይ ሓፈሻዊ መረፃ ኣብ ትውልድ ዓዱ ዝዀነት ኣብ በሻሻ ድምፂ ድሕሪ ምሃቡ፡ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ “ታሪኻዊ ፀላእቲ” ዝበሎም ሓይልታት፡ “ኣብ ኢትዮጵያ ደሞክራስያዊ መረፃ ምክያድ ከ ምዘይከኣል ከእምኑና ፈቲኖም፡” ኢሉ።

    እቲ ቀዳማይ ምኒስተር፡ ህዝቢ “ኣብ ኢትዮጵያ ክሃንፆ ብዛዕባ ዝደሊ ደሞክራስያዊ ስርዓት፡ እንታይ ከም ዝገብር ንምውሳን መኸርቲ ኰነ ገሰፅቲ ኣየድልዮን፡” ብምባል፡ ሎሚ ንግሆ ድምፂ ክህብ ገስጊሱ ከም ዝወፅአ ተዛሪቡ።

    እቲ ቀዳማይ ምኒስተር፡ መንነት እቶም 'ታሪኻዊ ፀላእቲ' ዝበሎም ሓይልታት ኣይጠቐሰን።

    ካብ ሎሚ ንግሆ ጀሚሩ ድምፂ ምሃብ ተጀሚሩ ኣሎ፣ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ እውን ኣብ ዞባ ጅማ ወረዳ በሻሻ ድምፁ ሂቡ።

    እቲ ሃገራዊ ቦርድ ኣብዚ ሃገራዊ መረፃ ልዕሊ 54 ሚልዮን መራፅቲ ከም ዝተመዝገቡን፡ 42 ፖለቲካዊ ውድባት ድማ ኣብቲ መረፃ ከም ዝሳተፉን ኣፍሊጡ።

    ኣብ ርእሲ እቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከቡ ተዓዘብቲ፡ እቲ መረፃ ተወከልቲ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን ክዕዘቡ ምዃኖም ተፈሊጡ።

  2. ኢትዮጵያ ትመርጽ ኣላ፡ ኵሉ ሰብ ግና ዝመርጸሉ ኣይኰነን

    ምስሊ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ

    ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

    ኣብ ገለ ክፋላት እታ ሃገር ግጭት ተባሪዑ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ሓፈሻዊ መረጻ ኢትዮጵያ ሎሚ ሰኑይ 1 ሰነ ይካየድ ኣሎ፤ እዚ ማለት ድማ ሓያሎ ሰባት ክመርጹ ኣይክእሉን እዮም።

    እታ ክልተ ዓመት ደማዊ ኲናት ዘሕለፈት ቍስላ ከተሕዊ እትቃለስ ዘላ ትግራይ ካብዚ መረጻ ፈጺማ ተገሊላ ኣላ።

    እዚ መረጻ'ዚ፡ ወተሃደራዊ ስርዓት ደርግ ብ1991 ድሕሪ ምውዳቑ ንመበል ሻውዓይ ግዜ ዝካየድ ዘሎ እዩ።

    እዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ መረጻ፡ ምስታ ብ1994 ብረፈረንዱም ሃገር ክትከውን ዝበቕዐት ብሰሜን ዘላ ጐረቤታ ኤርትራ፡ ውጥሪ ኣብ ዝዓበየሉ እዋን እዩ ዝካየድ ዘሎ።

    ማዕከናት ዜና ጽኑዕ ቍጽጽር ይካየደሎም ኣሎ፤ ከም ቢቢሲ ዝኣመሰላ ሓያሎ ትካላት ድማ ኣብታ ሃገር ክሰርሓ ፍቓድ ጋዜጠኝነት ተነፊጉዎን ይርከብ።

  3. ዘይምዕሩይ ምርጫ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኵነታት እታ ሃገር እንታይ ይብል?

  4. ሰልፊ ብልጽና ብሰፊሑ ክዕወት ትጽቢት ይግበር

    ሰልፊ ብልጽና ብሰፊሑ ክዕወት ትጽቢት ይብር

    ምንጪ ስእሊ, FBC

    ኢትዮጵያ፡ ሎሚ ሰኑይ ሻብዓይ ሃገራውን ክልላውን መረጻ ተካይድ ኣላ።

    ተንተንቲ ፖለቲካ፡ ኣብ ዝበዝሐ ክፋል እታ ሃገር ኣዕናዊ ግጭት እኳ እንተሃለወ፡ ሰልፊ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ብሰፍሕ ከም ዝዕወት ይግምቱ።

    ልዕሊ 50 ሚልዮን ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብቲ ሃገራዊ መረፃ ድምፁ ክህብ ተመዝጊቡ ኣሎ።

    ኣብ ክልል ትግራይ፡ ብሰንኪ"ዘይምቹው ኩነታት" መረጻ ከምዘይካየድ ሃገራዊ ቦርድ መረፃ ኣፍሊጡ ኢሎ።

    እታ ክልል፡ ብሰንኪ እቲ ካብ 2020 ክሳብ 2022 ዝተኻየደ ደማዊ ኩናት ሓድሕድ፡ ኣብ ቀጻሊ ፖለቲካዊ ዕግርግርን ወጥርን ተሸሚማ ትርከብ።

    ወዲ 49 ዓመት ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብ 2018 ኣንጻር እቲ ንነዊሕ እዋን ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ግንባር ኢህወዴግ ዝተኻየደ ህዝባዊ ተቓውሞ ስዒቡ፡ ስልጣን ምቍፅፃሩ ይዝከር።

    ኣብ ፖለቲካውን ማሕበራውን መዳያት ሰፋሕቲ ዕርያታት ክገብር ድማ ተስፋ ተገይሩሉ ነይሩ።

    ሰልፊ ብልጽግና፡ ኣንጻር እቲ ብውሽጣዊ ንሕንሕ ዝደኸመን ዝተበታተነን ተቓውሞ፡ ነቲ ሃገራዊ መረፃ ክዕብልሎ ትጽቢት ይግበር።

    ተቓወምቲ ውድባት፡ መንግስቲ ፌደራል ንመራሕቶም ብምእሳርን ኣብ ፖለቲካዊ ንጥፈታቶም ሕጋውን ምምሕዳራውን ዕንቅፋት ብምፍጣርን ከምዘዳኽሞም ይኸሱ፣ መንግስቲ ነዚ ክስታት ይነፅጐ።

    ንሮይተርስ ሓዊሱ ብዙሓት ዓለም ለኻዊ ሚድያታት፡ ካብ መፋርቕ ወርሒ ለካቲት ጀሚሩ ካብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ክፅብፅቡ ኣይተፈቐደሎምን።

    ሰልፊ ብልጽግና ኣብ 2021 ኣብ ዝተኻየደ መረፃ ካብ 484 መናብር ሃገራዊ ባይቶ 410 መናብር ምርካቡ ዝዝከር እዩ።

    ኣብዚ ከርና ንሕንሕ ዘይብሉ ሻብዓይ ሃገራዊ መረጻ’ውን፡ ብሰፊሑ ክዕወት ትጽቢት ይግበር።

    Skip YouTube post
    ንትሕዝቶ Google YouTube ተፍቅድ ዶ?

    እዚ ጽሑፍ ካብ Google YouTube ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ Google YouTube ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

    Warning: ቢቢሲ ኣብ ካልእ ገጻት ንዘሎ ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን። ትሕዝቶ YouTube መወዓውዒታት ክህልዎ ይኽእል'ዩ።

    End of YouTube post

  5. ሰራዊት እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ወፍሩ ከስፍሕ ምዃኑ ገሊጹ

    ሰራዊት እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ስርሒታቱ ክቕፅለሉ ምዃኑ ገሊጹ።

    ወተሃደራት እስራኤል ንሩባ ላቲኒ ምስ ሰገሩ ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ምቍፅፃሮም ከም ዘስፍሑ ኣፍሊጦም።

    ሰራዊት እስራኤል ንሩባ ላቲኒ ቅድሚ ምሕላፉ ሓይሊ ኣየር እስራኤል ኣብ ልዕሊ ዕጡቕ ጕጅለ ሕዝቦላህ ከቢድ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ኣካይዱ ነይሩ።

    እስራኤል፡ ካብ ሩባ ላቲኒ ንደቡብ ንዝርከቡ ዕላማታት ሕዝቦላህ ድሕሪ ምውቃዕ ወፍራ ክተሕይል ምዃና ገሊጻ ዘላ።

    ሓደ ወተሃደር እስራኤል ብድሮን ሕዝቦላህ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ተቐቲሉ።

    ቀዳማይ ምኒስተር ሊባኖስ ናዋፍ ሰላም፡ እስራኤል “ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ዝርከባ ከተማታትን ዓድታትን ኰነ ኢላ ብምጥቃዕ፡ ንጹሃት ሰባት ክመዛበሉ ተገድድ ኣላ፡” ኢሉ።

    እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ወሲኹ፡ እስራኤል እተካይዶ ዘላ ደብዳብ ነፈርቲ፡ ንጸጥታን ምርግጋእን እቲ ዞባ ይዘርግ ከም ዘሎ እውን ገሊፁ።

    እስራኤልን ሊባኖስን ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ዋሽንግተን ተራኺበን ብኣንጋድነት ኣመሪካ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ልዝብ ክሳተፋ ምዃነን ይግለፅ።

  6. ኣብ ሻብዓይ ሃገራዊ መረፃ ድምጺ ምሃብ ብስእሊ

    ምድማፅ መረፃ፡ መረፃ ክልል ሃመር፣ ጣብያ ቆላጃ ኣንጉዴ

    ምንጪ ስእሊ, NEBE

    መግለጺ ስእሊ, ምድማፅ መረፃ፡ መረፃ ክልል ሃመር፣ ጣብያ ቆላጃ ኣንጉዴ
    ጉጅለ ተዓዛቢ መረፃ ኢጋድ ጅማ ኣትዩ ምጅማር መረፃ እንትከታተል

    ምንጪ ስእሊ, NEBE

    መግለጺ ስእሊ, ጉጅለ ተዓዛቢ መረፃ ኢጋድ ጅማ ኣትዩ ምጅማር መረፃ እንትከታተል
    ኣብ ክልል ዓፋር ፍሉይ ወረዳ ኣርጎባ ድምፂ ዝህቡ መረፅቲ

    ምንጪ ስእሊ, NEBE

    መግለጺ ስእሊ, ኣብ ክልል ዓፋር ፍሉይ ወረዳ ኣርጎባ ድምፂ ዝህቡ መረፅቲ
    ፕረዚደንት ክልላዊ መንግስቲ ደቡባዊ ምዕራብ ኢትዮጵያ ኢንጂነር ነጋሽ ዋገሾ (ዶክተር) ድምጹ ይህብ

    ምንጪ ስእሊ, NEBE

    መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ክልላዊ መንግስቲ ደቡባዊ ምዕራብ ኢትዮጵያ ኢንጂነር ነጋሽ ዋገሾ (ዶክተር) ድምጹ ይህብ
  7. ብዛዕባ እታ 'ሕብሪ ወርሒ' እትሰምየት ኤርትራዊት ዘውዲ ኣርኣያ እንታይ ንፈልጥ?

  8. ኢትዮጵያ፡ ሻብዓይ ሃገራዊ መረፃ ይካየድ ኣሎ

    ኡሁሩ ኬንያታ ንመስርሕ ድምፂ ምሃብ እናተዓዘበ

    ምንጪ ስእሊ, EBC

    ኣብቲ ብደረጃ ሃገር ዝካየድ ሻብዓይ ሃገራዊ መረጻ፡ ብዘይካ ኣብ ክልል ትግራይ፡ ኣብ ካልኦት ከባብታት እታ ሃገር ካብ ወጋሕታ ሰዓት 12 (6) ድምጺ ምሃብ ተጀሚሩ።

    ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣቐዲሙ ኣብ መላእ ክልል ትግራይን ኣብ ገለ ከባቢታት ክልል ኣምሓራን መረፃ ከምዘይካየድ ኣፍሊጡ ነይሩ።

    ኣብ ክልል ኣምሓራ ደቡብን ምዕራብን ጎንደር፣ ደጋ ዳሞትን ኣምባሰልን ሓዊሱ ሎሚ ኣብ 8 ክልላት መረፃ፡ ድምፂ ከምዘይወሃብ እውን እቲ ቦርድ ገሊፁ።

    ንሻብዓይ ሃገራዊ ሓፈሻዊ መረፃ ልዕሊ 54 ሚልዮን መራጽቲ ከምዝተመዝገቡ እቲ ቦርድ ኣመልኪቱ።

    ኣብዚ መረፃ 42 ፖለቲካዊ ውድባት ዝሳተፋ ኮይነን፡ እተን ውድባት ልዕሊ 10 ሽሕ ሕጹያት ኣመዝጊበን ኣለዋ።

    ካብዚኦም እቶም 2080 ንባይቶ፤ 8,352 ሕጹያት ንቤት ምኽሪ ዞባታት፤ 80 ሕጹያት ድማ ብውልቂ ክወዳደሩ እዮም።

    55 ሲቪላዊ ማሕበራት ውሽጢ ሃገር ነቲ መረፃ ይዕዘባኦ ከምዘለዋ ይግለፅ።

    ሕብረት ኣፍሪቃ ድማ ብፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታ ዝምራሕ ተዓዛቢ ልኡኽ ኣዋፊሩ ኣሎ።

  9. ትራምፕ፡ ኣብ እማመ ስምምዕ ኣመሪካን ኢራንን ክልወጥ ዝደለዮ እንታይ እዩ?

  10. ዘውዲ ኣርኣያ: እታ ኣብ 70ታት ኣብ ዓዲ ጥልያን ዘንጸባረቐት ኤርትራዊት ኮኾብ

  11. ኣውከስ - ኣመሪካ፣ ዓባይ ብሪጣንያን ኣውስትራልያን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ውስጠ-ባሕሪ ከማዕብላ ወጢነን

  12. ኣብ ፅምብል ዓወት ፒኤስጂ ኣስታት 400 ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም

  13. ኢራን፡ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝዀነ ወተሃደራዊ ምትእትታው ከምዘይትጻወር ኣፍሊጣ

    ኣባላት እዚ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን (IRGC)

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ኣብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኢራን ቁልፊ ሰብ ዝኾነ ኻታም ኣል-ኣናብያ፡ “ዝኾነ ይኹን ምሕደራ መጻብቦ ሆርሙዝ ንምዝራግ ዝግበር ወተሃደራዊ ምትእትታው”፡ ስጉምቲ ከምዝውሰዶ ኣጠንቂቑ።

    ንሱ፡ “ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ንዘሎ ዋሕዚ ትራፊክ ንምዝራግ ዝኾነ ይኹን ፈተነ እንተተገይሩ”፡ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን (IRGC) ወተሃደራዊ ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ንደሓር ከምዘይብል ገሊጹ።

    "ኩለን መራኽብን ንግዳዊ ጀላቡን በቲ ዝተመደበለን መስመራት ክሓልፋ ዝኽእላ፡ ብፍቓድ ሓይሊ ባሕሪ IRGC ጥራይ እየን" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

    ዝኾነ ይኹን ምጥሓስ እዚ ሕጊ፡ "ድሕነት እቲ ዞባ ዝርብሽ'ዩ" ኢሉ።

    ኣመሪካን እስራኤልን፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ዳግማይ ምኽፋተን ስዒቡ፡ ቴህራን ኣብ ልዕሊ መጻብቦ ሆርሙዝ ዘለዋ ቁጽጽር ኣትሪራ ኣላ።

    ገለ መራኽብ ብመጻብቦ ሆርሙዝ፡ ብጥቓ ገማግም ባሕሪ ወሽመጥ ዖማን ክሓልፋ ከምዝፈተና ዝተረጋገፁ ፀብፃባት ይሕብሩ።

  14. 'ወራጅ ኣለ' - ብኣመሪካዊት ዝተፈነወት ኢትዮጲያዊት ኣልበም ሙዚቃ

  15. 'ብዘፍርሕ' መንገዲ ዝስፋፋሕ ዘሎ ኢቦላ፡ ኣብ ክልተ ሰሙኑ

  16. ባይቶ ጋና ጸረ ሕደጾታን ተዛመድቲ ጉዳያትን ረቂቕ ሕጊ ኣጽዲቑ

    ነቲ ረቂቕ ሕጊ ዘርቀቐ ኣባል ባትቲ ጋና ካህን ጆን ንቲም ፎርድጆር፡ እቲ ሕጊ ኣብ ባይቶ ምስ ሓለፈ ንማዕከናት ዜና መግለጺ ሂቡ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    መግለጺ ስእሊ, ነቲ ረቂቕ ሕጊ ዘርቀቐ ኣባል ባትቲ ጋና ካህን ጆን ንቲም ፎርድጆር፡ እቲ ሕጊ ኣብ ባይቶ ምስ ሓለፈ ንማዕከናት ዜና መግለጺ ሂቡ

    ባይቶ ጋና፡ ሕደ-ጾታውነትን ምንቅስቓሳት ምስፍሕፋሕ ‘ኤልጂቢቲኪው+’ንገበን ዝገብር ሓድሽ ረቂቕ ሕጊ ኣጽዲቑ።

    መንነት ለዝብያን፡ ገይ፡ ባይሰክሹዋል፡ ትራንስጀንደር ወይ ክዊር ምሓዝ፡ ክሳዕ ሰለስተ ዓመት ማእሰርቲ ዘቕጽዕ ኰይኑ፡ እቲ ረቂቕ ሕጊ ነቶም ዝተኸልከሉ ተግባራት ናብ ፖሊስ ናይ ምሕባር "ግዴታ" እውን ዘእቱ እዩ።

    መራሕቲ ሃይማኖታውያ፡ ፕረዚደንት ጆንድራማኒ ማሃማ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ስልጣን ካብ ዝሕዝ ጀሚሮም ጸረ ሕደ-ጾታ ሕግታት ከጽንዕ ጸቕጢ ክገብሩ ጸኒሖም።

    እዚ እገዳ’ዚ ብኣህጉራውያን ትካላት ብርቱዕ ነቐፌታ ዝገጠሞ ኰይኑ፡ እዚ ሕጊ ንህይወት ሰባት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ጥራይ ከይኰነ፡ "ዜጋታት ንሓድሕዶም ክሰላለዩን ከቃልዑን ዘተባብዕ እዩ፡" ኢሎም።

    ኣብ ጋና ሓደ ዓይነት ጾታ ዘለዎም ዝምድናታት፡ ካብ እዋን ብሪጣንያዊ መግዛእቲ ዝነበሩ ሕግታት ጀሚሮም ዝተኸልከሉ እዮም።

  17. ኬንያ፡ ኣብ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ብዝተወልዐ ባርዕ ሓዊ ዝተጠርጠሩ ሸሞንተ ተምሃሮ ተታሒዞም

    ሓንቲ ኣደ ኣፋ ብኢዳ ሒዛ እናበኸየት

    ምንጪ ስእሊ, Andalou via Getty Images

    ኣብ ሓደ ናይ ደቀንስትዮ ቤት ትምህርቲ ብዝተውልዐ ባርዕ ሓዊ ንሞት 16 ተምሃሮን ዕንወትን ዘቃልዐ ሓደጋ ዝተጠርጠሩ ሸሞንተ ተምሃሮ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝወዓሉ ፖሊስ ኣፍሊጡ።

    እቲ ሓደጋ ብሓሙስ ንግሆ፡ ካብ ርእሰ-ከተማ ናይሮቢ 120 ኪሎ ሜተር ርሒቃ ኣብ እትርከብ ጊልጊል ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ኣዋልድ ኡቱሚሺ እዩ ተፈጺሙ።

    እቲ ሓዊ ነቲ 135 ድርብ ዓራውቲ ዝነበሮ ህንጻ መደቀሲ ክፍሊምሉእ ብምሉኡ ኣዕንዩዎ።

    ብመሰረት ፖሊስ ዝሃቦ ጸብጻብ፡ምስ ተምሃሮን ሰራሕተኛታትን ድሕሪ ዝተገብረ ዘተን ናይ ስቪቲቪ (CCTV) ምስልታት ምርመራን፡ እቶም ሸሞንተ ተምሃሮ ነቲ ናይ ምቅጻል ስጕምቲ ብምውጣንን ብምትግባርን ከም ዝተጠርጠሩ ገሊጹ።

  18. ትራምፕን ኣማኸርቱን ናብ ኣኼባ ድሕሪ ምእታዎም እንታይ ተባሂሉ?

  19. ጥዕና፡ ቃንዛ ርእሲ ንምውጋድ ሓሙሽተ ዝበለጹ ሜላታት

  20. መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ መራኸቢ ብዙሓን ዝገብሮ ዘሎ ናይ ምዕፋን ዘመተ ደው ከብል ኣምነስቲ ሓቲቱ