መረጻ ኣመሪካ 2024፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ድሕሪ ዓወት ትራምፕ ንፈለማ እዋን መግለጺ ሂቡ

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ድሕሪ ዓወት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ፡ ንትራምፕ ከምዝደወለሉን፡ ሰላማዊ መስርሕ ምስግጋር ስልጣን ክህሉ ከምዝሰርሕን ኣፍሊጡ። ንትራምፕ ዮሃናኡ ዝገለጸ ባይደን ምክትሉ ካማላ ሃሪስ ንዘካየደቶ ውድድር'ውን ንኢዱ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • 'ኣመሪካ ዝያዳ ክትሕይል'የ ተስፋ ዝገብር”- ፕረዚደንት ዩክረይን
  • ካማላ ሃሪስ ነቲ ስግግር ስልጣን ከም እትሕግዝ ቃል ኣትያ
  • ዶናልድ ትራምፕ ካቢኔኡ ክመዝዝ ትጽቢት ይግበር
  • ካማላ ስዕረታ ተቐቢላ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ "ብዙሓት ናብ ጸልማት ንኣቱ ከም ዘለና'ዩ ዝስምዖም፤ ግን ከምኡ ከም ዘይኰነ ተስፋ እገብር" ኢላ
  • ትራምፕ ካብተን ሸውዓተ ወሰንቲ ግዝኣታት መረጻ ኣመሪካ ኣብ ሓሙሽቲአን ተዓዊቱ
  • ሪፐብሊካን ንሰኔት ኣመሪካ ተቘጻጺሮም

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ትራምፕ፡ ኣብ መደረ ዓወቱ እንታይ ኢሉ?

    ትራምፕ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ኣብ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣመሪካ ድሮ ዓወቱ ዝኣወጀ ዶናልድ ትራምፕ፡ ንደገፍቱ ሰፊሕ መደረ ኣስሚዑ፤

    ንሱ ኣብቲ ኣብቲ ኣብ ፍሎሪዳ ዝተኻየደ ጽንብል፡

    • ንኣድመጽቱ ኣመስጊኑ፤ “ህዝቢ ኣመሪካ፡ መበል 47፤ ቅድሚ ሕጂ ድማ መበል 45 [ኣብ 2016] ፕረዚደንት ክኸውን ንዝሃበኒ ድምጺ ዓቢይ ክብሪ ኣለኒ - ክብረት ይሃበለይ!” ኢሉ
    • ህዝባዊ ድምጺ ከምዝዕወት ገሊጹ፤ ኣብቲ ገና ዝካየድ ዘሎ ምቝጻር ድምጺ፡ ኣብዝሓ ህዝባዊ ድምጺ’ውን ክዕወተሉ ከምዝኽእል ገሊጹ ኣሎ። ኣብ 2016 ብጠቕላላ ብዝሒ ድምጺ፤ ሂላሪ ክሊንተን በሊጻቶ ከምዝነበረት ኣይርሳዕን። ሕጂ ግን ብዅሉ ኵሉ እዩ ዝመርሕ ዘሎ። “ኣመሪካ፡ መዳርግቲ ዘይብሉ ጽኑዕ ሓላፍነት ሂባትና ኣላ” ኢሉ።
    • ጀዲ ቫንስ “ቅኑዕ ምርጫ እዩ!”፤ ምክትሉ ክኸውን ንዝሓረዮ ጀዲ ቫንስ ዘመጐሰ ትራምፕ፡ ንዕኡ ምምራጽ ዝወሰዶ ስጕምቲ ቅኑዕ ምዃኑ ኣስሚሩሉ። ቫንስ ብወገኑ፡ “ዝዓበየ ታሪኻዊ ፖለቲካዊ ምልሶት” ክብል ነቲ ዛጊት ተጐናጺፎምዎ ዘለዉ ዓወት ጸንቢሉ።
    • ኢሎን መስክ “ኮኾብ” እዩ፤ ክፋል መደረ ትራምፕ፡ ነቲ ኣብዚ መረጻ ምርኡይ ዝዀነ ቢልዮነር ኢሎን መስክ ዝተወፈየ ኰይኑ፡ “ዓጀብ ዝዀነ ሰብኣይ!” ክብል ወዲስዎ።
  2. ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ንትራምፕ ዮሃና ኢሉ

    ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ

    ምንጪ ስእሊ, PM OFFICE

    ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብማሕበራዊ መራኸቢ ‘ኤክስ’ ኣብ ዘሕለፎ ሓጺር መልእኽቲ እንቛዕ ሓጎሰካ ኢሉ።

    “ኣብ መረጻ ብዝረኸብካዮ ዓወትን ዳግማይ ብምምላስካን እንቋዕ ሓጎሰካ” ይብል እቲ መልእኽቲ።

    ኣስዒቡ “ኣብ ዕድመ ስልጣንካ ድማ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራትና ዘሎ ርክብ ዝያዳ ንምጥንኻር ብሓባር ክንሰርሕ ብሃንቀውታ ይጽበ” ክብል ኣስፊሩ።

  3. ቀዳማይሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ምስ ትራምፕ ክሰርሕ ድሉውነቱ ገሊጹ

    ቀዳማይሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ምስ ትራምፕ ክሰርሕ ድልው ምዃኑ ኣረጋጊጹ

    ቀዳማይሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ኬር ስታመር ንዶናልድ ትራምፕ እንቋዕ ሓጐሰካ ድሕሪ ምባል “ታሪኻዊ ዓወት መረጻ" ክብል ንዓወት ትራምፕ ገሊጽዎ።

    እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ "ኣብ ዝቕጽሉ ዓመታት ምሳኻ ክሰርሕ ብሃንቀውታ እጽበ ኣለኹ" ክብል ጽሒፉ።

    “ከምናይ ቀረባ መሻርኽቲ፡ ነቶም ሓባራዊ ክብርታትና ዝዀኑ ናጽነት፡ ዲሞክራስን ኣብ ምክልኻል ሓቢርና ክንሰርሕ” ድልው እየ ኢሉ።

  4. ‘ኣብ ታሪኽ ዝዓበየ ምልሶት ትራምፕ’ መራሕቲ ዮሃና ክብሉ ይጓየዩ

    ነታንያሁን ትራምፕን ኣብ 2020 ኣብ ዝተራኸቡሉ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ዶናልድ ትራምፕ፡ ተዓዋቲ መረጻ ኣመሪካ 2024 ምዃኑ ኣብ ዝኣወጀሉ፡ ገለ መራሕቲ ሃገራት እንቋዕ ሓጐሰካ ክብልዎ ይጓየዩ ኣለዉ።

    ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል፡ “ኣብ ታሪኽ ዝዓበየ ምልሶት ብምብቃዕካ እንቋዕ ሓጐሰካ! እዚ ታሪኻዊ ምልሶትካ ንዋይት ሃውስ፡ ንኣመሪካ ሓድሽ ጅምር፡ ከምኡ ድማ ነቲ ኣብ መንጐ ኣመሪካን እስራኤልን ዝጸንሐ ሓያል ኪዳን ዳግም ዘጽዕ ብስራት እዩ፡” ኢሉ።

    ቀዳማይ ሚኒስተር ሃንጋሪ ቪክቶር ኦርባን ብተመሳሳሊ ቃና፡ “ኣብ ፖለቲካዊ ታሪኽ ኣመሪካ ዝዓበየ ምልሶት! ንፕረዚደንት ትራምፕ ድማ ዮሃና - ንዓለም ኣመና ዘገድስ ዓወት እዩ!” ኢሉ።

    መዘኻኸሪ፤ ትራምፕ ከምዝተዓወት የቃልሕ’ኳ እንተሎ፡ በቲ ወግዓዊ መገዲ ዝድለ 270 ድምጺ ገና ስለዘይመልአ፡ ብወግዒ ዓወቱ ኣይተነግረን። እንተዀነ ብዓብላሊ ድምጺ ንመወዳድርቱ መሪሑ ከምዘሎ ይፍለጥ።

  5. መረጻ ኣመሪካ 2024፡ ቀንዲ ውጽኢት ዝውስና 7 ግዝኣታት ኣየኖት እየን?

    መረጻ ኣመሪካ 2024፡ ቀንዲ ውጽኢት ዝውስና 7 ግዝኣታት ኣየኖት እየን?

    ኣብዚ ሎሚ ዝካየድ መረጻ ኣመሪካ ኣስታት 240 ሚልዮን ሰባት ድምጾም ሂቦም ተባሂሉ ይግመት ኣሎ።

    ብተዛማዲ ውሑዳት ካብኣቶም ጥራይ እዮም ንዝመጽእ ፕረዚደንት ኣመሪካ መን ይኸውን ዝብል ሕቶ ክፈትሑ ዝኽእሉ።

    ክኢላታት፡ ንዲሞክራት ወይ ሪፓብሊካን - ካማላ ሃሪስ ወይ ዶናልድ ትራምፕ - ብዘእምን መንገዲ ከዐውታ ዝኽእላ ብኣጻብዕ ዝቝጸራ ግዝኣታት ጥራይ ከምዘለዋ ይኣምኑ።

    ካብዚኣተን እተን ሸውዓተ - ኣሪዞና፡ ጆርጅያ፡ ሚሺጋን፡ ነቫዳ፡ ሰሜን ካሮላይና፡ ፐንሲልቨንያን ዊስኮንሲንን - መፍትሕ ዋይት ሃውስ ኣብ ኢደን ከምዘሎ እዩ ዝግለጽ።

    ግዝኣታት
  6. ትራምፕ ንኢሎን መስክ 'ሓድሽ ኮኾብ' ክብል ገሊጽዎ

    ኢሎን መስክ ሽልማት ሓደ ሚልዮን እናሃበ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ትራምፕ ኣብ መረጻ ከምዝተዓወተ ኣብ ወግዓዊ ኣብ ዝገበረሉ መደረ ንወናኒ ስፔስ ኤክን ማህበራዊ መራኸቢ 'X' ን ቢልየነር ኢሎን መስክ ንኢዱ።

    እቲ ሃብታም ዓለምና ኣካል ጎስጓስ ትራምፕ ከምዝነበረ ይፍለጥ።

    ንመስክ "ሓድሽ ኮኾብ" ሰልፊ ሪፓብሊካን ክብል ዝገለጾ ትራምፕ "ዝድነቕ" ሰብ ኢልዎ።

    ዶናልድ ትራምፕ ኣብ መረጻ ኣመሪካ ንኽዕወት ክጉስጉስ ዝጸንሐ ኢሎን መስክ፤ ድምጺ ንምሃብ ንዝምዝገቡ ሰባት መዓልታዊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ብዕጫ ክህብ ጸኒሑ’ሎ።

  7. ትራምፕ 'ዘደንቕ ዓወት' ከምዝረኸበ ተዛሪቡ

    ትራምፕ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ትራምፕ ኣብ መረጻ ንዝረኸቦ ድምጺ ስዒቡ ኣብ ዘስምዖ መደረ "ወርቃዊ ዘመን" ኣሜሪካ ኣብ ቅድሚት ከምዘሎ ገሊጹ።

    "እዚ ንህዝቢ ኣሜሪካ ዘደንቕ ዓወት'ዩ። ንኣሜሪካ ዳግማይ ዓባይ ክንገብራ ዘኽእለና ዓወት" ክብል ወሲኹ።

    ትራምፕ ዋላ እኳ ዛጊት እቲ ዝድለ ወግዓዊ ድምጺ ‘ኤለክቶራል ኮሌጅ’ እንተዘይረኸበ ከምዝተዓወተ እዩ ኣዊጁ ዘሎ።

  8. ሳልሰይቲ ወሳኒት ግዝኣት ፐንሲልቨንያ'ውን ትራምፕ ሓርያ

    ትራምፕ፡ ሕጂ’ውን ኣብ ፐንሲልቨንያ ኣገዳሲ ዓወት ተጐናጺፉ። እቲ ሕጹይ ሪፓብሊካን፡ ኣብታ ወሳኒት ግዝኣት ዝዀነት ኣብታ ግዝኣት ዝረኸቦ 19 ድምጺ፡ ዓወቱ ናብ 265 ክብ ብምባል፡ ነቲ 270 ድምጺ ዝጠልብ ፕረዚደንታዊ ዓወት ቀሪቡ የቋምት ከምዘሎ ተፈሊጡ።

    ግዛኣት ፐንሲልቨንያ
  9. '. . . ኣብዚ ንዘለዉ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ክጸልዎም እዩ' ዶክተር ፍትሒ

    ዶ/ር ፍትሒ

    ምንጪ ስእሊ, FITHI

    ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት እንታይ ይመስሉ እንተ ኢልና፡ መብዛሕትኦም ትሑት ኣታዊታት ዘለዎም ካብ ህዝባዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ዝድጐሙ ሸቃሎ እዮም።

    ስለዚ ካማላ፤ “ንናይ ሸቃሎ ቍጠባዊ ኵነታት ዘመሓይሽ ምምዕርራይ ክትገብር” ቃል ከምዝኣተወት ብምጥቃስ፡ ካብቲ ኣሚማቶ ዘላ መብጽዓታት ፖሊሲ ቀረጽ፣ ኣብ መንግስቲ ትራምፕ ንሃብታማት ዝተግበረ ናይ ቀረጽ ሕድገት ንሸቃሎ ክሳብ 32 ሚእታዊ ቀረጽ ዘስዓበ - ክሳብ 2026 ከምዝቕጽል ዝፍለጥ፡ ክትቅልብሶ ንሃብታማት ዝምልከት ቀረጽ ክብ ከተብሎ ትጽቢት ከምዝግበር ገሊጻ።

    በዚ መዳይ ድማ እዞም ክፋል ኣፍሪቃውያን ብሓፈሻ በዚ መዳይ ተጠቀምቲ ክዀኑ ተስፋታት ኣሎ።

    ምስ መሰል ስደተኛታት ዝተሓሕዝ ጉዳይ ምስ ምምጻእ ትራምፕ፡ ንስደተኛታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣሉታዊ ጽልዋታት ከምዝህሉ ስግኣት ከምዘሎ ፍትሒ ኣሚታ።

    በዚ ድማ፡ እቲ ብትራምፕ ክግለጽ ዝጸንሐ መሰልን ስርዓትን ምሕታት ዕቝባ ምሉእ ብምሉእ ክቕየር ስለዝዀነ፡ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ በቲ ዘለዎ ፖለቲካዊ ዘይርጕእነት ብዙሓት ካብኡ ንኣመሪካ ዝስደዱ ኣብ ሓደጋ ክወድቍ ስግኣት ኣሎ።

  10. ‘ካብ ባይቶና ባይቶ ኣመሪካ’ዩ ዝያዳ ዝጸልወና...’ - ዶ/ር ፍትሒ ዓንዶም ብኸመይ ተንቲናቶ?

  11. ዝሑል ስምዒታት ኣብ መድረኽ ደገፍቲ ካማላ ሃሪስ

    ኣብ ዝሑል ስምዒት ዘለዉ ሰባት

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ደገፍቲ ካማላ ሃሪስ ዓወት ንኽጽንብሉ ኣብ ቀጽሪ ዩኒቨርሲቲ ሆዋርድ ተዳልዮም’ኳ እንተነበሩ፡ ነገራት ኣይከምቲ ዝሓሰብዎን።

    በቲ ትራምፕ ዛጊት ኣብ ሰሜን ካሮላይናን ጆርጂያን ረኺብዎ ዘሎ ዓወት ስምዒቶም ዝተዘሓሓለ ይመስል።

    ብዙሓት ካብኣቶም ካብቲ ዝሓሰብዎ ቦታ ጽንብል ክኸዱ እንከለዉ፡ ንማዕከናት ዜና ርእይቶ ካብ ምሃብ ተቘጢቦም ኣለዉ።

    ኣብ ገጸን ጭንቀት ዝረአ ደገፍቲ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ድሕሪ’ቲ ንሰዓታት ዝተረኣየ ብደርፍታት ከም በዓል ኣሸርን ቢዮንሴን ዝበሉ ፍሉጣት ድምጻውያን ዝተሰነየ ተስፋን ሳዕስዒትን፡ እቶም ኣብቲ ንሃሪስ ዝተዳለወ ድግስ መረጻ ዝተኣከቡ ደገፍቲ ስምዒቶም ክዝሕል ተራእዩ።

  12. ትራምፕ ኣብ ጆርጅያ ተዓዊቱ

    ዶናልድ ትራምፕ፡ ካብተን ወሰንቲ ግዝኣታት ሓንቲ ንዝዀነት ጆርጅያ’ውን ከምዝተዓወተላ ይንገር ኣሎ። ካብተን ሸውዓተ ንዓወት መረጻ ኣመሪካ ዝውስና ዝበሃላ ግዝኣታት፡ ሰሜን ካሮላይና ኣቐዲሙ ዝተዓወተላ ኰይኑ፡ ጆርጅያ ድማ ሕጂ ደጊምዋ ኣሎ።

    ግዝኣት ጆርጅያ
  13. ሰሜን ካሮላይና ዓቢ ዓወት ንዶናልድ ትራምፕ

    ትራምፕ ድምጹ ምስ ሃበ

    ምንጪ ስእሊ, Brian Snyder/Reuters

    ዶናልድ ትራምፕ ኣብታ ሓንቲ ካብ ወሰንቲ ግዝኣታት ዝኾነት ሰሜን ካሮላይና ተዓዊቱ።

    እዚ ንጎስጓስ ትራምፕ ጽቡቕ ዜና እዩ፤ ምኽንያቱ ኣብቲ ውድድር ንምዕዋት ዘድሊ 270 ድምጺ ምርጫ ንምውሓስ መገዲ ዝኸፍት’ዩ።

    ኣብ መብዛሕትአን ካልኦት ወሰንቲ ግዝኣታት ግን ገና ወግዓዊ ኣኰነን ዘሎ። እዚ ማለት ከኣ ነገራት ገና ናብ ካማላ ሃሪስ ክዛዝዉ ተኽእሎ ክህሉ ይኽእል። ብፍላይ ኣብ ግዝኣታት ዊስኮንሲን፣ ፐንሲልቫንያን ሚቺጋንን ክትዕወት ​​እንተኽኢላ።

    ዓወት ሰሜን ካሮላይና ንሪፓብሊካን ዓቢ’ዩ። እታ ግዝኣት ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ዘድመጸትሉ ኩነታት ’ውን ምስ ናይ ሎሚ ይመሳሰል። ትራምፕ ኣብ 2016 ብ3.66 ምእታዊት፡ ኣብ 2020 ድማ ብቑሩብ ፍልልይ ብ1.34 ምእታዊት ኣብ ሰሜን ካሮላይና ተዓዊቱ ነይሩ።

    ኣብታ ግዝኣት ንመወዳእታ ግዜ ዝተዓወተ ሕጹይ ዲሞክራት ባራክ ኦባማ ምንባሩ ይዝከር። እዋኑ ከኣ ኣብ 2008 ነይሩ።

  14. ዶናልድ ትራምፕ ኣብ መብዛሕትአን ወሰንቲ ግዝኣታት (ስዊንግ ስቴትስ) ብኣጋኡ ይመርሕ ኣሎ

    ካማላ - ትራምፕ

    ዶናልድ ትራምፕ ኣብ መብዛሕትአን ክሳብ ሕጂ ውጽኢት ወግዓዊ ዝተገበረለን ወሰንቲ ግዝኣታት ዕብለላ የርኢ ኣሎ።

    ኣብተን ዝበዝሐ ድምጺ ዝተቖጽረለን ጆርጅያ፣ ሰሜን ካሮላይናን ፔንስልቨንያን ይመርሕ ምህላዉ ተፈሊጡ።

    ኣብ ኣሪዞናን ዊስኮንሲንን ድማ ብንኢሸተይ ኣፈላላይ ንቕድሚት ይግስግስ ኣሎ። ኣብተን ክልተ ግዝኣታት ልዕሊ ፍርቂ ድምጺ ተቖጺሩ’ዩ።

    እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ካማላ ሃሪስ ኣብ ሚቺጋን ትመርሕ ኣላ። ግን ከኣ ዛጊድ 32 ምኢታዊት ድምጺ ጥራይ እዩ ተቘጺሩ።

    ካብዘን ግዝኣታት ክሳብ ሕጂ ዝተጸውዐ የለን። ዝያዳ ድምጺ እናተቖጽረ ምስ ከደ ድማ ነገራት ብቕልጡፍ ክቕየሩ ከምዝኽእሉ ትጽቢት ይግበር።

  15. ካማላ ሃሪስ'ውን ኣመሪካውያን ወጺኦም ድምጾም ክህቡ ትጽውዕ

    ካማላ ሃሪስ

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ድምጻ ብፖስጣ ዝሃበት ካማላ ሃሪስ ብወገና፡ ህዝቢ ኣመሪካ ድምጹ ንምሃብ ናብ መደመጺ ነቚጣታት ክውሕዝ ተማሕጺና'ላ

    "ክንገብሮ ኣለና። ሎሚ መዓልቲ መረጻ'ዩ፡ ህዝቢ ድማ ወጺኡ ብንጥፈት ክዋሳእ ኣለዎ" ክትብል ኣብ ኣትላንታ (ጆርጂያ) ንዝርከብ ሓደ መደበር ራድዮ ተዛሪባ።

    እንተ ተመሪጻ ብዛዕባ ዝህልዎ ታሪኻዊ ትርጉም ተሓቲታ ክትምልስ እንከላ፡ ኣቶኩሮኣ "ኣብ ቅድመይ ዘሎ ዕማም'ያ" ኢላ።

    ሎሚ ለይቲ ናብቲ ወኪል ተመሃሮ ቀዳማይ ዓመት ዝነበረትሉ ሃዋርድ ዩኒቨርሲቲ ተመሊሳ ዓወታ ክትጽንብል ዘለዋ ተስፋ'ውን ኣይሓብአትን።

    ምስ ካልእ መደበር ራድዮ ኣብ ዘካየደቶ ቃለመሕትት'ውን ብዙሓት ኣዝማዳ ምስኣ ከምዘለዉ ብምጥቃስ፡ ቅድሚ'ቲ ተስፋ ዝገበረትሉ ጽንብል ዓወት ምስ ስድራቤታ ክትድረር ምዃና ሓቢራ'ላ።

    ሕጹይ ምክትላ ቲም ዎልዝ ብወገኑ "ጸቡቕ'ዩ ዝስምዓና ዘሎ" ክብል ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ።

    እቲ ኣመሓዳሪ ክፍለሃገር ሚኒሶታ ዝኾነ ዎልዝ፡ ጐስጓሶም ኣብ ዙርያ ተስፋን ሓድነትን ከምዝነበረ ካብ ፐንሲልቫንያ ናብ ርእሰከተማ ዋሽንግተን ኣብ ዘምረሓሉ እዋን ገሊጹ።

    ኣብ ደሞክራስያዊ መስርሕ እታ ሃገር ጽኑዕ ምትእምማን ከምዘለዎ ብምግላጽ ድማ "ኣዝዩ ናጻን ውሑስን ምርጫታት" ክኸውን'ዩ ኢሉ።

    ንሱ'ውን ብወገኑ፡ ምስ ሓያለ ራድዮታት ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትታት ህዝቢ ወጺኡ ድምጹ ክህብ ጸዊዑ ነይሩ።

  16. ድሮ ድምጹ ዝሃበ ዶናልድ ትራምፕ ከምዝዕወት 'እተኣማመን'የ' ይብል

    ዶናልድ ትራምፕ ምስ ብዓልቲ ቤቱ መላንያ

    ምንጪ ስእሊ, re

    ንካልኣይ እብረ ናብ ዋይት ሃውስ ንምምላስ ዝተወዳደረ ሕጹይ ፕረደዚንት ዶናልድ ትራምፕ ምስ ብዓልቲቤቱ መላንያ ኣብ ዝነብረሉ ከባቢ 'ፓልም ቢች' (ፍሎሪዳ) ኣድሚጹ።

    "ኣዝየ ተኣማሚነ ኣለኹ . . . ሪፓብሊካውያን'ውን ብብዝሒ ዝወጹ'ዮም ዝመስሉ"።

    ነዊሕ መስርዕ ምዕዛቡ'ውን "ክብረት ይስምዓኒ" ኢሉ።

    "ትማሊ ምሸት ኣምሲና ኢና ተመሊስና" ክብል ብረቡዕ ኣብ ሚሺጋን ዘካየዶ ናይ መወዳእታ ጐስጓስ ጠቒሱ።

    "ጽቡቕ ንኸይድ ከምዘለና'የ ዝሰምዕ ዘለኹ" ብምባል ከኣ ዘለዎ ተስፋ ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ።

    ምክትሉ ክኸውን ዝሓረዮ ጀይ-ዲ ቫንስ'ውን ኣብ ከተማ ሲንሲናቲ (ኦሃዮ) ኣድሚጹ'ሎ።

    "ዘለኒ ስምዒት፡ ኣብዛ ሃገር ዘሎ ምምቕቓል ንምሕዋይ ዝበለጸ መንገዲ፡ ነታ ሃገር ብዝግባእ ምምሕዳር'ዩ" ክብል'ውን ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ።

    "ንኩሎም ኣመሪካውያን ከዘኻኽሮም ዝደሊ፡ ንመን ነድምጽ ብዘየገድስ ብመሰረቱ ሓንቲ ጋንታ ኢና"።

  17. ኪኖ ፕረደዚንት ንመረጻ ዝቐረቡ ካልኦት ጉዳያት ከምዘለዉ ትፈልጡዶ?

    ኣብ ወጋሕታ መስርዕ ዝሓዙ ኣድመጽቲ

    ምንጪ ስእሊ, Stephen Maturen/Getty Images

    ኣመሪካውያን ዜጋታት ብዘይካ ኣብ ካማላ ሃሪስን ዶናልድ ትራምን ዝገብርዎ ሕርያ፡ ንሓያለ ካልኦት ጉዳያት'ውን ሎሚ ብድምጾም ክውስኑ እዮም፣

    • መሰል ምንጻል ጥንሲ ኣብ ወሰንቲ ዝኾና ኣሪዞናን ነቫዳን ዝርከብአን 10 ክፍለሃገራት ንምርጫ ቀሪቡ ኣሎ።
    • ሓደ-ሲሶ ናይቲ 100 ኣባላት ዘለውዎ ላዕለዋይ ባይቶ (ሰነት) እውን ሎሚ ክውሰን'ዩ። ደሞራትስ ብሓደ ዝያዳ መንበር ሰነት ተቖጻጺሮ'ምዮም ጸኒሖም። ምክትል ፕረዚደንት'ውን ፕረዚደንት ሰነት ስለዝኾነት ብልጫ ጸኒሕዎም'ዩ።
    • ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካ- ኣብ ከክልተ ዓመት ንመረጻ ዝቐርብ ብምልኡ 435 መናብር'ውን ሎሚ ብዝወሃብ ድምጺ ንመን ወሰደ ተኸፊቱ'ሎ። ክሳብ ሕጂ ሪፓብሊካውያን ብሒደት መናብር ተቖጻጺሮሞ ዝጸንሑ ኣገዳሲ ኣካል መንግስቲ ኣመሪካ'ዩ።
    • ንምዝናይን ንሕክምናን ዘገልግል ማሪዋና እውን ኣብ ኣርባዕተ ክፍለሃገራት (ፍሎሪዳ፡ ነብራስካ፡ ሰሜን ዳኮታን ደቡብ ዳኮታን) ንውሳነ ህዝቢ ቀሪቡ ይርከብ።
    • መስርሕ ምድማጽን መረጻን ባዕሉ'ውን ንውሳነ ህዝቢ (ረፈረንደም) ዝቐርበሎም ከባቢታት ኣለዉ

    ብፍላይ ንባይቶ ወከልቲ ህዝብን ሰነትን መን ዓብለለ ሓደ ካብቶም ኣቓልቦ ዝወሃቦም ኣገደስቲ ውጽኢት መረጻ እዩ። ዓበይቲ ሕጊታት ንምጽዳቕ ፌርማ ፕረዚደንት ጥራይ እኹል ስለዘይኮነ፡ ሰለስቲኦም ኣካላት ክሰማምዑ ቅዋም እታ ሃገር ዘገድዶ እዩ።

    ሳሕቲ ንዋይት ሃውስ ዝቆጻጸር ሰልፊ ንክልቲኡ ባይቶታት ናይ ምዕብላል ዕድል እንተገጢምዎ ዘድልዮ ውሳነታት ከሕልፍ ጥጡሕ ባይታ ይፈጥረሉ እዩ።

    ሰነት ብፍላይ ብፕረዚደን ዝምዘዙ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ደያኑን ናይ ምጽዳቕ ሓላፍነት ስለዘለዎ ኣውራ ኣገዳስነት ዘለዎ ፈደራላዊ ባይቶ ወከልቲ ክፍለሃገራት እዩ።

    ነፍሲ ወከፍ ክፍለሃገር ብክልተ ኣባላት ሰነት'ያ ትውከል።

  18. ኣብ ልዕሊ ፍርቂ ክፍለሃገራት ምድማጽ ተጀሚሩ'ሎ

    መድመጺ ሳንጹናት

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ዝጀመረ ወግዓዊ መስርሕ ምድማጽ ናብ ምዕራብ እናሰፍሐ ይኸደድ ኣሎ።

    ድሮ ኣርባዕተ ካብተን ወሰንቲ ዝብሃላ ክፍለሃገራት (ስቴትስ) ኣፍደገታተን ንመረጽቲ ከፊተን ኣለዋ።

    በተን ቀልጢፉ ዝወግሓለን ኒው ዮርክ፡ ኒው ጀርሲ፡ መይን፡ ከንታኪ፡ ከነቲከትን ቨርጂንያን ዝፈለመ ወግዓዊ መዓልቲ መረጻ፡ ናብ ፍሎሪዳ፡ ሉዊዝያናን ሜሪላንድን ዝርከብአን ክፍለሃገራት ሰጊሩ'ሎ።

    ካብተን ወሰንቲ ዝብሃላ ሸውዓተ ክፍለሃገራት ዛጊት ኣብ ፐንሲልባንያ፡ ሚሺጋን፡ ጆርጅያ፡ ከምኡ'ውን ዊስኮንሲን መድመጺ ነቚጣታት ተኸፊቱ ኣሎ።

    ብሓፈሻ ኣብ ዝበዝሓ ካብተን 50 ክፍለሃገራት ኣመሪካ መስርሕ ምድማጽ ተጀሚሩ'ሎ።

    ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዝርከባ ከም ብዓል ካሊፎርንያ ዝበላ ክፍለሃገራት ብሕጂ'የን ክበራበራ።

    ኣመሪካ፡ ብሰንኪ ስፍሓታ ዝተፈላለየ ዞባታት ክፍለ-ግዜ (ታይም ዞንስ) ከምዘለዋ ይፍለጥ።

  19. መረጻ ኣመሪካ፡ ሃሪስ ወይ ትራምፕ ክዕወቱ ዝድርኹ 10 ረቛሒታት

    ነዊሕ ትጽቢት ዝተገብረሉ ፕረዚደንታዊ መረፃ ኣመሪካ ከምቲ 'መዓልትን ከልብን ከይጸዋዕካዮም ይመጹ' ዝብሃል እንሆ ሎሚ ደበኽ ኢሉ'ሎ።

    መሰል ምድማጽ ዘለዎም ኣስታት 250 ሚልዮን ዜጋታት ኣመሪካ ሎሚ ሰሉስ 5 ሕዳር ናብ መድመጺ ነቚጣታት ብምውሓዝ ንካማላ ሃሪስ ወይ ዶናልድ ትራምፕ ዘለዎም ደገፍ ክገልጹ'ዮም።

    ኣስታት 90 ሚልዮን ካብኦም'ኳ ክሳብ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝነበረ እዋን ድምጾም ሂቦም ከምዘለዉ'ዩ ዝዝረብ።

    ክሳብ ሎሚ ክወጽእ ዝጸንሐ ዳህሳሳዊ ግምታት ደገፍ ህዝቢ ተቐራራቢ ብምዃኑ መኒኦምም ክዕወት ይኽእል ንዝብል ሕቶ ዛጊድ ንፁር ኣመት ክረክብ ኣይክኣለን።

    ሃሪስን ትራምፕን
  20. መረጻ ኣመሪካ 2024፡ ዓለማዊ ሳዕቤኑ እንታይ ክኸውን ይኽእል?

    ፕረዚደንት ባይደን፡ ሃገሩ ንዩክረይን ዘለዋ ድጋፍን ሓድነትን ከርኢ፡ ኣብ ለካቲት 2023 ናብ ኪቭ ኣብ ዝገበሮ ሃንደበታዊ ዑደት፡ ሓያል ድምጺ መጠንቀቕታ ካብ ሰማይ ይስማዕ ነይሩ።

    "ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ ገለ ሓያል ነገር ተሰሚዑኒ... ፤ ኣመሪካ ቀንዴል ዓለም እያ” ይብል ጸኒሑ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ።

    ዓለም፡ ኣመሪካውያን ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ መረጻ፡ ነዚ መብራህቲ መን ከም ዝሕዞ ክውስኑ ብሃንቀውታ ትጽበ ኣላ።

    ካማላ ሃሪስ፡ “ኣብዚ ዘይርጉእ እዋን፡ ኣመሪካ ንድሕሪት ኣይትምለስን” ብዝብል እምነት፡ ኣሰር ባይደን ሒዛ ክትቅጽል ድያ? ወይስ

    “ኣመሪካዊነት ይቕደም! ወጊድ ዓለምለኻውነት” ዝብል መንገዲ ዶናልድ ትራምፕ ክስዕር እዩ?"

    ዓለማዊ ጽልዋ ኣመሪካ ኣብ ሕቶ ዝኣተወሉ ዘበን ኢና እንነብር ዘለና። ዞባዊ ሓይልታት ብናቶም መንገዲ ይኸዱ ኣለዉ፣ ምልካውያን ስርዓታት ሓበራዊ ምሕዝነት ይገብሩ ኣለዉ።

    መረጻ ኣመሪካ 2024፡ ዓለማዊ ሳዕቤኑ እንታይ ክኸውን ይኽእል?