እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መረጻ ኣመሪካ 2024፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ድሕሪ ዓወት ትራምፕ ንፈለማ እዋን መግለጺ ሂቡ
ፕረዚደንት ጆ ባይደን ድሕሪ ዓወት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ፡ ንትራምፕ ከምዝደወለሉን፡ ሰላማዊ መስርሕ ምስግጋር ስልጣን ክህሉ ከምዝሰርሕን ኣፍሊጡ። ንትራምፕ ዮሃናኡ ዝገለጸ ባይደን ምክትሉ ካማላ ሃሪስ ንዘካየደቶ ውድድር'ውን ንኢዱ።
ጽማቝ ሓበሬታ
- 'ኣመሪካ ዝያዳ ክትሕይል'የ ተስፋ ዝገብር”- ፕረዚደንት ዩክረይን
- ካማላ ሃሪስ ነቲ ስግግር ስልጣን ከም እትሕግዝ ቃል ኣትያ
- ዶናልድ ትራምፕ ካቢኔኡ ክመዝዝ ትጽቢት ይግበር
- ካማላ ስዕረታ ተቐቢላ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ "ብዙሓት ናብ ጸልማት ንኣቱ ከም ዘለና'ዩ ዝስምዖም፤ ግን ከምኡ ከም ዘይኰነ ተስፋ እገብር" ኢላ
- ትራምፕ ካብተን ሸውዓተ ወሰንቲ ግዝኣታት መረጻ ኣመሪካ ኣብ ሓሙሽቲአን ተዓዊቱ
- ሪፐብሊካን ንሰኔት ኣመሪካ ተቘጻጺሮም
ቀጥታዊ ሸፈነ
ሕቶ ዕቝባ ንኣመሪካ ካብ ትሕተ-ሰሃራ ኣፍሪቃ
ኣብ 2022 ኣስታት 13 ሽሕ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብ ዶብ ኣሜሪካን ሜክሲኮን ከምዝተመዝገቡ መረዳእታ ጉምሩክን ሓለዋ ዶባትን ኣሜሪካ የመልክት።
ኣብ 2023 ከኣ እዚ ኣሃዝ ብኣርባዕተ ዕጽፊ ወሲኹ ናብ 58 ሽሕ በጺሑ።
ቤት ጽሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር) ከምዝሓበሮ፡ ካብ 2022 ጀሚሩ ካብ ከም በዓል ሰኔጋል፣ ሞሪታንያን ጊኒን ዝኣመሰላ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ኣብ ተመሳሳሊ ዶብ ሕቶ ዕቝባ ዘቕርቡ ሰባት ልዑል ወሰኽ ኣርእዩ’ሎ።
ዜጋታት ሰኔጋል ጥራይ እንተወሲድና 773 ሰባት ኣብ 2022 ሕቶ ዕቑባ ኣቕሪቦም ነይሮም። ኣብ 2024 ከኣ እቲ ቍጽሮም ናብ 13,224 በጺሑ።
ኣብ ኣሜሪካ ሕቶ ዑቕባ ተቐባልነት ናይ ምርካብ ዕድል ብፍላይ ንኣፍሪቃውያን ስደተኛታት በዳሂ እዩ።
ትራምፕ'ዶ ካማላ - ንኤርትራ መንኦም ዝያዳ የገድሱ?
ኣመሪካውያን ሎሚ 5 ሕዳር ንዝመጽእ ኣርባዕተ ዓመታት ዝመርሖም ፕረዚደንት ዝመርጹላ ናይ መወዳእታ መዓልቲያ።
ኣመሪካ ኣብ ዓለም ዓብላሊት ሃገር ከም ምዃና መጠን፡ ሃገራት ዓለም መን እንታይ ጽልዋ ይህልዎ? ብነናተን ኣጠማምታ ክገልጻኦ ይስማዓ’የን።
እዚ ሕቶ’ዚ ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብኡ ኣቢልና ከኣ ናብ ኤርትራ ምስ እነምጽኦ፡ ዝተፈላለዩ ሰባት ዝተፈላለየ ኣረኣእያ’ዩ ዘለዎም።
ተንታኒ ፖለቲካ ማእከላይ ምብራቕን ቀርኒ ኣፍሪቃን ዓብዱራሕማን ሰይድ ኣቡሃሽም ኣመሪካ ምስ ቃልሲ ግብረ ሽበራውያን ኣብ ዝተሓሓዝ’ምበር ንሃገራት ኣፍሪቃ ከም ቍጠባዊ መሻርኽቲ ርእያ ኣይኰነትን እትቐርበን ይብል።
ኢሎን መስክ ንመረጽቲ ሓደ ሚልዮን ዶላር ምሃብ ክቕጽል ከምዝኽእል ዳኛ ውሳነ ሂቡ
ፖለቲካዊ ጕጅለ ኢሎን መስክ ኣብተን ወሰንቲ ዝበሃላ ግዝኣታት ንዝርከቡ መረጽቲ ሓደ ሚልዮን ዶላር ክሽልም ከምዝኽእል ዳኛ ወሲኑ።
እቲ ብኢሎን መስክ ዝምራሕ ‘ኣመሪካ ፓክ’ ዝህቦ ሽልማት ንሰሉስ ክዛዘም ምዃኑን፡ ናይ መወዳእታ ተቐባሊ ኣቐዲሙ ከምዝተወሰነን ጠበቓ ናይቲ ቢልዮነር ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝተኻየደ መስርሕ ፍርዲ ገሊጹ።
እቲ ጠበቓ፡ ነቲ ገንዘብ ዝቕበሉ ሰባት፡ ከምቲ ብዙሓት ዝኣምንዎ፡ ብመስርሕ ዕጫ ሎተሪ ብዝካየድ ውድድር ዝተመርጹ ዘይኰነስ በቲ ጕጅለ ከም ዝተመርጹ ኣቃሊዑ።
ደሞዝ ፕረዚደንት ኣመሪካ ክንደይ ይበጽሕ ይኸውን?
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዓመታዊ ዝኽፈሎ ደሞዝ ክንደይ ይመስለኩም? ኣብ ዓለም እቲ ዝኸበደ ስራሕ ስለ ዝዓምም ሚልዮናት ዶላራት ዝኽፈሎ’ዶ ይመስለኩም?
ልክዕ’ዩ፤ ፕረዚደንትነት፡ ብፍላይ ድማ ዓባይ ሃገር ኣመሪካ፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝሓየለን ዝዓበየን ስራሕ እዩ።
እንተዀነ ዝዀነ ይዅን ፕረዚደንት ልክዕ ከምቲ ካልእ ሰራሕተኛ መንግስቲ ፈደራል ስለ ዝዀነ ደሞዝ ይቝረጸሉ’ዩ።
ካማላ ሃሪስ ወይ ዶናልድ ትራምፕ ኣብዚ ሎሚ 5 ሕዳር 2024 ዝካየድ መረጻ ፕረዚደንት ኰይኖም እንተተዓዊቶም፡ ሓደኦም መራሕቲ እታ ሃገር ክዀኑ’ዮም።
ሩስያ ንመረጻ ኣመሪካ 'ቀንዲ ንጥፍቲ ስግኣት' እያ
ሩስያ "ቀንዲ ስግኣት” መረጻ ከምዝዀነት ማሕበረሰብ ስለያ ኣመሪካ ብሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ ሓባራዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።
እቲ መግለጺ ብቤት ጽሕፈት ዳይሬክተር ሃገራዊ ስለያ፡ ፈደራል ቢሮ ምርመራ (ኤፍ.ቢ.ኣይ)ን ኤጀንሲ ድሕነት ሳይበርን ትሕተ ቅርጺን ዝተፈረመ እዩ።
ዳህሳሶም "ብፍላይ ምስ ሩስያ ምትእስሳር ዘለዎም" ሰባት "ሕጋውነት ናይቲ መረጻ ንምድኻም፡ኣብ መረጽቲ መስርሕ መረጻ ብዝምልከት ፍርሒ ንምስፋንን ካልእን . . ." ዝዓለሙ ቪድዮታትን ስኑዓት ጽሑፋትን የፍርዩ ከምዘለዉ የመልክት።
ዓለማዊ ሳዕቤኑ እንታይ ክኸውን ይኽእል?
ፕረዚደንት ባይደን፡ ሃገሩ ንዩክረይን ዘለዋ ድጋፍን ሓድነትን ከርኢ፡ ኣብ ለካቲት 2023 ናብ ኪቭ ኣብ ዝገበሮ ሃንደበታዊ ዑደት፡ ሓያል ድምጺ መጠንቀቕታ ካብ ሰማይ ይስማዕ ነይሩ።
"ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ ገለ ሓያል ነገር ተሰሚዑኒ... ፤ ኣመሪካ ቀንዴል ዓለም እያ” ይብል ጸኒሑ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ።
ዓለም፡ ኣመሪካውያን ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ መረጻ፡ ነዚ መብራህቲ መን ከም ዝሕዞ ክውስኑ ብሃንቀውታ ትጽበ ኣላ።
ካማላ ሃሪስ፡ “ኣብዚ ዘይርጉእ እዋን፡ ኣመሪካ ንድሕሪት ኣይትምለስን” ብዝብል እምነት፡ ኣሰር ባይደን ሒዛ ክትቅጽል ድያ? ወይስ
“ኣመሪካዊነት ይቕደም! ወጊድ ዓለምለኻውነት” ዝብል መንገዲ ዶናልድ ትራምፕ ክስዕር እዩ?"
ዓለማዊ ጽልዋ ኣመሪካ ኣብ ሕቶ ዝኣተወሉ ዘበን ኢና እንነብር ዘለና። ዞባዊ ሓይልታት ብናቶም መንገዲ ይኸዱ ኣለዉ፣ ምልካውያን ስርዓታት ሓበራዊ ምሕዝነት ይገብሩ ኣለዉ።
ልዕሊ 78 ሚልዮን ሰባት ድምጾም ሂቦም
መረጻ ኣመሪካ ሰሉስ 05 ጥቅምቲ 2024 ክካየድ እዩ። ወግዓዊ መዓልቲ ምሃብ ድምጺ ቅድሚ ምጅማሩ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ጥራይ ልዕሊ 78 ሚልዮን ሰባት ድምጾም ከምዝሃቡ ተገሊጹ።
ሓያሎ ግዝኣታት ኣመሪካ፡ ብዙሓት ሰባት ተራእዩ ብዘይፈልጥ ተሳትፎ ቅድሚ መዓልቲ መረጻ ድምጾም ይህቡ ከምዘለዉ ኣፍሊጠን ኣለዋ።
ኣብታ ሓንቲ ካብተን 7 ወሰንቲ ዝበሃላ ግዝኣታት ዝዀነት ሰሜን ካሮላይና ጥራይ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ዜጋታት ድምጾም ከምዝሃቡ ይግለጽ።
ኣሪዞና፡ ጆርጅያ፡ ኔቫዳ፡ ሰሜን ካሮላይና፡ ዊስኮንሲን፡ ፔንሲልቨንያን ሚሺጋንን ንውጽኢት እቲ መረጻ ክውስና ዝኽእላ ወሰንቲ ግዝኣታት (‘ስዊንግ ስቴትስ’) እየን።
ካብዚኦም ኣብ ሚሺጋን፣ ዊስኮንሲንን ፔንሲልቨንያን ቅድሚ ሰሉስ ድምጾም ዝህቡ ሰባት ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ እዩ።
ኣብ 2020 ተኻይዱ ኣብ ዝነበረ መረጻ፡ 101.5 ሚልዮን ሰባት ወግዓዊ መዓልቲ ምሃብ ድምጺ ከይበጽሐ ከሎ ድምጾም ሂቦም ነይሮም። እቲ ቍጽሪ ክሳብ ክንድዚ ዝበዝሓሉ ምኽንያት ግን እቲ መረጻ ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ ስለዝተኻየደ ሰባት ልዕሊ ዓቐን ምጽቕቓጥ ብምስጋእ ኣቐዲሞም ድምጺ ብምሃቦም እዩ።
ኣብ 2016 ኣብ ዝተኻየደ መረጻ 47 ሚልዮን ኣብ 2012 ከኣ 46 ሚልዮን ሰባት ቅድሚ ወግዓዊ መዓልቲ መረጻ ድምጾም ሂቦም ምንባሮም ይንገር።
ኣብ ድሮ መረጻ መን ይመርሕ ኣሎ?
ሰሉስ 5 ሕዳር 2024 ዝካየድ መረፃ ኣመሪካ፡ ተዓዊቲ መፃኢ ፕረዚደንት ንምዃን ዝግበር ዘሎ ንሕንሕ ዝቐፀለ ዀይኑ ኣሎ።
ኣብ ገለ ግዝኣታት ዘይተገመተ ውጽኢታት ዳህሳስ እንትረአ፡ ክልቲኦም ሕፁያት ተወዳደርቲ፡ ካማላ ሃሪስን ትራምፕን፡ ኣብ ተሪር ጐስጓስ ተፀሚዶም ይርከቡ።
ካብ ግዝኣት ኣዮዋ ዝተገብረ መባእታዊ ዳህሳስ፡ ሕጽይቲ ፕረዚደንት ካማላ ሃሪስ ብ47 ሚእታዊት ክትመርሕ እንከላ፡ ዶናልድ ትራምፕ ድማ ብ44 ሚእታዊት ይኽተላ ከም ዘሎ የመልክት።
ኣብቲ ነዚ ዳህሳስ ዘካየደ ትካል እትሰርሕ ፍልጥቲ ተመራማሪት ኣን ሰልዘር፡ እዚ ውፅኢት ካብ 808 መረጽቲ ብዝተረኽበ ድምፂ ዝተወስደ ኰይኑ፡ ደቂ ኣንስትዮን ነጻ መረጽትን ንካማላ ሃሪስ ኣብሊፀን ክዀና ከም ዝኽእላ ተዛሪባ ኣላ።
እዚ ማለት ግን ናይ መወዳእታ ውፅኢት ዘርኢ ከም ዘይኰነ እቲ ትካል ሓቢሩ ኣሎ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብ ድሮ መረጻ መን ይመርሕ ኣሎ?
ካማላ ዶ ትራምፕ - ውጽኢት መዓስ'ዩ ዝፍለጥ?
ኣመሪካውያን ጽባሕ 5 ሕዳር 2024 ዝቕጽል ፕረዚደንቶም ንምምራጽ ድምጺ ክህቡ’ዮም።
ነቝጣታት መረጻ ምስ ተዓጸው፡ ሕጹያት ተወዳደርቲ ዝረኸቡዎ ድምጺ ዝተቐራረበ ክኸውን ስለ ዝኽእል፡ ተዓዋቲ/ት መን ምዃኑ ንሓያሎ ሰዓታት፡ ንመዓልትታት ወይ ሰሙናት ክግመት ኣይከኣልን’ዩ።
ሕጽይቲ ሰልፊ ዲሞክራት ምኽትል ፕረዚደንት ካማላ ሃሪስን ሕጹይ ሪፓብሊካን ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕን ንሰሙናት ሓያሎ ጐስጓሳት ክገብሩ ቀንዮም’ዮም።
መረጻ ዝካየደላ መዓልቲ እናቐረበት ምስ መጽአት፡ ንውጽኢት እዚ መረጻ ዝውስና ‘ስዊንግ ስቴትስ’ ተባሂለን ዝፍለጣ ግዝኣታትን ካልኦት ግዝኣታት ኣመሪካን ክወሃብ ዝቐነየ ድምጺ ኣዝዩ እናኸረረ መጺኡ።